መጽናዕቲ መልእኽቲ ይሁዳ፡ ዕዮ ገዛ ቍ 6

ዝቐረቡ ሕቶታት

  • “ብመገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፡ ምእንቲ ዓስቢ ብስሕተት ባላዓም ጸደፉ፡ ብዕልወት ቆራ ኸኣ ጠፊኦም እዮም እሞ፡ ወይለኦም” (ይሁዳ1.11) ካብዚ ጥቕሲ’ዚ ብምብጋስ፡

  • ሀ. እንታይነት፥ መገዲ ቃየል፥ ስሕተት በለዓም፥ ዕልወት ቆሬ ኣሕጺርኩም ግለጹ

  • ለ. ንዓና ዘሕልፎ መልእኽቲ እንታይ እዩ፧

  • ሐ. ኣብ መልእኽቲ ጴጥሮስ ”ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ዓመጽቲ ኸኣ እምበር፡ ነቶም ሕያዎትን ልኡማትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብፍርሃት ዘበለ ንጐይተትኩም ተአዘዝዎም” ይብል (1ጴጥ2.18)። ኣብዚ ኣብ ይሁዳ እንምሃሮ ዘለና መለለዪ እቶም ስሉኽ ኢሎም ዝኣትዉ ናይ ሓሶት መምህራን ድማ፡ ንመዓርጋት ዘይእዘዙ ይብል ኣሎ እሞ፡ እዚ ኽልቲኡ ከይጋጮስ ብኸመይ ከነሰማምዖ ንኽእል፧

  • መ. ቅዱስ ሚካኤል ንሰይጣን ትሕትና ምርኣይ ማለትሲ ከመይ ማለት’ዩ፧ ሰይጣን መጻርርትና እዩ፡ ቅልስና ድማ ምስኡ ምዃኑ’ዩ ተነጊሩና ዘሎ። እቲ ጐይታና ኢየሱስ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ዝበሎ ንሰይጣን ማለቱ ከም ዘይኰነ ርዱእ’ዩ። ስለዚ ሚካኤል እቲ ሊቀ-መላእኽቲ ንሰይጣን ትሕትና ኣርእይዎ ክንብልሲ ከመይ የኽይድ፧

ጉጅለ ምሕረት ዝመለስዎ

እዚ ናይ ይሁዳ መጠንቀቕታ፡ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ጌጋታት ወዲ-ሰብ፡ እዚ ኸኣ፦ ምጥላም፣ ስስዐን ከምኡ’ውን ዕልወት ስልጣንን ዘተኰረ እዩ።

መገዲ ቃየል

ናይ እብራውያን ጸሓፊ፡ ኣብ መልእኽቱ፡ “ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበ” ብምባል መስኪሩ’ሎ፡ (እብ፥11፥4)። እዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ ጉዳዩ ምስ ልቢ ድኣ እምበር፡ ምስ ዓይነታት መስዋእቲ ከም ዘይኰነ የርእየና። ቃኤል፡ ንጹህ ሕልና ዘይብሉ መስዋእቲ ምስ ኣቕረበ፡ ኣምላኽ ባህ ኢልዎ ኣይረኣዮን፥ “ቃየል ከኣ ኣዝዩ ዀረየ፡ ገጹ ድማ ጸለመ” ይብል። ሕልናኻ ምዕራብ፥ ጽልኢ፥ ጥልመት፡ ካልእ ብዙሕ ዝተሓላለኸ ነገራት’ውን ነይርዎ’ዩ። ኣምላኽ ንቃየል "ሓጢኣት ኣብ ኣፍደገ ትቃጸወካ ኣላ፡ ሃረርታኣ’ውን ናባኻ እዩ፡ ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግባኣካ” ብምባል መኺርዎ’ኳ እንተነበረ፡ ቃየል ግና ምኽሪ ኣምላኽ ክሰምዕ ኣይከኣለን፡ (ዘፍ፥4፥7)። ቃየል፡ ንኣቤል ዝቐተሎ፡ ኣቤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መጐስ ብምርካቡ ብሓዉ ስለ ዝቐንአ እዩ። ይሁዳ ኸኣ ነዞም መምህራን ሓሶት ይሁዳ ክገልጾም ከሎ፡ ነቶም ሓቀኛታት ኣገልገልቲ ብጸለመን ብጽልእን ከም ዘጥቅዕዎም እዩ ዝሕብር ዘሎ። "መገዲ ቃየል" ማለት፡ ብሓጺሩ፡ ጉልባብ ጸላም ተኸዲንካ፡ ንሓውካ ብልብኻ ምጽላእን፡ መገድን ምኽሪ ኣምላኽን ከኣ ምንዓቕን እዩ።

