መጽናዕቲ መጽሓፍ ትንቢት ኣንባቆም፡ ዕዮ ገዛ ቍ. 3
ዝቐረቡ ሕቶታት
ኣንባቆም ከምቶም መብዝሕትኦም ካልኦት ነቢያት፡ “እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ” ብምባል፡ ኣይተነበየን፡ ስለዚ መጽሓፉ ምስ ትንቢት ክቍጸር ይከኣል ዶ፧ እወ/ኣይፋል እንተኾይኑ፡ ስለምንታይ፧
ኣብ ህይወትካ፡ ቤተሰብካ፡ ሕብረተሰብካ፡ ሃገርካን ዘለኻዮ ከባብን፡ ብእትርእዮ ኮነ ብእትሰምዖ ነገራት፡ ሕቶ ፈጢሩልካስ፡ ብዛዕባኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሕቶ ኣቕሪብካ ትፈልጥዶ፧ ምላሽከ ረኺብካ ዶ፧
ጉጅለ ሰላም ዝመለስዎ
ኣንባቆም ከምቶም መብዝሕትኦም ካልኦት ነቢያት፡ “እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ” ብምባል፡ ኣይተነበየን፡ ስለዚ መጽሓፉ ምስ ትንቢት ክቍጸር ይከኣል ዶ፧ እወ/ኣይፋል እንተኾይኑ፡ ስለምንታይ፧
ሓደ መጽሓፍ፡ ናይ ትንቢት ምዃኑ ዝውስን፡ “እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል” ዝብል ሓረግ ብምጥቃሙ ጥራይ ኣይኮነን። ትሕዝቶ እቲ መጽሓፍ፡ ካብ እግዚኣብሄር ዝመጸ መልእኽቲ ዝሓዘ ምዃኑ፡ ብነብዪ ዝተቐበለን ዝተጻሕፈን ምዃኑ፡ ከምኡ’ውን ብቓል ወይ ብራእይ ኣቢሉ መለኮታዊ ሓቂ ምግላጹ እዩ። ትንቢት ኣንባቆም፡ እዞም ባህርያት እዚኣቶም ስለ ዘለዉዎ፡ ብርግጽ መጽሓፍ ትንቢት እዩ።
“እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል” ዝብል ሓረግ ዘለዎም፡ ግናኸ ምስ መጻሕፍቲ ትንቢት ዘይተመደቡ’ውን ኣለዉ። ንመረዳእታ፡ ኣብ መጽሓፍ ካልኣይ ነገስት 20 ግዜ፡ ኣብ ቀዳማይ ነገስት፡ 13 ግዜ፡ ኣብ ኦሪት ዘጸኣት፡ 10 ግዜ፡ ኣብ 2 ዜና መዋእል 8 ግዜ፡ ኣብ 2ይ ሳሙኤል፡ 5 ግዜ፡ ኣብ 1 ዜና መዋእል ድማ 4 ግዜ፡ ”እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል” ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። እዞም መጻሕፍቲ እዚኣቶም ግና፡ ከም መጻሕፍቲ ሕግን ታሪኽን እዮም ዝምደቡ። ብኣንጻሩ፡ ከም ትንቢት ዳኒኤል ዝበሉ ናይ ትንቢት መጻሕፍቲ’ውን፡ እዚ ሓረግ እዚ፡ ብንጹር ኣይተጻሕፎምን። እዚ ድማ ምምዳብ መጻሕፍቲ፡ ብሓደ ሓረግ ጥራይ ከም ዘይውሰን የርኢ።
