ብራእይ ዝቕለስ ክርስትና፡ ዕዮ ገዛ ቍ.1
ጉጅለታት ምሕረትን ፍቕርን ንኽምልስዎም ዝቐረቡ ሕቶታት
1)ሕብረት ሶቭየት “ኣይጠቕመንን እዩ” ኢላ ንኣሜሪካ ዝሸጠትላ መሬት (ኣላስካ)፡ ሎሚ ንኣሜሪካ እቲ ዝዓበየ ምንጪ ሃብቲ ኮይኑላ ኣሎ። እዚ ፍጻመ እዚ፡ ካብቶም ኣርባዕተ ባህርያት ራእይ ንየናይ ዝውክል። ኣበሃህላ እዩ፧ ብዛዕባ ራእይ ከ እንታይ ክምህረና ይኽእል?
2)በልዓም ኣዝዩ ዓብይ ናይ ራእይ ሰብ ነይሩ፡ ኽንሰስ ግና መፈጸምታኡ ከም ዘይጸበቐ፡ ቅዱስ መጽሓፍ ይነግረና እዩ (ዘሁ 22፡1፤ ዘሁ 24፡2)። ዋና ጠንቂ ውድቀት በልዓም እንታይ ክንጠቅስ ንኽእል፧
ጉጅለ ፍቕሪ ዝመለስዎ
ሕብረት ሶቭየት “ኣይጠቕመንን እዩ” ቪላ ንኣሜሪካ ዝሸጠቶ መሬት (ኣላስካ)፤ ሎሚ ንኣሜሪካ እቲ ዝዓበየ ምንጪ ሃብቲ ኮይኑላ ኣሎ። እዚ ፍጹም እዚ፡ ካብቶም ኣርባዕተ ባህርያት ራእይ ነየናይ ዝወክል ኣበሃህላ እዩ? ብዛዕባ ራእይ ከ እንታይ ክምህረና ይኽእል፧
እዚ ታሪኻዊ ፍጹም ናይ ኣላስካ ፡ ካብተን ኣርባዕተ ባህርያት ራእይ ምስቲ ''ራእይ ቦታ ኣለዎ'' ዝብል ይሰማማዕ። እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ ወይ ራእይ ዘለዎ ሰብ ዝመደበሉ ፍሉይ ስፍራን ምድርን ኣሎዎ። ኣብቲ እግዚኣብሔር ዝመደበልካ ስፍራ ምጽናዕ፦ ጐይታ ንደቂ ሰባት ከድሕን ካብ ምቹእ ዝፋኑ ወሪዱ ኣብቲ ዘይምቹእ ስፍራ ተረኺቡ ኣድሒኑና። ሓዋርያት’ውን (ጳውሎስ ናብ ኣህዛብ፡ ጴጥሮስ ናብ እስራኤል) እግዚኣብሔር ኣብ ዝመደቦም ስፍራ ተረኺቦም ተጋዲሎም። ስለዚ ራእይ ዘለዎ ኣገልጋሊ፡ እግዚኣብሔር ዝመደበሉ ስፍራ ኣጸቢቑ ብምፍላጥ፡ ኣብኡ ክዓዪን ክጸንዕን ይግባእ።
ሕብረት ሶቭየት፡ ሰኣን ራእይ "ኣይጠቕመንን እዩ" ብምባል ብሕሱር ዋጋ ዝሸጠቶ ምድሪ፡ እቶም ራእይ ዝነበሮም ግና፡ ነቲ ኣብቲ ስፍራ ዘሎ ሕቡእ ሃብቲ ኣቐዲሞም ሓሰቡን ረኣዩን። ኣብ ሎሚ ኴንና ብንጹር ክንርእዮ ዘይንኽእል፡ ወይ’ውን ቀልጢፍና ውጺኢት ክንረኽበሉ’ውን ዘይንኽእል ዝመስል፣ ራእይ ግና፡ ነተን ”ክድሕና ዘለወን ነፍሳት " ኣቐዲምና ብምርኣይ፡ ጽባሕ ንግሆ ብዙሕ ፍረ ከም እንረክብ ክንግንዘብ የኽእለና።
