መጽናዕቲ መልእኽቲ ይሁዳ፡ ዕዮ ገዛ ቍ.5
ዝቐረቡ ሕቶታት
1. "ብሕልሞም ንስጋኦም የርከስዎ" ኣብ ዝብል፡ እቲ "ሕልሚ" ተባሂሉ ዘሎ እንታይ ማለቱ ይመስለኩም፧
2. ጐይትነት (ስልጣን) የቃልሉ፡ ከምኡ'ውን ክብሪ (መዓርጋት) የሕስሩ ወይ ይጸርፉ፡ ክብል ከሎ ከመይ ማለቱ እዩ፧
3. ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ ክነሱ፡ ንዲያብሎስ "ፍርዲ ጸርፊ" ክዛረብ ኣይደፈረን። እዚ ንዓና እንታይ ይምህረና፧
4. ፍልልይ ኣፍልጦን ስምዒትን እንታይ እዩ፧
ጉጅለ ሰላም ዝመለስዎ
1. "ብሕልሞም ንስጋኦም የርከስዎ" ኣብ ዝብል፡ እቲ "ሕልሚ" ተባሂሉ ዘሎ እንታይ ማለቱ ይመስለኩም፧
ሰሎሞን ጥበብ ዝተዓደለሉ (1 ነገ 3:5-13)፡ ያእቆብ ቃል ኪዳን ዝተቐበለሉ (ዘፍ 28:12-16)፡ ከምኡ’ውን ዮሴፍ መምርሒ ዝረኸበሉ (ማቴ 1:20) ስለ ዝዀነ፡ ሓቀኛ ሕልሚ፡ ኣምላኽ ፍቓዱ ንምግላጽ ዝጥቀመሉ ሓደ መለኮታዊ መገዲ እዩ። ይሁዳ ኣብዚ ጠቒስዎ ዘሎ "ሕልሚ" ግና፡ እቶም ሓሰውቲ መምሃራን ንስጋዊ ድሌቶምን ርኽሰቶምን መንፈሳዊ መልክዕ ንምሃብ "ተገሊጹልና" እናበሉ ዝጥቀሙሉ ናይ ሓሶት ምስምስ እዩ፡ (ይሁዳ 8፤ ኤር 23:25-26)። እዚ ኸኣ፡ ካብ ጥበራ ገዛእ ርእሶም ዝምንጩ ስለ ዝኾነ፡ ንሰብ ካብ ሓቂ ኣርሒቑ ናብ ሓጢኣትን ጥፍኣትን ዝወስድ እዩ።
2. ጐይትነት (ስልጣን) የቃልሉ፡ ከምኡ'ውን ክብሪ (መዓርጋት) የሕስሩ ወይ ይጸርፉ፡ ክብል ከሎ ከመይ ማለቱ እዩ፧
ነቲ ጐይታ ኣብ ሉቃስ 6:46 "ስለምንታይ ደኣ፥ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ እትብሉኒ እሞ ኣነ ዝብሎ ኣይትገብሩን፧" ብምባል ዝገሰጾ ዓይነት ዘይምእዛዝ ዘርኢ እዩ። ምስቲ ኣብ ይሁዳ 4 ተጠቒሱ ዘሎ "ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጐይታናን የሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎ" ዝብል ቃል ድማ ይተኣሳሰር።
"ኮኸብ ካብ ኮኸብ ብኽብሪ ይበልጽ" ተባሂሉ ኣብ 1 ቈረ 15:41 ከም ዝተጻሕፈ፣ ኣምላኽ፡ ንፍጡራቱ ዝተፈላለየ መዓርግን ክብርን ሂብዎም ክንሱስ፡ እዚኣቶም ግና ነቶም ኣምላኽ ዝሰርዖም ሰማያውያን መላእኽቲ ይኹኑ ምድራውያን ቅዱሳን ብትዕቢት ይንዕቁ፡ "ክብሪ የሕስሩ" ወይ "ይጸርፉ"
3. ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ ክነሱ፡ ንዲያብሎስ "ፍርዲ ጸርፊ" ክዛረብ ኣይደፈረን። እዚ ንዓና እንታይ ይምህረና፧
