ብራእይ ዝቕለስ ክርስትና፡ ዕዮ ገዛ ቍ. 4
ንጉጅለታት እምነትን ፍቕርን ዝቐረቡ ሕቶታት
ንራእይ ኦ.ተ.ቤ. ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ጉጅለኹም፦
ሀ. ለውጢ ባህርይ የድልያ ዶ፧ እወ፡ እንተዀይኑ፡ እንታይ ምዃኑ ኣሕጺርኩም ግለጹ
ለ. ለውጢ ጸሎት የድልያ ዶ፧ እወ፡ እንተዀይኑ እንታይ ምዃኑ ኣሕጺርኩም ግለጹ (ብፍታው ዝምለስ)
ሐ. ለውጢ ኣገልግሎት የድልያ ዶ፧ እወ እንተዀይኑ፦
(ሀ) ዝሓለፈ ዓመት ዘይነበረኩም፡ ሎሚ በጺሕኩሞ ዘለኹም እንታይ ኣሎ፧
(ለ) ንዓመታ ከምዚ እዋን፡ እንታይ ለውጢ ተኣታትዩ ክትርእዩ ትደልዩ
ጉጅለ እምነት ዝመለስዎ
ሀ. ጉጅለኹም፡ ለውጢ ባህርይ የድልያ ዶ፧ እወ፡ እንተዀይኑ፡ እንታይ ምዃኑ ኣሕጺርኩም ግለጹ
ራእይ ኦ.ተ.ቤ. ነፍስ ወከፍ ሰብ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ክደሊ፡ ብርሃንን ጨውን ኰይኑ ከመላለስ፡ ከምኡ ኸኣ ብቓልን ግብርን ብእሙንነት ክመላለስ ዝብል’ዩ። ኣብቲ እንውከሰሉ ዘለና መጽሓፍ ከኣ፡ ለውጢ ባህርይ ምስ ትግባረን ፍጻመን እቲ ዝሓዝናዮ ራእይ ተኣሳሲሩ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ። ነዚ ራእይ እዚ ንምጭባጥ እምበኣር፡ ጉጅለና እዞም ዝስዕቡ፡ ለውጢ ባህርይ ከም ዘድልይዋ ተዘራሪብና ኣለና።
ሰብ፡ ቅድም፡ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ይደሊ ከም ዘሎ፡ ምልክቱ፡ ኣብ ጸሎት፡ ኣብ ቃል ኣምላኽን ኣብ ሕብረት ኣሕዋትን ዘሎዎ ሱታፌን ተገዳስነት እዩ። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ጊዜኻ ክትርከብ ምኽኣል፡ ዕዮ ገዛኻ ብግቡእን ብጽፉፍን ምስራሕ፡ ውዕዉዕ ሱታፌ ምግባር፡ ወዘተ ብምልካዕ እዩ ዝንጸባረቕ። ኣብዚ፡ ርኡይ ለውጢ የድልየና ከም ዘሎ ጠቒስናዮ።
“ብርሃንን ጨውን ኴንካ ምምልላስ” ኣብ ዝብል ራእይ ድማ፡ ከም ጉጅለ እምነት፡ ኣብ ሓድሕድና’ውን ከይተረፈ እቲ ጨው ምዃንን ብርሃን ምዃንን፡ ብዝግባእ ነስተማቕሮ ከም ዘየለና፡ ዝያዳ ናይ ምቅርራብን ልቢ ንልቢ ተዋሃሂብካ፡ መቐረት ሓድሕድ ምፍልላጥን፡ ብርሃንካ ከም ዝበርህ ኣብ ምግባር፡ ለውጢ ከም ዘድልየና ኣሚንናሉ ኣለና።
ኣብቲ፡ “ብቓልን ብግብርን ብእሙንነት ምምልላስ” ዝብል’ውን፡ ጉጅለና፡ ገና ነቲ ደረጃ ከም ዘይበጻሕናዮ፡ እተዛረብናዮ ኣብ ምኽባር ይኹን፡ ኣብ ኩሉ ህይወትና ብእሙንነት ኣብ ምምልላስ ዝብል’ውን ርኡይ ለውጢ ከም ዘድልየና ተዘራሪብና።
