መጽናዕቲ መጽሓፍ ትንቢት ኣንባቆም ዕዮ ገዛ ቍ.4

ዝቐረቡ ሕቶታት

1.       ኣምላኽ ህዝቡ ንምቕጻዕ ስለምንታይ ካልኦት ህዝብታት ይጥቀም፧

2.   ኣምላኽ ንባህርያት እቶም ህዝቡ ንምቕጻዕ ዝጥቀመሎም ኣህዛብ ብኸመይ ይገልጾ፧ ወይ ኣምላኽ ባህርያት እቶም ኣህዛብ ንምግላጽ እንታይ ዓይነት መግለጺ ይጥቀም፧

ጉጅለ ሰላም ዝመለስዎ

ኣምላኽ ንህዝቡ ንምቕጻዕ ካልኦት ህዝብታት ዝጥቀመሉ ምኽንያታት፦

  • ቃሉ ህያውን ሓቀኛን ምዃኑ ንምርኣይ — ኣምላኽ፡ ህዝቡ ንትእዛዛቱ እንተ ዘይሓልዮም እንታይ መቕጻዕቲ ከም ዘጋጥሞም ብቕድሚኡ ኣጠንቂቕዎም ነበረ። ብነብያቱ ኣቢሉ እውን ብተደጋጋሚ ናብኡ ክምለሱ ኣጠንቂቕዎም። እንተዀነ ግና ክሰምዕዎ ስለ ዝኣበዩ፡ ከምቲ ዝበሎ መቕጻዕቲ ኣምጽኣሎም። እዚ ድማ ቃሉ ሓቀኛን ዝፍጸምን ምዃኑ የርኢ። (ዘዳግም 28፡49-50፤ 2 ዜና መዋእል 36፡15-17)

  • ኩሉ ናቱ ስለ ዝኾነ፡ ንኽፉእ ተግባራት ሰባት እውን ንጽቡቕ ዕላማኡ ክጥቀመሉ ስለ ዝኽእል — ኣምላኽ ንኽፉእ ሓሳብን ተግባርን ሰባት እውን ንምፍጻም ጽቡቕ ዕላማኡ ክጥቀመሉ ይኽእል እዩ። ከምቲ ዮሴፍ ንኣሕዋቱ፡ “ንስኻትኩም ንኽፉኤይ ሓሰብኩም፡ እግዚኣብሄር ግና፡ ከምቲ ሎሚ ዀይኑ ዘሎ ኺገብር፡ ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኼድሕን፡ ንጽቡቕ ሓሰበ” ኢሉ ዝበሎም፡ ኣምላኽ ንኽፉእ ዕላማታት ሰባት ንጽቡቕ ዕላማኡ ክጥቀመሉ ይኽእል እዩ። ከምኡ እውን ንእኩያት መንግስታት ንህዝቡ ንምቕጻዕ ክጥቀመሎም ይኽእል እዩ፡ (ዘፍጥረት 50፡20)

  • ህዝቡ ክእረሙን ተስፋ ክህቦምን እምበር ንዘለኣለም ከም ዘይጥንጥኖም ንምርኣይ — ኣምላኽ ንህዝቡ ንምእራም ንግዚኡ ኣብ ምርኮ ክኣትዉ ፈቐደ። ግናኸ፡ ኣቐዲሙ ብነብያቱ ኣቢሉ ናብ ምድሮም ከም ዝመልሶም ተስፋ ሃቦም። ኣምላኽ ንይሁዳ ብባቢሎን ተጠቒሙ ድሕሪ ምቕጻዑ፡ ድሕሪ ሰብዓ ዓመት ብንጉስ ቂሮስ ኣቢሉ ናብ ምድሮም ክምለሱን ቤት ኣምላኽ ክሃንጹን መገዲ ከፈተሎም። እዚ ድማ ኣምላኽ ህዝቡ ኣሪሙ ናብኡ ከም ዝመልሶም የርኢ። (ኤርምያስ 29፡10-14፤ እዝራ 1፡1-4)

  • ጽድቁን ሓይሉን ንዓለም ንምግላጽ — ኣምላኽ ኣብ ግብጺ ብተኣምራትን መቕጻዕትን ሓይሉ ኣርኣየ። ኣብ ፍልስጤም ድማ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ወደቐ፡ ፍልስጤማውያን እውን ፈርሁ። ኣብ ባቢሎን እውን ብሕልምታትን ተኣምራትን፡ ብጾት ዳኒኤል ካብ ሓዊ፥ ንዳንኤል ካብ ኣፍ ኣናብስ ብምድሓኑን፡ ሓይሉ ገለጸ። በዚ ኣቢሉ ድማ ንኣህዛብ ልዕልናኡን ሓይሉን ኣፍለጦም። (ዘጸኣት 9፡16፤ 1 ሳሙኤል 5፡1-7፤ ዳንኤል 2፡47፤ 3፡28፤ 6፡27)

