መጽናዕቲ መልእኽቲ ይሁዳ፡ ዕዮ ገዛ ቍ.8

ዝቐረቡ ሕቶታት

  1. ይሁዳ 1፡17-18 ብምንባብ፡ ይሁዳ ነዞም ኣቐዲሙ፡ ስሉኽ ኢሎም ዝኣትዉ ዝበሎም፡ ኣብዚ ኸኣ “መላገጽቲ” ይብሎም ኣሎ። ምስቲ ክንርእዮ ዝቐነና እንታይነትን ባህርይን መምህራን ሓሶት፡ እዚ “መላገጽቲ” ዝብል፡ ብኸመይ ከም ዝገልጾም፡ ኣሕጽር ኣቢልኩም መልሱ።

  2. ነቲ ሃዋርያት ጐይታና ኣቐዲምም ብትንቢት ንዝነገሩና ምዝካር፡ ኣብ ምብዳህ እቶም ስሉኽ ኢሎም ምፍልላይ ዘምጽኡ ንምምልላዮም፡ እንታይ ጥቕሚ ኣሎዎ ትብሉ፧

ጉጅለ ፍቕሪ ዝመለስዎ

“መላገጽቲ” (ግሪኽ፡ ἐμπαίκται (empaiktai) ማለት፡ ንሓቂ ኣምላኽ ብግህዶ ዘናሽዉ፣ ንመብጽዓታቱ ዝንዕቑ፣ ንኻልኦት ድማ ናብቲ ናቶም ዓይነት ኣኻይዳ ዝስሕቡ ሰባት ማለት እዩ።

 ንስርዓት ኣምላኽን ቅድስናን ምንዓቕ

እዞም ሰባት እዚኣቶም ንስርዓት ኣምላኽ፣ ንቕዱስ ናብራን ንሓቂ ወንጌልን ከም ትርጉም ዘይብሉ ድሑር ነገር ጌሮም ብምርኣይ የናሽውዎን የባጩዉሉን።

 ንመለኮታዊ ስልጣንን ፍርዲ ኣምላኽን ምንዓቕ

“ዕቡይን ኩሩዕን ሰብ መላገጺ እዩ ስሙ” (ምሳሌ 21፡24)ከም ዝተጻሕፈ፡ ንኣምላኽ ምኽሓዶምን (ይሁ 1፡4) ኣብ ልዕሊ ስልጣን ዘበለ ዘለዎም ንዕቐትን ትዕቢትን ከላግጹ ይገብሮም፡

 ንፍርዲ ኣምላኽን ተስፋን ምንዓቕ

ኣመንቲ ተስፋ ክቘርጹ ይገብሩ (2ጴጥ 3፡3-4)- “ንሳቶም ከኣ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ፡ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ኵሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ፡ ኪብሉ እዮም።” ፍርዲ ከም ዘይመጽእ ስለዝሓስቡ ድማ ተግሳጽን ፍርሃት እግዚኣብሄርን ንዕኦም ላግጺ እዩ።

 ንጸጋ ኣምላኽ መጋበሪ ፍቓድ ስጋ ብምግባር ንጸጋ ብምንዓቕ

“ኣምላኽ ይቕረ በሃሊ እዩ” ብምባል ነቲ ናይ ጸጋ ወንጌል ናብ ርኽሰት ብምልዋጥ (ይሁዳ 1፡4)፣ ብናይ ገዛእ ርእሶም ርኹስ ትምኒት ጥራይ ብዘይ መንፈስ (ይሁ 1፡ 19) ስለ ዝመላለሱ ነቲ መሰረታዊ ሓቂ ክንዕቑ ይገብሮም።

 ንሓቂ ኮነ ኢሎም ይርስዕዎ

እዞም ሰባት ንሓቂ ዘይፈልጡ ኣይኮኑን (2ጴጥ 3፡5-6)፡ እንታይ ደኣ እቲ ላግጾም ንፍቓድ ኣምላኽ ክግዝኡ ስለ ካብ ዘይምድላዮም እዩ ዝብገስ።