እዚ ተግባር እዚ፡ ብቐዳምነት፡ ሓቀኛ ትሕትና ማለት ንስልጣን ኣምላኽ ምእዛዝ ምዃኑ ይምህረና፣ ብምቕጻል ድማ፡ ፍርዲ ናይ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ’ውን የርእየና። ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል ካብ ዲያብሎስ ዝለዓለ ስልጣን እናሃለዎ ክነሱ፡ ምስኡ ኣብ ዝነበሮ ክርክር "ፍርዲ ጸርፊ" ክዛረብ ኣይደፈረን። ኣብ ክንድኡ "እግዚኣብሔር ይግናሕካ" ብምባል ፍርዲ ናብቲ ሓቀኛ ፈራዲ ዝኾነ ኣምላኽ ሓዲግዎ (ይሁዳ 9፤ ዘካ 3:2)። ካብዚ እንምሃሮ እምበኣር፡ ነቶም ዘይፈልጥዎ ነገር ብትዕቢት ዝጸርፉ ሰባት ከም ዓቢ መግናሕቲ ክኸውን ከሎ፡ ንዓና ድማ ኣብ ክንዲ ንፈርድን ንጸርፍን፡ ምፍዳይ ሕነ ናብ ኣምላኽ ሓዲግና (ሮሜ 12:19) ብምእዳብ መልሓስን ብትሕትናን ክንመላለስ ከም ዝግብኣና እዩ።
4. ፍልልይ ኣፍልጦን ስምዒትን እንታይ እዩ፧
መንፈሳዊ ፍልጠት፦ ካብ ቃል ኣምላኽን ካብ ብርሃን መንፈስ ቅዱስን ዝርከብ ኮይኑ፡ ንሰብ ካብ ጸልማትን ድንቁርናን ሓራ ዘውጽእ እዩ (ዮሃ 8:32)። ኣምላኽ እዚ ፍልጠት እዚ ንዳንኤልን ብጾቱን (ዳን 1:17)፡ ከምኡ’ውን ንበሳልኤል (ዘጸ 31:3) ከም ዝዓደሎም ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ንረክብ። ሃዋርያ ጳውሎስ’ውን ነቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ ምስ ረኸበ፡ ነቲ ዝተረፈ ኩሉ ከም ጐሓፍ ቈጺርዎ እዩ (ፊሊ 3:8)። ብፍቕሪ ኣምላኽ ዝስነ ፍልጠት፡ ንሰብ ናብ መንፈሳዊ ብስለትን ናብ ክብሪ ኣምላኽን ይመርሖ።
ስጋዊ ስምዒት፦ ብኣንጻሩ ግዝያዊ፡ ተለዋዋጥን ኣብ ስጋዊ ድሌታት ጥራይ ዝተመርኮሰን ብምዃኑ ናብ መገዲ ጥፍኣት ይመርሕ። ሰብ ብስምዒት ጥራይ ክመላለስ ከሎ ከምቶም ሕልና ዘይብሎም እንስሳታት ይኸውን። ንኣብነት፡ ቃኤል ብቅንኢ (ዘፍ 4:5-8)፡ ኤሳው ብጥምየት (ዘፍ 25:29-34)፡ ኣሕዋት ዮሴፍ ድማ ብቕንኢ (ዘፍ 37:11) ተደፋፊኦም ዝገበርዎ ተግባራት፡ ንስጋዊ ስምዒት ዘርኢ እዩ። ይሁዳ "በቲ ብባህርዮም ከምቶም ኣእምሮ ዜብሎም እንስሳታት ገይሮም ዚፈልጥዎ፡ ብእኡ ነታ ርእሶም የጥፍእዋ አለዉ" ብምባል ነዚ ሓደገኛ ስምዒት የጠንቅቐና (ይሁዳ 10)።
ጉጅለ ፍቕሪ ዝመለስዎ
1. "ብሕልሞም ንስጋኦም የርከስዎ" ኣብ ዝብል፡ እቲ "ሕልሚ" ተባሂሉ ዘሎ እንታይ ማለቱ ይመስለኩም፧
