ብራእይ ዝቕለስ ክርስትና፡ ዕዮ ገዛ ቍ. 2

ጉጅለታት ሰላምን ምሕረትን ክምልስዎም ዝቐረቡ ሕቶታት

  1. እቲ ብክርስቶስ ዘሎና ሓርነት፡ ናብ መንፈሳዊ ስድነት ክመርሓና፡ ተኽእሎ ኣሎ ዶ፧ እወ እንተዀይኑ፡ ብኸመይ፧ ኣይፋል እንተዀይኑ ኸኣ ስለ ምንታይ፧

  2. ራእይ ብኸመይ ክንሕልዎ ከም እንኽእል፡ ካብቶም ተጠቒሶም ዘለዉ፡ ሓደ ኣብነት ጥራይ መሪጽኩም ኣረድኡ

ጉጅለ ሰላም ዝመለስዎ

1. እቲ ብክርስቶስ ዘሎና ሓርነት፡ ናብ መንፈሳዊ ስድነት ክመርሓና፡ ተኽእሎ ኣሎ ዶ፧ እወ እንተኾይኑ፡ ብኸመይ፧ ኣይፋል እንተኾይኑ ኸኣ ስለምንታይ፧

እቲ ብክርስቶስ ዝተወሃበና ሓርነት ባዕሉ ፍጹም ናብ መንፈሳዊ ስድነት ወይ ርክሰት ኣይመርሕን እዩ። ክርስቶስ ካብ ባርነት ሓጢኣት፡ መርገምን ፍርድን ሓራ ዘውጽኣና፡ ብጽድቅን ብቕድስናን ንኣምላኽ ክንእዘዝን ንብጾትና ከነፍቅርን እምበር፡ ንገዛእ ርእስና ዝደለናዮ ክንገብር ኣይኮነን። ገለ ሰባት ነቲ ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ሓርነት፡ ንስጋዊ ድሌቶምን ረብሓን ክጥቀሙሉ ስለ ዝደልዩ፡ ነቲ ሓርነት ናብ መንፈሳዊ ስድነት ይልውጥዎ እዮም፡ (ይሁዳ 1፥4)። ስለዚ እቲ ጸገም፡ ኣብቲ ብክርስቶስ ዝተወሃበ ሓርነት ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ነቲ ሓርነት ብምስምስ ንስጋዊ ጥቕሙ ክጥቀመሉ ዝደሊ እዩ። ከምቲ ሓደ እሱር ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ፡ እቲ ዝተወሃቦ ሓርነት ህይወቱ ብጽቡቕ ክመርሕ እምበር፡ ተመሊሱ ገበን ክሰርሕ ዘይኮነ፡ እቲ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሓርነት‘ውን ንኣምላኽ ብሓጐስን ብንጹህ ሕሊናን ክንእዘዞ ዝሕግዘና መንፈሳዊ ሓይሊ እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ ክጽሕፍ ከሎ፡ “ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ንሓርነት ጽውዓት ኢኹም እሞ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ እምበር፡ ነቲ ሓርነትሲ ንስጋ ምኽንያት ኣይትግበርዎ” (ገላትያ 5፣13) በለ። ክርስቲያናዊ ሓርነት ንስጋዊ ትምኒት ንምፍጻም ዝተዋህበ ፍቓድ ዘይኮነስ፣ ንኣምላኽን ንብጻይካን ብፍቕሪ ንምግልጋል ዝተዋህበ ምዃኑ ኸኣ ይገልጾ። ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን፡ “ከም ውጹኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኹኑ” ብምባል የጠንቅቕ (1 ጴጥ2፣16)። ከምቲ ኣብ ዮሃንስ 8፥36 "ስለዚ ወዲ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም፡ ብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም" ዝብል፡ ኣብ ሮሜ 6፣1-2 ድማ፡ ብጸጋ ኻብ ሓጢኣት ከም ዝሞትና ዝሕብረና፡ ደጊምና ናብ ሓጢኣት ክንምለስ ዘይኮነስ፥ ከምቲ፡ "ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም" ዝብለና፡ (ገላትያ 5፣16)፥ ከምዝብለና ነቲ ሓርነት፡ ብቕንዕና እንተተጠቒምናሉ ናብ ቅድስና፣ ናብ ጽድቂ፣ ናብ ፍቕሪ ኣምላኽን ናብ ንሰባት ምግልጋልን እዩ ዝመርሓና።