•ለ. ጉጅለኹም፡ ለውጢ ጸሎት የድልያ ዶ፧ እወ፡ እንተዀይኑ እንታይ ምዃኑ ኣሕጺርኩም ግለጹ (ብፍታው)
እቲ ዝተገልጸ ራእይ ኦ.ተ.ቤ፡ ብጸሎት ክስነ ከም ዝግብኦ፡ ብምጥቃስ፡ ብደረጃ ጉጅለ እምነት ዝውደብ፡ ክልተ ወርሓዊ ድዩ ወርሓዊ ስሩዕ ናይ ጸሎት ጊዜ ክህሉ ከም ዝግባእ፡ ጾር ሓድሕድ እናጾርና፡ ጨውን ብርሃንን ንምዃን፡ ብእሙንነት ክንመላለስ ክንክእል፡ ወዘተ፡ ስሩዕ ናይ ጸሎት መደብ ከም ዘድልየና ተዘራሪብና።
•ሐ. ጉጅለኹም ለውጢ ኣገልግሎት የድልያ ዶ፧ እወ እንተዀይኑ፦
(ሀ) ዝሓለፈ ዓመት ዘይነበረኩም፡ ሎሚ በጺሕኩሞ ዘለኹም እንታይ ኣሎ፧
(ለ) ንዓመታ ከምዚ እዋን፡ እንታይ ለውጢ ተኣታትዩ ክትርእዩ ትደልዩ
ዝሓለፈ ዓመት ዘይነበረና እሞ ሎሚ በጺሕናዮ ዘለና፡ ብጊዜ ጀሚርካ ብጊዜ ምውዳእ ኣዝዩ ተመሓይሹ ከም ዘሎ፡ ሱታፌ ተሳተፍቲ’ውን ኣብ ምጽሓፍ ይኹን፡ ንዝተጻሕፈ ኣብ ምምላእ’ውን ይኹን ርኡይ ለውጢ ከም ዘሎ፡ ጀሚርካ ኣብ ሞንጎ ምቍራጽ’ውን ብመጠኑ ተመሓይሹስ፡ ዝበዝሐ ሰብ ጀሚሩ ይውድእ ከም ዘሎ፡ ጠቒስና። እዚ ኸኣ ንትግባረ እቲ ራእይ ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ኣስሚርናሉ።
ኣምላኽ እንተፈቐዶ ንዓመታ፡ ነፍስ ወከፍ ኣባል ኦተቤ፡ ንራእይ ኦተቤ ተረዲኡ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ክነብሮ፡ ስሩዕ ናይ ጸሎትን ምዝርራብን ጊዜ ዘለዋ ጉጅለ ክትኰነልና፡ ንዓመታዊ ጉባኤ ብዝብምልከት፡ ኣቐዲማ ብዝግባእ ተዳልያ፡ ንብዙሓት ንበረኸት ክኸውን ዝኽእል ምድላዋት ኣጽፊፋ፡ ብዝሓሸ ውዳበን ትሕዝቶን ክትቀርብ፡ ሱታፌን ኣጠቓቕማ ጊዜ ብዝምልከት’ውን ካብዚ ዘሎዎ ዝሓሸ ክኸውን፡ እዚ፡ ተተስፊና ኣለና።
ጉጅለ ፍቕሪ ዝመለስዎ
ሀ. ጉጅለኹም፡ ለውጢ ባህርይ የድልያ ዶ፧ እወ፡ እንተዀይኑ፡ እንታይ ምዃኑ ኣሕጺርኩም ግለጹ።
ብመሰረት ራእይ ሕብረት ኦተቤ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣባል፥ ብርድኢት ክፈልጦን ክገብሮን ካብ ዘለዎ ነገራት እቶም ቀንዲ ፦ ነፍሲ ወከፍ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ዝደሊ ህይወት ክሕዝ፡ ከምቲ ጐይታ ኢየሱስ ዝመሃሮ፥ ጨውን ብርሃንን ኮይኑ ክመላለስን፥ ከምኡ’ውን ብቓልን ብግብርን ብእሙንነት ክመላለስ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ፥ ጉጅለና ጉጅለ ፍቕሪ፥ ለውጢ ባህርይ የድልየና ዶ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ፥ ሕሉፍናን፥ ሕጂ ዘለናዮ ኩነታትን ብምግምጋም፥ ንዓመታ ከምዚ እዋን፥ እንታይ ለውጢ ክንገብር ከም ዘለና ዘቲና።
ንሓደ ክርስትያን ናይ ባህርይ ለውጢ ( መንፈሳዊ ዕብየት) ኣገዳስነት ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን። ዕላማ ምትእኽኻብና፥ ካብ ትማሊ ሎሚ፥ ካብ ሎሚ ድማ ጽባሕ ብባህርይ ፥ ብመንፈሳዊ ዕብየት ፥ ብቓል ኣምላኽ ፥ ብጸሎት እናተለወጥና፡ ከምቲ ኣብ ኤፌ 4፥15 ዘሎ፥ «ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና ናብቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ» ክንዓቢ እዩ። ነቲ ዝነበረና ጽቡቕ ጐድኒ ንኽዓቢ፥ ንዝጐደለና ድማ ንዝቕጽል ከነጐልብቶ ተረዳዲእና።
ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ፥ ሎሚ ዓመት ዘርኣናዮ ለውጢ ንምጥቃስ፥-
#ኣጠቓቕማ ግዜና ክዕረ ብምግባር ፥ ኣብ ግዜና ጀሚርና ኣብ ግዜና ብምውዳእ ርኡይ ለውጢ ጌርና ኣለና።
#ተሳታፍነት ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉጅለና ብምውሳኽ ኩልና ክንሳተፍ በቒዕና።
# ነቲ ዝተዋህበና ዕዮ ገዛ ብጉቡእ ተዳሊኻ ኣብ ምምጻእ ብዙሕ ለውጢ ከም ዝገበርና ርኢና።
ንዓመታ ከምዚ እዋን ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉጅለ ፍቕሪ፥ ብቓል ኣምላኽ ብቐጻልነት ክንዓቢ፥ ነቲ ዝበዝሕ እዋን ኣብ ውሱናት ሰባት ዝነበረ ኣገልግሎት ጉጅለና፥ ንዝቕጽል ግዜ፡ ኩልና ኣብ ኣገልግሎት ተሳተፍቲ ክንከውን፥ ብእሙንነትን ብትግሃትን ንዝወሃበና ሕቶ ይኹን ዕዮ ገዛ ኣጸቢቕና ተዳሊና ብምምጻእ፡ ተሳታፍነትና ዝያዳ ክዓዝዝ ክንገብር። ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረና፥ ናይ ጉጅለና ናይ ጸሎት ግዜ ሰሪዕና ብቓልን ብግብርን ብምምልላስ ራእይና ክውን ንምግባር ተጊህና ክንዓዪ፥ ወሲንና።
