መጽናዕቲ መልእኽቲ ይሁዳ፡ ዕዮ ገዛ ቍ.7

ዝቐረቡ ሕቶታት

1.       ኣብ ፍቕድታት 12-13 ቀሪቦም ካብ ዘለዉ 5 ምሳሌኣዊ መግለጺታት፡ (ጸያቒቶ፡ ማይ ዘይብሉ ደበና፡ ፍረ ዘይብለን ኣእዋም ሓጋይ፡ ማዕበል ባሕሪ፡ ካብ መገዶም ዝዘምበሉ ከዋኽብቲ)፡ ይሁዳ ከሕልፎ ደልዩ ዘሎ መልእኽቲ እንታይ ምዃኑ፡ ነታ ”ጸያቒቶ” እትብል ቃል ከም መረዳእታ ብምቕራብ ኣረድኡ።

2.      ኣብ ፍቕድታት 14-15  እቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ኣምላኽ፡ ንእኩይ ግብሪ ጥራይ ዘይኮነስ ንዘረባ ድርቅና’ውን ዝምልከት ምዃኑ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት እቲ ካብ ኣፍና ዝወጽእ ቃል እንታይ ይምህረና፧

3.      ኣብ ፍቕዲ 16፡ ”ምእንቲ ረብሓ ርእሶም ከኣ ገጽ ርእዮም ይንእዱ” ይብል፣ እቲ “ገጽ ርኢኻ ምንኣድ” ዝብሃል ዘሎ እንታይ ማለት ምዃኑ፡ ኣሕጽር ኣቢልኩም ኣረድኡ።

ጉጅለ ሰላም ዝመለስዎ

1.       ኣብ ፍቕድታት 12-13 ቀሪቦም ካብ ዘለዉ 5 ምሳሌኣዊ መግለጺታት፡ (ጸያቒቶ፡ ማይ ዘይብሉ ደበና፡ ፍረ ዘይብለን ኣእዋም ሓጋይ፡ ማዕበል ባሕሪ፡ ካብ መገዶም ዝዘምበሉ ከዋኽብቲ)፡ ይሁዳ ከሕልፎ ደልዩ ዘሎ መልእኽቲ እንታይ ምዃኑ፡ ነታ ”ጸያቒቶ” እትብል ቃል ከም መረዳእታ ብምቕራብ ኣረድኡ።

ይሁዳ ብ“ጻያቒቶ፣ ኣእዋም፣ ደበና፣ ማዕበል ባሕሪ፣ ከዋኽብቲ” ዝብሉ ምሳሌታት ብምጥቃም ዘሕልፎ መልእኽቲ፡ እቶም ሓሰውቲ መምህራን፡ ብደገ፡ ተስፋን ቅድስናን ዘለዎም እኳ እንተ መሰሉ፡ ውሽጦም ግና ባዶን ሓደገኛታትን ምዃኖም ንኸረድእ እዩ።

እቲ “ጻያቒቶ” (Spilades) ዝብል ቃል፡ ትርጉሙ፡- ንመራኽብ ከዕኑን ከጥሕልን ዝኽእል፡ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዝተሓብአ፡ ሓደገኛ ከውሒ ወይ ንሓደ ጽሩይ ክዳን ዝጽይቕ (spots) ማለት ኰይኑ፤ እዚ ድማ እቶም ሓሰውቲ መምህራን ኣብ ቤተክርስቲያን ከስዕብዎ ንዝኽእሉ ሕቡእ ሓደጋን ርኽሰትን የመልክት።

እቶም ቀዳሞት ክርስቲያን፡ ብዕለተ ሰንበት፡ “መኣዲ ፍቕሪ” (Agape Feast) ዝብሃል፥ ንመኣዲ ጐይታ፥ ንሓድሕዳዊ ፍቕርን ሓድነትን ሓቢሮም ብምእካብ፥ ሃብታምን ድኻን ማዕረ ዝሳተፉሉ መኣዲ ነበሮም። እቶም ሓሰውቲ መምህራን ግን ንገዛእ ርእሶም ጥራይ ብምሕሳብ፥ ኣብቲ ቅዱስ መኣዲ፡ “መንፈሳዊ ጻያቒቶ” ኾይኖም ተረኽቡ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ብጊዜ ብልዕኹም ነፍሲ ወከፍኩም ተቓዳዲሙ ድራሩ ይበልዕ፡ እቲ ሓደን ይጠሚ፡ እቲ ሓደን ይሰክር ኣሎ እሞ፡ ከምኡ እቲ ብሓደ ምእካብኩም ንምብላዕ መኣዲ ጐይታ ኣይኰነን” ብምባል፡ ንሰብ ቈረንቶስ ከም ዝነቐፎም፥ (1ቈረ 11:21-22) እዚኣቶም ድማ፡ ቅኑዓት ተመሲሎም፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ማሕበር ብሕቡእ ዘበላሽው ምዃኖም ይገልጽ።

