ብራእይ ዝቕለስ ክርስትና፡ ዕዮ ገዛ ቍ. 3
ዝቐረበ ሕቶ
ንነህምያ ምዕራፍ፡ 1ን 2ን ብምንባብ፡ ሓደ ኣገልጋሊ ካብቲ "ፋሕ-ፋሕ ዝበለ ራእይ" ወይ ካብቲ "ስርዓት ዘይሓዘ ራእይ" ወጺኡ ናብቲ ዝለዓለ "ስሩዕን ውዱብን ራእይ" ብኸመይ ክሰጋገር ከም ዝኽእል፡ ኣሕጺርኩም ግለጹ።
ጉጅለ ፍቕሪ ዝመለስዎ
ብዙሓት አገልገልቲ ንምግልጋል ሓሳብ ወይ ድልየት አለዎም፣ ብዙሓት’ውን ይጅምሩ ኢዮም። እንተኾነ ግና፣ ራኢኦም ስሩዕን ውዱብን ስለ ዘይከውን፡ አብቲ ግቡእ ቦታኡ ክበጽሕ አይክእልን።
ነህምያ፡ ሓደ ካብቶም አብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብኣብነት ዝጥቀሱ ሰብ-ራእይ ኢዩ። ንሱ መጀመርያ ዝገበሮ ነገር፡ ኢየሩሳሌም ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ዘላ ምሕታት ኢዩ። ድሕሪኡ አዝዩ ብምጕሃይን፣ ብምሕዛንን ንሓያሎ መዓልትታት ብሓዘን፣ ብብኽያትን ብንሰሓን፣ ከምኡ’ውን ብጾምን ጾሎትን ናብ አምላኽ ምውካል ኢዩ ዝነበረ። ብድሕር’ዚ ድማ ከመይ ገይሩ ነዛ ዝዓነወት ቤት አቦኡ ክሃንጻ ከም ዝኽእል፡ ካብ አምላኽ ምርሒት ንምቕባል፡ ጸለየ።
ነህምያ፣ ንእግዚአብሄር ብምርአይ፣ ነቲ እግዚኣብሄር ዝርእዮ ብምርኣይን ከምኡ’ውን እግዚኣብሄር ከም ዝርእዮ ጌሩ ብምርኣይን፡ ግላዊ ራኢ ተቐበለ።
ራእይ ዝትግበረሉ ቦታን ግዜን ብምንጻር፣ ንጹር ዝኾነ ስእሊ ሒዙ፡ አብ ቅድሚ አምላኽን ንጉስን ቀሪቡ። ኣብ ኩሉ ንጥፈታቱ ኣምላኽ መጎስ ክህቦ’ውን ተማሕጺኑ።
ድሕር’ዚ፡ እንታይ ከም ዘድልዮን፣ ብኸመይ ከም ዝትግብሮን፣ ውዱእ ዝኾነ መደብ ድሕሪ ምሕንጻጽ፣ ካብ ንጉስ ንዝቐረበሉ ሕቶ ብዘይ ሰጋእ-መጋእ ክምለስ ከኣለ።
ነህምያ፡ ነዚ ጭቡጥ ዝኾነ ራኢ ንምዕዋት፡ ንባዕሉ ተጊሁ፡ ዘድልዮ መሰነይታታትን ንብረትን ሒዙ፡ ናብቲ ራእዩ ዝፍጽመሉ ህዝብን ቦታን ተጓዕዘ። አብቲ ቦታ ምስ በጸሐ፣ ቅድሚ ምጅማሩን ምስ ካልኦት ቅድሚ ምምኻሩን፣ አቐዲሙ በይኑ ክርእዮን ክምርምሮን፣ ብምስጢር ክሕዞን ኢዩ ዝወሰነ። ብድሕሪኡ ከመይ ክጅምሮ ከም ዘለዎን ምስ መን ክመክር ከም ዘለዎን መርሚሩ አካፈሎም። በዚ ድማ ውሽጣውን ደጋውን ምድላዋት ብምግባር፣ ክገጥምዎ ንዝኽእሉ ብድሆታት አቐዲሙ ሓሲቡ፡ መፍትሒታት ክረኽበሎም ከሎ ንርኢ።
ነህምያ፡ ነቲ ዕዮኡ ንምዕንቃፍ ድቃስ ዝሰአኑ ጸላእቲ ኔሮሞ ኢዮም። ነቶም ተመሓሒሎም ከጥፍእዎም ዝመጹ ጸላእቲ ኸኣ ብዘይ ምፍራሕ፡ እናተኸላኸሉ፡ ካብ ዕዮ ዘይበዅሩ ሰባት መዘዘ።
ነህምያ ነቲ ብእምነት ኣቐዲሙ፡ “አምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና ኢዩ፣ ንሕና ባሮቱ ተንሲእና ክንዓዪ ኢና፣ ዝበሎ፣ ልክዕ ከሙኡ ገይሩ ብትግሃት፣ ብተወፋይነት፣ ብትሕትና፣ ንህዝቡ ፍቕሪ ብምርኣይን አርኣያ ብምዃንን፣ ልቢ ኣምላኽን ህዝቡን አሐጒሱ፡ ዕዮኡ ብጽፈት ዛዘመ። ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር፡ እዚ ናይ ነህምያ አብነት፣ አብ ቤትና ብውልቅና፣ አብ ቤተክርስቲያንና ብደረጃ ማሕበር፣ አብ ሃገርና’ውን ብሕብረት ከመይ ክንሰርሓሉ ከም ዝግብኣና አብነት ጌርና ኣብ ጉጅለና ዘቲናሉ።