እግዚኣብሔር ንጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ "ኣብዚ ከተማ እዚኣ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዘሎኒ: ተዛረብ ደኣ እምበር ስቅ ኣይትበል" ከም ዝበሎ፡ (ግብ 18፡10)፡ ንሕና’ውን ኣብቲ እግዚኣብሔር ዝረኣየልና ስፍራ ብምርካብ፡ ብዝግባእ ብምግልጋል ብዙሕ ፍረ ከም እንፈሪ ይምህረና። ብሓጺሩ ራእይ፡ ቦታ ኣለዎ ማለት ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘይረኣየና፡ ንመጻኢ ግና ንብዙሓት በረኸትን ምድሓንን ከምጽእ ዝኽእል፡ ብዓይኒ እምነት (እግዚኣብሔር ከም ዝርእዮ ገይርካ) ናይ ምርኣይ ዓቕሚ ማለት እዩ።
በልዓም ኣዝዩ ዓቢይ ናይ ራእይ ሰብ ነይሩ ኽንሱ፡ ግን መፈጸምታኡ ከም ዘይጸበቐ ቅዱስ መጽሓፍ ይነግረና እዩ (ዘሁ 22፡1፤ ዘሁ24፡2)፤ ዋና ጠንቂ ውድቀት በልዓም እንታይ ክንጠቅስ እንኽእል፧
እዚ ናይ በልዓም ታሪኻዊ ፍጻመ፡ ካብቶም ባህርያት ራእይ፡ ምስቲ ልብኻን ራእይካን ንዓለማዊ ረብሓን ስሱዕነትን ኣሕሊፍካ ዘይምሃብ፡ ከምኡ’ውን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ንኣምላኽ ተኣዚዝካ ምኻድ ዝብል ኣምር’ውን ዝተሓሓዝ እዩ። በልዓም፡ ዓብዪ ናይ ራእይን ትንቢትን ህያብ ነይርዎ ክንሱስ፡ ግናኸ ነቲ ካብ ንጉሥ ባላቕ ዝቐረበሉ ናይ ገንዘብን ክብርን መታለሊ ውህበት ስለ ዝሃረፈ፡ ወዲቑ። ራእይ ዘለዎ ሰብ፡ ልቡ ብፍቕሪ ንዋይን ዓለማዊ ረብሓን እንተ ተደናጊሩ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ክቡር መንፈሳዊ ጸጋ ከም ዘጥፍኦ ኸኣ ይምህረና።
ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ንበልዓም "ምስኦም ኣይትኺድ" ብምባል ፍቓዱ ብግልጺ ኣፍሊጥዎ ነይሩ እዩ። በልዓም ግና ብምኽንያት እቲ ዝቐረበሉ ናይ ገንዘብ ውህበት፡ ንዓለማዊ ረብሓ ኣቐዲሙ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ወጻኢ ብምኻዱ፡ ንሕዝቢ ኣምላኽ እውን መዕንቀፊ ኮይኑ ወደቐ። እዚ ድማ ህላወ ራእይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ወትሩ ብቕንዕናን ብጽሩይ ልብን ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ምእዛዝ’ውን ከም ዘድሊ ይምህረና።
ጉጅለ ምሕረት ዝመለስዎ
1)ሕብረት ሶቭየት “ኣይጠቕመንን እዩ” ኢላ ንኣሜሪካ ዝሸጠትላ መሬት (ኣላስካ)፡ ሎሚ ንኣሜሪካ እቲ ዝዓበየ ምንጪ ሃብቲ ኮይኑላ ኣሎ። እዚ ፍጻመ እዚ፡ ካብቶም ኣርባዕተ ባህርያት ራእይ ንየናይ ዝውክል። ኣበሃህላ እዩ፧ ብዛዕባ ራእይ ከ እንታይ ክምህረና ይኽእል?