እቶም ካልኦት ምሳሌታት ድማ   መንፈሳዊ በረኸት ዘይብሎም ምዃኖም ንምምልካት፡ “ዝናብ ዘይብሉ ደበና”፣ “ዘይፈርያ፡ ክልተ ሳዕ ዝሞታ፡ ካብ ሱረን እተመንቈሳ ኣእዋም ሓጋይ”፣ “ነውሪ ርእሶም ዜዕፍርዎ ብርቱዓት ማዕበል ባሕሪ”፣ ከምኡ ድማ  ንኣመንቲ ብምስሓት ናብ ጥፍኣት ስለ ዝመርሑ ኸኣ፡ “ካብ መንገዶም ዝዘንበሉ ከዋኽብቲ» ብምባል፡ እቶም ሓሰውቲ መምህራን፡ ክዳን ኣባጊዕ ዝተኸድኑ፥ ውሽጦም ግንና ዚምንጥሉ ተዃሉ ምዃኖም የረድኣና፡ (ማቴ 7፥15)።

2.  እቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ኣምላኽ፡ ንእኩይ ግብሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዘረባ ድርቅና'ውን ዝምልከት ምዃኑ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት እቲ ካብ ኣፍና ዝወጽእ ቃል፡ እንታይ ይምህረና፧

ኣምላኽ ንግብርና ጥራይ ዘይኮነ፡ ንቓልና’ውን ክፈርዶ ምዃኑ እዩ ዘረድኣና። ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ስብከቱ፡ “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ... እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ” ብምባል፡ ምትእስሳር ቃልን ልብን ገሊጹ’ሎ፡ (ማቴ 12:34-35)። ቃልና፡ ናይ ውሽጥና ምስክር እዩ። ኣብቲ ምዕራፍ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ኣቐዲሙ፡ “ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህብሉ እዮም... ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን” ብምባል፡ ነፍሲ ወከፍ ቃል ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ምሂሩ ኔሩ’ዩ፡ (ማቴ 12:36-37)።

እዚ ሓቂ’ዚ፡ ሰለስተ ነገር ይምህረና፤

ሀ. ቃልና ንምህናጽ ክንጥቀመሉ፡ (ኤፌ 4:29)፤

ለ. ኩሉ ጊዜ ብጸጋ ክንዛረብ (ቈሎ 4:6)፤ ከምኡ ድማ

ሐ. ልሳን "ከም ሓዊ" ስለ ዝኾነት፡ ካብ ሕማቕ ቃላት፡ ጽልእን ምጉርምራምን ክንቍጠብ፡ (ያዕቆብ 3:1-10)።

3.  "ምእንቲ ረብሓ ርእሶም ከኣ ገጽ ርእዮም ይንእዱ" ኣብ ዝብል፡ እቲ ገጽ ርኢኻ ምንኣድ ማለት እንታይ ማለት ምኾኑ፡ ኣሕጽር ኣቢልኩም ኣረድኡ።

“ምእንቲ ጥቕሚ ርእሶም ንገጽ ሰብ ይንእዱ” ዝብል ሓሳብ፡ ሰብ ንኻልኦት ሓቂ ዘይብሉ፥ ንውልቃዊ ጥቕሙ፣ ንስልጣን ወይ ተቐባልነት ንኽረክብ ብምባል ዝግበር፡ ምስሉይ ኣገባብ እዩ። ገጽ ሰብ ርኢኻ ምንኣድ፡ ንውልቃዊ ረብሓ ጥራይ ዘማእከለ ስለ ዝኾነ፡ ሓጢኣት እዩ። ነዚ ሓደገኛ ምትላል እዚ፡ ኣብ ምሳሌ 26:28 "ሓሳዊት ልሳን ነቶም ዘቝሰለቶም ትጸልኦም፡ መቀባጠሪ ኣፍ ከኣ ጥፍኣት የምጽእ" ይብል። ኣብ  ምሳሌ 27:6 ድማ "ናይ ፈታዊ ምቝሳል እሙን እዩ፡ ጸላኢ ግና ኣብዚሑ ይስዕም" ብምባል፡ እዚ ዓይነት ናእዳ፡ ፍቕሪ ዘይብሉ ምትላል ምዃኑን ናብ ጥፍኣት ዘበለ ከም ዝመርሕን ብምብራህ፥ ንስለ ሓቂ ደኣ እምበር፡ ሰባት ክሰምዕዎ ጥራይ ዝደልዩ ብምዝራብ፡ ረብሓ ምርካብ፡ ዘይቅኑዕ ምዃኑ ይገልጽ።

