መጽናዕቲ ትንቢት ኣንባቆም፡ ዕዮ ገዛ ቍ. 1
ዝቐረቡ ሕቶታት
ሀ፡ ኣንባቆም መን'ዩ፥ መኣስ ዘመንን ኣበይን ከም ዝነበረኸ ይእመነሉ፧
ለ፡ ኩነታት እቲ ኣንባቆም ዝነበረሉ ዘመን ብሓጺሩ፡ ከመይ ይመስል ነበረ፧
ጉጅለ ምሕረት ዝመለስዎ
ሀ፡ ኣንባቆም መን'ዩ፥ መኣስ ዘመንን ኣበይን ከም ዝነበረኸ ይእመነሉ፧
ንጹር መንነቱ እኳ ክንፈልጥ እንተዘይከኣልና፡ ብዙሓት ግና ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝነብር በዓል ሞያ ነብዪ ምንባሩ ከም ዝኣምኑ ይንገር።
* ነቢዪ ኣንባቆም፡ ኣብ ይሁዳ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ይነብር ኔሩ። ኣብ ከባቢ 607 ቅ.ል.ክ. ይንበ ከም ዝነበረ ኸኣ ይንገረሉ። ስለዚ እምበኣር፡ ትንቢት ኣንባቆም፡ ካብ 612 ቅ.ል.ክ. ኣትሒዙ፡ ክሳዕ እታ ባቢሎን ንይሁዳ ዝተቘጻጸርዋ 587 ቅ.ል.ክ. ኣብዘን ዕስራን ሓሙሽተን (25ተን) ዓመታት፡ ከም ዝተጻሕፈ ክንርዳእ ንኽእል ኢና።
* ኣንባቆም ነዚ ትንቢት እዚ ኣብ ዝተነበየሉ፡ ወዲ ኽንደይ ዓመት ምንባሩ፡ ብርግጽ ኣይንፈልጥን ኢና። እንተኾነ ግና፡ ኣብ ዘመነ እቲ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ ዘተባብዐ፡ ንጉስ ዮስያስ (640-609 ቅ.ል.ክ.) ምንባሩ ስለ እንፈልጥ፡ ነቲ ኣብ ዘመን ዮስያስ ዝነበረ ትንሳኤ ህዝቢ ኣምላኽ ተሳቲፍዎ'ዩ። ህዝቢ ይሁዳ ነዚ ምንቕቓሕ ሓዲጉ፡ ናብ ጣኦትን ሓጢኣትን ክወድቕ ከሎ፡ እቲ ክስዕብ ዝኽእል ሳዕቤን እንታይ ምንባሩ’ውን ይፈልጥ ነበረ።
ለ፡ ኩነታት እቲ ኣንባቆም ዝነበረሉ ዘመን ብሓጺሩ፡ ከመይ ይመስል ነበረ፧
ባዕሉ ነቢይ ኣንባቆም ገሊጽዎ ከም ዘሎ፡ እቲ ዘመን እቲ፡ ኣበሳ፡ ሕሰም፡ ምዝራፍን ዓመጽን፡ ባእስን ክርክርን ዝነበሮ ዘመን ነበረ። ብተወሳኺ፡ ሕጊ ደኺሙ፡ ፍትሒ’ውን ከቶ ኣይወጸን ነበረ’ሞ፡ እቲ ረሲእ ነቲ ጻድቕ ከቢብዎ፡ ስለዚ ኸኣ ፍርዲ ቐኒኑ ይወጽእ ምንባሩ ተነጊሩና’ሎ፡ (ኣንባቆም 1:3–4)። ነብዪ ኣንባቆም፡ በቲ ህዝቢ እግዚኣብሄር ዝገብርዎ ዝነበሩ ሓጢኣት እናተሳቐየ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቢ ኣምላኽ በቶም ንእግዚኣብሄር ዘየገልግሉ ከለዳውያን ክቐጽዖም ምዃኑ ብዝፈለጠ ድማ ተመሊሱ፡ ስለምንታይ እናበለ ምስ እግዚኣብሄር ዝከራኸረሉ ዝነበረ ዘመን ምንባሩ፡ ኣብ፡ ኣንባቆም 1፡5-11 ንረኽቦ።