መጽሓፍ ኣንባቆም፡ መጽሓፍ ትንቢት ምዃኑ ዘረጋግጸልና፡ እቲ ኣብ ኣንባቆም 1፥1 “ነብዪ ኣንባቆም ዝረኣዮ ጾር እዚ እዩ” ዝብልን፡ ኣብ ኣንባቆም 3፥1 “ጸሎት ነብዪ ኣንባቆም ብሺግዮኖት” ዝብል ቃልን እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ኣንባቆም 2፥2-3 “እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ ኣሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጕየ እኳ ተጸበዮ” ብምባል እቲ መልእኽቲ፡ መለኮታዊ ራእይ ምዃኑ የረጋግጽ። እቲ ኣብ ኣንባቆም 2፥4 ዝርከብ “ጻድቕ ግና ብእምነቱ ይነብር” ዝብል ቃል’ውን ኣብ ሓዲሽ ኪዳን (ሮሜ 1፥17፡ ገላትያ 3፥11፡ እብራውያን 10፥38) ተጠቒሱ ምርካቡ፡ ናይቲ መጽሓፍ ትንቢታዊ ክብደትን መንፈሳዊ ተቐባልነትን የርኢ። ከምኡ’ውን ኣንባቆም 2፥14 “ከምቲ ማያት ንመዓሙቕ ባሕሪ ዝኸድኖ፡ ምድሪ ብፍልጠት ኣምላኽ ክትመልእ እያ” ዝብል ትንቢት፡ ካብቲ ጐይታ ዝተገልጸሉ ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ ክፍጸም ዝጸንሐን ዝፍጸም ዘሎን ሓቂ እዩ።
መብዛሕትኦም መጻሕፍቲ ትንቢት፡ እግዚኣብሄር ቅድም ንነብዪ ጸዊዑ መልእኽቱ ዝህበሉ ኣገባብ ክኽተሉ ከለዉ፡ ናይ ትንቢት ኣንባቆም ፍሉይ ዝገብሮ ድማ፡ ነብዪ ኣንባቆም ነቲ ዝረኣዮ ዓመጽን ዝነበሮ ሕቶታትን ናብ እግዚኣብሄር ምቕራቡ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ መልሲ ብምሃብ ብዛዕባ ፍርዱ፡ ብዛዕባ እምነት ጻድቃንን ብዛዕባ መደቡን ገለጸሉ። ስለዚ፡ ትሕዝቶ መልእኽቱ፡ ብሕቶን መልስን ዝተጻሕፈ መለኮታዊ ራእይ እዩ። ሓደ ነብዪ፡ ሓቀኛ ምዃኑ ዝፍለጠሉ ቀንዲ መለክዒ ኸኣ፡ ትንቢቱ ተፈጺሙ ዶ ኣይተፈጸመን ዝብል ክኸውን ከሎ፡ ትንቢት ኣንባቆም ድማ ፍጻሜ ረኺቡ እዩ።
2. ኣብ ህይወትካ፡ ቤተሰብካ፡ ሕብረተሰብካ፡ ሃገርካን ዘለኻዮ ከባብን፡ ብእትርእዮ ኮነ ብእትሰምዖ ነገራት፡ ሕቶ ፈጢሩልካስ፡ ብዛዕባኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሕቶ ኣቕሪብካ ትፈልጥዶ፧ ምላሽከ ረኺብካ ዶ፧
ኣብ ጉጅለና ዝነበረ ዝርርብ፡ ጥቕልል ብዝበለ ንምቕራቡ፡ ኣብዛ ዓለም፡ ክፍኣትን ዓመጽን ስለምንታይ ከም ዘሎ፡ እቶም ብእግዚኣብሄር ዘይኣምኑን ክፉእ ዝገብሩን ሰባት ስለምንታይ ከም ዝዕወቱ፡ ንጹሃት ድማ ስለምንታይ ከም ዝሳቐዩ፡ ዝብሉ ሕቶታት ንኹልና ከም ዝመላለሱና፡ ሓሳብ ሂብና። ገለ ካባና፡ ነዞም ሕቶታት ብጸሎት ናብ እግዚኣብሄር ብምቕራብ፡ ካብ ቃሉን ካብቲ ምስ ካልኦት ኣመንቲ ዝገብርዎ ምይይጥን መልሲ ረኺቦም ውሽጣዊ ሰላም ከም ዝረኽቡ፡ ገለ ካባና ግና ከም ነብዪ ኣንባቆም “ስለምንታይ?” ወይ “ክሳብ መዓስ?” ኢልና ብግልጺ ኣብ ጸሎት ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ንፈርሕ ወይ ንጠራጠርን ምንባርና ተዘራሪብና።