2. ራእይ ብኸመይ ክንሕልዎ ከም እንኽእል፡ ካብቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ሓደ ኣብነት ጥራይ መሪጽኩም ኣረድኡ።

ካብቶም ራእይ ዝሕለውሉ መንገድታት፡ ጉጅለና ነቲ “ራእይ ብትግሃት ይሕሎ” ዝብል መሪጻ ኣላ። ራእይ ማለት እግዚኣብሔር ኣብ ልቢ ሰብ ዘንብሮ ህያው ዕላማ እዩ። ራእይካ ንምሕላውን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ካብ ዘድልዩ እቲ ዝዓበየ ኸኣ "ትግሃት" እዩ። ሓደ ሰብ ራእይ ሒዙ፡ ማእዝኑ ፈሊጡ፡ ብስርዓት ተመሪሑን ብጽንዓት ዝመላለስ ክነሱ፡ ትጉህ እንተደኣ ዘይኮይኑ፡ እቲ ራእዩ ኣብ ልቡ ጥራይ ተሓጺሩ ይተርፍ። ትግሃት ማለት፡ ነቲ ዝሓዝካዮ ራእይ መዓልታዊ ብተወፋይነትን ብዘይምስልካይን ዘየቋርጽ ጻዕሪ ምግባርን፡ ኣብ ቅድሜኻ ንዝመጹ ዕንቅፋታት ብስራሕ ምምካትን ማለት እዩ። እዚ ትግሃት‘ዚ ንራእይ ካብ ብሉጽ ልባዊ ሓሳብ፡ ናብ ጭቡጥ ፍረ ዝልውጥ ናይ ስራሕ ሞተር ኮይኑ፡ ነቲ ዓቢ ራእይ፡ ቀስ ብቐስ ናብ ተግባራት ብምቕያር፡ ብዘይ ምስልካይ ህያው ንክኸውን ይሕልዎ።

ብተወሳኺ፡ ትግሃት ንራእይካ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንገዛእ ርእስኻ እውን ካብ መንፈሳዊ ድቓስ፡ ምዝንጋዕን ተስፋ ምቝራጽን ይሕልወካ። ኣብ ምሳሌ 13:4 “ነፍሲ ሃካይ ሃረር ትብል ኣላ እሞ ገለ ኣይትረክብን፡ ነፍሲ ትጉሃት ግና ኣዝያ ትጸግብ” ብምባል ዓስቢ ትግሃት የብርህ። ንኣብነት፡ ነህምያ ምሕዳስ መናደቕ ኢየሩሳሌም ዓቢ ራእይ ምስ ተቐበለ፡ ኣብ ጸሎት ጥራይ ኣይተወሰነን፤ ብተቓወምቲ ዓቢ ምፍርራሕን ጸቕጥን ክበጽሖ ከሎኳ፡ ብትግሃትን ብጽንዓትን ለይትን መዓልትን ስለ ዝሰርሐ፡ እቲ ራእዩ ኣብ ግብሪ ተፈጸመ (ነህምያ 4:6 / 6:15)። ስለዚ ብትግሃት ዘይሓዝካዮ ራእይ፡ ፍረ ከየፍረየ ከም ዝተርፍ ዘርኢ እዩ፤ ትግሃት ግና ንራእይና ናብ ህያው ተግባርን ነቲ ዘርኢ ናብ ምፍራይን ህይወትን ይልውጦ። ብትግሃት ዝሕሎ ራእይ፡ ብፈተናታት ከይሰልከካ ብምጽናዕ፡ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ዘንበሮ ዓቢ ራእይ ብተኣማንነትን ብኸቢድ ጻዕርን ምትግባር ማለት እዩ።