ሕቶ ቚ-2. ነቲ ሃዋርያት ጐይታና ኣቐዲሞም ብትንቢት ንዝነገሩና ምዝካር፡ ኣብ ምብዳህ እቶም ስሉኽ ኢሎም ምፍልላይ ዘምጽኡ ንምልላዮም እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ ትብሉ፧

ነቲ ሃዋርያት ዘመሓላለፉልና መምርሒታት ምዝካር፡ ነቶም ማሕበር ዝኸፋፍሉ መታለልቲ ንምፍላጥን ንምብዳህን እዚ ዝስዕብ ረብሓታት ኣለዎ፦

 ቅድመ-ንቕሓት ምውናን

መንፈሳዊ ዓይና ከም ዝኽፈት ብምግባር ነቶም ስሉኻት ኢሎም ዝኣትዉ ከይዘንጋዕና ንኽንጽበዮም የዳልወና።

 እምነት ምድራዕ

እቲ ኣቐዲሙ ዝተባህለ ትንቢት ምስ ዝፍጸምማብቲ ቓል ዘለና ምትእምማን ስለዝውስኽ፡ ስንባደ ከይሓደረና ብእምነት ክንቀውም ይሕግዘና።

 መለለዪ (መረጋገጺ) (checklist)

እቲ ሓቀኛ ቃል ሃዋርያት (2ጢሞ 3;1-9)፡ ባህርያትን ስሑት ትምህርትን ናይዞም ሰባት ፈሊና እንፈልጠሉ መስትያት ይዀነና።

ጉጅለ ሰላም ዝመለስዎ

1. ​ይሁዳ ነዞም ኣቐዲሙ፡ ስሉኽ ኢሎም ዝኣተዉ ዝበሎም፡ ኣብዚ ኸኣ "መላገጽቲ" ይብሎም ኣሎ። ምስቲ ከንርእዮ ዝቐነና እንታይነትን ባህርይን መምህራን ሓሶት፡ እዚ "መላገጽቲ" ዝብል፡ ብኸመይ ከም ዝገልጾም፡ ኣሕጽር ኣቢልኩም መልሱ።

“መላገጽቲ” ዝብል ቃል፡ ንቓል ኣምላኽ፡ ንሓቅን ንቅዱስ ናብራን ዘነኣእሱ፣ ዘባጭዉን ዘላግጹን ሰባት ማለት እዩ። እዚ ምስቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ 2 ጴጥሮስ 3፥3 “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ፡ ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ” ብምባል ዝሃቦ መጠንቀቕታ ፍጹም ይሰማማዕ። (2ጴጥ 3፥3)

እዞም ሰባት ንስርዓት ጐይታን ንትምህርቲ ሃዋርያትን ብቓልን ብተግባርን ይንዕቁ፣ ንፍትወት ስጋኦም ጥራይ ድማ ይመላለሱ። ሓደ ሰብ “መላገጺ” ዝኸውን ቀንዲ መንፈሳዊ ምኽንያታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

ሀ. ትዕቢትን ንቓል ኣምላኽ ምጽራርን

ኣብ መዝሙር 1፥1 “ኣብ መንበር መላገጽቲ ዘይቅመጥ” ብምባል፡ መላገጽቲ ፍርሃት ኣምላኽ ከም ዘይብሎም የርእየና። (መዝ 1፥1) ምሳሌ 21፥24 ድማ “ዕቡይን ኵሩዕን ሰብ መላገጺ እዩ ስሙ” ብምባል፡ ትዕቢት ቀንዲ ምኽንያት ምዃኑ የረድኣና። (ምሳ 21፥24)

ለ. ንፍርዲ ኣምላኽ ዘይምእማን

እዞም ሰባት ንፍርዲ ኣምላኽን ንኻልኣይ ምጽኣትን ኣይቅበሉን። ከምቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴዎስ 24፥48-49 እቲ ክፉእ ባርያ “ጐይታይ ይድንጉይ እዩ” ኢሉ ንብጾቱ ክሃርምን ክሰክርን ከሎ ዝገለጾ፡ ንሳቶም እውን ንመለኮታዊ ተሓታትነት ብምንዓቕ ናብ ስጋዊ ፍትወቶም ይወድቁ። (ማቴ 24፥48-49)