ጉጅለ ሰላም ዝመለስዎ
ነህምያ ብዛዕባ ምፍራስ መካበብያ ኢየሩሳሌምን ሕስረት ህዝቡን ምስ ሰምዐ፡ ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ብልቡ ሓዚኑ፡ በኽዩ፡ ጾመን፡ ለይትን መዓልትን ከኣ ጸለየን፡ (ነህምያ 1:4, 8–9)። መንፈሳዊ ራእይ፡ ካብቲ ሓደ ኣገልጋሊ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ጥቡቕ ርክብን ምሉእ ውክልናን ክጅምር ከም ዘለዎ፡ ካብዚ ክንምሃር ንኽእል።
ነህምያ፡ ናብ ንጉስ ቅድሚ ምቕራቡ፡ “ሎሚ ንባርያኻ ኣቕንዓሉ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ሰብኣይ እዚ ኸአ ንባርያኻ ምሕረት ሀቦ” እናበለ ብምጽላይ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ጉሁይ ኮንካ ምቅራብ ክሳብ ብሞት ከቕጽዖ ከም ዝኽእል እናፈለጠ፥ ምሉእ ትውክልቱ ኣብ ኣምላኽ ገበረ፡ (ነህምያ 1:11)። ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ንጉስ ነቲ ነህምያ ዝሓተቶ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብቲ ዝሓተቶ ንላዕሊ፡ ሓለውትን ፈረሰኛታትን ወተሃደራት ምስኡ ንኸሰንይዎ፡ ሃቦ (ነህምያ 2:4–9)።
ነህምያ፡ ኣምላኽ ምስኡ ምንባሩን ኣብ ቅድሚ ንጉስ መጐስ ምርካቡን ይትኣማመን እምበር፡ መደብ ካብ ምውጻእ ግና ኣይተቖጠበን። ካብዚ እንምሃሮ ኸኣ፡ እቲ ኣገልጋሊ፡ ነቲ ራእዩ ናብ ንጹር ዕላማ፡ ብጥበብ ናብ ዝተወደበ መደብን ዳህሳስን ክቕይሮ ከም ዘለዎ እዩ። ንጉስ "እንታይ ትደሊ?" ምስ በሎ፡ ነህምያ፡ ዘድልዮ ፍቓድ፡ ደብዳቤታት፡ ዝጸንሓሉ ግዜን ዘድልዮ ዕንጨይቲን ብዝርዝር ኣቕረበ፡ (ነህምያ 2:4–8)። ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሐ’ውን፡ ስርሑ ንምጅማር ኣይተሃወኸን፤ ሰለስተ መዓልቲ ምስ ጸንሔ፥ ንሰባት ቅድሚ ምሕባሩ፡ ነቲ ዝፈረሰ መካበብያ፡ ብለይቲ፡ ብጥንቃቐ መርሚሩ ኣጽኒዕዎ። (ነህምያ 2:11–16)። እዚ ድማ ሓደ ኣገልጋሊ ነቲ ራእዩ እንታይ፡ ብመን፡ መዓስን ብኸመይን ከም ዝፍጸም፡ ንጹር ቅደም-ተኸተልን ጥንቃቐ ዘለዎ ዳህሳስን፡ ክገብር ከም ዘድልዮ፡ የርእየና።