ስሕተት በላዓም

በላዓም ብትንቢት ዝፍለጥ ሰብ እዩ ነይሩ። ብፍቕሪ ንዋይን ሃብትን ተታሊሉ፡ ንህዝቢ እስራኤል ክረግም ስለ ዝተሰማምዐ ግና ካብቲ ቅኑዕ መገዲ ሰሓተ፡ (ዘሁልቁ 22-24)። በላዓም ንኣምላኽ ዘይኰነስ ንጥቕሙ እዩ ዘገልግል ነይሩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ "ዓስቢ ዓመጻ ዝፈተወ በልዓም ወዲ ቤዖር" ብምባል ይገልጾ (2 ጴጥ 2:15)። ​"ዓስቢ ዓመጻ በልዓም" ዝበሃል፣ ሓደ ሰብ ሓቂ እናፈለጠ፣ ንዓለማዊ ረብሓ፣ ንገንዘብ ወይ ንስልጣን ኢሉ መንፈሳዊ መንነቱ ክሸይጥን ሰባት ክጎድእን ከሎ ማለት እዩ። በልዓም፡ ብልቡ ነቲ ሃብቲ ይደልዮ ስለ ዝነበረ፣ እግዚኣብሄር ብመልኣኹን ብኣድግን ገይሩ’ኳ ኣብ ዝዓገተሉ እዋን፡ ንሱ ግና ኣየስተብሃለን። ልቡ፡ ብስስዐ ስለ ዝዓወረ፣ ነቲ ሓቂ እናፈለጠ ኽንሱስ ግናኸ፡ ንኣምላኽን ንገንዘብን ከገልግል ፈተነ።

በላዓም፡ ንእስራኤል ክረግሞም ስለ ዘይከኣለ፡ ንንጉስ ባላቅ "እስራኤላውያን ምስ ኣዋልድና ክምንዝሩን ጣኦት ከምልኹን እንተገይርናዮም፡ ኣምላኾም ባዕሉ ክቐጽዖም እዩ" ዝብል ተንኮል መኸሮ። ጥቕሚ ንምርካብ ኢልካ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ናብ ሓጢኣት ምምራሕ፡ እቲ ዝኸፍአ ስሕተት’ዩ። በላዓም ብዝመኸሮ ተንኮል ዝተገብረ ምንዝርናን ኣምልኾ ጣኦትን፡ ህይወት 24,000 እስራኤላውያን ቀዘፈ። ​እስራኤላውያን ጸኒሖም ምስ ምድያማውያን ክዋግኡ ከለዉ፣ ንበልዓም’ውን ብሰይፊ ቀቲሎምዎ (ዘሁልቁ 31:8)። በልዓም ኣብ መወዳእታኡ እቲ ዝደለዮ ሃብቲ ኣይበልዐን፣ ህይወቱ’ውን ብውርደት ተዛዚማ። ሕጽር ብዝበለ፡ "ብስሕተት በላዓም ምጽዳፍ" ማለት ዝተዋህበካ መንፈሳዊ ስልጣን፡ ኣብ ረብሓ ገንዘብን ስጋዊ ትምኒትን ምውዓል ማለት እዩ።

ዕልወት ቆራ

ዕልወት ቆራ" ማለት ትሕትና ስኢንካ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሰርዓሎም መሪሕነትን ስርዓትን ብትዕቢት ምቅዋም ማለት እዩ። ቆራ፡ ኣብ ቤት መቕደስ ዘገልግል ሌዋዊ እዩ ነይሩ። ካብቲ ተዋሂብዎ ዝነበረ ኣገልግሎት ንላዕሊ ግና፡ ካልእ ስልጣን ደለየ። ቆራ፡ ዅሉ እዚ ህዝቢ ቅዱስ እዩ፡ ስለምንታይ ደኣ "ሙሴን ኣሮንን ጥራይ ዝእዝዙና" ብምባል ዕግርግር ኣልዓለ። 250 ምርኡያት ሰብኡት ኣእሚኑ ብምስዳዕ ኸኣ፡ ኣብቲ ህዝቢ ምክፍፋል ፈጠረ። ዕልወት ቆራ ማለት እዚ እዩ። ቆራን ስድራቤቱን (እቶም ምስኡ ዝሓበሩ)፡ ዳታንን ኣቢራምን ምስ ኩሉ ንብረቶም መሬት ተከፍታ ወሓጠቶም። ሓዊ ካብ ሰማይ መጺኡ፦ እቶም ዕጣን ከዕርጉ ዝፈተኑ 250 መራሕቲ ድማ ብሓዊ ተበልዑ። ኣብ ዘሁልቁ 26፡11 "ደቂ ቆራ ግን ኣይሞቱን" ይብል። እዚ ማለት ደቁ፡ ኣብቲ ናይ ኣቦኦም ዕልወት ኣይሓበሩን ማለት’ዩ። ኣብ መዝሙር ዳዊት ከም እንርእዮ ሓያሎ መዝሙር "ብደቂ ቆራሕ" እተጻሕፉ ኣለዉ፡ (ንኣብነት መዝሙር 42, 44-49)።

