ብራእይ ዝቕለስ ክርስትና፡ ዕዮ ገዛ ቍ.5

መብርሂ

ኩለን ጉጅለታት ዕዮ ገዛ ሰሪሐን ኣረኪበን ኣለዋ። እቲ ዘረከብኩሞ፡ እንታይ ጽሒፍኩም ከም ዘረከብኩሞ ትፈልጥዎ ኢኹም። እዚ ዝመጻኩም ዘሎ ድማ እንሆ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ፈጠጠጠጥ ይብል ኣሎ።

ብዝተኻእለ መጠን SMART ዝዀነ ዕላማ ከነቐምጥ እዩ እቲ ባህጊ እሞ፡ ሓደ ዕላማ፡ SMART እንብሎ ኸኣ፡ ዘየወላውል ንጹር ምስ ዝኸውን፡ (Spesific)፣ ክምዘን፡ ክልካዕ ሓደው ክዕቀን ምስ ዝኽእል (Measurable)፣ ክጭበጥ ዝኽእል፡ ተተግባሪ ምስ ዝኸውን (Acheivable)፣ ነቲ ደሊናዮ ዘለና ዝምልከት፡ ምስኡ ዝሓብር ምስ ዝኸውን (Relevant)፣ ከምኡ'ውን ብጊዜ ዝልካዕ ምስ ዝኸውን (Time-bound) እዩ። በዚ መንጽር እዚ ለኪዕኩም፡ ኣብዚ ዝመጻኩም ዘሎ ጽሑፍ፡ ኣድላዪ ለውጢ ብምግባር፡ ነንጉጅለኹም ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ለቡ፡

ኣሪምኩም ከም ብሓድሽ እተረክብዎ ዕዮ የለን። ደጊመ እብል ኣለኹ። ንጉጅለኹም ብዝጥዕም ደኣ፡ ኣሪምኩም SMART ዝዀነ ዕላማ ይሃልኹም እምበር፡ ደጊምኩም እትሰድዎ ጽሑፍ የልቦን። ሓሙስ ከም ፍቓድ ኣምላኽ፡ ጽቡቕ መደምደምታ ክህልወና ተተስፍየ ኣለኹ። ብጸሎት ንዘኻኸር!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

ብራእይ ዝቕለስ ክርስትና፡ ዕዮ ገዛ ቍ. 4