እንታይ ኔሩ እቲ ፍጻመ ቁሩብ ክንርኢ ጽቡቕ’ዩ። ሩስያ ንኣላስካ ብሓጺር ግዜ “ዘይጠቕምን በረድ ዝመልኦን ቦታ ገይራ ብምግምጋማ፥” ብሰንኪ ናይ ገንዘብ ጸቕጢ ብሕሱር ዋጋ (7.2 ሚልዮን ዶላር) መሬታ ናብ ኣሜሪካ ሸይጣቶ። ኣሜሪካ’ውን ነቲ መሬት ብምግዝኣ ኣብቲ እዋን ብሰባት ብዙሕ እኳ እንተ ተነቕፈት፥ ኣብ መጻኢ ክመጽእ ዝኽእል ዓቕምን ሃብትን ብምርኣያ ግና ነቲ መሬት ዓዲጋቶ፥ ከምዚ ሕጂ ኮይኑዎ ዘሎ ኸኣ ንኣሜሪካ ዝዓበየ ምንጪ ሃብታ ኮይኑ ይርከብ። እዚ ፍጻመ እዚ ካብተን ኣርባዕተ ናይ ራእይ ባህርያት፡ ነተን “ራእይ ቦታ ኣለዎ” ከምኡ’ውን ራእይ ጊዜ ኣሎዎ” ዝብላ ክልተ ባህርያት ክውክለልና ዝኽእል ፍጻመ እዩ።
”ራእይ ቦታ ኣለዎ” (Vision has a location/place) -ቦታኻ ኣጽኒዕካ ምሓዝ (ኣብታ ዘለኻያ ምጽናዕ)፦እቲ ጽሑፍ “ስፍራኻ ኣይትሕደግ” (መክ 10:4) ይብል፥ ተስፋ ዘይህብ ኩነታት እንተ ተራእየ እኳ፣ ራእይ ዘለዎ ሰብ ነታ እግዚኣብሔር ዝሃቦ ቦታን ሓላፍነትን ኣጽኒዑ ይሕዝ።
ጐይታና ኢየሱስ’ውን ተልእኾኡ ናብ ምድሪ እስራኤል ከም ዝነበረን፥ ካብ ልደቱ ክሳዕ ሞቱ’ውን ተልእኾኡ ኣብቲ ቦታ ከም ዝፈጾመን መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና’ዩ። ሓዋርያት’ውን ብብዙሕ መከራን ዋጋን ኣብቲ እግዚኣብሔር ዘንበሮም ቦታ ጸኒሖም እዮም ኣገልግሎቶም ዝፈጸሙ። ከምቲ ኣላስካ፡ “ትርጉም ዘይብላ” ተባሂላ ድሕሪኡ ግና ምንጪ ሃብቲ ዝኾነት፣ ንሕና’ውን ኣብቲ እግዚኣብሔር ዘንበረና ቦታ፡ ዋላ’ኳ ብዓይኒ ሰብ ንእሽቶ ተስፋ ዘይብሉ እንተመሰለ፡ ብራእይን ብእምነትን ጸኒዕና እንተ ኣገልጊልና ግና፣ እግዚኣብሔር ነቲ ቦታ ብተኣምር ናይ በረኸት ስፍራ ክገብሮ እዩ። በዓል ራእይ ማለት ከኣ ነቲ ኩሉ ሰብ ክርእዮ ዝኽእል፡ ሎሚ ንዘሎ ዝርኢ ዘይኮነስ፥ ኣብ ሎሚ ኮይኑ ነቲ መጻኢ ኣቐዲሙ ዝርኢ ሰብ እዩ። እንተ ዘይኮይኑ ግን ካብቲ ካልእ ሰብ ዘፍልዮ የብሉን።
”ራእይ ግዜ ኣለዎ” (Vision has a time/season)ንዝብል’ውን ክውክለልና ይኽእል’ዩ። ምልክታት ዘመናት (እዋናት) ምስትውዓል፥ ጐይታ ንፈሪሳውያን ዝነቐፈሉ ዓቢ ነጥቢ እንተነይሩ፡ ገጽ ሰማይ ምፍላይ እናፈለጡ፡ ትእምርቲ ዘመናት (ጊዜኦም) ክፈልዩ ግና ዘይምኽኣሎም እዩ፡ (ማቴ 16:2-3)። ሩስያ እቲ መሬት ኣብ መጻኢ ክህልዎ ዝኽእል ዋጋን ናይ ዘመን ጽልዋን ክተለሊ ኣይከኣለትን (ምልክት ዘመናታ ኣየስተውዓለትን)። ኣሜሪካ ግን እቲ መሬት ንመጻኢ ወሎዶታታን ፖለቲካዊ ሓይላን ዘድልያ ምዃኑ ኣቐዲማ ብምስትውዓል ተጠቒማትሉ። ራእይ ውጽኢታዊ ክኸውን እንተ ኾይኑ፡ ቦታ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ግዜ’ውን የድልዩ እዩ። ንሕና’ውን ነቲ እግዚኣብሔር ዝሃበና ራእይ፡ በቲ ዘሎ ግዜ ጥራይ ከይመዘንና ብትዕግስቲ ብምስራሕ ክንፍጽሞ ከም ዘለና እዚ ትምህርቲ እዚ የለብመና።