ዕልወት ቆራ፡ ከም መጠንቀቕታ ትዕቢትን ስስዐ ስልጣንን ኮይኑ ክጥቀስ ከሎ፡ በቲ ካልእ ገጽ ድማ ደቂ ቆራ ካብ ጌጋ ኣቦኦም ተማሂሮም ንኣምላኽ ብቕንዕና ምግልጋሎም፡ ሓደ ሰብ ብሰንኪ ጌጋ ወለዱ ክጠፍእ ከም ዘይብሉ ዘርእይ ተስፋ ዘለዎ ታሪኽ እዩ።

ለ. ንዓና ዘሕልፎ መልእኽቲ

እታ ጥቕሲ "ወይለኦም" ብዝብል ቃል እያ እትውድእ። እዚ ቓል እዚ፡ ናይ ሓዘንን ናይ ከቢድ ፍርድን መግለጺ እዩ። ከምቲ ምድሪ ተኸፊታ ንቆራን ሰዓብቱን ዝወሓጠቶም፡ እዞም ዓለወኛታት’ውን ብርግጽ ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ክቕበሉ ምዃኖም’ዩ፡ ይሁዳ ዘጠንቅቐና ዘሎ። ንሕና’ውን እምበኣር፡ መገዲ ቃየል ገዲፍና፡ ካብ ስሕተት በልዓም’ውን ተናጊፍና ነቲ በይኑ « መገድን፡ ሓቅን ህይወትን ዝኾነ» ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንስዕብ፡ ኣምላኽ ይደግፈና።

ጉጅለ ፍቕሪ ዝመለስዎ

”ብመገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፡ ምእንቲ ዓስቢ ብስሕተት ባላዓም ጸደፉ፡ ብዕልወት ቆራ ኸኣ ጠፊኦም እዮም እሞ፡ ወይለኦም” (ይሁዳ 1.11)። ይሁዳ፡ ባህርያት ናይቶም ከሓድቲን ኣብ መወዳእታ ድማ ፍርዲ ኣምላኽ ከም ዝቕበሉን ንኸረድኣና ብምሕሳብ፡ በዞም 3 ኣብ ብሉይ ኪዳን እተገልጹ ባህርያት ኣቢሉ ጠቐሰልና።

1.       መገዲ ቃየል

ቃየል፡ ካብቲ ኣምላኽ ዝሰምሮ ፍቓድ ወጺኡ፡ በቲ ንሱ ዝመረጾ መገዲ ከደ። ኣምላኽ ንኣገልግሎትናን ህይወትናን ይሰምሮ ዶ፧ ቃየል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ልቢ ኣይነበሮን፣ ጽሩይ ልቢ ክህልወና ከም ዝግባእ ድማ ይምህረና። ካልእ መለለዪ መገዲ ቃየል ድማ፡ ሓላፍነት ዘይስምዖ፡ ኣነ’ዶ ሓላዊ ሓወይ እየ፧” ዝብል፡ ፍቕሪ ብጻይ ዘይብሉ ህይወት እዩ። ”ከምቲ ኻብ እኩይ ዝነበረ፡ ንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን። ስለ ምንታይከ እዩ ዝቐተሎ፧ ግብሩ እኩይ፡ ግብሪ ሓዉ ግና ሰናይ ስለ ዝነበረ እዩ” ይብለና ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ መልእኽቱ (1ዮሃ፣3፡12)።

2. በለዓም ዘሁ፣22-24

ንረብሓ ገዛእ ርእሱ ብምሕላይ ንህዝቢ ኣምላኽ ግና ናብ ሓጥያት ዝመርሐ እዩ። በልዓም ካብ ንጉስ ባላቅ ዝተዋህቦ ተስፋ ሃብትን ክብርን ስለ ዝማረኾ፡ ነቲ ኣምላኽ "ኣይትኺድ" ዝበሎ ትእዛዝ ንምትግባር ተዋላወለ። ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ናይ ትንቢት ጸጋ፡ ከም መናገድን ከም ምንጪ ምድራዊ ሃብትን ገይሩ ቈጸሮ። ”ካብቶም ተቓናቐንቲ ሓደ እኳ ብዛዕባና ዚብሎ ክፉእ ነገር ስኢኑ ምእንቲ ኺሐፍርሲ፡ ብንጹህ ትምህርቲ፡ ብምርዛን፡ መንቅብ ብዜብሉ ጥዑይ ዘረባ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ርእሰኻ ኣርኣያ ግበር” ብምባል ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንቲቶስ መዓዶ፡ (ቲቶ፣2፡7)። ኣብ ራእይ ዮሃንስ’ውን፡ ጐይታና ኢየሱስ ነቲ መራሒ ቤተ ክርስቲያን ”ነቲ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል መንሳተቲ ንምግባር፡ ንጣኦታት እተሐርደ ኺበልዑን ኪምንዝሩን ንባላቅ ዝመሀሮ ምህሮ በላዓም ዝሐዙ ስለ ዘለውኻ ግና፡ ቅሩብ ነገር ረኺበልካ አሎኹ” ብምባል ከጠንቅቕ ከአሎ ንርእዮ (ራእ፣2፡14)። ነቲ ብኸምኡ ዝተወሃብናዮ ጸጋ ብኸምኡ ከነገልግለሉን ንኽብሪ ኣምላኽ ክንጥቀመሉን እናተገብአ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮ ስከም ዝገልጾ ግና ገለ ሰባት፡ ”ነታ ቕንዕቲ መገዲ ሐዲጎም ተጋገዩ፡ መገዲ እቲ ዓስቢ ዓመጻ ዝፈተወ በልኣም ወዲ ቦሶር ሰዐቡ” ይብለና፡ (2ጴጥ፣2፡15)። ስሕተት በልዓም ማለት ብሓጺሩ፡ "መንፈሳዊ መልክዕ ሒዝካ ምድራዊ ረብሓ ምድላይ" ማለት እዩ።