ጉጅለ ሰላም ዝመለስዎ
ሀ፡ ኣንባቆም መን'ዩ፥ መኣስ ዘመንን ኣበይን ከም ዝነበረኸ ይእመነሉ፧
ኣንባቆም፡ ሓደ ካብቶም ዓሰርተው ክልተ ነኣሽቱ ነብያት (Minor prophets) እዩ። ነብዪ ምንባሩ፡ ኣብ ኣንባቆም 1፥1ን 3፥1ን የረድእ። “ኣንባቆም” ዝብል ስም፡ ካብቲ ብእብራይስጢ "ሓባቕ" ዝብል ቃል ዝመጸ ምዃኑን፡ ትርጉሙ ኸኣ “ምሕቋፍ” ወይ “ምጥባቕ” ማለት ምዃኑ ይንገረና። ስሙ ነቲ መንፈሳዊ ባህርዩ—ንህዝቡ ብጸሎት ምሕላይን ኣብ ተስፋ ኣምላኽ ብእምነት ምጽናዕን—ዘንጸባርቕ ክኸውን ይኽእል።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ወለዶኡን ውልቃዊ ታሪኹን ኣይሕብርን እዩ። ኣብ ትውፊታት ግና ኣቦኡ ናኮር (Nahor)፡ ኣዲኡ ድማ ሬያ (Rhea) ከም ዝነበሩ ይጥቀስ። “Bel and the Dragon” ኣብ ዝብል ጽሑፍ ከኣ ኣብ 1፥33 ኣንባቆም “ወዲ ኢያሱ፡ ካብ ዓሌት ሌዊ” ብምባል ይገልጾ። ካልኦት ትውፊታት ግና፡ ካብ ነገደ ስምኦን ከም ዝኾነ ዝገልጹ’ውን ኣለዉ። ሓደ ይሁዳዊ ሚድራሽ (ትውፊተ ኣይሁድ) ከም ዝገልጾ ድማ፡ ኣንባቆም፡ ወዲ እታ ኤልሳእ ንሹናማዊት ሰበይቲ "ንዓመታ ኸምዛ ጊዜ እዚኣ ወዲ ኽትሐቚፊ ኢኺ"፡ ዝበላ እሞ፡ ምስ ሞተ ኸኣ ዘተንስኦን፡ ምስኡ ብምትሕሓዝ ይገልጾ፡ (2 ነገስት 4፥16–37)።
እቲ “Bel and the Dragon” ዝብሃል ጽሑፍ፡ ኣብ 33–39፤ ቅዱስ ሚካኤል ንኣንባቆም ናብ ባቢሎን ወሲዱ፡ ንዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ከሎ መግቢ ከም ዝሃቦ ይነግር። ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣንባቆም 3፥19 “ንመሪጌታ ብመሰንቆ” ዝብል መግለጺ ስለ ዘሎ፡ ኣንባቆም ኣብ ኣገልግሎት ቤተ-መቕደስ ዘገልግል ሌዋዊ ወይ መዘምር ኔሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
ኣብ ደቡባዊ መንግስቲ ይሁዳ፣ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌም፣ ከም ዝነበረ ይእመነሉ። ብዙሓት ምሁራት ኣገልግሎቱ ኣብ መወዳእታ 7ይ ክፍለ ዘመን ቅ.ል.ክ.፣ ብፍላይ ኣብ 609–597 ቅ.ል.ክ. ኣብ ዘመነ ንጉስ ዮያቂም፣ ከም ዝነበረ ይእመኑ። እዚ ድሕሪ ሞት ንጉስ ዮስያስን ቅድሚ ዓቢ ምርኮ ባቢሎንን ዝነበረ እዋን እዩ። ኣንባቆም ኣብ ትንቢቱ፡ ኣምላኽ ንከለዳውያን፣ ንይሁዳ ክቐጽዑ ከም ዘተንስኦም ይገልጽ’ዩ፡ (ኣን 1፥5–11)።