ነህምያ "ንዑናይ፡ መካበብያ ዮርሳሌም ንስራሕ" ብምባል ንህዝቡ ክጽውዖም ከሎ፡ ኣምላኽ ምስኡ ከም ዝነበረን ንጉስ እንታይ ከም ዝበሎን እውን ስለ ዝነገሮም፡ እቲ ህዝቢ ነቲ ራእዩ ናቶም ብምግባር "ንልዐል እሞ ንስራሕ፡ ኢሎም ኣእዳዎም ነቲ ጽቡቕ ስራሕ ኣጽንዕወን” (ነህምያ 2:17–18)። እዚ ኸኣ፡ ሓደ ኣገልጋሊ ኣብ ራእዩ ንኽዕወት፡ ኣብ ግዜኡ ነቲ ራእዩ ንሰባት ብንጹር ብምሕባር፡ ናብ ሓባራዊ ተግባር ምምራሕን ኣብ ግዜ ተቓውሞ ብእምነት ምጽናዕን ከም ዘድልዮ ይምህረና። ተቓውሞን ላግጽን ምስ መጸ’ውን፡ ነህምያ “ኣምላኽ ሰማይ ኬቕንዓልና እዩ እሞ፡ ንሕና ባሮቱ ተንሲእና ኽንዐዪ ኢና” ብምባል ብእምነት ጸንዐ፡ (ነህምያ 2:20)።
ስለዚ፡ ሓደ ኣገልጋሊ፡ ራእዩ ፋሕ-ፋሕ ዘይበለ ከም ነህምያ፡ ስሩዕን ውዱብን ራእይ ንኽህልዎ፡ መጀመርታ ምሉእ ትውክልቱ ኣብ ኣምላኽ ክገብር ኣለዎ። ቀጺሉ ነቲ ራእይ ብጸሎት ዝተመርሐ ንጹር መደብ ብምውጻእን ህሉው ኩነታት ብጥንቃቐ ብምህድሳስን ክዳሎ የድልዮ። ድሕሪኡ፡ እግዚኣብሔር ምስኡ ከም ዘሎ ብምምስካር፡ ንህዝቢ ናብ ሓባራዊ ዕዮ የሳትፍ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ተቓውሞን ዕንቅፋትን ኣብ ዝገጥመሉ እዋን’ውን፡ ብእምነት ጸኒዑን ነቶም ምስኡ ዘለዉ ኣጽኒዑን ንራእዩ ናብ ተግባራዊ ፍጻመ የብጽሖ።
ጉጅለ ምሕረት ዝመለስዎ
ንነህምያ ከም ብዓል ብፍቕሪ ዝተደረኸ፡ ስሩዕን ውዱብን ግብራዊ ራእይ ዘሎዎ ኣብነት ብምውሳድ፡ እዚ ኸምዚ ዝዓይነቱ ዕብየት፡ ብኸመይ ከም ዝመጽእ እንሆ፦
ነህምያ ትልሚ ቅድሚ ምውጽኡ፡ ዓሚቕ ስምዒታዊ (ናይ ልቢ ዝኾነ) ጾር’ዩ ነይርዎ። መካበብያ ኢየሩሳሌም ከም ዝፈረሰን ህዝቡ ኣብ ጸበባ ከም ዘለውን ምስ ሰምዐ፡ ኮፍ ኢሉ በኸየ፡ ንሓያሎ መዓልታት ድማ ሓዘነ (ነህምያ 1፡3-4)። ሓደ ፋሕ-ፋሕ ዝበለ ወይ ስርዓት ዘይብሉ ራእይ ዘለዎ ሰብ፡ ድርኺቱ ንሓደ ፕሮጀክት ንምፍጻም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቶም ዘገልግሎም ዘሎ ሰባት ብዘለዎ ዕምቆት ድንጋጸ፡ ሓልዮትን ናይ ምሕብሓብ መንፈስን ሰረት ዝገበረ ክኸውን ከም ዝግብኦ ድማ ካብዚ ንምሃር።
ነህምያ ነቲ ሕማቕ ዜና ምስ ሰምዐ፡ ብኡንብኡ ናብ ኢየሩሳሌም ኣይተጓየየን። ብኣንጻሩ ንኣስታት ኣርባዕተ ወርሒ (ካብ ወርሒ ከስለው ክሳብ ኒሳን) ብጾምን ብጸሎትን ኣሕለፎ (ነህ 1፡1- ነህ 2:1)። እዚ ንኣምላኽ ዝደለየሉ ነዊሕ ግዜ፡ ካብ ጓል መገዲ ክእለ፡ ነቶም ፋሕ-ፋሕ ዝበሉ ሓሳባቱ ከጽሪ፡ ከምኡ'ውን ነቲ ዝዓበየ ቀዳምነት ዝወሃቦ (መካበብያ ምህናጽ) ከለሊ ኣኽኣሎ።
ንጉስ ኣርታሕሻስታ ጓሂ ነህምያ ምስ ረኣየ "እንታይ እሞ ትደሊ፧" ኢሉ ምስ ሓተቶ (ነህ 2፡4) ነህምያ ዓሰርተ ወይ ዕስራ ዝተፈላለዩ ጸገማት ኢየሩሳሌም ዘርዚሩ ኣይነገሮን። ሓደን ብዕቱብ ዘተኮረሉን ጠለብ ደኣ ኣቕረበ፡ "ነታ ኸተማ… ክሰርሓ ስደደኒ" ድማ በሎ፡ (ነህምያ 2፡5)። ብዓል ራእይ፡ ናብ ሓደን ንጹርን፡ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ክግበር ዝኽእልን መልእኽቲ ንምጽማቝ፡ ኣብ ጸሎትን ኣብ ዝተወደነን ርጉእን ኣገባብ ኣተሓሳስባን ኣበርቲዑ ብምድፋእ ክዓቢ ከም ዝግብኦ ድማ ነስተብህል።