በቲ እግዚኣብሄር ዝሃበና ህያብ ተጠቒምና ኣብ መዝሙር ኣገልግሎት ክንሳተፍን፥ እቲ ዝዓበየ ራእይና፥ ወንጌል መስኪርካ ዝድሕኑ ነፍሳት ናብ መንግስት ኣምላኽ ምምጻእ። ኣብ መወዳእታ ከምቲ ጐይታ፥ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ብፍቕርኹም ከለልይኹም እዮም ዝበሎ፥ ጉጅለና፥ ካብ ሕውነታዊ ፍቕሪ ሓሊፋ፡ ናብ ስድራቤታዊ ፍቕሪ ክትዓቢን፥ ዘቐመጥናዮም ራእይ ብግብሪ ንምፍጻም ተጊህና ክንሰርሕ ብምርድዳእ ወሲንና።
ንጉጅለታት ምሕረትን ሰላምን ዝቐረቡ ሕቶታት
ንራእይ ኦ.ተ.ቤ. ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ጉጅለኹም፦
• ለውጢ ቋንቋ የድልያ ዶ፧ እወ፡ እንተዀይኑ እንታይ ምዃኑ ኣሕጺርኩም ግለጹ
• ለውጢ ጸሎት የድልያ ዶ፧ እወ፡ እንተዀይኑ እንታይ ምዃኑ ኣሕጺርኩም ግለጹ (ብፍታው)
• ክትጠቕስዎ እትኽእሉ ለውጢ ኣገልግሎት፦
(ሀ) ዝሓለፈ ዓመት ዘይነበረኩም፡ ሎሚ በጺሕኩሞ ዘለኹም እንታይ ኣሎ፧
(ለ) ንዓመታ ከምዚ እዋን፡ እንታይ ለውጢ ተኣታትዩ ክትርእዩ ትደልዩ
ጉጅለ ሰላም ዝመለስዎ
ሀ. ጉጅለኹም፡ ለውጢ ቋንቋ የድልያ ዶ፧ እወ፡ እንተዀይኑ፡ እንታይ ምዃኑ ኣሕጺርኩም ግለጹ
እወ፣ ለውጢ ቋንቋ የድሊ እዩ። ኣብ ነንሕድሕድና ክንዘራረብ ከለና፣ ቋንቋና ብትሕትና፣ ብፍቕሪ፣ ብዓቕሊን ብልዙብ ኣገባብን ዝተመልአ ክኸውን ኣለዎ። ናተይ ሓሳብ ጥራይ እዩ ቅኑዕ ኢልና ናብ ክትዕን ምትህልላኽን ኣብ ክንዲ ምእታው፣ ብፍቕርን ብጥበብን ንሓድሕድና ክንሰምዕን ክንረዳዳእን ኣለና።
ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ወንጌል ንምስፋሕ ንነፍሲ-ወከፍ ሰብ ብኽብሪ ቀሪቡ፡ ቋንቋኡን ኣገባብ ኣቀራርባኡን ንምምዕርራይ ዝተዓጻጸፈ፣ ንኦርቶዶክሳዊ ዘለዎ ልምድታት ከይጸረፍና፣ ንኣይሁድ ድማ ከም ተቐበልቲ ሕጊ ኣኽቢርና፣ ቋንቋና ቀይርና፡ ነቲ ዘይቅየር ወንጌል ክንሰብኽ ይግባእ። ኣብ ጉጅለና’ውን ኣብ ደረጃ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ወሪድና፣ ብንጹር ኣብነታትን ሓሳባትን ኩሉ ኣባል ክርድኦን ክሳተፍን ዝኽእል ኣገባብ ክንጥቀም ኣለና። ቋንቋና ብጨው ዝተቐመመን ንኣካል ክርስቶስ ዝሃንጽን ኰይኑ፣ ንኹሉ ብሩህ ክኸውን ይግባእ።
ቅድሚ ሕጂ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ዝሳተፉሉ ኩነታት ነይሩ። ሎሚ ግን ብቑጽሪ ኣባላትን ብተሳትፎን ለውጢ ክርአ ጀሚሩ ኣሎ። ንዓመታ ድማ እዚ ለውጢ ብቑጽርን ብራእን ከምዚ ዝስዕብ ክዓቢ ንደሊ፦