ጉጅለ ምሕረት ዝመለስዎ

1. እቲ ብክርስቶስ ዘሎና ሓርነት፡ ናብ መንፈሳዊ ስድነት ክመርሓና፡ ተኽእሎ ኣሎ'ዶ፥ እወ እንተኾይኑ፡ ብኸመይ፥ኣይፋል እንተኾይኑ ኸኣ ስለምንታይ፥

እወ፡ እቲ ብክርስቶስ ዘሎና ሓርነት ናብ መንፈሳዊ ስድነት ክመርሓና ተኽእሎ ኣሎ። ክርስቶስ ሓራ ኣውጺኡኒ እዩ ብምባል፡ ንስጋና መጋበርያ ሓጢኣት እንጥቀመሉ እንተዄንና፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብንጹር “ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ” ተብሂሉ ተጻሒፉ እናሃለወ፡ እቲ ብስጋና ዝግበር ምስ እግዚኣብሄር ርክብ ከም ዘይብሉ ንሓስብ እንተዄንና፡ እዚ፡ መንፈሳዊ ስድነት'ዩ። ስለዚ ኸኣ ኣካይዳና፡ ኣዘራርባና፡ ኣረኣእያና፡ ኮታስ ኩለንትናና፡ ነቲ መራሒና ዝኾነ ክርስቶስ የሱስ እናመሰልና ክንዓቢ እዩ ጻውዒትና፡ ከምኡ ክንዓቢ ድማ ይግብኣና።

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡- “ብልዒ ንሓወይ ዘዐንቅፎ እንተኾይኑ፡ ንሓዋሩ ስጋ ኣይክበልዕን'የ” ብምባል፡ ነቲ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሓርነት ተጠቂምና ደኣ ንሰባት ናብ ድሕነት ከነምጽእ ከም ዘለና እምበር፡ በቲ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሓርነት ተጠቂምና፡ ንኣብ ከባቢና ዘለዉ ከነሳቒ፡ ከነዐንቅፍን ክንብድልን ግና ኣይግባእን። እግዚኣብሄር ኣምላኽና’ውን ናይ ስርዓት ኣምላኽ'ዩ፣ ስለዚ ድማ፡ ስዲ ምእንቲ ክንከይድ ኣይኰነን ዘድሓነና። እምበኣርከስ፡ ካበይ ወይስ ካብ ምንታይ ሓርነት ከም ዘውጸኣና ብንጹር ክንፈልጥ የድልየናን ይግብኣናን እዩ።

2. ራእይ ብኸመይ ክንሕልዎ ከም ንኽእል፡ ካብቶም ተጠቒሶም ዘለዉ፡ ሓደ ኣብነት ጥራይ መሪጽኩም ኣረድኡ፥

ራእይ ብኸመይ ክንሕልዎ ከም እንኽእል ተዘርዚሮም ካብ ዘለዉ፡ ሾብዓተ ረቛሒታት ነቲ፡ “ራእይ ብጽንዓት ይሕሎ” ዝብል መሪጽና ኣለና። ኣብ እዋን ፈተና ምጽናዕ የድሊ። ፈተና ምስ መጸ ንየማን ንጸጋም ዝርኢ ሰብ፡ ንራእዩ ናብ መዓልቦኡ ከብጽሖ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ራእይ፡ ብዙሕ ማዕበል ከም ዘለዎ ብምእማን፡ እቲ ናብቲ ወደብ ዘብጸሓና ኸኣ ጽንዓት ምዃኑ ኣሚንና ክንጸንዕ ይግብኣና። ወድሰብ ብገዛእ ሓይሉን ቅልጽሙን ባዕሉ ክጸንዕ ስለ ዘይክእል፡ ከምቲ ኣብ እብራውያን 12:3፡ “ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንድዚ ዚኣክል ምጽራር እተዓገሰ ዘክርዎ” ዝብል ተጽሒፉ ዘሎ፡ ኩሉ ጠመትኡ ናብቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ክገብር ኣለዎ።

