መጽናዕቲ ትንቢት ኣንባቆም፡ ዕዮ ገዛ ቍ.2

ዝቐረቡ ሕቶታት

1.       መጽሓፍ ትንቢት ኣንባቆም ምስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከቡ ካልኦት መጽሓፍቲ፡ ምስ ኣየኖት ይመሳሰል፧

2.      ኣብ ዘመን ነብዪ ኣንባቆም ዝነበሩ ካልኦት ነብያት እኒመን እዮም፧ ኣብ ዘመኑ ከም ዝነበሩ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

ጉጅለ እምነት ዝመለስዎ

1.       መጽሓፍ ትንቢት ኣንባቆም ምስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከቡ ካልኦት መጽሓፍቲ፡ ምስ ኣየኖት ይመሳሰል፧

ጉጅለና ነቲ ምምስሳል፡ ብዝተፈላለየ መዳይ፡ ክንጥምቶ ኢና መሪጽና። ብመንጽር ዘመን ክንርእዮ ከለና፡ ሊቃውንት ከም ዝሕብሩና፡ መጽሓፍ ኣንባቆም ምስ መጻሕፍቲ ኤርምያስ፣ ድጉዓ ኤርምያስ፣ ጸፎንያስ፣ ናሆም፣ ዳንኤል፣ ህዝቅኤል ከምኡ'ውን ምስ 2 ነገስትን 2 ዜና መዋእልን ኣብ ሓደ ናይ ታሪኽ ሰንሰለትን ዘመንን ዝምደቡ እዮም።

ብመንጽር፡ ጥቕሳዊ ንጽጽር ክርአ ከሎ ድማ፡ ኣብተን ሰለስተ ምዕራፋት መጽሓፍ ትንቢት ኣንባቆም ዘለዋ ትሕዝቶታት፡ ምስ  ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከቡ ካልኦት ጥቕስታት ሕድ-ሕድ ክነጻጸር ከሎ፡ ምስ 1,710 ካልኦት ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝመሳሰል፡ biblicalconnections.org ዝተሰምየ መርበብ ይሕብር። እቲ ዝበዝሐ ምምስሳል ምስ መዝሙር ዳዊት ዝርከቡ ጥቕስታት ኰይኑ፡ ጥቕስታት ትንቢት ኣንባቆም ኣብ መዝሙር ዳዊት ምስ ዝርከቡ ካልኦት ጥቕስታት 292 ጊዜ ብምግጣም ዝለዓለ ወይ ቀዳማይ ደረጃ ይሕዝ።

ብመንጽር ትሕዝቶ ክንምልከቶ ከለና ድማ፡ ኣብ ሕቶ ”ፍትሒ ኣምላኽን ስቓይን” ምስ መጽሓፍ እዮብ ዘመሳስሎ፡ ክልቲኦም እዮብን ኣንባቆምን ምስ ኣምላኽ ብጸሎት ተማጒቶም፣ መወዳእታኡ ንልዑላውነት ኣምላኽ ክግዝኡ ንርኢ። ምስ መዝሙር ዳዊት ድማ፡ ትንቢት ኣንባቆም ምዕራፍ 3፡ ከም መዝሙር ዳዊት ናይ ሙዚቃ መምርሒታትን "ሴላ" ዝብል ቃልን ዝሓዘት ብምዃና፡ ብተወሳኺ’ውን ብምምራር ጀሚራ ብምስጋና እትዛዘም ምዃና የመሳስለን። ምስ መጽሓፍ ትንቢት ኤርምያስ፡ ብዛዕባ ውድቀት ስነ ምግባርን ብዝሒ ዓመጽን ሓጢኣትን ይሁዳ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ፍርዲ ባቢሎናውያን ድማ ብምንባዮም ይመሳሰሉ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድማ፡ እታ ኣብ ትንቢት ኣንባቆም 2:4 ዘላ "ጻድቕ ግና ብእምነቱ ይነብር" እትብል ጥቕሲ፣ ኣብ ሮሜ 1:17 ኣብ ገላትያ 3:11 ከምኡ’ውን ኣብ እብራውያን 10:38 ተጠቒሳ ንረኽባ።