3.      ቆራሕ

ዕልወት ቆራሕ ከኣ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ መለኮታዊ ስልጣን ምንዓቕ እዩ። ነቶም ብብዙሕ ጸጋ ኣብ ሕብረት ኣምላኽ ዝዓዩ ኣገልገልቲ፡ ብፍቕሪ ናይቲ ኣብኦም ዘሎ ጸጋ ተኻፈልቲ ክንከውን እምበር፡ ክንቃወሞም ከም ዘይግባእ፡ ካብ ቆራሕ እንመሃሮ እዩ። እዚ ባህርያት ሒዝና ኣብ ቤት ኣምላኽ ምህላው ማለት ግና፡ ንኣካል ክርስቶስ ምምቕቃል ማለት እዩ። ንምጥቕላል፣ ኣብዞም 3 ዝቐረቡልና ናይ ብሉይ ኪዳን ባህርያት እንርእዮ፣ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ብፍቓድ ገዛእ ርእስኻ ምምልላስ እዩ።  

ጉጅለ እምነት ዝመለስዎ

ሀ. መገዲ ቃየል፡ ስሕተት በልዓም፡ ዕልወት ቆራ

መገዲ ቃየል፡- ተባሂሉ ዘሎ፡ ንመንፈሳዊ ቅንኢ ዝውክል ኰይኑ፡ ቃየል፡ ካብ መገዲ እግዚኣብሄር መገዲ ተኣልዩ፣ ብመገዲ ስጋኡን ብመገዲ ዓመጽን ክኸይድ ናይ ዝፈተወ ሰብ ዝነግር ዛንታ ኢዩ።  እታ ናይ መጀመርታ ጠንቂ ዝነበረት ሓጢኣት፡ ኲራ እያ። ኲራ ንቃየል ገጹ ከም ዝጽምሉን ሕማቕ ከም ዝስምዖን ጌራ፡ ብብብርቱዕ ኣሉታዊ ቅንኢ ከም ዝሳቐ ገበረቶ። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መሮር ከለዉ፡ ንሓዉ ኣቤል ተንስኦ፡ ቀተሎ ድማ።

ስሕተት በልዓም፦ ተባሂሉ ዘሎ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ኦሪት ዘሁልቍ ካብ ምዕራፍ 22 ኣትሒዝና ታሪኹ እነንብቦ፡ በለዓም፡ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝረኸቦ ናይ ምርቓን መርገምን ውህበት፡ ዓስቢ ክደልየሉ ሃረምረም ምባሉ እዩ። ነቲ ከም ዓስቢ ዝቐረበሉ ብዙኅን ክቡርን ህያባት ከየምልጦ ኽብል፡ መገዲ ኣምላኽ ሓዲጉ ተጋገየ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ክጠቕሶ እንከሎ፡ “ዓስቢ ዓመጻ ዝፈተወ” እዩ ዝብሎ (2ጴጥ2.15)

እቲ ሳልሳይ መገዲ ጥፍኣት ድማ “ዕልወት ቆራ” ተባሂሉ ዘሎ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቆራሕ ብዝብል ስም ዝጽውዑ ኣርባዕተ ሰባት የላልየና። እቲ ቀዳማይ፡ ኤሳው ካብ ኦሆሊባማ ኣብ ምድሪ ከንኣን ዝወለዶ ቆራሕ ኃዉ የዑስን ያዕላምን ኢዩ(ዘፍ 36፡5 , 14 ፡ 1 ዜና 1፡35)። እቲ ካልኣይ፡ ቆራሕ ወዲ ኤሊፋን ኢዩ (ዘፍ 36፡ 16)። ሳልሳይ፡ እቲ ካብ ዘርኢ ካሌብ ቆራሕ ወዲ ኬብሮን ኢዩ (1 ዜና 2፡43)። ኣብ መወዳእታ እቲ ራብዓይ ከኣ፡ እቲ ጸሓፊ መልእኽቲ ይሁዳ ብቆራ ዝጠቐሶ ቆራሕ ወዲ ይጽሃር እዩ፡  (ዘሁ 16፡ 1-40)።