እቲ ኣብ ፍቕዲ 8 ዘሎ፡ ሕልሚ ዝብል ቃል፡ "Enupniazō" (ἐνυπνιάዝω) ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል ክኸውን ከሎ፡ ትርጉሙ "ሕልሚ ምርኣይ" ማለት እዩ፣ እቶም ኣእምሮ እዞም ሰባት እዚኦም ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ስለ ዝደንዘዘ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ቅዱስ ቓል ኣምላኽ ኣብ ራእያቶም ወይ ሕልምታቶም እዮም ዜቕልቡ። ከምዚ ኢሎም ድማ ናብ ርኽሰትን ዘይምእዛዝን ይወድቁ።
2. ጐይትነት (ስልጣን) የቃልሉ፡ ከምኡ'ውን ክብሪ (መዓርጋት) የሕስሩ ወይ ይጸርፉ፡ ክብል ከሎ ከመይ ማለቱ እዩ፧
ነቲ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ዝኾነ ልዕላዊ ስልጣን ኣምላኽ (Lordship of Christ) ኣይእዘዙን ማለት እዩ።። ነቲ ቃል ኣምላኽ ምጽራር ንሓደ ሰብ ናብ ስልጣን ኣምላኽን ነቲ ኣብ ምድሪ ዝሃቦ ስልጣንን ከም ዚጻረር እዩ ዚገብሮ።
3. ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ ክነሱ፡ ንዲያብሎስ "ፍርዲ ጸርፊ" ክዛረብ ኣይደፈረን። እዚ ንዓና እንታይ ይምህረና፧
ኣኽብሮትን ክብሪ ስልጣንን ይምህረና። ቅዱስ ሚካኤል፡ ዋላ’ኳ ካብ መላእኽቲ ዝለዓለ ስልጣን እንተለዎ፣ ኣብ ልዕሊ ድያብሎስ (ጸላኢ) ባዕሉ ክፈርዶ ወይ ክጸርፎ ኣይደለየን። እቶም መምህራን ሓሶት ንመላእኽቲ ይጸርፉ ስለ ዝነበሩ፣ ቅዱስ ሚካኤል ግና ዋላ ነቲ ርኹስ መልኣኽ (ድያብሎስ) እኳ ብጸርፊ ኣይመለሰሉን።
ልሳንና ክንሕልዎ ከም ዘለና፡ ከናፍርና ኸኣ ምረቓ ከነውሰኣሉ ከም ዘለና፡ ጐይታና ኣብ ወንጌሉ ምሂሩና እዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ፍርዲ ናይ ኣምላኽ ምዃኑ’ውን የርእየና።
ከም ካልኣይ ሓሳብ፡ ቅልስና ምስ ስጋን ደምን ዘይምዃኑ የርእየና። ከምቲ ሚካኤል ብስልጣን ኣምላኽ ዝመጾ ንሕና’ውን ኣጽዋር ኣምላኽ ክህልወና ከም ዘለዎ፣ ከምቲ ቅዱስ ሚካኤል ብስልጣን ኣምላኽ ዝተቓወሞ፡ ንሕና’ውን ንሰይጣንን ሰራዊቱን ብስልጣን ኣምላኽ ክንቃወሞ ከም ዘለና ክንምሃር ንኽእል ኢና።
4. ፍልልይ አፍልጦን ስምዒትን እንታይ እዩ፧
መንፈሳዊ ፍልጠት ኣብቲ ኣምላኽ ዝገለጾ ሓቂ ዝተሰረተ ዀይኑ፡ ንሰብ ከኣ መንፈሳዊ ምስትውዓል ይህቦ፣ ንኻልኦት ኣኽብሮት ከም ዝህልዎን (ከምቲ ቅዱስ ሚካኤል ዝገበሮ) ይገብሮ። ስምዒት ግና ብኣንጻሩ፡ ልክዕ ከምቶም "ኣእምሮ ዘይብሎም እንስሳ" ንሰብ ብስጋዊ ትምኒቱን ብኸንቱ ሕልሙን ጥራይ ከም ዝዝወር ብምግባር፡ ንልኡላውነት ኣምላኽ ክንዕቅን ንገዛእ ርእሱ ከርክስን ይድርኾ።