2.      ኣብ ዘመን ነብዪ ኣንባቆም ዝነበሩ ካልኦት ነብያት እኒመን እዮም፧ ኣብ ዘመኑ ከም ዝነበሩ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

ኣብ ዘመን ነቢይ እንባቆም (ካብ መወዳእታ 7ይ ክፍለ-ዘመን ክሳብ መጀመርታ 6ይ ክፍለ-ዘመን ቅ.ል.ክ) ዝነበሩ ቀንዲ ነብያት ኤርምያስ፡ ጸፎንያስ፡ ናሆም፣ ከምኡ'ውን ኣብ መጀመርታ እዋን ምርኮ ባቢሎን ዘገልገሉ ዳንኤልን ህዝቅኤልን እዮም። ኣብ ርእሲኡ'ውን ነቢይት ሑልዳን ነቢይ ኡርያን ኣብቲ እዋን ዝነበሩ እዮም።

እዞም ነብያት ኣብ ሓደ ዘመን ከም ዝነበሩ እነረጋግጸሉ መርትዖታት፡

  •       ኤርምያስ፦ "ኣብ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት መንግስቲ ኢዮስያስ... ክሳዕ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት ጼዴቅያስ" (ማለት ካብ 627 ክሳዕ 586 ቅ.ል.ክ) ከም ዝተንበየ ይገልጽ (ኤርምያስ 1:1-3)።

  •       ጸፎንያስ፦ "ብዘመን ኢዮስያስ ወዲ ኣሞን ንጉስ ይሁዳ..." ዝመጾ ቃል ምዃኑ ብግልጺ የቐምጥ (ጸፎንያስ 1:1)።

  •       ኣንባቆም ስም ንጉስ እኳ እንተዘይጠቐሰ፣ መልእኽቱ ግን ኣብ መንጎ እዞም ነገስታት ዝተፈጸመ እዩ።

  •       ኣንባቆም፦ ኣምላኽ ንከለዳውያን (ባቢሎናውያን) ከተንስኦም ምዃኑ ሓበረ፡ (ኣን 1:6)። እዚ ታሪኻዊ ፍጻመ እዚ፣ ባቢሎን ንኣሶር ስዒራ ዓባይ ሃጸያዊት መንግሥቲ ኮይና ዝተላዕለትሉ ናይ 612–605 ቅ.ል.ክ እዋን ምዃኑ የመልክት።

  •       ናሆም፦ ናሆም ብዛዕባ ምውዳቕ እታ ርእሰ ከተማ ኣሶር ዝዀነት፡ ነነዌ ተነበየ (ናሆም 3)። እዚ ፍጻመ እዚ ኸኣ ብ612 ቅ.ል.ክ ስለ ዝተፈጸመ፣ ዘመን ናሆም ምስ ዘመን ኣንባቆም ተመሳሳሊ ምዃኑ የረጋግጽ።

ጉጅለ ፍቕሪ ዝመለስዎ 

1.       መጽሓፍ ትንቢት ኣንባቆም ምስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከቡ ካልኦት መጽሓፍቲ፡ ምስ ኣየኖት ይመሳሰል፧ 

ምስ መጽሓፍ ትንቢተ ኣንባቆም ዝመሳሰል ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ፣ ብዙሕ እኳ እንተኾነ፣ ገለ ካብኡ ንምጥቃስ ግና፣ መዝሙር ዳዊት፣ 13፣ 37፣ 73፣ መጽሓፍ ኢዮብ፡ 3፣ን 21፣ ትንቢት ኤርምያስ 12፣ን 31፣ (2ይ መጽሓፍ እዝራ) ን ምጥቃስ ይከኣል። አብዚ ሓሳባት እዚ ቀንዲ ዘመሳስሎም፣ ንምንታይ እዩ ንጻድቕ መከራ ዝረኽቦ፣ እግዚኣብሄር ከ ስለ ምንታይ ስቕ ይብል፣ ንምንታይ ንሓጥኣን ዝሰልጦም፣ ጻድቅ ብሓጥእ ክጭቈን እናረኣየ፡ እግዚኣብሄር ስለምንታይ’ዩ ስቕ ዝብል፣ ወዘተ.. ዝብሉ ሓሳባትን ሕቶታትን ይርከብዎም።