ሀ. ኩሎም ኣባላት ብስሩዕን ብንቕሓትን ክሳተፉ።
ለ. ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ቅድሚ ምርካብና ተዳልዩ ክመጽእ።
ሐ. ነፍሲ-ወከፍ ኣባል፣ “ኣነ ኣብዚ ጉጅለ እንታይ ከበርክት እኽእል?” ኢሉ ኣቐዲሙ ክሓስብ።
መ. ኩሉ ኣባል ብኽብሪ ክሰምዕ፣ ብፍቕሪ ክዛረብን ንሓድሕዱ ክሃንጽን።
•ለ. ጉጅለኹም፡ ለውጢ ጸሎት የድልያ ዶ፧ እወ፡ እንተዀይኑ እንታይ ምዃኑ ኣሕጺርኩም ግለጹ (ብፍታው)
እወ፣ ኣብ ኣገባብ ጸሎትና’ውን ለውጢ የድሊ እዩ። ጉጅለና ክንጅምርን ክንዓጹን ከለና፡ ጸሎት ንገብር ኢና። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣባ ቀሺ ወይ ውሱናት ሰባት ብብዝሒ ይጽልዩ ነይሮም። ሕጂ ግን ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ኣጸላልያ ክምሃርን፣ መንፈስ ቅዱስ ንውሽጡ እንተደሪኽዎ፡ ብፍታዉ ክጽልን ዕድል ክወሃቦ ከም ዘለዎ ተዘራሪብናሉ። በዚ መንገዲ ናይ ጸሎት ልምዲ ኣብ ነፍሲ-ወከፍና ክዓቢ፣ ኩሉ ኣባል ብንቕሓት ኣብ ጸሎት ክሳተፍን ንሓድሕድና ብጸሎት ክንደጋገፍን ንደሊ።
ንዓመታ ክንርእዮም እንደሊ ለውጥታት፦
- ኩሉ ኣባል ብፍታዉ ክጽልን ኣጸላልያ ክኽእልን።
- ንዕዮ ገዛ ንምስራሕ ካብ እንራኸበሉ ግዜ ወጻኢ፣ ስሩዕ ናይ ጸሎት ርክብ ክንገብርን ንሓድሕድና ክንፋለጥን።
- ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ጾሩ ዘራግፈሉን ንሓድሕድና ብጸሎት እንድግፈሉን ጉጅለ ክንከውን።
ጉጅለ ምሕረት ዝመለስዎ
ሀ. ጉጅለኹም፡ ለውጢ ቋንቋ የድልያ ዶ፧ እወ፡ እንተዀይኑ፡ እንታይ ምዃኑ ኣሕጺርኩም ግለጹ
እወ፡ ለዉጢ ቋንቋ የድልየና እዩ። «ለዉጢ ቋንቋ» ማለት፡ ሓዲሽ ቋንቋ ምምሃር ማለት ኣይኰነን። «ለዉጢ ቋንቋ» ክበሃል ከሎ፡ ነቲ እትነብረሉ ከባብያዊ ወይ ብሄራዊ ቋንቋ (ንኣብነት ትግርኛ) ሓዲግካ ብእንግሊዝኛ ወይ ብኻልእ ቋንቋ ምዝራብ ማለት ኣይኰነን። ናይ ኣዘራርባን ኣቀራርባን ለዉጢ እዩ፦ «ለዉጢ ቋንቋ» ንወንጌል ወይ ንሓደ መልእኽቲ ንተቐባሊኡ (ንሰማዒ) ብዝስምዖን ብዝርድኦን፡ ብዝለመዶን ምስ ድሕረ-ባይታኡን ባህሉን ብዝሰማማዕ ኣገባብ፡ ነቲ ናይ ምዝራብ ቅዲ፡ ኣቀራርባ ምልዋጥ ማለት እዩ።