መጽሓፍ ኣንባቆም ምጽናዕ ምስ ጀመርና፡ ሕቶታት ምህላውን ናብ እግዚኣብሄር ምቕራብን ድኽመት እምነት ከም ዘይኮነ ዓብዪ ትምህርቲ ረኺብና። ኣንባቆም እምነት ዝነበሮ ነብዪ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዛዕባ ዝረኣዮ ዓመጽን ፍትሒ ምጥፋእን ዘለዎ ሕቶታት ብቕንዕና ናብ ኣምላኽ ኣቕሪቡ እዩ። እዚ ድማ ሕቶታትና ክንሓብእ ወይ ክንፈርሕ ዘይኮነስ፡ ብትሕትናን ብእምነትን ናብቲ ኩሉ መልሲ ዘለዎ ኣምላኽ ብግልጺ ከነቕርቦም ከም እንኽእል ተረዲኡና።
ንሕቶታትና ካብ ዝምልሱ ቃል እግዚኣብሄር ንኣብነት፡ ኣብ ኣንባቆም 2፥4 “ጻድቕ ግና ብእምነቱ ይነብር” ዝብል እምነት መሰረት ህይወት ምዃኑ፡ ኣብ ኣንባቆም 2፥3 እቲ ራእይ እንተ ደንጎየ እኳ ብትዕግስቲ ክንጽበዮ ከም ዘሎና፡ ኣብ ኣንባቆም 3፥17–19 ኩነታትና እኳ እንተ ዘይተመሓየሸ፡ ብእግዚኣብሄር ክንሕጎስን ኣብኡ ክንውከልን ከም እንኽእል፡ ኣብ 1 ቆረንቶስ 10፥13 ድማ ኣብ እዋን መከራን ፈተናን እግዚኣብሄር እሙን ምዃኑን መውጽኢ መገዲ ከም ዝገብረልናን ዝብሉ ጥቕስታት ኣምላኽ ንኹሉ ከም ዝቈጻጸርን ሕቶታትና ንኽምልስ ካብቲ ንሕና እንሓስቦ ንላዕሊ ዓሚቝ መደብ ከም ዘለዎን ፈሊጥና ክንኣምኖ ከም ዝሕግዘና’ውን ተዘራሪብና።
ጉጅለ እምነት ዝመለስዎ
ኣንባቆም ከምቶም መብዝሕትኦም ካልኦት ነቢያት፡ “እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ” ብምባል፡ ኣይተነበየን፡ ስለዚ መጽሓፉ ምስ ትንቢት ክቍጸር ይከኣል ዶ፧ እወ/ኣይፋል እንተኾይኑ፡ ስለምንታይ፧
ቀዳማይ ጥቕሲ መጽሓፍ ትንቢት ኣንባቆም፡ «ነብዪ ኣንባቆም ዝረኣዮ ጾር እዚ እዩ» ብምባል’ዩ ዝጅምር፡ (ኣንባቆም 1፡1)። ስለዚ፡ «እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ» ብዘይ ምባሉ ጥራይ፡ መጽሓፍ ትንቢት ኣይኰነን ብምባል ክንድምድም ዝከኣለና ኣይኰነን።
ኣንባቆም፡ ”እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ” ብምባል እኳ እንተዘይጸሓፈ፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑ ግና ብኻልእ ኣገላልጻ ነጊሩና’ሎ። ኣምላኽ ንዓመጽ ይሁዳ ንምቕጻዕ፣ ሓያላትን ጨካናትን ዝኾኑ ከለዳውያን (ባቢሎናውያን) ከም ዘተንስኦምን ንይሁዳ ከም ዝወሩዋን ተነበየ። ኣንባቆም "ከመይ ገይርካ ብዝገደዱ ርኹሳት ገይርካ ንጽድቂ ዘለዎም ትቐጽዕ፧" ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረበ ኸኣ፣ ኣምላኽ ድማ፡ ነቶም ባቢሎናውያን እውን ብሰንኪ ትዕቢቶምን ግፍዖምን ኣብ መወዳእታ ፍርድን ውድቀትን ከም ዝመጾም ተነበየ።