ጉጅለ ምሕረት ዝመለስዎ

  1. ኣብ ፍቕድታት 12-13 ቀሪቦም ካብ ዘለዉ 5 ምሳሌኣዊ መግለጺታት፡ (ጸያቒቶ፡ ማይ ዘይብሉ ደበና፡ ፍረ ዘይብለን ኣእዋም ሓጋይ፡ ማዕበል ባሕሪ፡ ካብ መገዶም ዝዘምበሉ ከዋኽብቲ)፡ ይሁዳ ከሕልፎ ደልዩ ዘሎ መልእኽቲ እንታይ ምዃኑ፡ ነታ ”ጸያቒቶ” እትብል ቃል ከም መረዳእታ ብምቕራብ ኣረድኡ።

ኣብ ዝሓለፈ፡ መገዲ ናይ እቶም ሓሰውቲ መምህራን ከመይ ከም ዝመስል ርኢና፡ ሎሚ ኸኣ ባህርያቶም ዝገልጽ ክፋል እዩ። ይሁዳ፡ ነቶም ባህርያት፡ ኣብ ሽድሽተ ከፊሉዎም ኣሎ።

ሀ) ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣዲ ጸያቒቶ

መርከብ ናብቲ ዝተበገሰትሉ ቦታ ብሰላም ከይትበጽሕ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ተሓቢኡ ጸኒሑ ዝሰብራ፥ ካብ መንገዳ ዘተዓናቕፋ ጸያቒቶ ይብሃል። እዞም መምህራን እዚኣቶም ከኣ፡ ከምኡ ብሕቡእ መናፍቕነት ብምምሃር፡ ካብቲ  ቅኑዕ መገዲ ዘውጹኡን ናይ እምነት ጎዕዞ ዘሰናኹሉን እዩም። ነቲ ጽቡቕ ዘበለ ዘባላሹ፡ ብሓፈሻ፡ «ጸያቒቶ» ይብሃል።

ለ) ንገዛእ ርእሶም ዝጓስዩ እዮም። ጓሳ ስለ መጓሰኡ በጃ ዝሓልፍ'ዩ። እዚኣቶም ግና ንመጓሰኦም ዘይኮኑስ፡ ንገዛእ ርእሶም ዘሐንቅቑ እዮም። ብዛዕባ እተን ኣባጊዕ ግና ግዲ የብሎምን፡ (ህዝ.34፡1-34 2ይጴጥ 2፥13)።

ሐ) ማይ ዘይብሉ ደበና፡-ማይ ዘይብሉ ደበና፡ ኣየርውን ኣየጥልልን ኣየለምልምን እዩ። እዚኦም ከኣ ልክዕ ከምኡ፡ ኣይባርኹኻ፥ ኣየጥልሉኻ፥ ንህይወት ዝኸውን’ውን ኣይህቡኻን እዮም።

መ) ፍረ ዘይፈርያ ኣእዋም ሓጋይ፡ ኣብ እዋን መከራ፡ ብጸጋ ኽጸንዕሉ ዝኽእሉ ዓቕሚ የብሎምን፡ ኣእዋም ሓጋይ ጠጥዒ ርኢኻሉ፡ ግናኸ ፍረ ክፈሪ ኣይክእልን።

ሰ) ብርቱዕ ማዕበል፦ ማዕበል ናብዚ ናብቲን'ዩ ዝብል፥ ኣብ ሓደ ኣይቀውምን። ንዝነግዱ የኽስር፡ ንዝገሹ የህልቕ፡ ክሕምብሱ ንዝመጹ'ኳ ኣየቕስንን። እዚኦም ከኣ ናብዝን ናብትን ኮልል ይብሉ፥ ኣብ ኩሉ እንዳኸዱ ኸኣ ይጥብሩ።