ጉጅለታት እምነትን ፍቕርን ንኽምልስዎም ዝቐረቡ ሕቶታት

1.ሓደ ሰብ ብኸመይ ብራእይ ክዓቢ ከም ዝኽእል፧ ካብቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ሓደ ኣብነት ጥራይ መሪጽኩም ኣረድኡ

2.ራእይና ከየነጸርና ክንዓዪ እንተፈቲንና ውጽኢቱ ከመይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብቲ መጽሓፍ ካብ ዝተጠቕሰ ኣብነት ጠቒስኩም ኣረድኡ።

ጉጅለ እምነት ዝመለስዎ

1.ሓደ ሰብ ብኸመይ ብራእይ ክዓቢ ከም ዝኽእል፧ ካብቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ሓደ ኣብነት ጥራይ መሪጽኩም ኣረድኡ።

እቶም ብራእይ ክንዓብየሎም እንኽእል ተባሂሎም ቀሪቦሙልና ዘለዉ ሾብዓተ ሓሳባት እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1. ዕላማ ናይ ራእይ ምፍላጥ

2. ንዝተገልጸልካ ራእይ እሙን ምዃን

3. ንዝተዋህበካ ራእይ ምትግባር

4. ብራእይ ንምዕባይ ፍቓደኛ ምዃን

5. ንዝተዋህበካ ራእይ ተጨባጢ ምግባር

6. ንዝተዋህበካ ራእይ ምምርማር

7. ናይ ዝተዋህበካ ራእይ ጊዜ ምሕላው

ጉጅለና፡ ነታ ሓምሸይቲ፡ ማለት፡ ነታ “ንዝተዋህበካ ራእይ ተጨባጢ ምግባር” እትብል መሪጻ’ላ። ራእይ፡- ቃል ኣሎዎ፡ ቦታ ኣለዎ፡ ህዝቢ ኣሎዎ፡ ጊዜ ኣሎዎ ካብ ዝብል ብምብጋስ፡ እቲ ራእይ ካብ ሓሳብን ትምኒትን ሓሊፉ፡ ኣብ ባይታ ተጨባጢ ክትገብሮ ምስ እትጅምር፡ ባህልን ወግዕን ሕብረተሰብ ምጽናዕን ምርዳእን ኣዝዩ ወሳንነት ኣሎዎ። ጐይታ ንኣይሁዳውያን ከም ኣይሁድ ኮይኑ ንወንጌል ኣብ ምድሪ ሰረታ። ሃዋርያ ጳውሎስ'ውን ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ምስኦም ትሕቲ ሕጊ እናኾነ ንምህሮ ወንጌል ተጨባጢ ገበሮ።

ኣብ ጉጅለና፡ ክልተ ኣብነታት ኣልዒልና። ኣብ ሃገረ ነርወይ ኣብ ከተማ ስታቫንገር፡ ሓደ ካብዞም ካሪዝማቲካዊ ምንቕስቓስ መራሒ ዝነበረ፡ ኤርትራዊ ምስ ዓረፈ፡ ኣብ ቀብሩ፡ በቶም ከምዚ ኸማና ኤርትራውያን ሓደ ዘይንቡር ነገር ብምርኣዩ፡ ኣዘራራቢ ኰይኑ ነበረ። ዓበይቲ መጕልሒ ድምጺ ተተኺሎ፡ ነቶም ክበኽዩ ዝደልዩ ንደቂ እቲ መዋቲ’ውን ከይተረፈ ከልኪሎም፡ ምስቲ ሓዘንን ቀብርን ዘይከይድ ኣገባብ ጌሮም ቀበርዎ።

