መጽናዕቲ መልእኽቲ ይሁዳ፡ ዕዮ ገዛ ቍ.9
ዝቐረቡ ሕቶታት
• 1. “ብመንፈስ ቅዱስ ምጽላይ” ምስቲ፡ “ንገዛእ ርእስኻ ብእምነት ምህናጽ” ዝብል ዘሎዎ ዝምድና፡ እንታይ ምዃኑ ኣረድኡ። (ጉጅለታት እምነትን ፍቕርን)
• 2. እግዚኣብሄር ሓላዊና ምዃኑ እናተፈልጠስ፡ ይሁዳ ግና፡ ”ንርእስኹም ሓልውዋ” ይብል ኣሎ እሞ፡ ሰብ ዶ ገዛእ ርእሱ ክሕሉ የድልዮ እዩ፧ እወ እንተዀይኑ፡ ሰብ ብኸመይ’ዩ ርእሱ ክሕሉ ዝኽእል፧ (ጉጅለታት ምሕረትን ሰላምን)
• 3. ኣብቲ ”መንጢልኩም ኣናግፍዎም” ዝብል ሓሳብ፡ እቲ ”ምምንጣል” ዝብል ቃል፡ንህጹጽነትን (Emergency) ንሓደገኛነትን (Danger) እቲ ጉዳይ ብዝምልከት፡ እንታይ የርእየና፧ (ጉጅለታት ምሕረትን ሰላምን)
• 4. ኣብቲ ”ንርእስኹም እናፈራህኩም ደንግጹሎም፡” ዝብል ሓሳብ፡ ስለምንታይ እዩ ክንፈርህ ዘድልየና፧ (ጉጅለታት እምነትን ፍቕርን)
ጉጅለ ሰላም ዝመለስዎ
1. ኣግዚኣብሄር ሓላዊና ምኽኑ እናተፈልጠ፡ ይሁዳ ግና “ንርእስኹም ሓልዉዋ” ይብል ኣሎ እሞ፡ ሰብ ዶ ንገዛ ርእሱ ክሕሉ የድልዮ እዩ፧ እወ እንተኾይኑ፡ ሰብ ብኸመይ እዩ ንርእሱ ክሕሉ ዝኽእል፧
እወ፡ ሰብ ንገዛ ርእሱ ክሕሉ ፍጹም የድልዮ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሔር ሓላዊና ምዃኑ (ዳዊት 121፥7-8፣ ዮሃ 10፥28)፣ ጐይታ’ውን ካብቲ ኽፉእ ክሕልወና ከም ዝጸለየ (ዮሃ 17፥11, 15) ይምህረና። ይሁዳ እውን መልእኽቱ "ናብቶም እተሓለዉ" ኢሉ ጀሚሩ፣ "ነቲ ኺሕልወኩምን ኬቝመኩምን ዚከአሎ" ኢሉ ብምስጋና ምዕጻዉ፡ እግዚኣብሄር ሓላዊናን ብጸጋ ዘድሕነናን ንሱ ምዃኑ የረጋግጸልና።
ይሁዳ፡ ሰብ ንርእሱ ክሕልወሉ ዝሃቦ ኣርባዕተ መንገድታት ኣሎ፦
ሀ. በታ እተቐደሰት እምነት ርእስኻ ምህናጽ፦ ቃል ኣምላኽ ኣብ ልቢ ብምሕዳር ካብ ናይ ሓሶት ትምህርትን ስሕተትን ምዕቀብ። (ቆሎሴ 2:7፣ ዳዊት 119፥11፣ ዮሃ 8፥51፣ ኤፌ 4፥14)።
ለ. ብመንፈስ ቅዱስ ምጽላይ፦ ብሓይልካ ክትቀውም ከም ዘይትኽእል ብምእማን፣ ብመንፈሳዊ መሪሕነትን ትግሃትን ብምጽላይ።(ማቴ 26፥41)።
ሐ. ምሕረት ክርስቶስ ብምጽባይ፦ ልብኻ ካብዚ ምድራዊ ነገራት ኣብሊጽካ፣ ነቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዘብጽሕ ሰማያዊ ተስፋ ብምግባር። (ይሁዳ 21፣ 1 ቆረ 1:7-8)።
መ. ንርእስኻ ብፍቕሪ ኣምላኽ ብምሕላው፦ ካብ ሓጢኣት ምርሓቕን ብናይ ሓባር ሕብረትን ምምዕዓድን እምነትካ ምሕላው። (2 ጢሞ 2፥22፣ ዮሃ 15፥10፣ 1 ተሰ 5:11)።
እዚ ርእስኻ ምሕላው እዚ፡ ብሓይሊ ሰብ ዘይኰነስ፣ ብመለኮታዊ ሓይሊ ክርስቶስ እዩ፡ ፍጻመኡ ዝጽብቕ፡ (ፊልጲ 4፥13 )። ከምቲ እቶም ቀዳሞት ክርስትያን፡ "ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ" ዝብለና (ግብ 2፥42)፥ ሰብ ብቓል ኣምላኽ፡ ብጸሎት፡ ብሕብረትን ፍቕሪ ኣምላኽን ካብ ፈተናን ስሕተትን ርሒቑ ምስ ኣሕዋት ጸኒዑ ክነብር ከሎ፡ ንርእሱ ብመንፈሳዊ ቃልሲ ይሕልዋ።