ለ፡ ኩነታት እቲ ኣንባቆም ዝነበረሉ ዘመን ብሓጺሩ፡ ከመይ ይመስል ነበረ፧
እቲ ዘመን፡ ድሕሪ ሞት ንጉስ ዮስያስ ብ609 ቅ.ል.ክ. ዝጀመረ ኰይኑ፡ ኣብ ይሁዳ መንፈሳዊን ማሕበራዊን ውድቀት ዝተራእየሉ እዋን ነበረ። ነቲ ኣብ ግዜ ዮስያስ ዝጀመረ ምምላስን መንፈሳዊ ምንቕቓሕን፡ እቶም ድሕሪ ዮስያስ ዝመጹ ግና ኣይቀጸልዎን፤ እቲ ህዝቢ ኸኣ ናብ ኣምልኾ ጣኦትን ናብ ሞራላዊ ብልሽውናን ተመልሰ። ኣብ ዘመነ ዮያቂም ድማ ዓመጽ፣ ምጥዋይ ፍትሒ፣ ግፍዒ ንድኻታትን ምግሃስ ሕጊን በዝሐ፡ (ኣን. 1፥2–4፤ ኤር. 22፥13–17)። ኣንባቆም “ክሳዕ መዓስ እየ ዝጠርዕ፧” ብምባል ናብ ኣምላኽ ብሓዘን ዝጸለዩሉ ዘመን ከኣ ነበረ፡ (ኣን. 1፥2–4)።
ኣብ ደገ ኸኣ፡ ኣሶር እናደኸመት፡ ባቢሎን ድማ እናበርትዐት ዝመጸትሉ ዘመን’ዩ ዝነበረ። ባቢሎናውያን ብ612 ቅ.ል.ክ. ንነኔዌ ኣፍረሱ፡ ብ605 ቅ.ል.ክ. ድማ ኣብ ውግእ ካርኬሚሽ ንግብጺ ስዒሮም፡ ዓለም-ለኻዊ ዓርሞሽሽ ሓይሊ ኮኑ (ዳን. 1፥1፤ ኤር. 46፥2)። ስለዚ እምበኣር ይሁዳ፡ ኣብ ውሽጢ ብዓመጽን ብልሽውናን፡ ካብ ደገ ድማ ብሓይሊ ባቢሎን እትርበሸሉ ዝነበረት ዘመን እዩ ዝነበረ።
ኣንባቆም ፍርዲ ኣምላኽ ብባቢሎናውያን ከም ዝፍጸም ምስ ተነግሮ፡ ዝዓበየ ሕቶ "ከመይ ኢሉ ጻድቕን ቅዱስን ኣምላኽ ንክፉኣት ሰባት ክፈርድ ንሓደ ካብኦም ዝኸፍአ ህዝቢ ክጥቀም ይኽእል፧ ብምባል ኣቕረበ፡ (ኣን. 1፥5–17)። ኣምላኽ ድማ ንኹሉ ገባር-ክፉእ ከም ዝፈርዶን፡ እቲ ጻድቕ ግና ብእምነት ከም ዝነብርን ገለጸሉ (ኣን. 2፥4)። በዚ ድማ ኣንባቆም ካብ ሕቶን ጭንቀትን ናብ እምነትን ኣብ ኩሉ ኩነታት ኣብ ኣምላኽ ምውካልን ዝተሰጋገረ ኣብነታዊ ነቢይ ከም ዝኾነ ንርዳእ።
ጉጅለ እምነት ዝመለስዎ
ሀ. ኣንባቆም መን እዩ፡ መዓስ ዘመንን ኣበይን ከም ዝነበረ ይእመነሉ፧
ኣብ ቀዳማይ ትርጉም ቅዱስ መጽሓፍ፡ ”ኣንባቆም”፣ ኣብ ካልኣይ ትርጉም፡ ”እንባቆም”፣ ኣብ ኣምሓርኛ፡ ”ዕንባቆም” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግእዝ ከኣ ”እንባቆም” ብዝብል ተጽሒፉ’ሎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዕብራይስይጥ חֲבַקּוּק (Havakuk / ሓቫኩክ) ከም ዝብሃልን ትርጉሙ ድማ "ምሕቋፍ" ማለት ምዃኑን ይንገረና።