2)በልዓም ኣዝዩ ዓብይ ናይ ራእይ ሰብ ነይሩ፡ ኽንሰስ ግና መፈጸምታኡ ከም ዘይጸበቐ፡ ቅዱስ መጽሓፍ ይነግረና እዩ (ዘሁ 22፡1፤ ዘሁ 24፡2)። ዋና ጠንቂ ውድቀት በልዓም እንታይ ክንጠቅስ ንኽእል፧
ጠንቂ ውድቀት በልዓም ፍቕሪ ገንዘብ ስስዐን እዙዝ ዘይምዃንን እዩ። ባላቕ እቲ ንጉስ ሞኣብ በልዓም ንእስራኤል ክረግመሉ ብምሕሳብ፡ "ዓስቢ ጥንቈላ" ከም ዝላኣኸሉ ይነግረና (ዘሁ22፡7-21)። በልዓም ከኣ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ኣለልዩን ፈሊጡን ክንሱንሲ፡ ግናኸ ትእዛዝ እግዚአብሔር ኣብ ክንዲ ምሕላውሲ፡ ምሉእ ብምሉእ ንገንዘብ ከቐድም ከሎ ተራእየ። በልዓም፡ ራእይ ዝርኢ ክነሱ፡ ልቡ ግና ናብ ዓለማዊ ረብሓን ክብሪ ሰብን ስለ ዘዝምበለ፡ መፈጸምታኡ ብሰይፊ ተቐትለ፡ (ዘሁ 31:8)።
ጉጅለታት ሰላምን እምነትን ንኽምልስዎም ዝቐረቡ ሕቶታት
ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ከም ዝግዘር ንቲቶስ ግና ከም ዘይግዘር ክገብሮ ከሎ፡ እዚ ብዛዕባ ህዝብኻ ምፍላጥ እንታይ ይምህረና፧
እኒ ሙሴ፡ ዳዊት፡ ወዘተ ንነፍሶም ከም ሓመድን ሓሙኹሽትን፣ ከም ምውት ከልቢ ወዘተ ከምስልዋ ከለው፡ (1ሳሙ 2፡፡35-36፤ 1ሳሙ 13፡14፤ ግብ 9፡15-16) ብመንጽር እቲ ርእስኻ ምፍላጥ ዝብል ኣምር ክግምገም ከሎ፡ ብዘዕባ ርእሶም ግኑይ ርድኢት ወይ ግኑይ ፍልጠት እዮ ኔርዎም ክንብል ንኽእል ዶ፤
ጉጅለ ሰላም ዝመለስዎ
1፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ከም ዝግዘር ንቲቶስ ግና ከም ዘይግዘር ክገብሮ ከሎ፡ እዚ ብዛዕባ ህዝብኻ ምፍላጥ እንታይ ይምህረና፧
ህዝብኻ ምፍላጥ ማለት፡ ድሕረ-ባይታን ባህልን እቲ ወንጌል እትሰብከሉ ሰብ፡ እንታይ ከም ዝኾነ፣ ከምኡ’ውን በየናይ ቃላትን ኣብነታትን ብቐሊሉ ክርድኦ ከም ዝኽእል፡ እንታይ ይኣምን፣ እንታይ ይፈልጥን እንታይ ይርድኦን፡ ኣስተዒልካ፡ ብኸመይ ወንጌል ክትሰብኮ ከም እትኽእል ምፍላጥ ማለት እዩ።
ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዘግዘሮ፣ ኣዲኡ ኣይሁዳዊት ኣቦኡ ድማ ግሪኻዊ ብምዃኑን፡ ኣብ መንጎ እቶም ዝፈልጥዎ ኣይሁድ ኮይኑ ወንጌል ንኽሰብክ ዘየድሊ ዕንቅፋት ምእንቲ ክእለን እዩ (ግብ 16፥1-3)። ንቲቶስ ግና፡ እቶም ሓሰውቲ ኣሕዋት፡ ግዝረት ንኣህዛብ ከም ቅድመ-ኩነት ምድሓን ክግድዱ ይፍትኑ ስለ ዘነበሩ፣ ኣትሪሩ ደኣ ተቓወሞም እምበር፡ ንቲቶስ ግሪኻዊ ክንሱ ኣይገዘሮን፡ (ገላ 2፥3-5)። እዚ ጽኑዕ መትከል ጳውሎስ፡ "ምእንቲ ወንጌል ኣቀራርባኻ ቀይር፣ ንሓቂ ወንጌል ግና ኣይትቐይር" ዝብል ኮይኑ፣ ምእንቲ ድሕነት ሰባት ክብል፡ ከከም ኩነታቶም ይተዓጻጸፍ ምንባሩ የርእየና፡ (1ቈረ 9፥19-23)።