ንኣብነት አብ ኤር. 12፣ “ዎ ጐይታይ፡ እንተ ተማጐትኩኻ እኳ፡ ንስኻስ ጻድቕ ኢኻ፡ ምስናይ እዚ’ውን ብዛዕባ ፍርዲ ኽዛረበካ እደሊ ኣሎኹ፡ ስለምንታይ እዩ መገዲ ረሲኣን ዚሰልጥ? ስለምንታይከ ዂሎም ጠለምትስ ዕድል ዚዀነሎም፧ ተኸልካዮም እሞ ሱር ሰደዱ፡ ዐበዩ ፍረ’ውን ፈረዩ። ንስኻ ኣብ ኣፎም ቀረባ ኢኻ፡ ካብ ኰላሊቶም ግና ርሑቕ ኢኻ፣” ይብል።

ልክዕ ከምቲ እንባቆም “ስለምንታይ ኣበሳ እተርእየኒ፣ ንስኻስ ሕሰም እትጥምት∶ ምዝራፍን ዓመጽን ኣብ ቅድመይ እዩ፣ ባእስን ክርክርን ይለዐል ኣሎ” ዝበሎ ማለት’ዩ።

አብ መዝ፣ 73፣ ውን፣  «ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ይፈልጥ፧ ልዑልከ ፍልጠትዶ ኣለዎ እዩ፧ ይብሉ ኣለዉ። እንሆ፣ ረሲኣን እዚኣቶም እዮም፣ ኵሉ ጊዜ ሀዲኦም፣ ሃብቲ ይውስኹ ኣለዉ” እናበለ መረርኡ የስምዕ።

ስለዚ አብቲ ቀዳማይ ክፋሎም ብኸምዚ ዝበለ ሞጎተ ምስ እግዚኣብሄር ምምጓቶም የመሳስሎም። አብቲ ካልአይ ክፋሎም ድማ፣ ከምቲ ኣንባቆም ሞጎትኡ ምስ ወደአ አብ መሐለዊኡ ኮይኑ እንታይ ከም ዝኸውን ክርኢ ዝጽበ ዝነበረ፣ ዘማራይ ኣሳፍ’ውን ኣብ መዝሙር ዳዊት ከምዚ ኢሉ፣ “ነዚ ኸስተውዕል ምስ ሐሰብኩ፣ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዝአቱ፣ መወዳእታኦም’ውን ክሳዕ ዘስተብህልሲ፣ ኣዝዩ ይሽግረኒ ነበረ።”

ድሕሪ እቲ እግዚአብሄር ስለምንታይ ክምኡ ከም ዝኾነ ምስ ገለጸሎም፣  ክመልሶም ምዃኑን’ውን ምስ ነገሮምን ግና አብ መሐለዊኦም ኰይኖም፡ ነቲ ዝገለጸሎም ብእምነት ክጽበዩን ንርኢ። አብ መወዳእታ ሓሳባቶም ድማ እግዚኣብሄር ስለ ምንታይ ከምኡ ከም ዝገበረ፣ መወዳእታ ረሲአን ጥፍኣት ከም ዝኾነ፣ ንሱ’ውን ቀልጢፉ ከም ዝኸውን ምስ አስተውዓሉ፣ ናብ ንሰሓን፣ ምስጋናን፣ ምንጋር ዕብየት አምላኽን ኢዮም ዝኣትዉ።