ባቢሎናውያን ብንጉስ ናቡከደነፆር ተመሪሖም ንኢየሩሳሌም ወሪሮም፣ ቤተ መቕደስ ኣፍሪሶም፣ ንህዝቢ ይሁዳ ድማ ናብ ምርኮ ባብሎን ወሲዶምዎም። ጊዜኡ ምስ ኣኸለ ድማ ከምቲ ኣንባቆም ዝተነበዮ፡ ባቢሎን’ውን ብሜዶንን ፋርስን ተሳዒራ ወደቐት። ስለዚ፡ ብኣገላልጻኡ እኳ ፍሉይ ኰይኑ እንተቐረበ፡ ብትሕዝቶኡ ግና፡ ኣብ መጻሕፍቲ ትንቢት ምቑጻሩ፡ ቅኑዕ እዩ።
2. ኣብ ህይወትካ፡ ቤተሰብካ፡ ሕብረተሰብካ፡ ሃገርካን ዘለኻዮ ከባብን፡ ብእትርእዮ ኮነ ብእትሰምዖ ነገራት፡ ሕቶ ፈጢሩልካስ፡ ብዛዕባኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሕቶ ኣቕሪብካ ትፈልጥዶ፧ ምላሽከ ረኺብካ ዶ፧
ብብዙሕ ጉዳያት ምስ ኣምላኽ ዝተማጎትናሉ: ዝተወራረድናሉ ግዜ ከም ዝነበረን ከም ዘሎን ተዘራሪብናሉ። ንመረዳእታ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ክሳብ ሎሚ፡ ”ንምንታይ፧” እንዳበልና እንጽልየሉ፡ ግናኸ ዛጊት መልሲ ዘይረኸብናሉ ሓያሎ ኣርእስትታት ከም ዘሎ ጠቒስና። ኣብ ናይ ውልቅና ኸኣ፡ ብዙሕ ግዜ ንኣምላኽ ”ስለምንታይ፧” እንዳበልና ዝሓተትናሉ እዋን ከም ዝነበረን ከም ዘሎን፡ ንመረዳእታ ኣብ ጉዳይ ትምህርቲ፡ ጉዳይ መንበሪ ፍቓድ፡ ቪዛ፡ ወዘተ ንኻልኦት ነቶም ዘይኣመንቲ ክሰልጦም ክትርኢ ከለኻ (ልክዕ ከም ኣሳፍ ኣብ መዝሙር ዳዊት 73) ክሳዕ ምምራር ዝበጻሕናሉ እዋን ከም ዝነበረን ኣምላኽ ግና ኣብ ግዜኡ መልሲ ዝሃበና ከም ዘሎ’ውን ተዘራሪብና።
ጉጅለ ፍቕሪ ዝመለስዎ
ኣንባቆም ከምቶም መብዝሕትኦም ካልኦት ነቢያት፡ “እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ” ብምባል፡ ኣይተነበየን፡ ስለዚ መጽሓፉ ምስ ትንቢት ክቍጸር ይከኣል ዶ፧ እወ/ኣይፋል እንተኾይኑ፡ ስለምንታይ፧
መጽሓፍ ነብይ ኣንባቆም፡ ካብ ካሎኦት ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝርከቡ መጽሓፍቲ ትንቢት፡ ፍልይ ዝበለ ባህርይ ኣሎዎ። ከም መጽሓፍ ኢሳያስ ወይ ኤርምያስ “ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ” እናበለ ናብ ህዝቢ ዝነግር ቀጥታዊ ዘይኮነ፣ ብኣንጻሩ ኣብ ሞንጎ እቲ ነብይን እግዚኣብሄርን ዝተገብረ ናይ ብሕቲ ዝርርብ እዩ።
ነብይ ኣንባቆም ካብቶም 12 ናእሽቱ ነቢያት ሓደ ኰይኑ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም "ነብይ" ተፈሊጡ ዘለሉ ምኽንያት፣ እቲ ትሕስቶ፣ መለኮታዊ ራእይ፣ ሓቀኛ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ምፍጻሙን፣ ዘለኣለማዊ መሎኮታዊ ሓቅታት ዝሓዘ ብምዃኑን እዩ።
- መሎኮታዊ ራእይ ብምቕባሉ፣- ትንቢት ማለት ቃል ብቓል ንህዝቢ ዝንገረሉ መገዲ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣምላኽ ምስጢሩን ናይ መጻኢ መደቡን ንሰብ ዝገልጸሉ መስርሕ እዩ። ኣንባቆም ምዕራፍ 2,1 ”እንታይ ከም ዝምልሰለይ ተጠንቂቐ ክርእስ ኣብ መሐለውየይ ደው ክብል ይብል” ኣብ ፍቕዲ 2-3 ድማ ኣምላኽ “ እቲ ራእይ ንምዱብ ግዜ እዩ ነቲ ራእይ ጸሓፎ” ይብሎ። እቲ ኣምላኽ ንኣንባቆም ዝነገሮ ምስጢር (ባቢሎናውያን ንይሁዳ ከም ዝቐጽዑዋ፣ ጸኒሖም ድማ ንሶም እውን ከም ዝጠፍኡ) ናይ መጻኢ ፍጻሜታት ስለ ዝኾነ፡ ብባህሪኡ ትንቢት እዩ።
- #ናይ ትንቢት ጾር፣- ኣንባቆም 1,1 መልእኽቱ፡ ”ጾር” ብዝብል ቃል እዩ ጀሚርዎ፣ እዚ ድማ፡ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበ ህጹጽን ከቢድን መልእኽቲ ንምግላጽ ዘገልግል፡ ልሙድ ናይ ትንቢት ኣገላልጻ እዩ።
- #ኣንባቆም ጥርዓኑ ናብ ኣምላኽ የቕርብ፡ ኣምላኽ ይምልሰሉ፣ መሊሱ ኣንባቆም ይከራኸር፡ ኣምላኽ ድማ መወዳእታ መልሲ ይህቦ፣ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ፍርዲ ባቢሎናውያን ብዛዕባ “ጻድቕ በእምነቱ ይነብር” ዝብል (ኣን2,4) ሓሳብ የብርሃሉ።
- # ትንቢታዊ መዝሙር፣- ኣብ ምዕራፍ 3 ኣንባቆም፣ ፍትሓውነት ኣምላኽ ዘርእይ ሓያል ትንቢት ጸሎትን ድሕነት መዝሙርን ከቕርብ ንርእዮ፥።
2. ኣብ ህይወትካ፡ ቤተሰብካ፡ ሕብረተሰብካ፡ ሃገርካን ዘለኻዮ ከባብን፡ ብእትርእዮ ኮነ ብእትሰምዖ ነገራት፡ ሕቶ ፈጢሩልካስ፡ ብዛዕባኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሕቶ ኣቕሪብካ ትፈልጥዶ፧ ምላሽከ ረኺብካ ዶ፧
ነዚ ሕቶ ዝምልከት፣ ብውልቅና ንኣምላኽ ሕቶ ሓቲትና ብዝተፈላለየ መልክዕ መልሲ ናይ ሕቶና ከም ዝረኸብና፣ ርኢና። ኣብነት ንምግላጽ፣ ብዛዕባ ቤተክርስትያን ሃገርና፣ ሰላም ሃገርና፣ ብዛዕባ መጻኢ፡ ኣብ ስደት ንወልዶም ደቅና፣ ኣልዒልና ተዘራሪብና። መልሲ ዝረኸብናሎም፤- ጽሩይ ወንጌል ፣ ናብ ኣምላኽ ዘጠምት፣ እግዚኣብሄር ዝኸብረሉ ሕብረት፡ ብመንፈስ ትዝምረሉ፣ ብሓቂ ህላውነት መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ሕብረት ንደሊ ኔርና። ኣምላኽ ነዚ ሕብረት እዚ ሂቡና። ብውልቅና እውን ኣብ ህይወት ዝነበረ ሕቶ፤ ንምንታይ ከምዚ ይበጽሓኒ፣ ዝብል ሕቶ ዝነበሮም ኣሕዋት’ውን ድሕሪ ግዜ ነገራቶም ብዘደንቕ ኩነታት ኣምላኽ ከም ዝመለሶ ርኢና።