ጐይታና ኢየሱስ፡ ንኒቆዲሞስ፡ ከም መምህር እስራኤል መጠን፡ ብዛዕባ ካብ ላዕሊ ምውላድ ተዛረቦ፡ (ዮሃ3፥1-10)፤ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ ካብቲ ኣብ ቅድሚኣ ዝነበረ ማይ ተበጊሱ ብዛዕባ እቲ ህይወት ዝህብ ማይ መሃራ፡ (ዮሃ4፥7-14)፤ ነቶም ገፈፍቲ ዓሳ ዝነበሩ ድማ "ገፈፍቲ ሰብ" ክኾኑ ጸውዖም (ሉቃስ 5፥10)።
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፡ ክርስቶስ እቲ ተስፋ ዝተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ቅዱሳት ጽሑፋት እናጠቐሰ ንኣይሁድ ኣረጋገጸሎም (ግብ 17፥2-3)፣ ንኣቴናውያን ግና፡ ካብቲ "ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ" ዝብል መሰውኢ ተበጊሱ፡ ናብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ መርሖም (ግብ 17፥22-31)። እዚ መትከል እዚ፡ ኣብቲ ጳውሎስ ንጴጥሮስ ዘቕረበሉ ነቐፌታ’ውን ይርአ እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ብፍርሂ ሰባት ካብ ኣህዛብ ምስ ተፈለየ፣ እዚ ፍጻመ እዚ ንሓቂ ወንጌል ስለ ዝጻረር፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ኩሎም ንሃዋርያ ጴጥሮስ ተቓወሞ፡ (ገላ 2፥11-14)። ስለዚ፣ እዚ ኩሉ ዘረድኣና፡ ንሰባት ፍሊጥና ኣቀራርባና ክንቕይርን ዘየድሊ ዕንቅፋት ክንኣልን ከም ዘሎና፣ እንተኾነ ግና ንሓቂ ወንጌል ብፍርሒ ሰባት ወይ ሰባት ንምሕጓስ ኢልና ክንለውጦ ከም ዘይብልና እዩ።
2፡ እኒ ሙሴ፡ ዳዊት፡ ወዘተ ንነፍሶም ከም ሓመድን ሓሙኹሽትን፣ ከም ምውት ከልቢ ወዘተ ከምስልዋ ከለው፡ (1ሳሙ 2፡፡35-36፤ 1ሳሙ 13፡14፤ ግብ 9፡15-16) ብመንጽር እቲ ርእስኻ ምፍላጥ ዝብል ኣምር ክግምገም ከሎ፡ ብዘዕባ ርእሶም ግኑይ ርድኢት ወይ ግኑይ ፍልጠት እዮ ኔርዎም ክንብል ንኽእል ዶ፤
ኣብርሃም፡ ንነገስታት ዝሰዓረ ብሉጽ ተዋጋኢ ክነሱ (ዘፍ 14፥14-16)፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ "ኣነ ሓመድን ሓሙኹሽትን እየ" ብምባል፡ ትሕትናኡ ገለጸ (ዘፍ 18፥27)፤ ኣምላኽ ድማ "ፈታውየይ" ኢሉ ጸውዖ (ያዕቆብ 2፥23)። ሙሴ’ውን ንግብጻዊ ዝቐተለ ሓያል ክነሱ፣ ኣምላኽ ክልእኾ ከሎ ግና "ኣነ መን እየ?" ኢሉ ነብሱ ኣትሓተ (ዘጸኣት 3፥11)፤ ኣምላኽ ከኣ "ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ" በሎ (ዘጸኣት 3፥12)፣ ቃል ኣምላኽ ድማ ንሙሴ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ካብ ዘለው ኩሎም ሰባት ኣዝዩ ዓቃል ከም ዝነበረን (ዘሁልቍ 12፥3)፣ ኣምላኽ ምስኡ ገጽ ንገጽ ይዛረብ ከም ዝነበረን ይምስክረሉ፡ (ዘጸኣት 33፥11፤ ዘሁልቍ 12፥8)።