ቆራሕ ንእግዚኣብሔር ንኸገልግል ዝተሓርየ ክነሱ፡ ኣንጻር ሙሴን ኣሮንን ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ክህነት ኣሮን  ብኽፍኣት ምልዓሉ ምኽንያት ሕማቕ ኣማውታ 252 ሰባት ኰይኑ ኢዩ። እቶም ብልምዲ ደቂ ቆራሕ ዝበሃሉ፡ ምስ ቆራሕ ዝጠፍኡ ድማ እዞም ኣብ ምኽሪ ቆራሕ ዝሓበሩ ሰባት ኢዮም። በዚ ዓቢይ ኣብነት ናይ ጥፍኣት ኣቦነት ዝዝከር ክኸውን እንከሎ፡ ብኣንጻር ናይዚ ድማ፡ በቶም ካብ ቆራሕ ዝተወልዱ ሠለስተ ኣወዳት፡ ነቲ ሕማቕ ታሪኽ ኣቦኦም ንእግዚኣብሔር ብዝድብስ ኣገልግሎት ቤት መቅደስን ብመዝሙር ምሥጋናን ንእግዚኣብሔር ኣኽቢሮም ኢዮም። እተን ኣብ መዝሙር ዳዊት ዝርከባ ብመዝሙር ደቂ ቆራሕ ዝፍለጣ ዓሰርተው ሓደ መዛሙር (42፡ 44-49፡ 84-85፡87-88) ናይዚ ምስክር እየን። ብዘይካ’ዚ ካብ ደቂ ቆራሕ እግዚኣብሔር ዝሰምሮ ወለዶ ፈርዩ’ሲ ድኅሪ ሸውዓተ ወለዶ ካብ ቆራሕ ነቢይ ሳሙኤል ተረኺቡ ኢዩ፡ ዘኁ 16፡9-11 ፡ ዘኁ 26፡10-11 ፡ 1 ዜና 6፡31-38።

 ለ. ንዓና ዘሕልፎ መልእኽቲ እንታይ እዩ፧

ካብቲ “መገዲ ቃየል” ተባሂሉ ዘሎ መገዲ ጥፍኣት፡ ንሓውና ወይ ሓፍትና ኣብ መንፈሳዊ ብራኸ፡ ክንድግፎምን ከነተባብዖምን ደኣ እምበር፡ ክንደፍኦምን ከነውድቖምን ከም ዘይብልና ንምሃር። ኵራ መሪር ቅንኢ ኣስዒቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና ክንትንስእ ይገብር’ዩ እሞ፡ ኣብ ኵራና ጸሓይ ከይርዓበና ንምሃር።

ካብ ስሕተት በልዓም ድማ፡ ንመንፈሳዊ ውህበት ብገንዘብ ከይንትምኖ፡ ብገንዘብ ከይንሸጦ፡ ዓስቢ ዓመጻ ከይነናዲ፡ ብኸምኡ ዝተቐበልናዮ ጸጋ ብኸምኡ ክንህብ ከም ዝግብኣና፡ ፍቕሪ ገንዘብ ሱር ኩሉ ክፍኣት ምዃኑ ከነለሊ ወዘተ ይምህረና።

ካብ ዕልወት ቆራ ድማ፡ ሰብ ራእይ ክንከውን፡ ኣምላኽ ንነፍስ-ወከፍና ዝሃበና ጸጋ ከም ዘሎ ኣለሊና፡ ንውህበት ጸጋ ከይነወዳድር ንምሃር። ከምቲ ኣምላኽ ዝጸውዓና፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዝጸውዓና ኴንና ምባር ክንክእል፡ ንመራሕትና ክንሰምዕን ክንእዘዝን፡ ስርዓት ኣምላኽ ክንሕሉ፡ ከም ድሌትና ዘይኰነስ ከም ቃል ኣምላኽ ክንመላለስ ከም ዝግብኣና ንምሃር።

ሕቶ

ኣብ መልእኽቲ ጴጥሮስ ”ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ዓመጽቲ ኸኣ እምበር፡ ነቶም ሕያዎትን ልኡማትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብፍርሃት ዘበለ ንጐይተትኩም ተአዘዝዎም” ይብል (1ጴጥ2.18)። ኣብዚ ኣብ ይሁዳ እንምሃሮ ዘለና መለለዪ እቶም ስሉኽ ኢሎም ዝኣትዉ ናይ ሓሶት መምህራን ድማ፡ ንመዓርጋት ዘይእዘዙ ይብል ኣሎ እሞ፡ እዚ ኽልቲኡ ከይጋጮስ ብኸመይ ከነሰማምዖ ንኽእል፧