ረ) ካብ መንገዶም ዝዘምበሉ ኮዋኽብቲ-፥ ብርሃን ዝምስል ነገር ክህልዎም ይኽእል'ዩ ፥ ንግዚኡ ተራእዩ ዝጠፍእ፡ ድምቀት የብሎምን ኣብ ጸልማት ከም ኮኾብ ከብርሁ ኣይኽእሉን፥ ብልጭ ኢሎም እዮም ዝጠፍኡ።

ስለዚ እምበኣር እዚኦም ኩሉ ነገሮም፡ ጸይቂ'ዩ። እታ ይሁዳ ጽሒፍዋ ዘሎ፡ ኣብ ትግርኛ «ጸያቒቶ» ተባሂላ ዘላ ቃል፡ ብግሪኽ (spilades) እያ። ነቶም ኣብ ትሕቲ ውቅያኖስ ወይ ባሕሪ ብቐሊሉ ክረኣዩ ዘይኽእሉ፡ ዝተሓብኡ ኣኻውሕ ድማ ትገልጽ። እዚ ከውሒ እዚ፡ መርከብ ብሰላም ጉዕዞኣ ንኸይትፍጽም ዝዕንቅጽ እዩ። ኣብ ዝዓበናሉ’ውን እንተኾነ፡ «ጸያቒቶ» ዝበሃል ዝናብ ኣሎ። ኣብ ግዜ ቀውዒ ዝመጽእ ዝናብ'ዩ፡ እቲ ዘራእቲ ኣኺሉ ክነሱ፡ ብግቡእ ናብ ቆፎኡ ንኸይኣቱ ዘበላሹን ዝጽይቕን ድማ'ዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም’ውን ነቶም ንጹሃት ኣመንቲ ኣብ ማእከሎም ኰይኖም ዝጽይቑ እዮም።

2. ኣብ ፍቕድታት 14-15  እቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ኣምላኽ፡ ንእኩይ ግብሪ ጥራይ ዘይኮነስ ንዘረባ ድርቅና’ውን ዝምልከት ምዃኑ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት እቲ ካብ ኣፍና ዝወጽእ ቃል እንታይ ይምህረና፧

ደረቕ ከም ቓሉ ንቑጽ፡ ዘይዕጸፍ፡ ተሪር ወ.ዘ.ተ.. እዩ። ተሪር ነገር እንተሃረመካ'ሞ ከም ዘይምሕረካ ግሉጽ'ዩ፡ ጥሉል፡ ልምሉም እንተሃረመካ ግና ኣዐርዩ ክጐድኣካ ኣይኽእልን። ስለዚ፡ ዘረባ ድርቅና ንሰባት ክሰብሮም እንበር ክሃንጾም ኣይክእልን’ዩ።

እዚ ዘረባ ድርቕና ተራ ዘይኮነ፡ ንእግዚኣብሄር ምጽራፍን ምንዓቕን'ዩ፡ ልክዕ ከምቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ብሓያል ኢድ እግዚኣብሔር ወጺኦም ክንሶም፡ ኣብ ሙሴን እግዚኣብሔርን ምጉርምራም ዘይሓደጉ፡ ንእግዚኣብሄር «ካብ ግብጺ ኣውጺእካ፡ ኣብዚ ምድረ-በዳ ክትቀትለና'ዶ፧!» እናበሉ፡ «እግዚኣብሄር'ዶ ኣብዚ ምድረ-በዳ መግብን ማይን ከዳሉ ይኽእል'ዩ፧» እናበሉ ከም ዝፈተንዎ'ዩ። ኣብ ወንጌላት’ውን፡ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ብዘረባና ከም እንፍረድን ብዘረባና ከም እንጸድቕን ተዛሪቡ'ሎ፡ (ማቴ12፡36-37)። ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ መጠን፡ ነቲ ንኹሉ ክሃንጽ ዝኽእል ቃል ክንዛረብ ከም ዝግብኣና፡ ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ'ኳ ኣብ ሰይጣን ሕማቕ ቓል ከውጽእ ኣይንርእዮን ኢና።

ኣብ ሓቂ እኳ ኣለና እንተበልና፡ ነቲ ሓቂ ግና ብድርቅና ዘይኰነስ ብፍቕሪ ክንነግሮን ክንነብሮን ከም ዝግብኣና፡ ቃል ኣምላኽ «ኵሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር» እናበለ፡ ይነግረና እዩ፡ (1 ቈረ 16:14)። እምበኣርከስ፡ ኩሉ እቲ እንዛረቦ ቃል፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ክንህበሉ ኢና።