ሐ. ልቢ ብሓጢኣትን ብፍቕሪ ገንዘብን ምዕዋር

ሰብ ንስጋዊ ፍትወቱን ንፍቕሪ ገንዘብን ብትዕቢት ክስዕብ ከሎ፡ ልቡ ብሓጢኣት ይዕወር። እዚ ዑረት ድማ ንቅድስና ኣምላኽ ከቃልልን ከላግጽን ይገብሮ።

ስለዚ “መላገጽቲ” ምዃን፡ ንመንፈሳዊ ውድቀቶምን ሓጥኣን ምዃኖምን ዘርኢ መለለዪ መንነቶም እዩ። ነቲ ዘይፈልጥዎ ሰማያዊ ምስጢር እናተጻረፉ (ይሁዳ 10)፡ ንመንፈሳዊ ሓቂ የላግጹ።

2. ​ነቲ ሃዋርያት ጐይታና ኣቐዲምም ብትንቢት ንዝነገሩና ምዝካር፡ ኣብ ምብዳህ እቶም ስሉኽ ኢሎም ምፍልላይ ዘምጽኡ ንምምልላዮም፡ እንታይ ጥቕሚ ኣሎዎ ትብሉ፧

ምዝካር ማለት፡ ንቑሕ ኴንካ ሓሳብካን ልብኻን ኣብቲ ዝተማሃርካዮ መለኮታዊ ሓቂ ምጽናዕ ማለት እዩ። ንቓል ኣምላኽን ዓበይቲ ውዕለቱን ኩሉ ሳዕ ኣብ ልቢ ህያው ጌርካ ምሓዝ ድማ፡ ህያው ናይ እምነትን ተኣዛዝነትን መርኣያ እዩ።

ምዝካር ኣንጻር ምርሳዕ እዩ። ሰብ ብባህርዩ ናይ ምርሳዕ ድኻም ስለ ዘለዎ፡ ኩሉ ሳዕ ቃል ኣምላኽ ንምዝካር ውሽጣዊ ተገዳስነትን ግቡእ ጻዕርን የድልዮ። እግዚኣብሄር እውን ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ብብርቱዕ ሓይሊ ዘውጽኣሉ ዓቢ ግብሩ ክዝክሩ ብዓል ፋሲካ ሰሪዑሎም እዩ። (ዘጸ 12፥14) ከምኡ’ውን ሙሴ፡ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከጥፍኦም ምስ ደለየ፡ “ንኣቦታትና ዝመሓልካዮ ኪዳን ዘክር” ኢሉ ብምልማን ንህዝቡ ኣድሒኑ እዩ። (ዘጸ 32፥13-14) ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ድማ ነታ ብቕዱስ ቅብኢ ሽቱ ርእሱ ዝለኸየቶ ሰበይቲ፡ “እዚ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ክንገር እዩ” ብምባል፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝግበር ናይ ፍቕርን እምነትን ተግባር ክዝከር ከም ዘለዎ ምሂሩ እዩ (ማር 14፥9)።

እዚ ሓቂ እዚ ድማ፡ እቲ ይሁዳ “ዘክሩ” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ማዕረ ክንደይ ህይወት ዘድሕን ምዃኑ የርእየና። ነዞም ሓሰውቲ መምህራን ንምብዳህን ንምልላዮምን፡ እቲ ዝዓበየ መከላኸሊ መሳርሒ እቲ ሃዋርያት ኣቐዲሞም ዝነገሩና ናይ ትንቢት ቃል ምዝካር ምዃኑ እዩ። ብምርሳዕ ግን ሰብ ብፈተና እዞም ሓሰውቲ መምህራን ክሰናበድን ክወድቕን ይኽእል እዩ።

ቀንዲ ቅዉም-ነገር ምዝካር ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

ሀ. ሰብ ሓጢኣቱን በደሉን ዘኪሩ ናብ ኣምላኽ ብንስሓ ክምለስ ይሕግዝ። (ህዝ 29፥16)