ነቲ ሕቶ ብንጹር ክንርድኦ ኣይከኣልናን። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቶም ዓመጽቲ’ውን ከይተረፈ ተኣዘዙ እናበለስ፡ ይሁዳ ግና ነቶም ዓመጽቲ ክእዘዞም ዘይኰነስ ክቃወሞም ከሎ ንርእዮ ኣለና። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ኣብ ዕለታዊ ናብራ ኣመልኪቱ እዩ ዝጽሕፍ ዘሎ፣ ይሁዳ ግና፡ ብዛዕባ እታ ሓንሳእ ንቕዱሳን እተዋህበት እምነት’ዩ ዝጽሕፍ ዘሎ። ብእምነት ዝመጸ ድማ፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምስማዕ እዩ ዝግባእ እሞ፡ ነቲ ፍልልይ ብኸምዚ ተረዲእናዮ።

ሕቶ

ንሰይጣን ትሕትና ምርኣይ ማለትሲ ከመይ ማለት’ዩ፧ ሰይጣን መጻርርትና እዩ፡ ቅልስና ድማ ምስኡ ምዃኑ’ዩ ተነጊሩና ዘሎ። እቲ ጐይታና ኢየሱስ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ዝበሎ ንሰይጣን ማለቱ ከም ዘይኰነ ርዱእ’ዩ። ስለዚ ሚካኤል እቲ ሊቀ-መላእኽቲ ንሰይጣን ትሕትና ኣርእይዎ ክንብልሲ ከመይ የኽይድ፧

ኣብቲ ጽሑፍ ከም እንርእዮ፡ እቲ ጉዳይ፡ ጉዳይ ክርክር’ዩ። ኣብ ክርክር ከኣ ጸርፊ ክስዕብ ተኽእሎኡ ልዑል’ዩ። “ሚካኤል፡ እቲ ሊቀ መላእኽቲ፡ ግና ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ድያብሎስ እናተኻራኸረ ምስ ተማጐተ፡ እግዚኣብሄር ይግናሕካ፡ ደኣ በሎ እምበር፡ ፍርዲ ጸርፊ ኺዛረብ ኣይደፈረን” ክብለና ኸሎ እምበኣር፡ ቅዱስ ሚካኤል ኣብቲ ፈታኒ መድረኽ’ውን ከይተረፈ፡ ካብ ደረጃኡ ወሪዱ፡ ፍርዲ ጸርፊ ክዛረብ ከም ዘይደፈረ’ዩ ዝነግረና ዘሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቶም ናይ ሓሶት መምህራን፡ ንዘይፈልጥዎ ክጸርፉ ከለዉ፡ ቅዱስ ሚካኤል ግና ነቲ ከም ዝውደቐ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ዲያብሎስ፡ ውዱቕን ኵኑንን ምዃኑ ኣጸቢቑ እናፈለጠስ ግናኸ፡ ፍርዲ ጸርፊ ክዛረብ ከም ዘይደፈረ’ዩ ዝነግረና ዘሎ።    

ጉጅለ ሰላም ዝመለስዎ

ሀ. መገዲ ቃኤል

ቃኤል ከምቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ገይሩ ብእምነትን ፍቕርን መስዋእቲ ስለ ዘየቕረበ፣ ንሱን መስዋእቱን ንእግዚኣብሄር ባህ ኣየበለን (ዘፍ 4፥5)። ኣምላኽ፡ ሓጢኣት ትቃጸዎ ከም ዘላ ነጊርዎ ክንሱ፡ ንሱ ግና ብቕንኢ ተደፋፊኡ ንሓዉ ኣቤል ቀቲሉ፥ ካብ ገጽ ኣምላኽ ረሓቐ (ዘፍ 4:7)። ንኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዘኽብር ኸኣ፡ ዘርኡ ተፈላጥነት ንምርካብ: ከተማ ሃኒጹ ብስም ወዱ ሄኖክ ሰመያ፡ (ዘፍ 4:17)። ኣብ ሓምሻይ ወለዶኡ ኸኣ፡ ላሜኽ፥ ንሰብ ብምቕታሉ ክምካሕን ብድርቅና "ንቃየል ሾብዓተ ኻዕበት ሕነ እንተ ዝፈድዮስ፡ ንላሜክ ከኣ ሰብዓን ሾብዓተን ካዕበት" ብምባል ተበድዐ፡ (ዘፍ 4:15,24)። መገዲ ቃኤል፡- ምሩኽ ሓጢኣት ምዃን፡ ካብ ፍርሃት ኣምላኽ ምርሓቕን ዓመጽ ዝሰልጠኖ ውዱቕ ህዝቢ ምስፍሕፋሕን የርእየና።

ስሕተት በለዓም ከኣ፡- ንጸጋ ኣምላኽ ንምድራዊ ረብሓ ምጥቃም ዘምጽኦ ሳዕቤን የርኢ። በለዓም ንኣምላኽ ዝፈልጥ ነቢይ ክነሱ፣ ብፍቕሪ ገንዘብ ዓስቢ ዓመጻ ፈተወ (2ጴጥ 2:15)። ኣምላኽ "ምስኦም ኣይትኺድ፥ ከምኡ’ውን "እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራይ ደኣ ግበር፡" ኢሉ ብንጹር ከልኪልዎ ክነሱ (ዘሁ 22:12,20)፣ ንሱ ግና ብስስዐ ተደሪኹ ሰሓተ። ንህዝቢ እስራኤል ብቐጥታ ክረግም እኳ እንተዘይከኣለ፣ ብጠባሪ ምኽሪ ግና ናብ ኣምልኾ ጣኦትን ርኽሰትን ከም ዝወድቁ ገበረ፡ (ዘሁ 31:16፤ ራእ 2:14)። በለዓም ንመንፈሳዊ ጸጋኡ ንምድራዊ ረብሓ ስለ ዝሸጦን ንኻልኦት ስለ ዘስሓተን፣ ምስቶም ንህዝቢ ኣምላኽ ዝጻረሩ ሓቢሩ ብሴፍ ተቐትለ (ዘሁ 31:8)።

ዕልወት ቆራሕ፡- ንስልጣንን ስርዓትን ኣምላኽ ብትዕቢት ምቅዋም ዘለዎ ሳዕቤን ይገልጽ። ቆራሕ ሌዋዊ ክነሱ፣ በቲ ኣምላኽ ንዓሌቱ ሓርዩ ዝሃቦ ኣገልግሎት ከይዓገበ፣ ብትዕቢትን ብቕንእን ተደሪኹ፡ ነቲ ኣምላኽ ንሙሴን ኣሮንን ዝሃቦም መሪሕነት ተጻረረ። "ዂሉ ማሕበር ቅዱስ እዩ፥ ኣብ ማሕበር ኣይትተዓበዩ" ብዝብል ናይ ሓሶት ትሕትናን ምስምስን፡ ሓላዪ መሲሉ፡ ንብዙሓት ኣልዓዓለ፡ (ዘሁ 16:3)። ንምኽርን መጠንቀቕታን ሙሴ ስለ ዘይሰምዖ ድማ፣ ብኽፉእ ኣማውታ፡ ንእኡን ንሰዓብቱን መሬት ተኸፊታ ወሓጠቶምን ሓዊ እግዚኣብሄር ከኣ በልዖምን፡ (ዘሁ 16:31-35)።

ለ. ንዓና ዘሕልፎ መልእኽቲ እንታይ እዩ፧

መልእኽቲ ይሁዳ 11 እቶም ሓሰውቲ መምሃራን ልክዕ ከም ቃኤል፣ በለዓምን ቆራሕን እናፈለጡን እናተመኸሩን ንጥፍኣት ከም ዝሓረዩ ንምግላጽ እዩ። እዚ ኸኣ ንጸጋ ክርስቶስ እናፈለጥካ ብትዕቢትን ስስዐን ብምምልላስ፡ ንርእስኻን ንኻልኦትን ንጥፍኣት ከም ዘቃልዕ የጠንቅቐና። ከም ጽልኢ፣ ስስዐን ትዕቢትን ዝኣመሰለ ሓጢኣት፡ ክንጻረሮ ከም ዝግብኣና ንምሃር። ንጸጋን ፍቓድን ኣምላኽ ብንጹህ ልቢ ንኻልኦት ንምሃናጽ ክንጥቀመሉ ከም ዝግባእ’ውን ንምሃር። ካብ ስጋዊ ድሌት መንፈሳዊ ህይወትና ከነቐድም፣ ነቶም ኣምላኽ ዝሰርዖም መራሕቲ ድማ፡ ብትሕትና እናተኣዘዝና፣ ኣብታ ሓንሳእ ንቕዱሳን ዝተዋህበት እምነት ጸኒዕና ክንመላለስ ይምህረና።

ሕቶ

ኣብ መልእኽቲ ጴጥሮስ ”ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ዓመጽቲ ኸኣ እምበር፡ ነቶም ሕያዎትን ልኡማትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብፍርሃት ዘበለ ንጐይተትኩም ተአዘዝዎም” ይብል (1ጴጥ2.18)። ኣብዚ ኣብ ይሁዳ እንምሃሮ ዘለና መለለዪ እቶም ስሉኽ ኢሎም ዝኣትዉ ናይ ሓሶት መምህራን ድማ፡ ንመዓርጋት ዘይእዘዙ ይብል ኣሎ እሞ፡ እዚ ኽልቲኡ ከይጋጮስ ብኸመይ ከነሰማምዖ ንኽእል፧