ጉጅለ ምሕረት ዝመለስዎ
1. "ብሕልሞም ንስጋኦም የርከስዎ" ኣብ ዝብል፡ እቲ "ሕልሚ" ተባሂሉ ዘሎ እንታይ ማለቱ ይመስለኩም፧
ኣብ ሓቂ ወይ ኣብ ጋህዲ ዓለም ዘይምንባር፥ ብኣንጻሩ ኣብ ስእለ-ኣእምሮ ( imagination) ምንባርን፥ ኣብቲ ባዕልኻ ዝፈጠርካዮ ዓለም ምምልላስን ማለት’ዩ። እዞም ሓሰውቲ መምህራን፡ ንኣምላኽ ክሒዶሞ ክንሶም’ሲ ግን ከኣ ብሕልሚ ተገሊጹልና እዩ ይብሉ። እዚ ዝብሉሉ ምኽንያት፡ እግዚኣብሄር ሓደ ሓደ ግዜ ብሕልሚ’ውን ስለ ዝዛረብ እዩ፣ ንኣብነት እቲ ንዮሴፍ ወይ ንዳንኤል ብሕልሚ ዝተገልጸሎም ክንጠቅስ ንኽእል። ስለዚ ናይ ሓሶት መምህራን ነቲ ዝተገልጸ ቃል ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዝኽተልዎ፥ ንውሽጣዊ ተመክሮታቶም ይጥቀሙን ይኽተሉን።
2.ጕይትነት( ስልጣን)የቃልሉ፥ከምኡ’ውን ክብሪ (መዓርጋት) የሕስሩ ወይ ይጻረፉ፥ክብል ከሎ ከመይ ማለት’ዩ፧
"ስልጣን የቃልሉ፥ክብሪ የሕስሩ" ማለት፡ ብሓደ መዳይ፡ ንመለኮታዊ ስልጣን ኢየሱስ ክርስቶስን ናይ እግዚኣብሔር ኣብን ዕሽሽ ይብሉ ማለት ክኸውን ከሎ፡ ብእግዚኣብሔር ንዝተመርጹ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ዝነጽጉ፥ንርእሶም ግና ስልጣን ዝህብ ኣነባብራ ዘስፋሕፍሑ ድማ እዮም። ሃዋርያ ጴጥሮስ ውን ነዞም ከምዚኦም ሰባት ክገልጾም እንከሎ፡ 2ይ ጴጥሮስ 2:10 ምናዳ ግና ነቶም ብርኹስ ትምኒት ደድሕሪ ስጋ ዚኸዱ፡ ንጕይትነት ከኣ ዚንዕቁ፡ ደፋራት፡ ፈተውቲ ርእሶም፡ ንኽብርታት ኪጸርፉ ዘየንቀጥቅጡ፥ብምባል ይነገረና።
3. ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ ክነሱ፡ ንዲያብሎስ "ፍርዲ ጸርፊ" ክዛረብ ኣይደፈረን። እዚ ንዓና እንታይ ይምህረና፧
ንስልጣን ዘበለ ክብሪ ክንህብን፡ ጸርፊ ዘበለ ካብ ኣፍና ክወጽእ ከም ዘይብሉን ይምህረና። ክርክር ናብ ጸርፊ ከምርሕ ይኽእል እዩ፥ ቅዱስ ሚካኤል ግና ከም ዘይታጸረፈ ኢና እንርኢ። ንሕና ኸኣ ኣብ ግዜ ክርክር ወላ ንሕና ቅኑዓት ንኹን፡ ክንጻረፍ ግና ከም ዘይብልና ንምሃር።
ካልኣይ እንርእዮ ኸኣ ድያብሎስ (ሉሲፈር) ቅድሚ ምውዳቑ፡ ሓለቃ መላእኽቲ እዩ ኔሩ፡ (ቅዱስ ሚካኤል ነዚ ይፈልጦ እዩ፡ ሓለቓኡ እዩ ኔሩ ኣብቲ ናይ ቅድስና ስፍራ ከሎ፥ ስለዚ ኣምላኽ ይግናሕካ ደኣ በሎ እንበር እዚ ሕጅ ዘለዎ ስፍራ ርእዪ ንስልጣኑ ከቃልሎ ክንዕቆ ኣይንርእዮን ኢና፥ ንሕና ኸኣ ዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ስፍርኦም ዝወደቑ ክንርኢ ከለና ነቲ ውድቀቶም ርኢና ክንጻረፍ ዘይኮነስ፡ ፍርዲ ዘበለ ንኣምላኽ ክንገድፈሉ ከም ዘለና ኢና እንምሃር።