ለ. “ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ” (ዮሃ 15፥20) ዝበሎ ብምዝካር፡ መከራን ስደትን ንምጽዋር ዓቕሚ ይህብ።

ሐ. ንትምህርቲ ጐይታን ሃዋርያትን ምዝካር (ይሁዳ 17-18)፡ ካብ ሓሰውቲ መምህራንን ክሕደትን ርእስኻ ናይ ምክልካል መንፈሳዊ ዕርዲ እዩ።

መ. ንጉስ ዳዊት “ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ” (መዝ 119፥11) ከም ዝበለ፡ ከምኡውን “መዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘክር” (ዘጸ 20፥8) ተባሂሉ ከም ዝተኣዘዘ፡ ንቃል ኣምላኽ ምዝካር ካብ ሓጢኣት ንምርሓቕን ብቕድስና ንምንባርን መሰረት እዩ።

ስለዚ፡ ምዝካር ንቑሕ ኣእምሮን ድሉው ልብን ዝሓትት መንፈሳዊ ተግባር ኮይኑ፡ ካብቲ መላገጽቲ ዘምጽእዎ መንፈሳዊ ዑረት ንምድሓን ዘገልግል ቀንዲ መሳርሒ እዩ። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ዮሃንስ 14፥26 መንፈስ ቅዱስ ነቲ ዝመሃሮም ኩሉ ከዘክሮም ከም ዝሰድድ ብምሕባሩ ድማ፡ ብዘይ ምዝካር ቃል ኣምላኽ ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ክንዕወት ከም ዘይንኽእል የረድኣና፡ (ዮሃ 14፥26)።

ጉጅለ እምነት ዝመለስዎ

1. ​ይሁዳ ነዞም ኣቐዲሙ፡ ስሉኽ ኢሎም ዝኣተዉ ዝበሎም፡ ኣብዚ ኸኣ "መላገጽቲ" ይብሎም ኣሎ። ምስቲ ከንርእዮ ዝቐነና እንታይነትን ባህርይን መምህራን ሓሶት፡ እዚ "መላገጽቲ" ዝብል፡ ብኸመይ ከም ዝገልጾም፡ ኣሕጽር ኣቢልኩም መልሱ።

እዚ፡ “መላገጺ” ብቛንቋ ግሪኽ “አንፓክቴስ” ዝብል ቃል፡ ነቲ ይሁዳ ኣቐዲሙ፡ "ንጸጋ ኣምላኽ ናብ ርኽሰት ዝልውጥዎን ንጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስን ዝኽሕዱን” ዝበሎም፡ ነቲ ባህርያቶም ዝገልጽ ቃል እዩ። እዚኦም ንረብሓኦም ክብሉ፡ ነቲ ቕኑዕ ትምህርቲ ዝኽሕዱ፡ ንኣምላኽ ዘየኽብሩ፡ ከምኡ’ውን ብዘይ ስነ ምግባር ከም ዊንታ ርእሶም ዝነብሩ ሰባት እዮም።

እዞም “መላገጽቲ” ኩሉ እንዳፈለጡ ዝጽይቑ፡ ስለ ዝዀኑ፡ ንሓደ ዘላግጽ ሰብ ንምእራም ዝግበር ፈተነታት መብዛሕትኡ ግዜ ተወሳኺ ጸርፊ ወይ ግህሰት’ዩ ዘስዕብ። ኣብ 2ይጴጥ 3.3፡ ''ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ፡ ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ'' ብምባል ክጠቕሶም ከሎ፡ “ንሳቶም ከኣ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ፡ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ኵሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ፡” እናበሉ፡ ነቲ ተስፋ ምጽኣት ብምልጋጽ ከም ዘሽካዕልሉሉ ይነግር። ኣብ መዝሙር ዳዊት 1 ፣ 1-2 ድማ ''ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ” ብምባል ጠቒስዎም ኣሎ።