ኣብ መንጎ እዚ ክልተ ጥቕስታት ዝዀነ ዓይነት ግጭት የለን፤ የግዳስ ንጹር ዝዀነ መንፈሳዊ መምርሒ እዩ ዘቕርበልና። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ንመራሕትኹም (ንጐይተትኩም) ተኣዘዙ ብምባል ክመክር ከሎ፣ እቲ ትእዛዝ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ክሳዕ ዘይተጋጨወ ጥራይ እዩ። እዚ ኸኣ ሃዋርያት ባዕሎም “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” (ግብ 5:29) ብምባል ዝገለጽዎ መሰረታዊ ሓቂ እዩ። ስለዚ፣ ምስ ቃል ኣምላኽ ንዝጋጮ እከይ ተግባር ክንቃወሞ ከም ዝግባእ ቃል ኣምላኽ ይምህረና እዩ፡ (ሮሜ 1:32)።

​በንጻሩ፣ እቶም ይሁዳ ዝጠቐሶም ሓሰውቲ መምሃራን ግና፣ ብትዕቢት ተደሪኾም ነቲ ኣምላኽ ዝሰርዓሎም መለኮታዊ ይኹን ምድራዊ መዓርጋት ኣይንእዘዝን ብምባል እዮም ዝዓልዉ ዘለዉ። ንሳቶም ንክርስቶስን ቃሉን ከምኡ’ውን ንሰማያውያንን ምድራውያንን መራሕቲ ስለ ዝነዓቑ፡ “ንጐይትነት የቃልሉ፣ ንመዓርጋት ክብሪ’ውን ይጸርፉ” (ይሁዳ 8) ተባሂሎም ተወቒሶም ኣለዉ። ስለዚ፣ እቲ ፍልልይ ኣብ መንጎ “ምእንቲ ኣምላኽ ኢልካ ምእዛዝ” (ጴጥሮስ ዝመሃሮ) ከምኡ’ውን “ብትዕቢት ንስርዓት ኣምላኽ ምቅዋም” (ይሁዳ ዝኸሰሶ) እዩ።

ሕቶ

ንሰይጣን ትሕትና ምርኣይ ማለትሲ ከመይ ማለት’ዩ፧ ሰይጣን መጻርርትና እዩ፡ ቅልስና ድማ ምስኡ ምዃኑ’ዩ ተነጊሩና ዘሎ። እቲ ጐይታና ኢየሱስ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ዝበሎ ንሰይጣን ማለቱ ከምዘይኰነ ርዱእ’ዩ። ስለዚ ሚካኤል እቲ ሊቀ-መላኽቲ ንሰይጣን ትሕትና ኣርእይዎ ክንብልሲ ከመይ የኽይድ፧

ሊቀ-መላእኽቲ ሚካኤል ንሰይጣን “ትሕትና ኣርእዩ” ክበሃል ከሎ፣ ንሰይጣን ኣኽቢርዎ ወይ ኣፍቂርዎ ማለት ዘይኰነስ፣ ንልዑላውነት ኣምላኽ ብምግዛእ፡ ደረት ስልጣኑ ሓልዩ ማለት እዩ። ሰይጣን መጻርርትና ምዃኑ ርዱእ እዩ፡ (1ጴጥ 5:8 )፣ ቅዱስ ሚካኤል ግና ምስኡ ኣብ ዝተኻራኸረሉ ግዜ፣ ብስልጣን ገዛእ ርእሱ ጸርፊ ፍርዲ ኣይጸረፈን። እቲ “እግዚኣብሄር ይግናሕካ”  ዝብል ቃሉ፣ (ይሁዳ 9) ፍርዲ፡ ናይ ኣምላኽ ጥራሕ ምዃኑ ዘርእይ መለኮታዊ ትሕትና እዩ።

​እዚ ታሪኽ እዚ ንዓና ዓቢ ትምህርቲ ይህበና፦ ንሕናውን ንጸላኢና ሰይጣን ክንጻረሮ ከሎና፣ ብትዕቢት ወይ ብናይ ገዛእ ርእስና ሓይሊ ዘይኰነስ፣ ብስልጣን ኣምላኽን "ዂሉ ኣጽዋር ኣምላኽ" ብምልባስን ክኸውን ይግባእ (ኤፌ 6:11)። ስለዚ፣ እቲ፡ ቕዱስ ሚካኤል ዘርኣዮ ትሕትና፡ ንልዑላውነት ኣምላኽ ምእዛዝን ንመለኮታዊ ፍርዲ ምኽባርን እዩ እምበር፡ ንሰይጣን ወይ ንግብሩ ምድጋፍ ማለት ኣይኰነን።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

መጽናዕቲ መልእኽቲ ይሁዳ፡ ዕዮ ገዛ ቍ.7

Next
Next

መጽናዕቲ መልእኽቲ ይሁዳ፡ ዕዮ ገዛ ቍ.5