ካልኣይ ኣብነት ድማ፡ ሚስዮናውያን ንኤርትራ ሓዊስካ ኣብ ኣፍሪቃ ዝገበርዎ ስብከተ ወንጌል፡ ንባህሊ ምዕራብ’ውን ምስቲ ወንጌል ሓዊሶም ኣብተን ሃገራት ከተኣታትዉ ምፍታኖም፡ ካብቲ ህዝቢ ንጹላት ገበሮም። ኣዘማምራኦም፡ ኩነታት ኣነባብራኦም ኰነ ኣከዳድናኦም፡ ናይቲ ዝሰብኩሉ ዘለዉ ሕብረተሰብ ዘይኰነስ፡ ቅዲ ምዕራብ ብምኽታሎም፡ “እዚኦም ኣይናትናን’ዮም” ንኽብሃሉ፡ ጠንቂ ኰይኑ ተረኽበ።

2.ራእይና ከየነጸርና ክንዓዪ እንተፈቲንና ውጽኢቱ ከመይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብቲ መጽሓፍ ካብ ዝተጠቕሰ ኣብነት ጠቒስኩም ኣረድኡ።

ራእይና ከየነጸርና ክንዓዪ እንተፈቲንና ውጽኢቱ ከመይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብቲ መጽሓፍ ካብ ዝተጠቕሰ ኣብነት ጠቒስኩም ኣረድኡ።

ራእይና ከየነጸርና ክንሰርሕ፣ ክንመርሕ፣ ወይ’ውን ከነገልገል ምስ እንፍትን፣ ንመንፈሳዊ ምስቲ ስጋዊ ብምድብላቕ፡ ንሓደ ካብቲ ካልእ ንምፍላይ ብዘሽግር፡ ውሱንን ርጉጽን መልእኽቲ ኣብ ዘይብሉ፡ ንሕናን መጓሰናን ኣብ ኰለል ንነብር። መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ፡ እቲ ጻዕርና፡ ብውድቀትን ብብስጭትን እዩ ዝዛዘም። ንጻረ ዘይብሉ ራእይ፣ ንሓደ ክቡር ተልእኾ የምክኖ።

ኣብ ሓደ ዓዲ፡ ሓደ ህኩይ ጎበዝ ነበረ ይብሃል። ንሱ፡ ልኡኽ ከም ቁሪ ዘፍርሖ፡ ንኸይልኣኽ ድማ ብዙሕ ሓንካስ ዝዀነ ምኽንያት ምቕራብ ዝለመደ ነበረ። ሓደ ምሸት ወላዲኡ ጽባሕ ናብ ሓሊቦ ትበሃል ዓዲ ክልኣኽ ሙኻኑ ሓቢሮምዎ ደቀሱ። ወዮ ጎበዝ ድቃስ ኣብይዎ ከዕለብጥ ጀመረ። ምድሪ ወገግ ክትብል ምስ ጀመረት፡ እቲ ድቃስ ስኢኑ ዝሓደረ መንእሰይ፡ ተንሲኡ ጉዕዞኡ ናብታ ክትከዳ ኢኻ ዝተባህለሉ ዓዲ፡ ጉዕዞ፡ ተተሓሓዞ። ኣብቲ ዓዲ ምስ በጽሐ ግና መልእኽቲ ኣቡኡ ከም ዝረስዖ ኣስተብሃለ’ሞ፡ ናብ ዓዱ ብዘይፍረ ተመልሰ። ካብኡ ንደሓር፡ ፍረ ዘይብሉ ልኡኽ፡ „ልኡኽ ሓሊቦ” እናተባህለ ይጽወየሉ እነሆ። ምንጪ (ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ዜና፡ ስፖርትን ምዝንጋዕን | ልኡኽ ሓሊቦ | Facebook