2. ​ነቲ ሃዋርያት ጐይታና ኣቐዲምም ብትንቢት ንዝነገሩና ምዝካር፡ ኣብ ምብዳህ እቶም ስሉኽ ኢሎም ምፍልላይ ዘምጽኡ ንምምልላዮም፡ እንታይ ጥቕሚ ኣሎዎ ትብሉ፧

ምዝካር ማለት፡ ነቲ ክኸውን ዝግብኦ ፈሊጥካ ብእኡ ክትምራሕ ምኽኣል ማለት’ዩ። ብኣንጻሩ እንተሓሰብና፡ ዘይምዝካር ማለት ምስሓት፡ ምግጋይ፡ ካብ መገድኻ ምእላይ ወዘተ ማለት’ዩ። ሕዋስ ዘይብሉ ኣቐዲሙ ዝተነግረና ቃል ምድሓን፡ ክንዝክሮ እንተኽኢልና፡ መጀመርያ ነቶም ስሑት ምህሮታት ሒዞም ዝመጹ ሰባት ብቐሊሉ ከነለልዮም ይሕግዘና። ንኣብነት ኣብ ግብረ ሃዋርያት፡ እቲ ሲሞን ዝብሃል ጠንቋሊ፡ ንህያብ መንፈስ ቅዱስ ብገንዘብ ክዕድግ ምስ ፈተነ፡ ቍጥዓ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ብግሉጽ ንርእዮ። ኣብ ዘመንና ግና፡ መንፈሳዊ ውህበት ክሽየጥን ክዕደግን ንርኢ ኣሎና። ስለዚ ቃል ኣቦታትና ሃዋርያት ምዝካር፡ ነቶም ብመገዲ ቃየል ዝኸዱ፡ ንሕተት በልዓም ዝደግሙ፡ ንዕልወት ቈሬ’ውን ዘንጸባርቑ ክንርኢ ከለና፡ ሳላ እቲ ኣቐዲሙ ዝተነግረና እሞ ሕጂ እንዝክሮ ዘለና ቃል፡ ነቲ ስሑት መገዲ ብቐሊሉ ከነለልዮ ይሕግዘና።
እተምሃርካዮ ቃል ብዝግባእ ምዝካር፡ ኣቐዲምካ ነቒሕካ ክትጸንሕ ስለ ዝገብር፡ ኣብ ምብዳህ እዞም መምህራን ሓሶት ልዑል ኣበርክቶ ኣሎዎ። እዚ ድሮ ኣብ መልእኽቲ ይሁዳ’ውን ተነጊሩና ዘሎ ግሉጽ መለለዪ ባህርያት፡ ንኣብነት፡ ሰፈሮም ዝሐደጉ፡ ንጕይትነት ዘቃልሉ፡ ንመዓርጋት ክብሪ’ውን ዝጸርፉ፡ ዝብል፡ ከምኡ’ውን ነቲ ዕለታዊ ህይወቶም ብምርኣይ፡ ንፋስ ንየው ነጀው ዚደፍኦ፡ ማይ ዜብሉ ደበና፡ ዘይፈርያ፡ ክልተ ሳዕ ዝሞታ፡ ካብ ሱረን እተመንቈሳ ኣእዋም ሓጋይ ወዘተ፡ ዝብል ብምዝካር፡ ኣብ ዝዀነ መንፈሳዊ ፍረ ብግብሪ ኣብ ዘይትርእዮ፡ ብጥዑም ዘረባን ጥዑም መዝሙርን ጥራይ ንኽማርኹኻ ቀሊል ኣይከውንን።

ጉጅለ ምሕረት ዝመለስዎ

1. ​ይሁዳ ነዞም ኣቐዲሙ፡ ስሉኽ ኢሎም ዝኣተዉ ዝበሎም፡ ኣብዚ ኸኣ "መላገጽቲ" ይብሎም ኣሎ። ምስቲ ከንርእዮ ዝቐነና እንታይነትን ባህርይን መምህራን ሓሶት፡ እዚ "መላገጽቲ" ዝብል፡ ብኸመይ ከም ዝገልጾም፡ ኣሕጽር ኣቢልኩም መልሱ።