ኣሳፍ ንኣብነት ኣብ መዝሙር ዳዊት፦ “ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን ኣሎኒ፧ ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ፣ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን።  ስጋይን ልበይን እንተ ማህመነ እኳ፣ ኣምላኽ ንዘለአለም ከውሒ ልበይን ክፍለይን እዩ። እንሆ፣ ካባኻ ዚርሕቁ ኺጠፍኡ እዮም እሞ፣ ካባኻ ብምንዝርና ዚዐልዉ ዘበሉ ተጽንቶም። ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ፣ ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኸዘንቱስ፣ እሙንቶይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ገበርኩ» ብምባል ይዝምር (መዝ 73)።

ኣቦና ኢዮብ’ውን፡ “ብሰማዒት እዝኒ ብዛዕባኻ ሰሚዐ ኔረ፡ ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ» ብምባል፣ እቲ መከራኡ ንኣምላኽ ክርእዮ ከም ዝደገፎ ንርኢ።

2.      ኣብ ዘመን ነብዪ ኣንባቆም ዝነበሩ ካልኦት ነብያት እኒመን እዮም፧ ኣብ ዘመኑ ከም ዝነበሩ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

ይሁዳ ኣብ ትሕቲ ስግኣት ባቢሎን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ምስ እንባቆም ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ትንቢት እዋን ዝነበሩ ነብያት፦ 

1) ​ኤርምያስ፦ ኣብ ግዜ ንጉስ ዮስያስ (627 ቅ.ል.ክ) ይንበ ዚነበረ ኰይኑ፡ ምስ ነብዪ እንባቆም ብዛዕባ ናይ ይሁዳ ሞራላዊ ውድቀትን ናይ ባቢሎን ስግኣትን ሓደ ዓይነት መልእኽቲ ኣለዎ።( ኤር። 1፣1_3፣ እን. 1፣6) 

2) ​ሶፎንያስ፦ ኣብ ግዜ ንጉስ ዮስያስ (640–609 ቅ.ል.ክ) ዘገልገለ ኮይኑ፡(ሶፎ 1፥1) ብዛዕባ ማሕበራዊ ኣበሳ፡ ኣምልኾ ጣኦትን ዝመጽእ ዘሎ ፍርድን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣሕሊፉ። 

3) ​ናሆም፦ ኣብ ከባቢ ውድቀት ነነዌ (612 ቅ.ል.ክ) ዚተነበየ ኮይኑ፡ ምስቲ እንባቆም ዚጠቐሶ ናይ ኣሶር ውድቀት ዚመሳሰል ትሕዝቶ ኣለዎ። 

4) ​ዳንኤልን ህዝቅኤልን፦ ነቲ እንባቆም ኣቐዲሙ ዝረኣዮ ምርኮ ባቢሎን፡ ቅድሚኡን  ድሕሪኡን (ናይቲ ምርኮ)   ብኣካል ዚነበሩ ነብያት እዮም። 

ወስብሓት ለእግዚአብሔር! 

ጉጅለ ሰላም ዝመለስዎ

1.       መጽሓፍ ትንቢት ኣንባቆም ምስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከቡ ካልኦት መጽሓፍቲ፡ ምስ ኣየኖት ይመሳሰል፧

ትንቢት ኣንባቆም፡ ኣምላኽ ንዓመጽ ከም ዝጸልእን ዝቐጽዕን፡ ኣብ እዋን መከራ ብእምነት ምጽናዕ፡ ኣብ ፍትሒ ኣምላኽ ምትእምማንን ንልዕልናኡ ምቕባልን ስለ ዝምህር (ኣንባቆም 2፡4፤ 3፡17-19)፡ ምስ ብዙሓት መጻሕፍቲ ይመሳሰል እዩ። ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ፦

➤ምስ ትንቢታት ኤርምያስን ጸፎንያስን፦ ብዛዕባ ሓጢኣት፡ ዓመጽን ዝመጽእ ፍርዲ ኣምላኽን ብምጽሓፎም ይመሳሰሉ (ኣንባቆም 1፡2-11፤ ኤርምያስ 25፡1-11፤ ጸፎንያስ 1፡4-18)። ኣንባቆምን ኤርምያስን ኣምላኽ ንባቢሎን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ከም መሳርሒ ፍርዲ ከም ዝጥቀመላ ይገልጹ (ኣንባቆም 1፡5-11፤ ኤርምያስ 27፡6-8)።

