መጽናዕቲ መልእኽቲ ይሁዳ ዕዮ ገዛ ቍ. 10
ይሁዳ 1.24-25 ዝቐረቡ ሕቶታት
ኣብ ፍቕዲ 1 ብ(ን)ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሓለዉ ዝብል ሓሳብ፡ ኣብ ፍቕዲ 24’ውን «ነቲ ካብ ውድቀት ዘበለ ክሕልወኩም» ብዝብል ተደጊሙ’ሎ’ሞ፡ ይሁዳ ብዛዕባ ሓለዋ እግዚኣብሄር እንታይ መልእኽቲ ከሕልፈልና ስለ ዝደለየ ይመስለኩም፧
ይሁዳ ንመልእኽቱ መዛዘሚ ክዀናኦ «ክብሪ ግርማ ሓይሊ ስልጣን» ዝብላ 4 ቓላት ዝመረጸሉ ምኽንያት፡ ምስ ሓፈሻዊ መልእኽቲ ይሁዳ እንታይ ምትእስሳር ዘሎዎ ይመስለኩም፧
ጉጅለ ፍቕሪ ዝመለስዎ
ኣብ ፍቕዲ 1 ብ(ን)ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሓለዉ ዝብል ሓሳብ፡ ኣብ ፍቕዲ 24’ውን «ነቲ ካብ ውድቀት ዘበለ ክሕልወኩም» ብዝብል ተደጊሙ’ሎ’ሞ፡ ይሁዳ ብዛዕባ ሓለዋ እግዚኣብሄር እንታይ መልእኽቲ ከሕልፈልና ስለ ዝደለየ ይመስለኩም፧
ቅልስና ምስ መናፍስቲ ደኣ እምበር ምስ ስጋን ደምን ከም ዘይኮነ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝነግረና፡ እግዚኣብሄር ካብ ዝረአ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ብዙሕ ዘይንርእዮ ነገራት’ውን ከም ዝሕልወና ክንርዳእ ንኽእል። እዚ ኸኣ ባዕልና ካብዞም ዘይረኣዩ መናፍስቲ ንገዛእ ርእስና ክንሕልዋ ከም ዘይንኽእል ርዱእ ስለ ዝዀነ ኢዩ። ጐይታ’ውን፣ ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ ኢሉ ናብ አቦ አማዕቂቡና ኢዩ። ቀጺሉ’ ውን፡ እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ፣ ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ። እግዚኣብሄር ንኸተማ እንተ ዘይሐለዋ፣ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ፣ ከም ዝበለ፣ ዋላ እኳ አብቲ መእተዊ ሓላፍነት ናይ ሰብ ንኸፍልጠና “ርእስኹም ሓልው” እንተበለ፣ ብዘይሓለዋ እግዚአብሄር ግና፡ ኩሉ ሓላዊ ንኸንቱ ከም ዝነቅሕን ከንቱ ምዃኑን ከፍልጠና ዝደለየ ይመስል። ንርእስና ብጾሎት፣ ብትውክልቲ ኣብ አምላኽ፣ ካብ ሓሰውቲ መምህራንን ክንሕልዋ፡ ሓልፍነትና ኢዩ። እዚ ንሰብ ዝተዋህበ፣ ናይ ናጻ ምርጫ ምልክት’ውን ኢዩ። ከምዚ እናገበርና ግና አብቲ ኩሉ ዝኽእል አምላኽ ንኽንዕቆብ እምበር፣ ባዕልና እንሕልዎ ነገር ከምዘየለ፣ ጐይታ ብቓሉ፣ ብዘይ ብኣይ ሓንቲ’ኳ ክትገብሩ አይትኽእሉን ኢኹም ኢሉ አረጋጊጹልና ኢዩ፡ (መዝ127፣1፣ ዮሃ 15.5)። ብኡኡ ኩሉ ኰነ፣ካብቲ ዝኾነ ሓደ’ኳ ብዘይ ብኡኡ ዝኾነ የልቦን፣ ከምዝተባህለ፣ ኩሉ ነገርና ብኡኡ እዩ’ሞ፣ ስለ ኩሉ ሓለዋኡ ክብሪ ንዕኡ ይኹን፣ ኣሜን።
2. ይሁዳ ንመልእኽቱ መዛዘሚ ክዀናኦ «ክብሪ ግርማ ሓይሊ ስልጣን» ዝብላ 4 ቓላት ዝመረጸሉ ምኽንያት፡ ምስ ሓፈሻዊ መልእኽቲ ይሁዳ እንታይ ምትእስሳር ዘሎዎ ይመስለኩም፧