ነህምያ፡ እቲ ንጉስ "ናብኡ ኽትከይድ ክንደይ ግዜ የድልየካ፧ መዓስከ ትምለስ፧" ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ ነህምያ፡ ጊዜ ከም ዝቘረጸሉ፡ እዩ እቲ ጽሑፍ ዝነግረና፡ (ነህምያ 2፡5-6)። ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ከጋጥም ዝኽእል ጸገማት፡ ኣቐዲሙ ብምግማት፡ ናይ መሕለፊ ደብዳቤታትን ንህንጻ ዝኸውን ዕንጨይትን ሓተተ፡ (ነህምያ 2፡7-8)። ሓደ ኣገልጋሊ ነቲ ዓብዪ ዕላማኡ ናብ ናይ ግዜ ሰሌዳ፡ ባጀት፡ ከምኡ'ውን ኣጠቓቕማ ጸጋታት ክቕይሮ ከም ዝግባእ፡ ብተወሳኺ’ውን፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ካብ መገላግልቱ ሓገዝ ምሕታትን ኣሳታፊ ምዃንን ኣዝዩ ዕዉት ክገብሮ ከም ዝኽእልን ከነስተብህል ንኽእል።
ነህምያ ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሐ፡ ሰለስተ መዓልቲ ተጸበየ፡ ድሕሪኡ ብለይቲ ብምስጢር ወጺኡ ነቲ መካበብያን ደጌታትን ተዓዘቦ (ነህምያ 2፡11-15)። ነቲ ስራሕ ክንደይ ከም ዘድልዮ ብልክዕ ንምሕሳብ ነቲ ዕንወት ብኣካል መርመሮ። እዚ ስቕታ ዝመልኦን ስሩዕን ገምጋም፡ ናይቲ ኣብ ጽቡቕ ሃንቀውታ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ሓቅታትን ምድላውን ዝምርኮስ፡ መለለዪ ናይቲ ብዓል ንጹር፡ ስሩዕን ውዱብን ብዓል ራእይ እዩ።
ቀዳምነት ዝወሃቦ ነገር ምስ ተነጸረን ሎጂስቲካዊ ኩነታት ምስ ተገምገመን፡ ነህምያ ኣብ መወዳእታ ራእዩ ንኻልኦት ኣካፈሎ፡ ( ናብ ኣይሁድን ካህናትን ኸበርተን መሳፍንትን ኣቕረቦ)። ራእዩ ኣዝዩ ውዱብ፡ ግብራዊ፡ ከምኡ'ውን ብፍቕሪ ህዝቡን ዓዱን ቤተ-መቕደሱን ዝተደረኸ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ጸገምን ፍታሑን ብንጹር ክገልጾ ክኢሉ፦ "ንሕና ኣብ ከመይ ዝበለ ሕሳረ መከራ ኸም ዘለና ንስኻትኩም ትርእዩ ኣለኹም... ንዑናይ፡ መካበብያ የሩሳሌም ንስራሕ"። ኣምላኽን ንጉስን ከመይ ጌሮም ሓገዝ ከም ዝገበሩሉ ድማ ኣካፈሎም (ነህምያ 2፡17-18)። ውጽኢት ናይዚ ጽፉፍ መሪሕነት ድማ፡ ብኡ ንብኡ ሓድነት ፈጠረ፦ "ንሳቶም ከኣ፡ 'ንልዐል እሞ ንስራሕ' ኢሎም ኣእዳዎም ነቲ ጽቡቕ ስራሕ ኣጽንዕወን" ይብለና፡ (ነህምያ 2፡18)።
ጉጅለ እምነት ዝመለስዎ
ብቐዳምነት፡ ነቲ፡ ራእይ ንእግዚኣብሄር ብምርኣይ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝርእዮ ዘሎ ኸኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝርእዮ ጌርካ ምርኣይ ዝብል ዝተምሃርናዮ ጠቒስና። ራእይ፡ ቃል ኣለዎ፡ ጊዜ-ትግባረ ኣለዎ፡ ቦታን ህዝብን'ውን ኣለዎ፡ ንዝብል’ውን ዘኪርና፡ ኣስሚርናሉ።
ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር፡ ነህምያ ብዛዕባ ዕንወት ኢየሩሳሌም ምስ ሰምዐ፡ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ምውሳዱ፡ ብጾምን ጸሎትን ንገጽ ኣምላኽ ከም ዝደለየ ርኢና፡ (ነህ. 1፡4-11)። ኣብቲ ጸሎት፡ ንራእዩ ዝኸውን፡ ካብ መጽሓፍቲ ሙሴ፡ “እንተተመለስኩም ክምለሰኩምን ክመልሰኩምን’የ” ዝብል፡ ቃል ኣምላኽ፡ ጠቐሰ።
ነህምያ ብፍቕሪ ዝተደረኸ ራእይ ስለ ዝተቐበለ፡ ካብ ወርሒ ከስለው ክሳዕ ወርሒ ኒሳን (ኣስታት 4 ኣዋርሕ ወይ ክንዲ ኽልተ ጾም ኣርብዓ) ብብርቱዕ ጓሂ ብጾምን ጸሎትን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀረበ። በደል ህዝቡ፡ በደሉ’ውን ምዃኑ ኣሚኑን ተኣሚኑን ከኣ ቀረበ። ድሕር’ዚ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቀሪቡ፡ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ንዋት ይኹን መሰነይታ ደብዳበ፡ ንውሓት ጊዜ’ውን ከይተረፈ፡ ንምንጋር ኣይተጸገመን።
ነህምያ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ፡ ንሰለስተ መዓልቲ ተቐመጠ። ብድሕሪኡ ድማ ብለይቲ ተንሲኡ፡ ነቲ ቦታ፡ ብደቂቕ ተኸታቲሉ መርመረ (ነህ. 2፡12-15)። ነዚ ዅሉ ክገብር ከሎ፡ ነቲ ራእይ ኣብ ውሽጡ ደኣ ሒዝዎ ነበረ እምበር፡ ንማንም ኣይነገረን። ኣብቲ ምዱብ ጊዜ፡ ክነግሮም ከሎ ድማ፡ ጉዳዩ ምስ ኣምላኽ፡ ከምኡ’ውን ምስ ንጉስ ወዲኡ ምንባሩ ሓበሮም። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ህዝቢ፡ ኣብቲ ራእይ ብንጥፈት ከም ዝሳተፍ ገበሮ።
ንጹር ራእይ ዝሓዘ ነህምያ፡ ነቶም ክቃወምዎ እተላዕሉ፡ "ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና እዩ፡” ዝብል ርጉጽ ምላሽ ነበሮ። ነቲ ዝተቐበሎ ራእይ ድማ ብትግሃት እናዓየየን፡ ካልኦት’ውን ብትግሃትን ብንቕሓትን ከም ዝዓዩ እናገበረን ፈጸሞ። ሓደ ኣገልጋሊ፡ ፋሕ-ፋሕ ካብ ዝበለ ወይ ስርዓት ካብ ዘይተኸተለ ራእይ ወጺኡ፡ ናብ ከምዚ ናይ ነህምያ ስሩዕን ውዱብን ራእይ ንምእታው፡ ብፍቕሪ እተደረኸ፡ ብጾምን ጸሎትን ገጽ እግዚኣብሄር ዝደሊ፡ ንቓል ኣምላኽ መምርሒ ህይወቱ ዝገብር፡ ነቲ ዝተቐበሎ ራእይ፡ ናብ ካልኦት ብምትሕልላፍ፡ ናይ ጊዜ ሰሌዳ ዘዳሉ፣ መን፡ መዓስ፡ እንታይ ይገብር፡ ብንጥፈት ከም ዝዋስኡ ዝገብር፡ ብዝመጽእ ተቓውሞ ከይረዓደን ከይሰምበደን፡ ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓሉ ምዃኑ ዝተኣማመንን ክኸውን ይግብኦ።