2. ኣብቲ “መንጢልኩም ኣናግፍዎም” ዝብል ሓሳብ፡ እቲ “ምምንጣል” ዝብል ቃል ንህጹጽነትን ንሓደገኛነትን እቲ ጉዳይ ብዝምልክት እንታይ የርእየና፧
"ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም" ክህብ ከሎ፡ እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ህጹጽ፣ ቅልጡፍን ሓደገኛን ምዃኑ የርእየና። "ምምንጣል" ማለት ሓደ ነገር ብቕጽበት ዓይኒ፣ ብሓይሊ ካብ ናይ ጥፍኣት ስፍራ ስሒብካ ምውጻእ ማለት እዩ። ሓዊ ንዘለኣለማዊ ፍርድን ኩነኔን ዝውክል ምስሊ ስለ ዝዀነ፣ ንኻልኢታት እንተደንጒኻ እቲ ሰብ ክጠፍእ እዩ። ንሕና’ውን እቶም ዝጠፍኡ ዘለዉ ኣሕዋት፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ መንፈሳዊ ሓደጋ ከም ዘለዉ ፈሊጥና፡ ብተመሳሳሊ ናይ ህጹጽ መንፈስ ቀልጢፍና ክንረድኦም ከም ዝግባእ የረድኣና።
እዚ ናይ ካብ ሓዊ ምምንጣል ሓሳብ ምስቲ ኣብ ኣሞጽ 4፥11፣ ዘካርያስ 3፥2 ተጠቒሱ ዘሎ፡ ንሊቀ ካህናት ኢያሱን ንእስራኤልን "ካብ ሓዊ እተመንጠለ እያድ" ዝብል ስእላዊ መግለጺ ይትኣሳሰር። እዚ ድማ እቶም ካብቲ ሓደገኛ ስሕተት ዝተመልሱ ሰባት፡ ናይቲ ስሕተት ኣሰርን በሰላን ክህልዎም ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ብህጹጽ ረድኤት ኣሕዋት ግና ካብ ምሉእ ጥፍኣት ከም ዝድሕኑ የነጽር።
ስለዚ ኣመንቲ ብዘይ ሸለልትነት፣ ብፍቕሪን ብርህራሄን ንዝወደቑ ኣሕዋት ክሕግዝዎምን ናብ ሓቂ ክመልስዎም ክጽዕሩን ሓላፍነት የሰክም። ምምንጣል፡ ከምቲ ያእ 5፥20 «ንሓጥእ ምምላስ ካብ ሞት ምድሓን እዩ» ዝብለና፡ እቲ ሓደጋ ኣዝዩ ቅልጡፍ ምዃኑን ንዝጠፍኡ ነፍሳት ክህልወና ዝግባእ ናይ ሓልዮትን ትግሃትን መንፈስ ዝቕስቅስ፡ ሓያል መግለጺ እዩ።
ጉጅለ ፍቕሪ ዝመለስዎ
1. ብመንፈስ ቅዱስ ምጽላይ፣ ምስቲ ንገዛእ ርእስኻ ምህናጽ ዝብል ዘለዎ ዝምድና እንታይ ምዃኑ ኣረድኡ፣
እቲ ኣብቲ ስሩት መሰረትን እምኒ መኣዝንን ዝዀነ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሃንጸ ኣማኒ፣ ርእሱ ብመንፈስ ቅዱስ ርእሱ እናሃነጸ እዩ ዝኸይድ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ምጽላይ ማለት፡ ብፍልጠትን ድሌትን ገዛእ ርእስኻ ዘይኮነስ፡ ብምልኣትን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስን ምጽላይ ማለት እዩ። መንፈስ ቅዱስ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ጌሩ’ዩ ብዘይንገር እህህታ ኣብ ክንዳና ዝጽሊ።
ሮሜ፡8፡26 መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና።