# ንእግዚኣብሄር ተፈቲሕና ብሓቅን ብመንፈስን ክነምልኸሉ ንኸእል ቤተክርስትያን ክንረክብ ንኣምላኽ ዝሓተትናዮ ሕቶ፣ መዓልቱ ኣኺሉ ረኺብና ጾሎትና እግዚኣብሄር መሊሱልና ይርከብ። ብዛዕባ ሰላም ሃገርና ኣብ መከራን ጸልማትን እዋን፣ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ካባና ዝድለ ዓቢ መንፈሳዊ ነገር እንተሃለወ “ጻድቕ ግና ብእምነት ይነብር” ዝብል ቃል ኣሚንና፡ ኣብ መሐለዊና ደው ኢልና መልሲ ሕቶና ካብ ኣምላኽ ክንጽባበዮ ኢና።
ስብሓት ለእግዚኣብሄር
ጉጅለ ምሕረት ዝመለስዎ
ኣንባቆም ከምቶም መብዝሕትኦም ካልኦት ነቢያት፡ “እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ” ብምባል፡ ኣይተነበየን፡ ስለዚ መጽሓፉ ምስ ትንቢት ክቍጸር ይከኣል ዶ፧ እወ/ኣይፋል እንተኾይኑ፡ ስለምንታይ፧
መጽሓፍ ትንቢት ኣንባቆም ከምቶም ካልኦት ነቢያት ወላ ድኣ እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣይበል እምበር፡ ንሱ ብሓቂ ናይ እግዚኣብሔር ነብዪ ምዃኑ ግና፡ ኣብቲ መጽሓፉ ባዕሉ ነጊሩና ኣሎ። ኣብ ኣንባቆም ምዕራፍ ሓደን ምዕራፍ ሰለስተን፡ ንሱ ነቢይ ምዃኑ ነንብብ። ብልክዕ ክንጽረልና ዘኽእል ሓቂ ኸኣ፡ ካልኦት ነቢያት፡ ነቲ ንድሕሪ ሕጂ ዝኸውን ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ እንዳ በሉ ኣብ መጽሓፍቶም ሰፊሩ ኣሎ። ከም ኣብነት ዝኾነና፡ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ፡ ”እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙ’ውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ” (ኢሳ፥7፡14) ይብል። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከኣ ፍጻሜ ናይዚ ትንቢት እዚ፡ ንረክብ፡ (ማቴዎስ 1 22-25)። ትንቢት ኣንባቆም እውን፡ ወላ ድኣ ”እግዚኣብሔር ከምዚ በለ” ኣይበል እምበር፡ ኣብ እንባቆም 1:6 ዘሎ ትንቢት፡ እግዚኣብሔር ንሓጢኣትን ግፍዕን ሕዝቡ ንምቕጻዕ ንባቢሎናውያን (ከለዳውያን) ከም መቕጻዕቲ መሳርሒ ገይሩ ከም ዝተጠቐመሎምን፡ እዚ ድማ ኣብ 586 ቅ.ል.ክ ኢየሩሳሌም ብምፍራሳን ሕዝቢ ይሁዳ ናብ ባቢሎን ብምምራኾምን ፍጹም ፍጻመ ረኺቡ እዩ።