➤ምስ ትንቢት ናሆም፦ ኣምላኽ ንእኩያት ሓይልታት ከም ዝፈርድ ይገልጹ። ናሆም ንነነዌ፡ ኣንባቆም ድማ ንባቢሎን ብዝፈጸምዎ ዓመጽ ከም ዝፍረዱ ይገልጹ (ናሆም 3፡1-7፤ ኣንባቆም 2፡6-17)።

➤ምስ ዳንኤልን ህዝቅኤልን፦ ብዛዕባ ሓይሊ ባቢሎን፡ ምርኮ ይሁዳን ልዕልና ኣምላኽን ስለ ዝምህሩ ይተኣሳሰሩ (ዳንኤል 1፡1-6፤ 2፡20-22፤ ህዝቅኤል 1፡1-3፤ 36፡24-28)።

➤ምስ እዮብን መዝሙር ዳዊትን፦ ኣንባቆምን እዮብን ብዛዕባ መከራን ፍትሒ ኣምላኽን ሕቶታት ብምሕታቶም፡ ኣምላኽ ስለ ዝተዛረቦምን ኣብ መወዳእታ ንልዕልናኡ ብምቕባሎምን ይመሳሰሉ (ኣንባቆም 1፡2-4፤ 3፡17-19፤ እዮብ 38፡1-4፤ 42፡1-6)። ምስ መዝሙር ዳዊት ድማ ብጸሎት፡ ውዳሴን ኣብ ኣምላኽ ብምዕቋብን ይመሳሰል (ኣንባቆም 3፡1-19፤ መዝሙር 46፡1-3)።

➤ምስ ትንቢታት ኢሳይያስ፡ ሚክያስ፡ ሆሴእን ኣሞጽን፦ እዞም ነብያት እውን ብዛዕባ ሓጢኣት፡ ጭቆናን ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ድኻታትን ይዛረቡ (ኢሳይያስ 1፡16-23፤ ሚክያስ 2፡1-2፤ ሆሴእ 4፡1-3፤ ኣሞጽ 5፡11-15)።

➤ምስ ሓድሽ ኪዳን፦ እቲ ኣብ ኣንባቆም 2፡4 ዘሎ “ጻድቕ ብእምነቱ ኪነብር እዩ” ዝብል ቃል ኣምላኽ፡ ኣብ ሮሜ፡ ገላትያን እብራውያንን ተጠቒሱ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ መከራ እውን ብእምነት ክንነብርን ኣብ ተስፋ ኣምላኽ ክንጸንዕን ስለ ዘረድእ ይመሳሰል (ሮሜ 1፡16-17፤ ገላትያ 3፡11፤ እብራውያን 10፡35-38)።

➤ምስ ራእይ ዮሃንስ፦ ክልቲኦም ኣምላኽ ንእከይ ከም ዝፈርድ፡ ንኣመንቲ ከም ዘድሕንን ፍርዱ ብፍትሒ ከም ዝፍጽምን ይገልጹ (ኣንባቆም 2፡6-14፤ ራእይ 19፡1-2፤ 20፡10፤ 21፡1-4)። ኣንባቆም ኣብ መከራ ብእምነት ምጽናዕ ከም ዘድሊ ከም ዝምህር፡ ራእይ ዮሃንስ እውን ኣመንቲ ክሳዕ መወዳእታ ብእምነት ክጸንዑ የተባብዕ (ኣንባቆም 2፡4፤ 3፡17-19፤ ራእይ 14፡12)።

2.      ኣብ ዘመን ነብዪ ኣንባቆም ዝነበሩ ካልኦት ነብያት እኒመን እዮም፧ ኣብ ዘመኑ ከም ዝነበሩ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