ዛንታ ልኡኽ ሓሊቦ፣ ንሓደ ብዝተሓዋወሰ ወይ‘ውን ብዘይንጹር ራእይ ዘገልግል የንጸባርቕ። እዚ ሰብ ሓፈሻዊ መልእኽቲ እምበር ውሱንን ርጉጽን መልእኽቲ የብሉን። ከም ኣብነት፣ ንእግዚኣብሔር ምፍቃርን ምግልጋልን ይግባእ ከም ዝኾነ ይምህር፣ እንተኾነ ነቲ “ብኸመይ” ዝብል ሕቶ ኣይምልሶን ወይ ውን ግብራዊ መምርሒ ኣይህብን።

“ብዙሓት፣ ንሰናይ መን እዩ ዜርእየና፣ ይብሉ አለዉ፣ ኦ እግዚኣብሔር ገጽካ ኣብርሃልና“ (መዝሙር 4:6) ሎምን ካብ ጥንትን፡ ደቂ ሰብ ንሰናይ ዘርእዮም እምበር፡ ብድብድቡ ዝነግሮምሲ ኣይወሓደን። ካህናትን ፈሪሳውያን ንህዝቢ፣ ሕጊ ሙሴ ይምህሩ ነበሩ። እንተኾነ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ህዝቢ ብተግባር እናርኣየ ዝምህርን ንምምጻእ ኢየሱስ ክርስቶስ ዜዳሉን፡ በዓል ንጹር ራእይ ዝኾነ ዮሃንስ መጥምቕ ለኣኸሎም። „ንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረአየ እሞ፥ እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ“ (ዮሃንስ 1:28–29)።

ብተወሳኺ ከምዚ ዝበለ ሰብ ንመንፈሳዊ ምስቲ ስጋዊ ይደባልቕ፣ ንሓደ ካብ ካልእ ንምፍላይ ይሽገር። ኣብቲ መጽሓፍ ዝተዋህበ ኣብነት፡ ኣብ ወንጌል ማርቆስ 8:22-28 ዚርከብ፡ ኢየሱስ ኣብ ቤተ-ሳይዳ ንሓደ ዕዉር ሰብኣይ ከም ዘሕወየ እዩ። እዚ ተኣምር እዚ ብኽልተ ደረጃታት ስለ ዝተፈጸመ ፍሉይ እዩ፦

1ይ ደረጃ (ዘይተማልአ ራእይ)፦ ኢየሱስ ኣዒንቲ እቲ ሰብኣይ ተንኪፉ እንታይ ይርኢ ከም ዘሎ ሓተቶ። እቲ ሰብኣይ ድማ፡ "ሰባት እርኢ ኣለኹ፣ ኪመላለሱ ኸለዉ ኣእዋም መሲሎም እርእዮም ኣለኹ" በለ። እቲ ሰብኣይ ምርኣይ ጀሚሩ እዩ፡ ግና ራእዩ ንጹር ኣይነበረን።

ዝተሓዋወሰ ራእይ ዘለዎ ኣገልጋሊ ልክዕ ከምዚ ሰብኣይ እዩ። ንሱ ኣብ መንጎ መንፈሳውን ስጋውን፣ ሓጢኣትን ጽድቅን፣ ባህልን ቃል ኣምላኽን ክፈሊ ዘይክእል እዩ። ነቲ ዚመርሖ ህዝቢ ድማ፣ ኣብ ኣሰልቻዊ ዓንኬል ኮለል ከብሎ ጥራይ እንተዘይኮይኑ ናብ ሓርነት ኣቢሉ ክመርሖን ናብ ዕረፍቲ ክብጽሖን ኣይክእልን። ንሱ ምስ ዘሎ ህቡብ ናይ ዘመኑ ፍልስፍናታን ምህሮታትን ከይራጸም ክብል ንብስራት ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ብእኡ ከቃጥኖ ኣይጽገምን እዩ። ከምዚ ዝመሰለ ኣገልጋሊ፣ ጐይታ ንካልኣይ ግዜ ኣዒንቱ ክትንክዮ የድሊ።

2ይ ደረጃ (ንጹር ራእይ)፦ ኢየሱስ ንኻልኣይ ግዜ ኣዒንቲ እቲ ሰብኣይ ተንከፈ። ድሕሪ እዚ፡ ኣዒንቲ እቲ ሰብኣይ ምሉእ ብምሉእ ተኸፍታ፡ ኵሉ ነገር ድማ ብንጹር ረኣየ።