ንጌጋና ዚኸውን ፈውሲ፡ ኻብቲ ጌጋ ምርሓቕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ቅኑዕ ነገር ምህናጽ እዩ። ነዚ ንምግባር ከኣ፡ ናብ ኣምላኽ ጠቢቕካ ብመንፈስ ቅዱስ ብምጽላይ፡ ንሓሳብን ምኽርን ኣምላኽ ከተለሊ ይሕግዘካ። እንታይ ክንጽሊ ከም ዘሎና ኣብ ዘይንፈልጠሉ’ኳ ከይተረፈ፡ መንፈስ ቅዱስ ግና ንድኻምና ብምድጋፍ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ጌሩ ስለ ዝጽሊ፡ ርእስና ንምህናጽ፡ መሰረታዊ ነገር ኰይኑ ይርከብ።
2. ኣብቲ ንርእስኹም እንዳ ፈራህኩም ደንግጹሎም ዝብል ሓሳብ ንምንታይ ኢና ክንፈርህ ዘለና፧
እቶም በዚ ግጉይ ትምህርቲ ዝሰሓቱ ክዳኖም ዘርስሑ፣ ብሓቂ ምሕረት ከም ዘድልዮም ክንድንግጸሎምን ከም ዘለና ተጻሒፉልና ኣሎ። እቲ ዕላማ ንዕኦም ንምንጋፍ ክንሱ፡ ግናኸ፡ ካብ ሓዊ ክትምንጥል ክትብል፡ ነበልባል ሓዊ ከቃጽለካ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ህይወት ከስእነካ ድማ ይኽእል’ዩ። ስለዚ’ዩ ክንፈርህን ክንጥንቀቕን ዘድልየና። ባዕለይ እፈልጥ፡ እናበልና ኣብ ገዛእ ሓይልና፡ ክእለትናን ጥበብናን ምእንቲ ከይንውከል ድማ፡ ትጽቢትና ኣብ ኣምላኽ ክንገብር የተባብዓና። «እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዝመስሎስ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ» ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈልና ድማ፣ ንሕና’ውን ከምኦም ሰባት ምዃንና ዘኪርና፡ ኵሉ ጊዜ ኣብ ምሕረት ኣምላኽ ክንዕቆብ ከም ዝግባእ ዘዘኽኽረና ሓሳብ’ዩ።
ጉጅለ ምሕረት ዝመለስዎ
1. ኣግዚኣብሄር ሓላዊና ምኽኑ እናተፈልጠ፡ ይሁዳ ግና “ንርእስኹም ሓልዉዋ” ይብል ኣሎ እሞ፡ ሰብ ዶ ንገዛ ርእሱ ክሕሉ የድልዮ እዩ፧ እወ እንተኾይኑ፡ ሰብ ብኸመይ እዩ ንርእሱ ክሕሉ ዝኽእል፧
“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ” ዝብል ሓሳብ፡ እግዚአብሔር ሓላዊና ስለ ዝኾነ ንሕና ዝኾነ ሓላፍነት የብልናን ማለት ከም ዘይኮነ እዩ ዘረድኣና። እዚ ኣብ መንጎ እቲ እግዚአብሄር ዝገብሮ ሓልዮትን፡ እቲ ሰብ ክገብሮ ዘለዎ መንፈሳዊ ጥንቃቐን ዘሎ ናይ ምትሕግጋዝ "cooperation" ምስጢር እዩ። ይሁዳ፡ ልዕሊ 7 ጊዜ፡ ነቶም ሓሰውቲ መምሃራን ዝወርዶም መቕጽዓትን ባህርያቶምን ክገልጽ ምስ ጸንሐ፡ ካብ ፍቕዲ 17 ጀሚሩ ግና ነቲ መልእኽቲ ኣንፈቱ ብምቕያር፡ ነቶም ዝጽሕፈሎም ዘሎ ወገናት “ንስኻትኹም ግና ኣቱም ፍቁራተይ” እናበለ ይቕጽል።
ሃዋርያ ይሁዳ “ንርእስኹም ሓልውዋ” ክብል ከሎ፡ እቶም ንርእስና ብቕድስና ኣምላኽ ክንሕልወሎም ዘለና መገድታት’ውን ዘርዚሩወን ኣሎ።
● ርእስና እንሃንጸላ፡ እተቐደሰት እምነት።
● ርእስና እንሃንጸሉ ብመንፈስ ቅዱስ ምጽላይ
● ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምጽባይ
● ርእስና እንሃንጸሉ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ።