ይሁዳ ነዘን 4 ቃላት (ክብሪ፥ ግርማ፥ ሓይሊ፥ ስልጣን) ዝመረጸሉ ምኽንያት፡ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ናይ ሓሰውቲ መማህራን ዕልወትን ትዕቢትን ንምምካትን፣ ሓይልን ኩሉ ስልጣንን፣ ክብርን ምስጋናን ዕብየትን ድማ ንበይኑ ንኣምላኽ ከም ዝግባእ ንምርግጋጽ እዩ። ገለ ካብቲ ምኽንያታት፣-
* ንዕቀቶም ንምፍሻል፦ እቶም ሓሰውቲ መሃራን ንስልጣን ኣምላኽ ዝንዕቁን ሕጋጋቱ ዝጥሕሱን ስለ ዝነበሩ (ቁ. 8)፤ ይሁዳ እቲ ናይ ሓቂ "ስልጣንን ሓይልን" ናይ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ንኸረጋግጽ።
* ትዕቢቶም ንምብዳህ፦ እቶም ዓለወኛታት ንባዕሎም እናወደሱ ዓበይቲ ቃላት ይዛረቡ ስለ ዝነበሩ (ቁ. 16)፤ ይሁዳ ናይ ሓቂ "ክብሪን ግርማን" ናይ እግዚአብሄር ጥራይ ምዃኑ ንምንጻር።
* ንማሕበር ንምጽንናዕ፦ እታ መልእኽቲ ብዛዕባ ሓሰውቲ መምሃራንን ፍርዲ አምላኽን ስለ ዝዀነት፣ መእመናን ከይፈርሁን ከይሰናበዱን፥ እቲ ፍጹም ሓይሊ ዘለዎ ኣምላኽ ብፍጹም ክሕልዎም ከም ዝኽእል ንምርግጋጽ እዩ(ቁ. 24)።
ብሓፈሻ እዞም 4 ቃላት "እቶም ዓለወኛታት ክሳዕ ክንድ’ዚ ንርእሶም እኳ እንተአተዓባበይዋ፣ ኣምላኽ ግን ፍጹም ልዑላዊ፥ ጻድቕ ፈራዲ፥ ሓላዊ ምዃኑ ንምርግጋጽ ኢዩ ነዞም ቃላት ዝተጠቀመ። ወንጌላዊ ሉቃስ፡ “ሽዑ ንወዲ ሰብ፡ ምስ ብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም” ብምባል ዝጸሓፎ ኣብዚ ምጥቃሱ ግቡእ’ዩ፡ (ሉቃ.21፣27)።
ጉጅለ እምነት ዝመለስዎ
ኣብ ፍቕዲ 1 ብ(ን)ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሓለዉ ዝብል ሓሳብ፡ ኣብ ፍቕዲ 24’ውን «ነቲ ካብ ውድቀት ዘበለ ክሕልወኩም» ብዝብል ተደጊሙ’ሎ’ሞ፡ ይሁዳ ብዛዕባ ሓለዋ እግዚኣብሄር እንታይ መልእኽቲ ከሕልፈልና ስለ ዝደለየ ይመስለኩም፧
ይሁዳ ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብዅሉ ቕንኣት ክጽሕፍ ኣንቂዱ ክንሱስ፡ ግናኸ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክንጋደል ከም ዝግባእ ንምዝኽኻር፡ ኣዝዩ ረዚን መልእኽቲ ንኽጽሕፍ ተደረኸ። ዕላማ እቲ ገድሊ፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦ፡ ፍቁራትን ንኢየሱስ ክርስቶስ እተሓለናን ስለ ዝዀንና እዩ። እቲ መንጣልን መታለልን፡ ካብቲ ግቡእ ቦታና ምእንቲ ከየልቅቐና፡ ዘይታኸስ ሓላዊ ከም ዘሎና ክንፈልጥ፡ ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ’ውን ጽሒፍዎ ዘሎ ኸኣ፡ «ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ ዘመን ኪገሃድ ዘለዎ እተዳለወ ምድሓን» እተሓለና ምዃንና’ውን ንምርግጋጽ እዩ፡ (1ጴጥ 1:5)። ይሁዳ፡ መልእኽቱ ክዛዝም ከሎ’ውን፡ «ነቲ ኻብ ውድቀት ዘበለ ኺሕልወኩም፡ ብሓጐስ’ውን ብዘይ ነውሪ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ኬቝመኩም ዚከአሎ» ብምባል፡ ደጊሙ፡ ሓለዋ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌና ስልጡን ምዃኑ ኣዘከረ።