እቲ ራእዩ ዘነጸረ ሓዋርያ ጳውሎስ ነቲ ብዘይ ራእይ ወይ ብዘይነጸረ ራእይ ዘግልግል፣ ምስ ኣንፈት ጉያኡ ከየነጸረ ዝጎዪ ተቓዳዳማይ ከምኡ’ውን ምስ ኣብ ክንዲ ንመጋጥምቱ ንንፋስ ዝወቅዕ ተጓሳጣይ ኣመሳስሎ። “ኣነ እጐዪ አሎኹ፡ ግናኸ ከምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጐዪ ኣይኰንኩን፡ እምክት አሎኹ፡ ከምቲ ንንፋስ ዚወቅዕ ግና ኣይኰንኩን” (1ቈረ 9:25–26)

እምበኣርከስ ብዘይ ንጹር ራእይ ላዕልን ታሕትን ምባል ካብ ምብኻን ግዜን ጸዓትን ሓሊፉ፡ ፍረ ስለ ዘይርከቦ፣ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ዘበለ፣ ራኢኡ ነቲ ራኢ ንምፍጻም ዘለዎ ትግሃት ማዕረ ምንጻር ወሳንነቱ ምዃኑ ከስተውዕል ይግባእ።‍‍

ጉጅለ ፍቕሪ ዝመለስዎ

1.ሓደ ሰብ ብኸመይ ብራእይ ክዓቢ ከም ዝኽእል፧ ካብቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ሓደ ኣብነት ጥራይ መሪጽኩም ኣረድኡ።

ሓደ ካብቶም ተጠቒሶም ዘለዉ፡ ነቲ “ብራእይ ንምዕባይ ፍቓደኛ ምዃን” ዝብል መሪጽና፡ እዚ ኸኣ ኣብ ዕብየት ራእይ፡ ወሳኒ ምዃኑ ተዘራሪብናሉ። ብዓል ራእይ ኴንካ፡ ብናይ ስጋ ኣዒንትኻ ወይ ድማ ብገዛእ ርእስኻ ምምልላስ፡ ናብ ጌጋ መገዲ እዩ ዘብጸሓካ። ስለዚ እምበኣር፡ ምሉእ ፍቓድካ ኣብቲ ነቲ ራእይ ከጨብጠካ ዝከኣሎ ኣምላኽ ምግባር ኣገዳስን ወሳንን ጉዳይ እዩ። ንምንታይ ኢኻ ከ ፍቓድካ እተወፊ፧

  • እግዚኣብሔር ክሰርሓና ንዕዮኡ ክጥቀመልና ፍቓደኛ ንምዃን (ኢሳ፣6) ኣነ ክኸይድ ዝብል ፍቓደኛ ልቢ ክህልወና፡ ራእይና (ህይወትና) ድማ ብእኡ መጠን ምስ ኣምላኽ ኰይኑ ክዓቢ።

  • ንምእዛዝ ቃሉ ፍቓደኛታት ብምዃን፡ ነቲ ንሱ ዝርእዮ ምርኣይ ክንክእል፣ ንቓሉ ምምእዛዝ ነቲ ንጐይታ ዘለና ፍቕሪ ብተግባር ምርኣይ ስለ ዝዀነ፡ ብግብሪ ፍቓደኛታት ክንከውን የድልየና።

  • ነቲ ዝተዋህበና ራእይ ብጸሎት ክንሕልዎ ከለና ብእምነት ናብ መፈጸምታ ንምብጻሕ’ውን ክንተግህ ስለ ዘኽእለና፡

  • መኽሊትና ንምሽራፍ ተባዓት ክንከውን፡ ከምቶም ነቲ ሓሙሽተ መኽሊት ኣርቢሖም ዘምጽእዎ፡ ከምኣቶም ደኣ እምበር፡ ከምቲ ንገንዘብ ጐይታኡ ዝቐበረ ከይንኸውን።