ነብይ ኣንባቆም ኣብ ከባቢ 605 ቅ.ል.ክ.፡ ማለት ድሕሪ ዘመን ንጉስ ዮስያስ፡ ኣብ መጀመርታ ሓይሊ ባቢሎን ዝዓበየሉ ግዜ ከም ዝነበረ ይግምት (ኣንባቆም 1፡5-6)። ስለዚ፡ ምስ ነብያት ኤርምያስ፡ ጸፎንያስን ናሆምን ብዘመን ይተሓሓዝ። ምስ ዳንኤልን ህዝቅኤልን ድማ ብዛዕባ ሓይሊ ባቢሎንን ምርኮ ይሁዳን ብምዝራቡ፡ እዞም ኣብ ዘመን ምርኮ ባቢሎን ዝነበሩ ነብያት ምስኡ ይተሓሓዙ።

  • ሀ. ምስ ነብይ ኤርምያስ፦ ክልቲኦም ኣብ ይሁዳ ክፍኣትን ዓመጽን ኣብ ዝበዝሓሉ ግዜ ተነብዮም። ኣምላኽ ድማ ባቢሎን ንይሁዳ ከም እትቐጽዕ ገሊጹ። ኣንባቆምን ኤርምያስን  ብዛዕባ ምምጻእ ወይ ፍርዲ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ይነግሩ (ኣንባቆም 1፡5-11፤ ኤርምያስ 25፡1-11፤ 27፡6-8)።

  • ለ. ምስ ነብይ ጸፎንያስ፦ ጸፎንያስ ብዘመን ንጉስ ዮስያስ ተነብዩ። ኣንባቆም እውን ብዛዕባ ክፍኣት ይሁዳን እቲ ዝመጽእ ፍርዲ ኣምላኽን ጽሒፉ። ክልቲኦም ብዛዕባ ሓጢኣት፡ ፍርዲ ኣምላኽን መዓልቲ እግዚኣብሄርን ስለ ዝተዛረቡ፡ ብዘመን ይተሓሓዙ (ጸፎንያስ 1፡1-18፤ ኣንባቆም 1፡2-11)።

  • ሐ. ምስ ነብይ ናሆም፦ ናሆም ብዛዕባ ውድቀት ነነዌ፡ ኣንባቆም ድማ ብዛዕባ ሓይሊ ባቢሎንን እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝመጽእ ፍርድን ተነብዮም። ነነዌ ብ612 ቅ.ል.ክ. ወደቐት። ክልቲኦም ኣምላኽ ንዓመጸኛታት ሓይልታት ከም ዝፈርድ የርእዩ (ናሆም 1፡1-3፤ 3፡1-7፤ ኣንባቆም 2፡6-17)። ኣምባቆም ኣብ ግዜ ናሆም ብሂወት ምንባሩ ምርግጋጽ ግን ኣይክኣልን እዩ።

  •  መ. ምስ ነብያት ዳንኤልን ህዝቅኤልን፦ እዞም ክልተ ነብያት ብፍላይ ምስ ምርኮ ባቢሎን ይተሓሓዙ። ዳንኤል ኣብ 605 ቅ.ል.ክ. ናብ ባቢሎን ካብ ዝተወሰዱ ሰባት ሓደ ነበረ (ዳንኤል 1፡1-6)። ህዝቅኤል ድማ ኣብ 597 ቅ.ል.ክ. ምስ ንጉስ ዮኣኪንን ካልኦት ምሩኻትን ናብ ባቢሎን ተወሲዱ፡ ኣብኡ ትንቢት ተቐቢሉ (2 ነገስት 24፡10-16፤ ህዝቅኤል 1፡1-3)። ስለዚ፡ ኣንባቆም ብዛዕባ ምምጻእ ባቢሎንን ፍርዲ ኣምላኽን ቅድሚ ምርኮ ክጽሕፍ ከሎ፡ ዳንኤልን ህዝቅኤልን ድማ ኣብ ግዜ ምርኮ ባቢሎን ዝነበሩ ነብያት እዮም።