እምበኣርከስ፡ ሽሕ’ኳ እቶም መስሓትቲ፡ ሰሊኾም ብምእታው ብዙሕ ነገር ከበላሽዉ እንተኸኣሉ፡ እቶም ትውክልቶም ኣብ እግዚኣብሄር ብምግባር፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዝመላለሱ ግና፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያኦም ሰፊሩ ከም ዘናግፎም፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ከውድቑ ዝኽእሉ መምህራን ሓሶትን መታለልትን እኳ እንተለዉ፡ ግናኸ ካብ ውድቀት ዘበለ ክሕሉ ዝከኣሎ፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ ክዝክሩ ከም ዝግብኦም ንምትብባዕን ንምዝኽኻርን ጸሓፈ።
2. ይሁዳ ንመልእኽቱ መዛዘሚ ክዀናኦ «ክብሪ ግርማ ሓይሊ ስልጣን» ዝብላ 4 ቓላት ዝመረጸሉ ምኽንያት፡ ምስ ሓፈሻዊ መልእኽቲ ይሁዳ እንታይ ምትእስሳር ዘሎዎ ይመስለኩም፧
ሓፈሻዊ መልእኽቲ ይሁዳ፡ "በታ እተዋህበት እምነት ምግዳልን ካብ መታለልትን ሓሰውቲ መምህራን ምጥንቃቕ ከም ዝግባእን እዩ። ሓደ ካብ መግለጺ እዞም ሓሰውቲ መምህራን ድማ፡ ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጐይታናን የሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎ፡ ምዃኖም’ዩ ተነጊሩና ዘሎ፡ (ፍቕዲ 4)። ፍርሃት ኣምላኽ፡ ምንጪ ኹሉ ጥበብ’ዩ’ሞ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ግና፡ «ንጕይትነት የቃልሉ፡ ንመዓርጋት ክብሪ’ውን ይጸርፉ» ብምባል’ውን ገሊጽዎም ኣሎ’ (ፍቕዲ8)። ስለዚ እምበኣር ይሁዳ ንመልእኽቱ ክዛዝም ከሎ፡ እቶም ሓሰውቲ መምህራን ከም ዝብልዎ ዘይኰነስ፡ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን ሕጅን ንዅሉ ዘለኣለምን፡ ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ስልጣን ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ በይኑ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ከም ዝግባእ ብምርዳእ’ዩ ዝምክቶም ዘሎ።
«ጐይታየ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዘበለ ዂሉ ናትካ እዩ እሞ፡ ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማን ናትካ እዩ። ጐይታየ፡ እታ መንግስትካ ናትካ እያ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ኸኣ ከም ርእሲ ልዕል በልካ» (1ዜና29.11)