ኣንባቆም ሓደ ካብቶም ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝርከቡ ነብያት ኰይኑ፡ እታ ብስሙ ተሰምያ ዘላ መጽሓፍ ከኣ ኣብ መንጎ 612-598 ኣብ ዝነበረ ጊዜ፡ ኣብ 603 ቅ.ል.ክ ከይኰነ ኣይተርፍን ከም ዝተጻሕፈት ይንገር። ብትውፊት ከም ዝዝረብ፡ ብምኽንያት እቲ ምስ ኣምላኽ እተኸራኸሮን፡ እቲ ንኣምላኽ ዝነበሮ ፍቕርን፡ ንዕኡ ንምንጽብራቕ’ዩ፡ እቲ ምሕቋፍ ዝትርጉሙ፡ ”ኣንባቆም” ዝሰመይዎ ይብሉ፡ ይብሃል።
ኣንባቆም ካብ ቤት ክህነት ክነሱ ብዛዕባኡ ሒደት ጥራይ እዩ ዚፍለጥ። ኣብ ይሁዳ፡ ይነብር ከም ዝነበረ፡ ጠባዪ ኣኽብሮት ዝመልኦ በሊሕን ምዕቡል ኣተሓሳስባን ዝነበሮ ምንባሩ’ውን ይጥቐስ።
ኣብ ኣን. 1:5-6 በቲ ከለዳውያንን ባቢሎናውያንን በርቲዖም ናብ ኢየሩሳሌም ዝመጹሉ ዘበን ተገሊጹ ስለ ዘሎ፡ ኣንባቆም ብዘበን ነብዪ ኤርምያስ፡ ይንበ ከም ዝነበረ፡ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ክፍኣት ይሁዳ እናገደደ ምስ ከደ፡ በቲ ዮያቂም ነጊሱሉ ዝነበረ ዓመታት (609- 597 ቅ. ል. ክ.)፡ ይንበ ኸም ዝነበረ ኸኣ ይመስል። ኣንባቆም፡ ነቲ ኸፍኣት እናረኣየ፡ እግዚኣብሄር ከም ቅንዕናኡ ዘይፈርድ መሲልዎ መመሊሱ ይልምን። እቲ ዝረኸቦ መልሲ ግና፡ እግዚኣብሄር ንኹሉ ከከም ግብሩ ከም ዝፈርዶ፡ ጻድቕ ግና ብእምነቱ ከም ዝነብር፡ ገለጸሉ፡ (ኣን. 2 14)።
”መጽሓፍ ቅዱስካ ፍለጦ” ኣብ ዝብል መጽሓፍ፡ ኣንባቆም ንኹነታቱ ዝገልጽ ብዝተፈላለየ ቅጽል ከም ዝስመ ተሓቢሩ’ሎ።
■ "ካብ ነብያት እቲ ብነጻነት ሓሳቡ ዝገልጽ ነብዪ- ወይ፡ ነጻ ሓሳባይ
■ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ (ሮሜ 1:17ን ገላትያ 3:11ን) ጻድቕ ብእምነቱ ከም ዝነብር ዝጠቐሶ፡ ደሓር’ውን እኒ ማርቲን ሉተር ዝኣመሰሉ፡ ነዚ ጥቕሲ ሒዞም ስለ ዝተላዕሉ፡ ንኣንባቆም፡ ”ንተሓድሶስ ኣቦ-ሓጎኣ" (The grandfather of the Reformation) ቢሎም ከም ዝጠቕስዎ
■ ካብ ቅዲ ኣጸሓሕፋኡን ርቀት ኣተሓሳስባኡን ብምብጋስ "ኣንባቆም እቲ ፈላስፋ'' ቢሎም ዝሰምይዎ ከም ዘለዉ’ውን ኣብቲ መጽሓፍ ተጠቒሱ’ሎ።
ለ. ኩነታት እቲ ኣንባቆም ዝነበረሉ ዘመን ብሓጺሩ፡ ከመይ ይመስል ነበረ፧