ኣብ ዘመን ኣንባቆም ዝነበሩ ነብያት ምዃኖም፡ ብታሪኻዊ ፍጻሜታት፡ ብዝነበሩ መንግስታትን ነገስታትን፡ ብውግኣትን ምርኮን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መጻሕፍቲ ነብያት ዝተጠቕሱ ፍጻሜታት ምስ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ብምንጽጻር ንፈልጥ።

ጉጅለ ምሕረት ዝመለስዎ

1.       መጽሓፍ ትንቢት ኣንባቆም ምስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከቡ ካልኦት መጽሓፍቲ፡ ምስ ኣየኖት ይመሳሰል፧

ኣብ ጉጅለና፡ ንምምስሳል መጽሓፍ ትንቢት ኣንባቆም ምስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከቡ ካልኦት መጽሓፍቲ፡ ብቕድን ብትሕዝቶ መጽሓፍን ብምባል ናብ ክልተ ፈሊና ክንርእዮ ከም እንኽእል ተዘራሪብና።

ብቕዲ ጽሕፈቱ፡ ቐንዲ ምስ ትንቢት ዮናስ እዩ ዝመሳሰል። ምስ መጽሓፍ ኢዮብ’ውን  ካብ ምዕራፍ 38 ንድሓር ዘሎ ይመሳሰል እዩ። ብምንታይ’ዩ ዝመሳሰል፡ እንተ በልና ኸኣ፡  ትንቢት ኣንባቆም ብዛዕባ ይሁዳ እኳ ደኣ ይዛረብ እምበር፡ ሕቶኡ ግና ውልቃዊ እዩ፥ እቲ ምጉቱ`ውን ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ገዛእ ርእሱን እዩ። ናይ ነብዪ ዮናስ ከኣ ልክዕ ከምኡ፣ እቲ ክትዑ ወላ እኳ ብዛዕባ ነነዌ እንተ ኾነ፡ እቲ ዝርርቡ ግና ብቐጥታ ምስ ኣምላኽ እዩ።

 መጽሓፍቲ ትንቢት ብቐንዱ፡ ካብ እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል ወይ ንኻልኦት ኣህዛብ ዝተዋህበ መልእኽትን ትእዛዝን እግዚአብሔር ሒዞም ዝመጹ እዮም። መጽሓፍ ትንቢት እንባቆም ግና፡ ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ዮናስ ዝገብሮ፡ ብዛዕባ እቲ ነብዪ ንእግዚአብሔር ዘቕረቦ ሕቶታት፡ ምግራምን  ክትዓትን እዩ ዘንጸባርቕ። ንኣብነት፡ እግዚአብሔር ንምንታይ ንሕሱማት ባቢሎናውያን ተጠቒሙ፡ ነቲ ካብ ባቢሎናውያን ዝጸድቕ ሕዝቢ ይቐጽዕ፧ ብምባል ተገሪሙ ብምሕታትን ምስ ኣምላኽ ይካታዕ ነበረ። እዚ ድማ ካብቲ ልሙድ ናይ ትንቢት ኣገባብ ወጻኢ ኮይኑ፡ ምስቲ ዮናስ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ክትዕ ዝመሳሰል ይገብሮ።

ንጽጽር ትንቢት ኣንባቆም ምስ ትንቢት ዮናስ

- ክልቲኦም ነብያት ኣብ መጀመርታ ተግባራት ኣምላኽ ስለ ዘይርድኡ፡ ብቐጥታ ሕቶታቶምን ቅሬታታቶምን የቕርቡ።

 - ክልቲአን መጻሕፍቲ፡ ፍትሕን ምሕረትን ኣምላኽ ብኸመይ ብሓባር ይሰርሕ ዝብል ሕቶ ይምልሳ።

 -ክልቲአን መጻሕፍቲ፡ ኣምላኽ ንእስራኤል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት ኣህዛብ’ውን  ኸም ዚሓስቦምን ከም ዝጥቀመሎምን ይሕብራ።