3. ኣብ ፍቕዲ 16፡ ”ምእንቲ ረብሓ ርእሶም ከኣ ገጽ ርእዮም ይንእዱ” ይብል፣ እቲ “ገጽ ርኢኻ ምንኣድ” ዝብሃል ዘሎ እንታይ ማለት ምዃኑ፡ ኣሕጽር ኣቢልኩም ኣረድኡ።

እዞም ሰባት እዚኦም ብመገዲ ቃኤል፡ ብስሕተት በልዓምን፡ ብዕልወት ቆራን እዮም ዝመላለሱ። ባህሪኦም’ውን ኣብ መኣዲ ፍቕሪ ዝጽይቑ፡ ንገዛእ ርእሶም ዝጓስዩ፡ ማይ ዘይብሉ ደበና፡ ፍረ ዘይፈርያ ኣእዋም ሓጋይ፡ ብርቱዕ ማዕበል ባሕሪ፡ ካብ መገዶም ዝዘምበሉ ከዋኽብቲ፡ መዕዘምዘምቲ፡ ንዕድሎም ዝነቕፉ፡ ከም ፍትወቶም ዝመላለሱ፡ ኣፎም ትዕቢት ዝዛረብ፡ ክንሶምሲ፡ ግናኸ ንገጽ ሰብ ርእዮም ከኣ ይንእዱ እዮም። ንጥቕሚ ገዛእ ርእሶም፡ ንሳቶም ገለ ስለ ዝረብሑ ደኣ ጥዑም ቃል የውጽኡ እምበር፡ ነቲ ሰብ ስለ ዝሓለይሉ ወይ ስለ ዝፈተውዎ ኣይኮኑን። ልክዕ ከምቲ ጐይታ ንፈሪሳውያን ዝበሎም፡-"ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ሓደ ጵሮሴሊት ክትገብሩ ባሕርን ምድርን ትዞሩ፡ ምስ ኰነ ኸኣ ካዕበትኩም ወዲ ገሃነም ትገብርዎ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም» (ማቴ 23:15)።

ስለዚ ንዕኦም ክሕሾም ደኣ ብጥበራ ይቐርቡ እምበር፡ ንዕቤት፡ ንምህናጽ ኢሎም ኣይኮኑን ዝንእዱ። እዚ ኸኣ ፡ገጽ ሰብ ርኢኻ ምንኣድ ይብሃል።

ጉጅለ እምነት ዝመለስዎ

1. ኣብ ፍቕድታት 12-13 ቀሪቦም ካብ ዘለዉ 5 ምሳሌኣዊ መግለጺታት፡ (ጸያቒቶ፡ ማይ ዘይብሉ ደበና፡ ፍረ ዘይብለን ኣእዋም ሓጋይ፡ ማዕበል ባሕሪ፡ ካብ መገዶም ዝዘምበሉ ከዋኽብቲ)፡ ይሁዳ ከሕልፎ ደልዩ ዘሎ መልእኽቲ እንታይ ምዃኑ፡ ነታ ”ጸያቒቶ” እትብል ቃል ከም መረዳእታ ብምቕራብ ኣረድኡ።

ይሁዳ ከሕልፎ ደልዩ ዘሎ መልእኽቲ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክጋደሉ ከለዉ፡ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣዲ፡ «ጸያቒቶ” ኰይኖም ዝርከቡ፡ ኣብ ማእከሎም ከም ዘለዉ ንምሕባር’ዩ። ነዚኣቶም ንምልላይ ድማ፡ ከምቲ ጐይታ ዝበሎ፡ ኣብቲ ፍሬኦም ብምስትብሃል ከነለልዮም ከም እንኽእል እዩ። ደበና ማይ እንተዘየስዓበ፡ ንስለ ምስሊ ጥራይ ደበና ምዃኑ ንምንታይ ይጠቅም፧ ኣእዋም ሓጋይ ተባሂሉ ዘሎ ኸኣ፡ ቈጽሉ ልሙዕ ክንሱስ ግናኸ ፍረ ዘይብሉ ማለት’ዩ፡ ወዘተ።

ንትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ፡ በታ ጸያቒቶ እትብል ቃል ንምግላጹ ግና፡ እቲ ጸያቒቶ ብዝብል ተተርጒሙ ዘሎ ቃል፡ ንመራኽብ ኣዘንጊዑ ከዕኑ ዝኽእል፡ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዝተሓብአ፡ ሓደገኛ ከውሒ ዝብል ትርጉም ዘሎዎ እዩ። እዚ ኸኣ ምስቲ ይሁዳ ኣቐዲሙ፡ ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ፡ ስሉኽ ኢሎም ኣትዮሙኹም ኣለዉ ዝበሎ ይሰማማዕ።

2. ኣብ ፍቕድታት 14-15  እቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ኣምላኽ፡ ንእኩይ ግብሪ ጥራይ ዘይኮነስ ንዘረባ ድርቅና’ውን ዝምልከት ምዃኑ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት እቲ ካብ ኣፍና ዝወጽእ ቃል እንታይ ይምህረና፧

ኣብ ሓደ ቤት ዝዓበዩ፡ ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ስብከቱ፡ እቶም ኣሕዋቱ ተብሂሎም ዘለዉ ያእቆብን ይሁዳን ድማ ኣብ መልእኽቶም፡ ብዛዕባ እቲ ካብ ኣፍ ዝወጽእ ቃል፡ ኣሕሚሞም ምዝራቦም ኣስተብሂልና። ” ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ» (ማቴ5.22)። ኣብ ካልእ ስፍራ ድማ «ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻ’ውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ፡» በለ፡(ማቴ12.36)። ይሁዳ ድማ ነዞም ንመዓርጋት ክብሪ ንምጽራፍ ድሕር ዘይብሉ፡ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ምሳሌ ብምጥቃስ፡ ከምቲ ሃና ኣደ ነብዪ ሳሙኤል፡ «እግዚኣብሄር ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ እዩ፡ ግብርታት ከኣ ኣብኡ ምዙን እዩ እሞ፡ እምብዛ ዘረባ ትዕቢት ኣይተብዝሑ፡ ቃል ድፍረት’ውን ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ” ዝበለቶ፡ ካብ ኣፍና ዓብዪ ነገር ከይወጽእ ንምጥንቃቕ ጸሓፈ፡  (1ሳሙ2.3)።

3. ኣብ ፍቕዲ 16፡ ”ምእንቲ ረብሓ ርእሶም ከኣ ገጽ ርእዮም ይንእዱ” ይብል፣ እቲ “ገጽ ርኢኻ ምንኣድ” ዝብሃል ዘሎ እንታይ ማለት ምዃኑ፡ ኣሕጽር ኣቢልኩም ኣረድኡ።

ንሰብ ንምሕጓስ ኢልካ እትገብሮ ማለት’ዩ። ጐይታና ኢየሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ፡ “ጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርኣዩ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ” ብምባል፡ «ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት፡ ብሰብ ምእንቲ ኺንአዱ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባባያትን ዚገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ» በለ፡ ቀጺሉ’ውን «እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገዲን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ኣይትኹኑ» እውን በለ፡ (ማቴ6፡1-5)።

እዞም ይሁዳ ዝዛረበሎም ዘሎ ድማ፡ ዕላማኦም ረብሓ ርእሶም ስለ ዝዀነ፡ ረብሓ ንምርካብ ንስለ ሓቂ ዘይኰነስ ገጽ ርእዮም ይንእዱ። እዚ ማለት ከኣ፡ ብልቦም ዘይኣምኑሉ ክንሶምሲ፡ ንስለ ረብሓኦም ጥራይ ክብሉ ግና፡ ነቲ እኩይ ሰናይ ነቲ ሰናይ’ውን እኩይ ይብሉ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ ክመጻረየሎም እንከሎ፡ «እቲ ምዕዶና ኸኣ ነቲ ልብና ዚምርምር ኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እነብል ኣይኰንናን፡ ከምቲ ንወንጌል እሙናት ክንከውን ብኣምላኽ እተመርመርና፡ ከምኡ ንዛረብ አሎና እምበር፡ ካብ ስሕተት፡ ወይስ ካብ ርኽሰት፡ ወይስ ብተንኰል ኣይኰንናን» በለ፡ (1ተሰ2.4)። ንሰብ ኤፌሶን ድማ «ከም ግዙኣት ክርስቶስ ኴንኩም ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ልቢ እትገብርዎ ደኣ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ብገጽርኤ ኣይኰነን» ብምባል ኣጠንቀቐ።