ሮሜ 8:35-39 “ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረት’ውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዅሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።
2. ኣብቲ “መንጢልኩም ኣናግፍዎም” ዝብል ሓሳብ፡ እቲ “ምምንጣል” ዝብል ቃል ንህጹጽነትን ንሓደገኛነትን እቲ ጉዳይ ብዝምልክት እንታይ የርእየና፧
ምምንጣል ዝብል ቃል፡ ተራ ወይ ህዱእ ኣገባብ ዘይኮነ፡ ኣዝዩ ኣብ ሓደገኛ ኲነታት ከም ዘሎ ዘመልክት ቃል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ቆልዓ ናብ ሓዊ ክወድቕ ከሎ፡ ብህዱእ መንገዲ ተንስእ ኣይንብሎን ኢና፤ የግዳስ ብናህሪ ጐቲትና ንምንጥሎ። ምዕዶ ሃዋርያ ይሁዳ ንምርዳእ መጀመርያ ‘ሓዊ’ ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ንጹር ክንከውን ኣሎና።መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ዘይኣምኑ ዘስዕቦ ሳዕቤን ብቐጻሊ ከም ዘለኣለማዊ ሓዊ ይገልጾ (ይሁዳ 7, ማቴ 5፡21-22፤ ማቴ 18፡8-9)። ካብ እዚ "ሓዊ" እዩ፥ ይሁዳ ‘ንኻልኦት ክንምንጥሎም’ ዝጽውዓና ዘሎ። ክብደት ናይቲ ኩነታት ሸለል ክንብሎ ከም ዘይብሉ ንጹር ይኸውን።
ተመሳሳሊ ጥቕሲ ኣብ ትንቢተ ዘካርያስን ኣሞጽን ተገሊጹ ኣሎ። እያሱ ሊቀ ካህናት፡ ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ (ብሓጢኣትን ብውርደትን ተጐልቢቡ) ኣብ ቅድሚ መልኣኽ እግዚአብሔር ቆይሙ ነበረ፡ ሰይጣን ከኣ ክኸሶ ይፍትን ነበረ። እግዚአብሔር ንሰይጣን ክገስጾ ከሎ፡ "እዚኸ ካብ ሓዊ ዝተመንጠለ እያድዶ ኣይኮነን፧" ይብል፡ (ዘካ. 3፡2)። ኣብ ትንቢተ ኣሞጽ 4፡11 ኸኣ፡ ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ብሰንኪ ዓመጾም ከምቲ ንሰዶምን ገሞራን ዝገለበጠሉ ከቢድ ፍርዲ ድሕሪ ምጥቃስ፡ "ንስኻትኩም ከኣ ከምቲ ካብ ሓዊ ዝተመንጠለ እያድ ኰንኩም" ይብል። እቲ ፍርዲ ኣዝዩ ከቢድን ዘጥፍእን እኳ እንተነበረ፡ እቶም ዝተረፉ ግን ብናይ ኣምላኽ ሓልዮት ካብቲ ብርቱዕ መዓት (ሓዊ) ብህጹጽ ተመንጢሎም ዝደሓኑ ምዃኖም ከኣ የርእየና።
ዋና መልእኽቱ፡ ኣብ ሓደጋ ንዘለዋ ነፍሳት ንኽንሕግዘን ጻውዒትና ብዕቱብ ክንወስዶ ከም ዝግብኣና ንምስማር እዩ። ከም ቤተ ክርስቲያን፡ ንሓድሕድና ክንጥንቀቕን ካብ ሓደጋታትን ምትላልን ሓጢኣት ንሓድሕድና ክንከላኸልን ክንሕግዝን ከም ዝተጸዋዕና ኣሚንና፡ ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ ንጡፋት ክንከውን ከም ዘለና ብንጹር ይገልጽ።
ኣገዳሲ ሓረጋት 《ኣብዚ ጽሑፉና እያድ ዝብል እንተ ነበብኹም እያድ ማለት ንምንዳድ እንጥቀመሉ ቍራጽ ዕንጸይቲ ማለት ኰይኑ፡ ካብ ሓዊ ዝተመንጠለ እያድ ማለት ከኣ፡ ክነድድ እኳ እንተነበሮ፡ ግናኸ ካብ ምንዳድ ዝተረፈ፡ እተመንጠለ ማለት’ዩ።》