"መላገጽቲ" ዝብል ቃል ኣብዚ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንላግጺ ወይ ንዋዛ ዘመልክት ዘይኰነስ፡ መንፈሳዊ ዕንወትን ክሕደትን ዘንጸባርቕ ዓሚቝ ትርጉም እዩ ዘለዎ። እቶም “ሰሉኽ ኢሎም ዝኣተዉ መምህራን ሓሶት” ንመለኮታዊ ሓቂ ዘቃልሉ፡ ነቲ ሃዋርያት ዘመሓላለፍዎ ቅዱስ ሓቂ፡ ትእዛዛትን ፍርዲ ኣምላኽን፡ ብእኡ ዝላገጹን ዘላግጹን እዮም። ንእግዚኣብሔር ካብ ምፍራህ ዝረሓቁ ስለ ዝዀኑ ድማ “ብትምኒት ገዛእ ርእሶም ዝመላለሱ መላገጽቲ” ተባሂሎም ተገልጹ። ንሳቶም፡ ንጸጋ ኣምላኽ ሓጢኣት ንምግባር ናጽነት ከም ዝህብ ኣምሲሎም ብምምሃር፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ዕላማ የነኣእስዎ። እዚ ኸኣ እቲ ዝዓበየ ላግጺ ኣብ ቃል ኣምላኽ እዩ።

2. ​ነቲ ሃዋርያት ጐይታና ኣቐዲምም ብትንቢት ንዝነገሩና ምዝካር፡ ኣብ ምብዳህ እቶም ስሉኽ ኢሎም ምፍልላይ ዘምጽኡ ንምምልላዮም፡ እንታይ ጥቕሚ ኣሎዎ ትብሉ፧

ኣብ 2ጴጥ 3፡3 "ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ፡ ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ" ይብል። ነቲ ሃዋርያት ኣቐዲሞም ዝሃቡና መጠንቀቕታን ትንቢትን ምዝካር፡ ንመንፈሳዊ ህይወት ሓደ ክርስትያንን ንድሕነት ቤተክርስቲያንን ዓቢ ሓይሊ ኣለዎ። ጥቕሙ ከኣ ብዙሕ እዩ።

ገለ መረዳእታ ንምቕራብ፡ እዞም መምህራን ሓሶት ክመጹን ከበላሽዉን ከለዉ፡ ከም ሓድሽ ወይ ዘይተጸበናዮ ነገር ጌርና ኣይንስምብድን። ብመንፈሳዊ ንቕሓት ክንጽበዮምን ክንነቅሓሎምን ድማ ይሕግዘና። ምዝካር ማለት፡ ነቲ ሓቀኛ ቃል ሃዋርያት እናሓሰብና ነቲ ናይቶም መላገጽቲ ትምህርቲ ንምድባህ ዘኽእለና ብቕዓት ምጥራይ ማለት’ዩ። ኣብ መልእኽቲ ናብ እብራውያን፡ “ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዓቡ” ይብል፡ (እብ 13፥7)። ከምዚ ምግባር፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳን እተዋት እምነት ጸኒዕና ክንጋደል የኽእለና። በዞም ሰባት ተታሊሎም ዝተደናገሩ ወይ ዝተፈለዩ ኣሕዋት እንተለዉ’ውን፡ ብቓል ሓቂ ጌርና ክንመልሶም፡ ነቶም ሓሶት ዝዘርኡ ኸኣ ብትብዓት ክንገጥሞምን ክንረትዖምን ዓቢ ድርኺት ይኾነና። ብተወሳኺ፡ ሓድነት ቤተክርስቲያን ንምሕላው’ውን ይሕግዘና እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም "ምፍልላይ ዘምጽኡ” ምዃኖም፡ ተነጊሩና’ሎ። ነቲ ቃል ምዝካርና እምበኣር፡ ንውዲት ሰይጣን ከነፍርስ ኣብ ምኽሪ ኣምላኽ ከኣ ከነስልጥ ይሕግዘና።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

መጽናዕቲ መልእኽቲ ይሁዳ፡ ዕዮ ገዛ ቍ.7