ብተመሳሳሊ፣ ዳዊት ንኣንበሳን ድብን ብሓይሊ ኣምላኽ ዝሰዓረ፣ ንጎልያድ ዝቐተለን (1ሳሙ 17፥34-50)፣ ንንጉስ ሳኦል ብበገናኡ ካብ ክፉእ መንፈስ ዘገላግል ዝነበረን እዩ (1ሳሙ 16፥23)፤ እንተኾነ ግና ኣብ ቅድሚ እቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ንጉስ፡ ንርእሱ ከም "ምውት ከልቢ" ብምቑጻር፡ ትሕትናኡ ኣርኣየ (1ሳሙ 24፥14)። ኣምላኽ ድማ ንዳዊት "ከም ልበይ ዝኾነ ሰብ" ኢሉ ምስክሩ ሃበ፡ (ግብ 13፥22)፣ ዳዊት’ውን ንእግዚኣብሄር "ከውሒየይን መድሓኒየይን" ኢሉ ናይ ጽንዓት ዝምድናኡ ገለጸ (መዝሙር 18፥1-2)።
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ብዘይካኡ ሓንቲ ክንገብር ከም ዘይንኽእል (ዮሃንስ 15፥5)፣ ብኡኡ ዝኣምን ግና ካብቲ ዝገበሮ ዝዓቢ ግብሪ ከም ዝገብር መሃረ (ዮሃንስ 14፥12)፤ ንሃዋርያ ጳውሎስ’ውን "ሕሩይ ኣቕሓ" ኢሉ ጸውዖ። ስለዚ፣ ርእስኻ ምፍላጥ ማለት መን ምዃንካ፣ ድኽመትካን ዓቕምኻን፣ ከምኡ’ውን ኣምላኽ ዝሃበካ ጸጋን ዕላማን ብትኽክል ምፍላጥ እዩ። እምበኣርከስ እዞም ኣቦታት ብዛዕባ ርእሶም ጌጋ ርድኢት ኣይነበሮምን።
ጉጅለ እምነት ዝመለስዎ
ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ከም ዝግዘር ንቲቶስ ግና ከም ዘይግዘር ክገብሮ ከሎ፡ እዚ ብዛዕባ ህዝብኻ ምፍላጥ እንታይ ይምህረና፧
ጢሞቴዎስ ካብ ኣይሁዳዊት ኣደ ዝተወልደ’ዩ ኔሩ፡ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 16:3 ከም እንርእዮ ኸኣ ”ሽዑ ጳውሎስ ምስኡ ኺወስዶ ፈተወ፡ ኣቦኡ ጽርኣዊ ምዃኑ ዂላቶም ይፈልጡ ነበሩ እሞ፡ ስለ እቶም ኣብተን ዓድታት እቲኣተን ዘለዉ ኣይሁድ ከኣ፡ ወሲዱ ገዘሮ” እዩ ዝብል። እዚ ንመንነትን ኣተሓሳስባን እቶም ህዝቢ ኣጸቢቑ ፈሊጡ ምንባሩ የርእየና። ቲቶስ ግና፡ ኣይሁዳዊ መበቈል ዘይብሉ ጽርኣዊ እዩ። ኣብ ገላትያ 2፡7 ከም እንርእዮ ኸኣ፡ ”እቲ ኣብ ጴጥሮስ ንሃዋርያነት ኣብ ግዙራት ዝዓየየ፡ ኣባይ ድማ ኣብ ኣህዛብ ዓየየ እሞ፡ ከምቲ ንጴጥሮስ ኣብ ግዙራት ንኣይ ግዳ ኣብ ዘይተገዝሩስ ወንጌል ምሕጽንታ ተውሂብኒ ምስ ረአዩ፡” ብምባል፡ ወንጌል ንዘይግዙራት፡ውን ብእምነት ዘድሕን ሓይሊ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ንኣተሓሳስባ እቶም ”ነቲ ብክርስቶስ ዘሎና ሓርነት ኪስልዩ ዝኣተዉና ኣሕዋት ሓሶት” ዝበሎም ኣጸቢቑ ኣለልዩ ምንባሩ የርእየና። ስለዚ እምበኣር ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንእንታይነት እቲ ዘገልግሎ ህዝቢ ኣጸቢቑ ዝተረድአ ምንባሩ የርእየና።
ኣብ ዝርርብና፡ ህዝብና ብሰንኪ ዘመናዊ መሳርሒ ሙዚቃ ዝዕንቀፍ እንተዀይኑስ፡ ከምኡ ዘይምግባርና፡ ንጋገ ዶ ንህሉ ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ። ዘመናዊ መሳርሒ ሙዚቃ ንብዙሓት ክስሕብ ንብዙሓት ድማ ከዐንቅፍ ይኽእል እዩ። ብሓቂ ህዝቢ ዝዕንቀፈሉ ምዃኑ ኣብ ምርድዳእ እንተተበጺሑ፡ ዘመናዊ ሙዚቃ ንምጉሓፍ ከምቲ ንንሓዋሩ ስጋ ዘይምብላዕ ምውሳን ምዃኑ ጠቒስናዮ።