ጉጅለ ምሕረት
1.ኣብ ፍቕዲ 1 " ብ (ን) ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሓለዉ" ዝብል ሓሳብ፡ ኣብ ፍቕዲ 24’ውን "ነቲ ኻብ ውድቀት ዘበለ ኺሕልወኩም" ብዝብል ተደጊሙ'ሎ'ሞ፡ ብዛዕባ ሓለዋ እግዚኣብሄር እንታይ መልእኽቲ ከሕልፈልና ዝደለየ ይመስለኩም፥
ይሁዳ መልእኽቱ ክጽሕፍ ክጅምር ብሓለዋ እግዚኣብሄር ጀሚሩ ብሓለዋ እግዚኣብሄር ምዝዛሙ፡ ሰብ፡ ዝገበረ እንተገበረ ንገዛእ ርእሱ ብዘይ ሓለዋ እግዚኣብሄር ክሕልዋ ከም ዘይከኣሎ ዜርኢ'ዩ፡ (ዳዊት 127፡1)።
ጐይታና፡ ምእንቲ ሃዋርያትን ምእንቲ እቶም ብቓሉ እንኣምንን፡ ካብዛ ዓለም ክንወጽእ ዘይኮነስ ካብ ክፉእ ዘበለ ክሕልወና ጸለየ(ዮሃ 17፥15 17፥20)። እግዚኣብሄር፡ ማዕበል ከይህሉ ዘይኮነስ፡ ንዝተላዕለ ማዕበል'ዩ ዘህደኣልና። “ተንሲኡ ንንፋስ ገንሖ፡ ንባሕሪ ድማ፡ ስቕ በሊ፡ ህድኢ በላ። እቲ ንፋስ ዝግ በለ፡ ዓብዪ ህድኣትውን ኰነ፡” ይብለና ወንጌላዊ ማርቆስ፡ (ማርቆስ 4:39)። ስለዚ ይሁዳ፡ እቶም ኣመንቲ ተስፋ ቈሪጾምን ተጨኒቖምን ንድሕሪት ምእንቲ ከይምለሱ፡ ማለት በቲ ናይ ሓሶት ትምህርትን ዘይስነምግባራዊ ኣካይዳን ተኸቢቦም፡ ከይናወጹ፡ ይሁዳ ንምንጋፍ ዝኸውን ሓይሊ ኣምላኽ ከም ዘሎ፡ እግዚኣብሄር ካብ ውድቀት ዘበለ ክሕልዎም ምዃኑ ተስፋ የስንቖም።
2. ይሁዳ፡ ንመልእኽቱ መዛዘሚ ክዀናኦ “ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ስልጣን” ዝብሉ 4 ቃላት ዝመረጸሉ ምኽንያት፡ ምስ ሓፈሻዊ መልእኽቲ ይሁዳ፡ እንታይ ምትእስሳር ዘለዎ ይመስለኩም
ክብሪ እግዚኣብሄር፡ ሕጂ ወይ ገለ ነገር ምስ ተፈጸመ ዝመጸ ኣይኮነን፥ ቅድሚ ኹሉ ዘመናት፡ ዓለም ከይተፈጥረ፥ ዘመን ዝበሃል ከይነበረ፡ ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ስልጣን እግዚኣብሄር ግና ኣብ ቦታኡ ነበረን ኣሎን። ኣምላኽና ፈጺሙ ዘይለዋወጥ ኣምላኽ እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ናቱ ዘበለ’ውን ኣይለዋወጥን እዩ። ስለዚ፡ ከምቲ ንሱ ዘልኣለማዊ ዝኾነ፡ እቲ ናይ ባህርዩ ዝዀነ ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይልን ስልጣንን’ውን ሕጅን ንዅሉ ዘለኣለምን እዩ።
ካብቶም ንእግዚኣብሄር ዝወሃቡ ሾብዓተ ናይ ኣምልኾ ቓላት፡ ይሁዳ ነቶም ኣርባዕተ ኣብዚ ጠቒስዎም ኣሎ። እዞም ሸውዓት ቓላት ( ናይ ፍጽምና ምዃኑ እቲ 7 ቁጽሪ ኽንርድኦ ጽቡቕ’ዩ) ራእይ 5:12 “ስልጣን፡ ሃብቲ፡ ጥበብ፡ ሓይሊ፡ ክብሪ፡ ግርማን ውዳሴን” እዮም። እዞም ናይ ሓሶት መምህራን፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ ይደልዩዎ ይኾኑ፥ ግናኸ ክረኽብዎ ኣይከኣሎምን እዩ። ንዝወነንዎ ብምርኣይ፡ ሰብ ከኽብሮም ከሎ ብምጥማት፥ ገለ ስልጣን ክረኽቡ ከለው፡ ዝበረኸ ክብርን ግርማን ዝረኸቡ ክመስሎም ይኽእል’ዩ፡ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ግና ክጫረቱ ዝኽእሉ ኣይኰኑን። ንሳቶም ሓለፍትን መወትትን ክዀኑ ከለዉ፡ ኣምላኽና ግና ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ህያው እዩ። ንሳቶም መወዳእታኦም ጥፍኣት ክኸውን ከሎ፡ ኣምላኽና ግና መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ ወትሩ ህያው እዩ። ስለዚ ይሁዳ፡ ንመልእኽቱ፡ "ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይልን ስልጣንን" ናይዞም መታለልቲ ውልቀሰባት ዘይኮነስ ናይ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ የዘኻኽረና ኣሎ።
ጉጅለ ሰላም ዝጸሓፍዎ
1. ኣብ ፍቕዲ 1 "ብ (ን) ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሓለው" ዝበል ሓሳብ፡ ኣብ ፍቕዲ 24'ውን " ነቲ ኻብ ውድቀት ዘበለ ኺሕልወኩም" ብዝበል ተደጊሙ'ሎ'ሞ፡ ብዛዕባ ሓለዋ እግዚኣብሄር እንታይ መልእኽቲ ከሕልፈልና ዝደለየ ይመስለኩም፧
ይሁዳ፡ መልእኽቱ "ብ(ን)ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሓለዉ” ኢሉ ጀሚሩ፡ ብ “ካብ ምውዳቕ ክሕልወኩም ዝኽእል” ዝብል ምዝዛሙ፥ እቲ ኣምላኽ ዝጀመሮ ናይ ድሕነት ስራሕ፡ ባዕሉ ክሳዕ መወዳእታ ክፍጽሞ ከም ዝኽእል ዘነጽር መለኮታዊ ሓቂ እዩ። እዚ ፍጹም ሓለዋ እዚ ድሕነትናን መንፈሳዊ ጽንዓትናን ብሓይልናን ብጻዕርናን ዘይኰነስ፡ ብዘይነቓነቕ ሓይሊ ኣምላኽ ከም ዝፍጸምን ዝዕቀብን የረድኣና። ይሁዳ፡ እቲ ብዛዕባ ሓሰውቲ መምሃራን ዝጸሓፎ መጠንቀቕታ፡ ንኣመንቲ ዓብን ሓደገኛን ኲነታት ምዃኑ ስለ ዝርዳእ፥ "ነዚ ጽንኩር ፈተና ክንሓልፎ ንኽእል ዶ፧" ዝብል ስግኣትን ፍርህን ንኸይሓድሮም፥ "ካብ ውድቀት ዘበለ ክሕልወኩም ዝኽእል ኣምላኽ እዩ" ብምባል፡ ፍጹም መለኮታዊ ውሕስነት ከም ዘሎዎም የበስሮም።
"ካብ ውድቀት ዘበለ ክሕልወኹም" ዝብል ቃል፡ ኣብቲ መበቆላዊ ቋንቋ (ግሪኽ)፡ ሓደ ፈረስ ኣብ ጸድፍን ሸታሕታሕ ኣብ ዘብልን ቦታ፡ ከይጸደፈ ጸኒዑ ናይ ምቕጻል ዓቕሙ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ክፍኣትን ክሕደትን ዝምህሩ እኳ እንተሃለዉ፥ ኣምላኽ ግና ኣብ እምነት ኣጽኒዑ ካብ ውድቀት ዘበለ ከም ዝሕልዎም የረጋግጸሎም። እዚ መለኮታዊ ሓለዋ እዚ፡ ኣመንቲ ብሓሰውቲ መምሃራን ተሰናኺሎም ንኸይታለሉ ዝሕሉን፣ ንመጻኢ’ውን ብዓብዪ ሓጐስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዘይ መንቅብ ዘቕውም፥ ፍጹም ውሕስነት ዘረጋግጽን እዩ። እዚ ሓቂ እዚ፡ ምስቲ ሙሴ ንእስራኤላውያን "እግዚኣብሄር ኪዋጋኣልኩም እዩ እሞ፡ ህድኡ" ዝበሎም፡ ይተሓሓዝ፤ (ዘጸ 14:14)። ይሁዳ ድማ ንኣመንቲ ከይስንብዱ፥ እቲ ውግእ ናይ ኣምላኽ ምዃኑን፡ ንኸይወድቁ ኸኣ ባዕሉ ክሕልዎም ዝኽእል ምዃኑን ይምህር።
እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ዮሃ 10፥28 "ኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን፡ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይ’ውን ዚምንዝዔን የልቦን" ዝብል፣ ኣብ ፊልጲ 1፥6 ድማ "እቲ ኣባኻትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ ኸኣ፡ ንሱ ኽሳዕ እታ መዓልቲ የሱስ ክርስቶስ ከም ዚፍጽሞ፡ እዚ ተረዲኤዮ ኣሎኹ"፣ ከምኡ’ውን ኣብ 1 ጴጥ 1፥5 "ንስኻትኩም ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ ዘመን ኪገሀድ ዘለዎ እተዳለወ ምድሓን ተሐሊኹም አሎኹም" ዝብል፣ ሓለዋ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ደቁ ስልቱን ምዃኑ ይሰማማዕ።
2. ይሁዳ፡ ንመልእኽቱ መዛዘሚ ክኾናኦ "ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ስልጣን" ዝበላ 4 ቃላት ዝመረጸሉ ምኽንያት፡ ምስ ሓፈሻዊ መልእኽቲ ይሁዳ፡ እንታይ ምትእስሳር ዘለዎ ይምስለኩም፧
ይሁዳ ኣብ መልእኽቱ ነቶም ሓሰውቲ መምሃራን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም፣ ንጕይትነት ዘቃልሉ፣ ንመዓርጋት ክብሪ ዝጸርፉን ብትዕቢት ዝዛረቡን ምዃኖም ገሊጹ’ዩ። ስለዚ ኸኣ ኣብ መወዳእታ ንኣምላኽ “ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን ሕጅን ንዅሉ ዘለኣለም ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ስልጣን ይኹኖ” ብምባል ምቕራቡ፣ እዞም ባህርያት፡ ንኣምላኽ ጥራይ ከም ዝግብኡ ዝገልጽ መደምደምታ እዩ። እቶም ሓሰውቲ መምሃራን ንርእሶም ክብሪን ልዕልናን ይደልዩ፤ ይሁዳ ግና እቲ ሓቀኛ ክብርን ግርማን ሓይልን ስልጣንን ናይ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ የነጽር። እዚ ሓሳብ እዚ ብተመሳሳሊ ኣብ 1 ዜና 29፡11 ብንጉስ ዳዊት ኣብ ማቴ 6፥13 መዛዘሚ ጸሎት ጐይታ፥ ኣብ ራእይ 4፡11 ብሰማያዊ ኣምልኾ ተገሊጹ ኣሎ።
ስለዚ ይሁዳ መልእኽቱ ብምስጋና ዝዛዘመሉ ምኽንያት፡ ኲሉ ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ስልጣን ናይ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ንምእዋጅ እዩ። እዚ ድማ ኣመንቲ ነቶም ብትዕቢት ናይ ገዛእ ርእሶም ክብሪ ዝደልዩ ሓሰውቲ መምሃራን ፈሊጦም ክቃወምዎምን፣ ንኣምላኽ ጥራይ ከምልኹን ክግዝኡን ዓቢ ምትብባዕን ሓይልን ይዀኖም።