ነቢይ ኣንባቆም ዘቕረቦ ሕቶታትን፡ ብኣምላኽ እተዋህቦ መልስን ብመንፈስ ቅዱስ እተመርሐን፡ ነብዪ ኣምላኽ ስለ ዝዀነን እዩ። ምስ ኣምላኽ ዝተገብረ ዘተ (ዕልል) ብምዃኑ፦ ኣንባቆም ምስ ኣምላኽ ብዛዕባ ዓመጽን ዘይምእዙዝነትን ብምዝራብ እዩ ዝጅምር። ኣምላኽ ድማ ይምልሰሉ። እዚ ድማ፡ ሓደ ካብ ኣገባባት ትንቢት ኮይኑ፡ ፍርድን ምሕረትን ኣምላኽ ዜርኢ እዩ።
ኣንባቆም፡ ብዛዕባ ፍርዲ ከለዳውያን (ባቢሎናውያን)፡ ብዛዕባ ምጽኣት ኣምላኽን ምድሓን ጻድቃንን እተነበዮ ትንቢታት ብምሉኡ፡ እታ መጽሓፉ፡ መጽሓፍ ትንቢት ምዃና የርኢ፡ “ኣብ ኣንባቆም 2:4፡ «ጻድቕ ግና ብእምነቱ ይነብር» እትብል ፍልጥቲ ሓረግ ትርከብ። ድሒሩ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን (ኣብ ሮሜን ገላትያን) ተጠቒሙላ ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ትንቢት ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ምዃኑ የረጋግጸልና።
2. ኣብ ህይወትካ፡ ቤተሰብካ፡ ሕብረተሰብካ፡ ሃገርካን ዘለኻዮ ከባብን፡ ብእትርእዮ ኮነ ብእትሰምዖ ነገራት፡ ሕቶ ፈጢሩልካስ፡ ብዛዕባኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሕቶ ኣቕሪብካ ትፈልጥዶ፧ ምላሽከ ረኺብካ ዶ፧
ከምቲ ጥበበኛ ሰሎሙን ኣብ (ምሳሌ 14-25) ”ሓቀኛ ምስክር ነፍሳት የድሕን” ዝበሎ፡ ኣብ ጉጅለና ኸኣ፡ ትማሊ እቲ ካብቲ ደስ ዝበለና ብዙሕ ምስክርነት ህይወት ክንሰምዕ ምምሳይና እዩ። ኣምላኽ ከም ዝተዛረበና ናይ ኩልና መልሲ፡ ”እወ” እዩ ኔሩ። ከም ሕብረት መጠን፡ ዓመት ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ ብዛዕባ ኣብ ዞባና ዝነበረ ውግእን ወረ ውግእን ጸሊና፡ ካብ ኣምላኽ እውን ቁልጡፍ መልሲ ዝረኸብናሉ ህያዋን መሰኻር ኢና። ከምኡ’ውን ዘይምዕሩይነት፡ ዓመጽ፡ ሽግርን መከራን እናረአና "ንጐይታ፡ ስለምንታይ እዚ ኩሉ ይኸውን ኣሎ፧ ክሳብ መዓስከ ስቕ ትብል፧" ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ልብና ተፈጢሮም፡ ወትሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንቐርብ ኣሎና። መልሲ ጸሎትና ኸኣ ብእምነት ንጸባበ ኣለና።
ብዙሕ ግዜ፡ ”እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን፧” ዝብል፡ ብዘይምስትውዓል ንሓስብ ኔርና ኢና። ኣብ ህይወትና’ውን ማእለያ ዘይብሎም ሕቶታት ይመጹና ኔሮም’ዮም። ንመልእኽትን ትሕዝትን መጽሓፍ ቅዱስ ክንርዳእ ምስ ጀመርና ግና፡ እንሆ ኣምላኽ፡ ንኹሉ ብጊዜኡ ከም ዝገብሮ፡ ተረዲኢና ኣለና።