ጉጅለ ፍቕሪ ዝመለስዎ

                         1.  ኣብ ፍቕድታት 12-13 ቀሪቦም ካብ ዘለዉ 5 ምሳሌኣዊ መግለጺታት፡ (ጸያቒቶ፡ ማይ ዘይብሉ ደበና፡ ፍረ ዘይብለን ኣእዋም ሓጋይ፡ ማዕበል ባሕሪ፡ ካብ መገዶም ዝዘምበሉ ከዋኽብቲ)፡ ይሁዳ ከሕልፎ ደልዩ ዘሎ መልእኽቲ እንታይ ምዃኑ፡ ነታ ”ጸያቒቶ” እትብል ቃል ከም መረዳእታ ብምቕራብ ኣረድኡ።

እዞም ሓሰውቲ መምህራን ክጅምሩ ከለው፣ ስሉኽ ኢሎም ዝአተዉ ስለ ዝኾኑ፣ መጀመርታኦምን መወዳእታኦምን ኩሉ ነገሮም ክፉእ ኢዩ። ስለ ዝኾነ ኢዮም እምበኣር፣ አብ ኩሉ  ጸያቒቶ ኮይኖም ዝርከቡ ዘለው። ሓሰውቲ ስለ ዝኾኑ ድማ ከምስሉ፣ ንሰባት ከደናግር ብዝኽእል ዝተፈላለየ መልክዕ ይመጹ።

ይሁዳ ንባህርያት እቶም ሓሰውቲ መምህራን ንምግላጽ፡ ብቐሊልሉ ክንርድኦ ብእንኽእል ምሳሌታት ኣሰአንዩ ጸሓፈ። ማይ ዘይብሉ ደበና አብ ዝብል፣ ዝዘንብ መሲሉ ዘንጠጡ እሞ፣ ንብዙሓት ብዘይፍጸም ተስፋ ኣጐምጅዩ፡ ብኡብኡ፡ በየን ከም ዝኸደ እኳ ከይተፈልጠ ዝስወር እዩ።

ፍረ ዘይብለን አእዋም ሓጋይ አብ ዝብል ከኣ፣ ብፍረኦም ከተለልይዎም ኢኹም ጽሑፍ ኢዩ እሞ፣ እዚኦም ግና ክልተ ግዜ ዝሞቱ፡ ፍረ ዘይብሎም አእዋም ሓጋይ ኰይኖም ይርከቡ።

ከም ማዕበል ባሕሪ ዝመሰሎም ድማ፣ አንፈቶም ዘይፍለጥ፣ ናበይ ከም ዝኸዱ ዘይፈልጡ፣ ንፋስ ናብ ዘዝመርሖም ዝልክዑ ማዕበል ባሕሪ ምዃኖም የርእየና።

ካብ መንገዶም ዝዘንበሉ ከዋኽብቲ አብ ዝብል’ውን፡ ከዋኽብቲ ኣንፈት ንምሕባር እንግልገለሎም፡ ንኣብነት፡ ሰብ ጥበብ ናብቲ ጐይታ ዝተወልደሉ ቅኑዕ ቦታ ብኾኾብ እናተመርሑ ከም ዝበጽሑ ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ቦታኦም ዘየለው ከዋኽብቲ፡ ቅኑዕ ኣንፈት ከትሕዙ ንአ ናብቲ ዝተደለየ መኣዝን ከብጽሑ ኣይክእሉን እዮም። እዚኦም ድማ፡ ኣንፈት ዘትሕዙ እናመሰሉ ግናኸ መገዲ ዘጋግዩ፣ አብቲ ጐይታ ዘቐመጦም ቦታኦም ስለ ዘየለው ኸኣ ናብ ክፉእ ዝመርሑ መጋገይቲ ኢዮም።

ስለዚ እምበኣር’ዩ፡ ይሁዳ ነዞም ብኹሉ ነገሮም ክፉኣት ኮይኖም ዝተረኽቡ፣ ”አብቲ ናይ ፍቕሪ መኣዲ ‘ጸያቂቶ’ እዮም ዝብሎም። ከይሓፈሩ አብ መኣዲ ቅዱሳን ዝሳተፉ፣ ንርእሶም ጥራይ ዝጓስዩ፣ (ናይ ካልእ ግዲ ዘይብሎም) ድማ ተባሂሎም አለው። ሃዋርያ ቅስ ጳውሎስ’ውን ንሰብ ቈረንቶስ አብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ፣ “ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ» ብምባል እንተ ኣጠንቀቐ እኳ፡ እቲ ጸይቂ ( ጸያቒቶ ዝዀነ ግና ክጽይቕ ስለ ዝመጽእ፡ ከይሓፈረ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣዲ ይቐርብ፡ (1ይ ቆሮ. 11፣20-28)።