ጉጅለ እምነት ዝመለስዎ
1. ብመንፈስ ቅዱስ ምጽላይ፣ ምስቲ ንገዛእ ርእስኻ ምህናጽ ዝብል ዘለዎ ዝምድና እንታይ ምዃኑ ኣረድኡ
ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ምጽላይ፣ ምስ ሓሳብ እግዚብሄር ተሰማሚዕካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምቕራብ ማለት’ዩ። በዚ ድማ ንገዛእ ርእስኻ ብእምነት ክትሃንጽ ትኽእል። ኣመንቲ ብሓይልን መሪሕነትን መንፈስ ኪጽልዩ ኸለዉ፡ ብመጠን እቲ ብመንፈስ ኰይኖም ዝጽልዩሉ፡ ብእኡ መጠን ድማ እቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዝህልዎም ትውክልቲ ይዓዝዝ። ስለዚ፡ ብምንፈስ ኴንካ ምጽላይ፡ ናይቲ ርእስና ብእምነት ከነንጽህ ዝድግፈና መሰረት እዩ። ብመንፈስ ቅዱስ ኮንካ ምጽላይ እዩ። ስለዚ እዩ ይሁዳ፡ “ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም፡ ብመንፈስ ቅዱስውን እናጸሌኹም” ብምባል ዝምዕድ ዘሎ። ብተወሳኺ ኣብ ኤፌሶን 6፣18፣ “ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡” ይብል። ብተመሳሳሊ ድማ ኣብ ሮሜ 8፣26 “መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና” ዝብል ተጻሒፉልና’ሎ።
2. ኣብቲ ንርእስኹም እናፈራህኩም ደንግጽሎም ዝብል ሓሳብ ስለምንታይ እዩ ክንፈርህ ዘድልየና
እታ "እናፈራህኩም” እትብል ቃል፡ ንኣምላኽ ምኽባርን፡ ሓጢኣት ከኽፍለና ዝኽእል ዋጋ ምፍላጥን እያ እተመልክት። ስለዚ እንገብሮ ዘበለ ኵሉ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኽና ክንገብሮ ብሓደ መዳይ፡ በቲ ኻልእ መዳይ ድማ እቲ ዘለናዮ’ውን ብደገፍ እግዚኣብሄር ከም ዘለናዮ ምሕሳብ ምኻኣል ማለት’ውን እዩ። ሓደ ኣማኒ ንሓደ ድኹም ሓው ኪሕግዞ ኸሎ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኪፍተን ወይ ኪስሕት ከም ዚኽእል ብምግንዛብ ብትሕትናን ብጥንቃቐን ክድግፎ ከም ዘለዎ ይምህር። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ንገዛእ ርእሱ’ውን ኣብቲ ጉዳይ ከይጥሕል ክጥንቀቕ ድማ የድልዮ። “ኣሕዋተየ፡ ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ንስኻትኩም መንፈሳውያን፡ ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ። ንስኻውን ከይትፍተን፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ” ይብል፡ ገላትያ 6፡11። ስለዚ ንኻልኦት ምሕረትን ርሕራሐን ምርኣይ፡ ነቶም ኣብ መንፈሳዊ ድኻም ንዘለዉ ክትድግፎም፡ ነዚ ድማ ብትሕትናን ብጥንቃቐን ክንገብሮ ይመኽረና።