2. እኒ ሙሴ፡ ዳዊት፡ ወዘተ ንነፍሶም ከም ሓመድን ሓሙኹሽትን፣ ከም ምውት ከልቢ ወዘተ ክምስልዋ ከለው፡ (1ሳሙ 2።35-36፤ 1ሳሙ 13፡14፤ ግብ 9፡15-16) ብመንጽር እቲ ርእስኻ ምፍላጥ ዝብል ኣምር ክግምገም ከሎ፡ ብዛዕባ ርእሶም ግጉይ ርድኢት ወይ ግጉይ ፍልጠት እዩ ኔርዎም ክንብል ንኽእል ዶ፧ (ጉጅለ እምነትን ሰላምን)
እዞም ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት፡ ንርእሶም ብፍጹም መለክዒ ኣምላኽ ገምጊሞም ይዛረቡ ምህላዎም ጠቒስና። ሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ እዩ ተፈጢሩ እሞ፡ ኣምላኽ መንፈሱ እንተልዒሉ ድማ ናብ መሬቱ እዩ ዝምለስ። ሰብ ካብ ገዛእ ርእሱ ምንም ከም ዘምጽአ ክምካሕ ኣይክእልን’ዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብ 1ይ ቈረንቶስ 4:7 ”ካብ ካልኦት ዘብለጸካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ አሎካ፧ ተቐቢልካ ኻብ እትኸውን ግና፡ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትኽበር፧” ዝበሎ ብምጥቃስ ከኣ፡ ከምቲ ኣቦና ኣብርሃም ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት 18:27 ”ኣብርሃም ድማ መሊሱ፡ እንሆ፡ ኣነ መሬትን ሓመዂስትን ክነሰይ ምስ ጐይታይ ክዛረብ ደፈርኩ” ዝበሎ፡ ሰብ፡ ኣምላኽ እንተዘይረዲእዎ፡ ብገዛእ ርእሱ ምንም ከምዘይ ኰነ እዚ ፍልጠት እዚ ኣብ ኩሉ ክህሉ፡ መንፈሳዊ ጥዕና ዝህብ’ዩ። እዚ ኸምዚ’ሉ እንከሎ፡ ”እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ፡ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡ እዚ መዝገብ እዚ፡ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና” በለ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ (2ቈረ4፡7)።
በዚ መሰረት፡ ንሕና ብዘይ ክርስቶስ፡ ካልእሲ ይትረፍ፡ ህይወት’ውን ዘይብልና ክንከውን ከለና፡ ብክርስቶስ ከኣ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ እተቐበልና፡ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ዝተባረኽና ምዃንና፡ እዚ ቅኑዕ ፍልጠት እዚ ክህልወና ይግባእ። ስለዚ ኩሉ ምስ ኣስለጥና፡ መንነትና ኣይንረስዕ፡ ”ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት” ኢና። ግናኸ በቲ ሓይሊ ዝህበና ክርስቶስ ድማ ካብ ሰዓርቲ እንበልጽ ኢና” (ሮሜ8.39)።