2.  እቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ኣምላኽ፡ ንእኩይ ግብሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዘረባ ድርቅና'ውን ዝምልከት ምዃኑ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት እቲ ካብ ኣፍና ዝወጽእ ቃል፡ እንታይ ይምህረና፧

ጐይታና ኢየሱስ፣ አገዳስነት እቲ ካብ አፍና ዝወጽእ ቃል ክምህር ከሎ፡ ንሰብ ዘርክሶ፣ ካብ አፉ ብዝወጽእ ቃል ምዃኑ፡ ወሲኹ ድማ፣ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻ’ውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ፡» በለ፡(ማቴ12.36)። ስለዚ እምበአር’ዩ ይሁዳ’ውን፡ ቃል ትዕቢትን ጸርፍን ዘበለ’ውን ማዕረ እቲ እኩይ ግብሪ ክፍረድ ምዃኑ ዘጠንቅቕ። ብዛዕባ ቅትለት ክዛረብ ከሎ’ውን፣ እቲ ንሓው ዝጸልእ ቀታል ሓው እዩ ብምባል ገና አብ ግብራዊ ቅትለት ከይበጸሐ ኸሎ፡ ክኹንኖ ከሎ ንርኢ (1ይ ዮሃ. 3፣15)። ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ’ውን፡ “አፉ ዝሕሉ ህይወቱ ይባልሃ፣ ከናፍሩ ጋህ ዘብል ግና ጥፍኣት ይረኽቦ” ዝብል ጽሑፍ ንረክብ ኢና፡ (ምሳ፣ 13፣3)።

3. "ምእንቲ ረብሓ ርእሶም ከኣ ገጽ ርእዮም ይንእዱ" ኣብ ዝብል፡ እቲ ገጽ ርኢኻ ምንኣድ ማለት እንታይ ማለት ምኾኑ፡ ኣሕጽር ኣቢልኩም ኣረድኡ።

ገጽ ሰብ ርኢኻ ከም ነፋሒቶ ምቅይያር፣ ንዅሉ ከተሕጉስ ካብ ምፍታን፣ ንግዝያዊ ሽግር መፍትሒ ይኾነኒ ኢዩ ካብ ዝብል ሓጺር ሓሳብ ምሕሳብ፣ ተስፋ ካብ ዝቘረጹ እሞ መህደሚ ይኸውን ኢዩ ካብ ምባል ዝብገስ ሰንኮፍ ምርጫ ዝብገስ ክኸውን ይክእል ኢዩ። ገጽ ሰብ ርኢካ ምፍራህ ወይ ምንአድ ግና፣ ነቲ ጽባሕ ገጽ አምላኽ ምርአይ ከም ዘሎ፣ ምዝንጋዕ ስለ ዝኾነ፣ አርሒቕካ ምርአይ የድሊ። ፈሪሳውያን ንጐይታ፡ ዋላ’ኳ ብኽፉእ ሓሳቦም ዳአ ይኹን እምበር፣ ግናኸ፡ “ሓቀኛ ምዃንካ፣ ገጽ ሰብ ርኢኻ ኸኣ ከም ዘይተዳሉስ ንፈልጥ ኢና” ምባሎም ግና፡ እቲ ክንኰኖ ዝግብኣና ሓቂ፡ ኣየናይ ምዃኑ ኣርእዮም እዮም፡ (ማቴ 22፡)። እዞም ሓሰውቲ መምህራን ግን ምእንቲ ጥቕሚ ርእሶም ክብሉ፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ናይ (ምቅይያር) ብናቶም ቃል (ምትዖጽጻፍ) ባህሪ ከም ዘለዎም፣ አብ ዘመንና’ውን እንርእዮ ዘለና፡ ከም ጻሓይ ቀትሪ ንኹሉ ግሉጽ ኢዩ፡ (2ቈረ. 5፣9፣ ማቴ፣ 22፣16)።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

መጽናዕቲ መልእኽቲ ይሁዳ፡ ዕዮ ገዛ ቍ.8

Next
Next

መጽናዕቲ መልእኽቲ ይሁዳ፡ ዕዮ ገዛ ቍ 6