4. ፍልልይ አፍልጦን ስምዒትን እንታይ እዩ፧
"ኣፍልጦ" ማለት፡ ፍልጠት ሓቂ ዘሎዎ፡ ብርድኢትን ምስትውዓልን ዝቕለስ ክኸውን ከሎ፡ "ስምዒት" ማለት ከኣ ብኣካላዊ፡ ብኣእምሮኣዊን ድርኺት ዝቕለስ ማለት’ዩ። ኣብ ህይወት፡ ከም ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሓዘን፡ ፍርሃት፡ ቍጥዐ፡ ቅንኣት፡ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ስምዒታት ኣለዉ። ይሁዳ 1:10 “እዚኣቶም ግና ነቲ ዘይፈልጥዎ ይጸርፍዎ፡ በቲ ብባህርዮም ከምቶም ኣእምሮ ዜብሎም እንስሳታት ገይሮም ዚፈልጥዎ ብእኡ ነታ ርእሶም የጥፍእዋ አለዉ” ክብል ከሎ፡ ነቲ ብስምዒት ዝቕለስ እዩ ዘርእየና ዘሎ።
ጉጅለ እምነት ዝመለስዎ
1. "ብሕልሞም ንስጋኦም የርከስዎ" ኣብ ዝብል፡ እቲ "ሕልሚ" ተባሂሉ ዘሎ እንታይ ማለቱ ይመስለኩም፧
እዛ “ሕልሚ” ተባሂላ ዘላ፡ ምስቲ ኣብ ዘዳግም 13፡ 1-5 ከምኡውን ምስ ኤርምያስ 23፡ 25-32 ብዛዕባ እቶም ነብያት ሓሶት እተዋህበ መጠንቀቕታ ምትእስሳር ዘለዋ እያ። ይሁዳ፡ ነቶም ሓሳብ ኣምላኽ ገዲፎም፡ ብሓሳብ ገዛእ ርእሶም ዝመላለሱ ንምግላጽ እዩ፡ “ሕልሚ” ዝብል ዝጥቀም ዘሎ። እዚ ድማ ነቲ ሓጥእ ሸውሃቶም ኬዕግቡሉ ዚኽእሉ መገድታት፡ ከም ድርኺት ምእንቲ ክዀኖም ዝሓልምዎ እዩ። ንተግባራቶም ከም መመኽነይታ ንምቕራብ ከኣ፡ “ብሕልሚ ተገሊጹልና” ይብሉ። ኣብ 1 ቈረ 6፡ 18-20 ከም እንርእዮ፡ “ካብ ምንዝርና ህደሙ” እዩ ዝብል። ነቲ ሓሳብ ክዛዝሞ ኸሎ ኸኣ፡ “ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ” ይብል። ኣመንቲ፡ ኣካላቶም ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃኑ ክሓስቡ ይግባእ።
2.ጕይትነት( ስልጣን)የቃልሉ፥ከምኡ’ውን ክብሪ (መዓርጋት) የሕስሩ ወይ ይጻረፉ፥ክብል ከሎ ከመይ ማለት’ዩ፧
ስልጣን ምንጻግ ኪበሃል ከሎ ነቲ እተመስረተ መሪሕነት ወይ መለኮታዊ ስርዓት ዘይምኽባር ማለት እዩ። ንሃዋርያዊ ስልጣንን ንትምህርትታት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ምንጻግ ዜመልክት ድማ እዩ። ከምቲ ኣብ 2 ጴጥሮስ 2፣ 10 ተገሊጹ ዘሎ ኸኣ “ንጕይትነት ዚንዕቁ፡ ደፋራት፡ ፈተውቲ ርእሶም፡ ንኽብርታት ኪጸርፉ ዘየንቀጥቅጡ፡” ምዃኖም ተነጊሩና’ሎ። ነቲ ኣብ ዘሁልቍ 16 ኣንጻር ሙሴ እተላዕለ፡ ዕልወት ቆራሕን ሰዓብቱን፡ ከም ንመረዳእታ ክንጠቅስ ንኽእል። ከምዚ እንርእዮ ዘለና፡ እቶም ነብያት ሓሶት፡ ንመዓርጋት ክብሪ ዝጸርፉ፡ ንስልጣን እቲ ርእሲ ቤተ ክርስትያን ዝዀነ፡ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከይተረፈ’ውን ዝነጽጉ፡ ኰይኖም ይርከቡ፡ (ቈሎሴ 1 18)።
3. ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ ክነሱ፡ ንዲያብሎስ "ፍርዲ ጸርፊ" ክዛረብ ኣይደፈረን። እዚ ንዓና እንታይ ይምህረና፧
ቅዱስ ሚካኤል፡ ምስ ድያብሎስ ኣብ ምቅላስ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ቀንዲ መልኣኽ ኰይኑ ተገሊጹ’ሎ (ዳንኤል 10፡ 13- 21፣ 12፡ 1፣ ራእይ 12፡ 7–9)። እቲ ቐንዲ ነጥቢ፡ ሚካኤል፡ እቲ ሊቀ መላእኽቲ፡ ንዲያብሎስ ከጸልሞ ኣይንርእን ኢና። እቶም ይሁዳ ዚዛረበሎም ከሓድቲ ግና፡ እቲ ሊቀ መላእኽቲ’ውን ከይተረፈ ዘይገብሮ ነገር ንምግባር ክሳዕ ዝህንደዱ ብትዕቢት እተነፍሑ እዮም። ካብዚ እንመሃሮ እምበኣር፡ ትሕትናን ትዕግሰትን እዩ። ተመሳሳሊ ኣብነት ክትኮነና እትኽእል ድማ ኣብ 1 ሳሙ 24፣7 ዘማሪ ዳዊት ዝገበሮ እዩ። “ንሰቡ ድማ፡ ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ንጐይታይ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር፡ ኢደይ ናብኡ ዘርጊሔ እዚ ነገር እዚ ምግባርሲ፡ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ፡” በሎም።
4. ፍልልይ ኣፍልጦን ስምዒትን እንታይ እዩ፧
ስምዒት ሃንደበታዊ ዝፍጠር፡ ተለዋዋጥን ጊዝያውን እዩ። ኣፍልጦ ግና ኣብ ፍልጠት እተሰረተ፡ ቀዋምን፡ ብቐሊሉ ድማ ዘይተቐያርን እዩ። ካብቲ ናይ ዘማሪ ዳዊት ኣብነት እንተወሰድና፡ ነቲ ንሞት ዘሳጉጎ ዝነበረ ሳኦል ንምቕታሉ ኣብ ምቹእ ቦታ ምስ ረኸቦ፡ ስምዒት ክዕብልሎ ኣይፈቐደን። ”ሎሚ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ ነይሩ፡ ኣነ ግና ናብቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ኣቢለ ኢደይ ክዝርግሕ ኣይፈቶኹን፡ እግዚኣብሄር ደአ ንነፍሲ ወከፍ ከም ጽድቁን ከም እምነቱን ይፍደዮ” ብምባል ብኣፍልጦን ብፍርሃት ኣምላኽን ክውስን ከሎ ንርእዮ፡ ( 1 ሳሙ 26፡23)።