ንጽጽር ትንቢት ኣንባቆም ምስ መጽሓፍ ኢዮብ

ኢዮብ  ንጹሕ ሰብ ክነሱ፡ መከራ ምስ ኣጋጠሞ፡ ነቲ ብሰንኪ ስቓዩ ዝስምዖ መሪር ቃንዛ ብምግላጽ፥ ንኣምላኽ ስለምንታይ ፍትሒ ከም ዝሰኣነን ንጹሓት ምስ እኩያት ብማዕረ ከም ዝቐጽዕን ይሓቶ። እንባቆም’ውን ኣብ ሃገሩ ዓመጽን ግፍዕን እናተራእየ፡ ኣምላኽ ስለምንታይ ስቕ ከም ዝብል፡ ድሕሪኡ’ውን ካብኦም ዝኸፍኡ እኩያት ባቢሎናውያን ንህዝቡ ክጭቁኑ ስለምንታይ ከም ዝፈቐደ ይሓቶ።

ብትሕዝቶኡ ግና ትንቢት ኣንባቆም፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዝርከቡ ካልኦት ብዙሓት መጽሓፍቲ ይመሳሰል እዩ። ገለ ኻብኡ፦

  • ምስ ትንቢት ኤርምያስ፡ ጸፎንያስን ናሆምን ይመሳሰል። እዞም ነቢያት እዚኦም፡ ብዛዕባ ዓመጽ፡ ፍትሒ ኣምላኽን ፍርዱን ይዛረቡ።

  • ምስ መዝሙር 73 (ናይ ኣሳፍ መዝሙር) እውን ይመሳሰል እዩ። 

2.      ኣብ ዘመን ነብዪ ኣንባቆም ዝነበሩ ካልኦት ነብያት እኒመን እዮም፧ ኣብ ዘመኑ ከም ዝነበሩ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

ኣብ ግዜ ነብዪ እንባቆም ዝነበሩ ካልኦት ነብያት ኤርምያስን ጸፎንያስን እዮም እዞም ነብያት ኣብ ከባቢ መወዳእታ 7ይን መጀመርታ 6ይን ክፍለ-ዘመን ቅ.ል.ክ ከም ዝነበሩ ይእመን።

  •     ነብዪ ጸፎንያስ፦ (ጸፎንያስ 1:1) ኣብ ዘመን ንጉስ ዮስያስ (ወዲ ኣሞን) ከም ዝተነበየ ይገልጽ። ንሱ ብፍላይ ቅድሚ እቲ ዮስያስ ዘካየዶ መንፈሳዊ ጽገናን ምሕዳስን (Spiritual Revival) ንህዝቢ ይሁዳ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ክምለሱ የጠንቅቖም ነበረ።

  •      ነብዪ ኤርምያስ፦ ኣብ መበል 13 ዓመት መንግስቲ ዮስያስ ምንባይ  ዝጀመረ እዩ (ኤርምያስ 1:2)። ንሱ ቅድሚ ምፍራስ የሩሳሌምን ብድሕሪኡን ንነዊሕ ዓመታት ንህዝቢ ዘገልገለ ዓቢ ነብዪ እዩ።

  •      ነብዪ እንባቆም፦ ኣብቲ ኤርምያስን ጸፎንያስን ዝነበሩሉ ወይ ድማ ድሕሪ ሞት ዮስያስ (ኣብ ዘመን ንጉስ ኤልያቄም) - ወዲ ዮስያስ)፣ እቲ ናይ ባቢሎናውያን (ከለዳውያን) ሓይሊ ክዓቢ ከሎ ዝተነበየ እዩ (እንባቆም 1:6)።

ስለዚ እዞም ሰለስተ ነብያት (ኤርምያስ፣ ጸፎንያስ፣ ኣንባቆም ) ኣብ ሓደ ታሪኻዊ መድረኽ ዝነበሩ ኮይኖም፣ ነፍሲ ወከፎም ድማ ንተመሳሳሊ ህዝብን ኩነታትን ብእግዚኣብሄር ዝተወሃቦም ዝተፈላለየ መልእኽቲ ዘመሓላልፉ ዝነበሩ እዮም።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

መጽናዕቲ ትንቢት ኣንባቆም፡ ዕዮ ገዛ ቍ. 1