ኣብቲ ዘለናዮ ጉጅለ ይኹን፥ ዉሱን ሕብረት ይኹን፡ ወይ’ውን ቤተክርስቲያን፡ ንኣገልግሎት እንጥቀመሉ ቋንቋ ወይ ኣዛራርባ፡ ምስቲ እነገልግሎ ዘለና ሕዝቢ ዝሰማማዕ ናይ ምግባር ለዉጢ ክንገብር ይገብኣና። ንመልእኽቲ ወንጌል፡ ብግቡእ ንኽተረድኦምን ንኽቕበልዎን፡ ባህሎምን ኣገባብ ኣቀራርባ ዘረባን ምፍላጥ ወሳኒ እዩ። ሓዋርያ ጳውሎስ “ንኹሉ ምእንቲ ኽረብሕ ምስ ኩሉ ኸምኦም ዀንኩ” ከም ዝበሎ፡ ወንጌል ብባህላውን መንፈሳውን ኵነታቶም ኣቢልካ ምቕራብ ውጽኢታዊ እዩ። ብሓጺሩ «ለዉጢ ቋንቋ» ንሰባት ብዝርድኦምን ብዝስምዖምን ኣገባብ ብትሕትናን ብጥበብን ኣዛራርባኻ ምልዋጥ ማለት እዩ። ብፍቕሪ ምጅማር፦ ንሰባት ብግብሪ፡ ብምሕጋዝን ብምእላይን ፍቕሪ ክርስቶስ ምብራህ። ናይ ህይወት ምስክርነት ካብ ቃላት ንላዕሊ ዓቢ ሓይሊ ኣለዎ።
ብሓፈሻ፡ ንባህሎምን ሃይማኖታዊ ልምዶታቶምን ብምኽባር፡ ብትሕትናን ብጽሩይ ናይ ፍቕሪ መንፈስን ወንጌል ምካፋል እቲ ዝበለጸ መገዲ እዩ።
• ጉጅለኹም ለውጢ ኣገልግሎት የድልያ ዶ፧ እወ እንተዀይኑ፦
(ሀ) ዝሓለፈ ዓመት ዘይነበረኩም፡ ሎሚ በጺሕኩሞ ዘለኹም እንታይ ኣሎ፧
(ለ) ንዓመታ ከምዚ እዋን፡ እንታይ ለውጢ ተኣታትዩ ክትርእዩ ትደልዩ
ዝሓለፈ ዓመት ዘይነበረና ሎሚ በጺሒናዮ ዘለና!
● ዝተዋህበና ዕዮ ገዛ ክሳብ ረቡዕ ምሸት ዘይነረክበሉ ግዜ ኔሩ ሕጂ ኣምላኽ ይመስገን ሰሉስ ወዲኢና ከነረኽብ ጀሚርና ኣለና እዚ ርኡይ ለውጢ እዩ።
● ሓደሽቲ ነብሳት ተወሲኾምና።
● ብኣካል ተራኺብና ዘይንፈልጥ በዚ ኣብዚ ንገብሮ ሕብረት፡ ኣብ ጀርመን ምስ ተራኸብና ንነዊሕ ከም እንፋለጥ ኣይተጋየሽናን ስለዚ እዚ ሕብረት ከም ሓደ ስድራ ጌሩና።
● ካብ ማእከልና ዝመሃሩ ዝነበሩ ኣጐልጉሎት ጀሚሮም ከምቲ ቓሉ "ብዙሕ ፍረ ክትፈርዩ"
ዝብሎ ዝተማሃርናዩ ከነገልግለሉ ኣብቂዑና።
ንዝመጽእ ግዜና፡-
● ግዜ ሂብና ብትግሃት ብዝበለጸ ኣብ ጉጅለና ክንዓዪ መደብ ኣለና።
● ንዓመታ ኸኣ ብዝበለጸ ከነገልግል ኣብቲ ናይ ጉጅለና ዝወሃብ ዕዮ ገዛ ብዝበለጸ ክንዛረብን፡ ክንጽሕፍን እግዚኣብሄር ክረድኣና ብጸሎት ክንሕዞ ኢና።
● ኣብዚ ግሩፕ ሕጂ'የ ሓቢረ መንፈሳዊ ሂወተይ ከኣ ይዓቢ ኣለኹ፡ ንዝመጽእ ኸኣ ብዝበለጸ መንፈሳውነትና ክዓቢ ክንተሃናነጽ ከም ዝኾነ ይኣምን እየ።
● ብጸሎት ኣብዚ ጉጅለና ንዘለዉ መንፈሳውን ስጋውን ንዝሓመሙ ብጸሎት ክንዝክሮም ወላ ዕዮ ገዛ ኣይሃልወና ኩሉ ግዜ ከምቲ ወትሩ ሰኑይ ተራኺብና ንዛረበሉ ብዘይሙቁራጽ ሰኑይ ሰኑይ ክንራከብ እዚ መደብ ኣለና።