ኣብ ቀዳማይን ሳልሳይን ምዕራፍ ከም እንርእዮ፡ እቲ ዘመን እቲ፡ ብሓደ መዳዩ፡ ኣበሳ፡ ሕሰም፡ ምዝራፍን ዓመጽን፡ ባእስን ክርክርን ዝነበሮ ዘመን። ብተወሳኺ፡ ሕጊ ደኺሙ፡ ፍትሒ’ውን ከቶ ኣይወጸን ነበረ’ሞ፡ እቲ ረሲእ ነቲ ጻድቕ ከቢብዎ፡ ስለዚ ኸኣ ፍርዲ ቐኒኑ ዝወጽኣሉ ዝነበረ ዘመን ምንባሩ ተነጊሩና’ሎ፡ (ኣንባቆም 1:3–4)።
በቲ ሓደ መዳይ፡ ኣብ ሳልሳይ ምዕራፍ ከም እንርእዮ ድማ፡ ኦም በለስ ዘይዕምብበሉ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ፍረ ዘይህበሉ፣ ፍረ ኣውሊዕ ዝጠልመሉ፡ ግርሁ ምግቢ ዘይህቡሉ፡ ኣባጊዕ ካብ ደምበ ዝጠፍኣሉ፣ ኣሓ’ውን ኣብ ደምቤታት ዝሰኣናሉ፡ ጽንኩር ጊዜ ምንባሩ እዩ። (ኣን 3:17)።
ጉጅለ ፍቕሪ ዝመለስዎ
ሀ. ኣንባቆም መን እዩ፡ መዓስ ዘመንን ኣበይን ከም ዝነበረ ይእመነሉ፧
ኣንባቆም ሐደ ካብቶም ደቂቀ ነብያት (ነኣሽቱ ነብያት) ዝነበረ ኰይኑ፡ ትርጉም ስሙ ድማ፡ ”ሓቘፈ” ወይ ”ጠመረ” ዝብል ትርጉም ዘሎዎ እዩ። ድሕሪ ባይታኡ ይዅን ንመንነቱ ዝምልከት ዝወሃብ መግለጺ፡ ግምታዊ ደኣ እምበር፡ ርጉጽ ኣይኰነን። ኣብ መጽሓፉ’ውን፡ ብቐጥታ ናብ መልእኽቱ እዩ ዝወስደና እምበር፡ ብዛዕባኡ ዝኾነ መብርሂ ኣይህበናን እዩ።
ኣንባቆም ኣብ ዘመን ነብይ ሕዝቅኤል፡ ኤርምያስን ዳኒኤልን ከባቢ 606 ቅ.ል.ክ ከም ዝነበረ ይእመን። ብመሰረት እቶም ኣብ እንባቆም 3፡1 ከምኡ’ውን 3፡9ን ዘለዉ ናይ መዝሙር ቃላት፡ እንባቆም፡ ሓደ ካብቶም ብመዝሙር ዘገልግሉ ዝነበሩ ሌዋውያን ከም ዝነበረ ክግመት ይከኣል።
ገለ መጽናዕትታት ድማ እቲ መጽሓፍ ከባቢ 620-600 ቅ. ል. ክ ከም ዝተጻሕፈ ይግምቱ። ተወሳኺ እውን አብ ይሁዳ ወይ ኣብ ኢየሩሳሌም ከም ዝነበረ ይግመት።
ለ) ኵነታት እቲ ኣንባቆም ዝነበረሉ ዘመንን ብሓጺሩ ከመይ ይመስል ነበረ፧
ብመሰረት መጽሓፈ ኣንባቆም ኣብ ይሁዳ ግፍዕን ዓመጽን ሰፊሑ፣ ሕግን ፍትሕን ተሳዒሩ፣ ከምኡ’ውን ብስስዐ፣ ምፍሳስ ደምን ጭቆናን ዝመልአ፡ ብልሽው ኣሰራርሓ መንግስቲ ይርከብ ነበረ፡ (ኣን 1:2–4፣ 2:6–12)።
ብኣንጻሩ፣ ንግስነት ባቢሎን ብወራርን ብዓመጽን ዝፍለጥ ገዛኢ ሓይሊ ነበረ። እዚ መንግስቲ፡ ብትዕቢት፣ ብስስዐን ብዘመተን ዝተመለአ ዀይኑ፣ ንኻልኦት ብምውራድን ብስኽራንን ብምምላኽ ጣኦትን ዝተሓላለኸ ጥፍኣት ድማ ይፍጽም ምንባሩን ስለ እንርዳእ፡ እቲ ዘመን ነዚ ይመስል ምንባሩ ክንድምድም ንኽእል፡ (ኣን 1:6–10፣ 2:4–19)።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር አሜን።