  • ሓዋርያ ጴጥሮስ ክሳብ ንሞት’ውን ክስዕቦ ንጐይታ ፍቓዱ ኣርእዩ ነቲ ራእይ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ክስዕቦ ምስ ጀመረ ኸኣ እቲ ፈራሕ ዝነበረ ሓዋርያ ብትብዓት ነቲ ዝተቐበሎ ራእይ ገዛእ ርእሱ ከወፊ ንርእዮ፣

  • ሓዋርያ ጳውሎስ ነቲ ካብቶም ነብያት ስለ መከራኡ ዝተዘርበ ዘረባ ክምልስ ‘’ንመከራ ጥራይ ዘይኮነስ ንሞት ውን ዋጋ ምኽፋል ድልው ከም ዝኾነ መሊሱ፣ (commitment)።

ስለዚ እምበኣር፡ ፍቓደኛ ክትከውን ምኽኣል፡ ኣብ ምዕዋት እቲ ራእይ ኣዝዩ ወሳኒ ተራ እዩ ዘሎዎ።

2. ሕቶ ራእይና ከየነጸርና ክንዓዪ እንተፈቲንና ውጽኢቱ ከመይ ከም ዝኸውን ኣብ መጽሓፍ ተጠቒሶም ካብ ዘለዉ ኣረድእ።

ሳዕቤናት ንጹር ራእይ ዘይምህላው፦

 ውልቀ-ሰባት ንጹር መምርሒ ክዀኖም ዝኽእል ቃል ኣምላኻዊ መሪሕነት ስለ ዘይብሎም፡ ክብርታቶም ብቐሊሉ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣእትዮም ኣብ ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣነባብራ ይወድቁ። ስለ ክብሪ ገዛእ ርእሶም ከኣ ይዛረቡ። ብዘይካ’ዚ፡ ውልቃዊ ይኹን ሓባራዊ ንጹር ራእይ ብዘይምህላዉ፡ እቲ ጉዕዞ እምነት ንጹር ዕላማ ወይ ዝቕጽል ስጉምቲ ስለ ዘይህልዎ፡ ዕብየት እቲ ራእይ ከኣ ደው ይብል።

ኣብቲ ንጹር ራእይ ዘይብሉ ህይወት፡ እቶም ዘገልግሉ፡ ኩሉ ዘለዎም ዝመስሉ፡ ግናኸ እቲ ዝዓበየን መሰረታውን ነገር ከኣ ዝርስዑ ኰይኖም ይርከቡ። እታ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረት ማሕበር፡ ብኹሉ ተናኢዳ ከተብቅዕ፡ ግናኸ ፍቕሪ ዝረስዐት ማሕበር ነበረት። ብዘይ ፍቕሪ ዝግበር ኣገልግሎት ድማ ጭልጭል ከም ዝብል ጸናጽል፡ ውጽኢታዊ ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ እቲ ጻዕሩ ንኸንቱ ከይከውን ብምሕላይ፡ ምስቶም ኣዕኑድ ዝነበሩ ሃዋርያት ይዛራረብ ምንባሩ ተጽሒፉልና ኣሎ። እቶም ራእይ ዘይብሎም መራሕቲ ግና፡ ንርእሶም ምስሓትን ምግጋይ ጥራይ ዘይኰነስ ንኻልኦት’ውን ኣንፈቶም ከም ዝስሕቱ ብምግባር፡ ናብ ምፍልላይን ምብትታንን ይመርሕዎም፣ እዚ ኸኣ፡ ነቲ “ህዝበይ መራሕትኻ ኣጋገዩኻ” ዝብል ቃል የዘክረና።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ብራእይ ዝቕለስ ክርስትና፡ ዕዮ ገዛ ቍ. 3

Next
Next

ብራእይ ዝቕለስ ክርስትና፡ ዕዮ ገዛ ቍ.1