  • ካልኦት ህዝብታት እውን ንኣምላኽ ክፈልጡ ዕድል ንምሃብ — ኣብ ታሪኽ እስራኤል፡ ካብ ግብጻውያን ክሳብ ኣሶራውያን፡ ባቢሎናውያንን ሮማውያንን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ህዝብታትን መንግስታትን ምስ እስራኤል ተራኺቦም እዮም። ብታሪኽ ህዝቡን ብተግባራቱን ኣቢሎም ድማ ሓይሊ ኣምላኽን ልዕልናኡን ክፈልጡ ዕድል ረኺቦም። ኣምላኽ ንህዝቡ ክቐጽዕ ከሎ እውን፡ ኣህዛብ ንስልጣኑን ጽድቁን ክፈልጡ ይኽእሉ ነበሩ። (ዘጸኣት 9፡16፤ 1 ነገስት 8፡41-43)

  • ነቶም ካልኦት ህዝብታት እውን ብሓጢኣቶም ንምፍራድ — ኣምላኽ ንኣሶርን ባቢሎንን ንህዝቡ ንምቕጻዕ ተጠቒሙለን። እንተዀነ ግና፡ ንሳተን እውን ብሓጢኣተንን ብትዕቢተንን ካብ ፍርዲ ኣምላኽ ኣይደሓናን። ንኣብነት፡ ንጉስ ነቡካድነጻር ብትዕቢቱ ተቐጽዐ። ድሕሪኡ ግና ልዕልና ኣምላኽ ኣመነን ኣመስገነን። እዚ ድማ ኣምላኽ ንህዝቡ ንምቕጻዕ እኳ እንተ ተጠቐመለን፡ ንሳተን እውን ብግብረአን ከም ዝፈርደን የርኢ። (ኢሳይያስ 10፡5-12፤ ዳንኤል 4፡30-37)

  • ኩሉ ሰብ ሓጥእ ምዃኑን መድሓኒ ከም ዘድልዮን ንምግላጽ — እስራኤል ኮነ ካልኦት ህዝብታት ብሓጢኣቶም ምቕጽዖም፥ ኩሉ ሰብ ሓጥእ ምዃኑን ብናይ ገዛእ ርእሱ ጽድቂ ክድሕን ከም ዘይክእልን እቲ ንኹላ ዓለም ንምድሓን ዝመጸ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከም ዘድልየናን የርኢ።

 2. ኣምላኽ ንባህርያት እቶም ህዝቡ ንምቕጻዕ ዝጥቀመሎም ኣህዛብ ብኸመይ ይገልጾ፧ ወይ ኣምላኽ ባህርያት እቶም ኣህዛብ ንምግላጽ እንታይ ዓይነት መግለጺ ይጥቀም፧

ኣምላኽ ነቶም ንህዝቡ ንምቕጻዕ ዝጥቀመሎም ባቢሎናውያን፡ ኣብ ኣምባቆም 1፡6-11 ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጾም።

  • -መረርትን ፍጡናትን (ኣምባቆም 1፡6) — ጨካናትን ንምውራርን ንምጥቃዕን ቅልጡፋትን እዮም።

  • -ዜፍርሁን ዜሰምብዱን (ኣምባቆም 1፡7) — ኣብ ካልኦት ህዝብታት ፍርሕን ራዕድን የሕድሩ።

  • -ዕቡያት (ኣምባቆም 1፡7) — ብትዕቢት ተመሊኦም፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ፍርድን ሕግን ዝውስኑ፡ ስልጣኖም እውን ዘይግደቦም ዝመስሎም እዮም።

  • -ኣፍራሶም ካብ ነብሪ ዝቕልጥፉ (ኣንባቆም 1፡8) — ሰራዊቶም ብፍጥነት ይግስግስ፡ ብሓይሊ እውን የጥቅዕ።

  • -ካብ ጥሙይ ተዅላ ዝጨክኑ (ኣንባቆም 1፡8) — ንግዳዮም ብጭካነ ይስዕቡ፡ ብዘይ ርህራሄ እውን የጥቅዑ።

  • -ከምቲ ናብ ግዳዩ ዝሽብብ ንስሪ (ኣንባቆም 1፡8) — ብድንገትን ብቅልጣፈን የጥቅዑ።

  • -ኵላቶም ንዓመጽ ይመጹ (ኣንባቆም 1፡9) — ንምጥቃዕን ንምውራርን ንምዝማትን ይመጹ።

  • -ምርኮኦም ከም ሑጻ ባሕሪ ብዙሕ እዩ (ኣንባቆም 1፡9) — ብብዝሒ ሰባትን ሃብትን ይማርኹ፡ ንምርኮ ድማ ይወስዱ።

  • -ንነገስታት የላግጹ (ኣባቆም 1፡10) — ንነገስታት ይንዕቁ፡ ንስልጣኖም እውን ኣየኽብሩን።

  • -ደው ኬብሎም ዚኽእል ዕርዲ የልቦን (ኣንባቆም 1፡10) — ንሳቶም ከም ዝሓስብዎ፡ ዝኾነ ዕርዲ ወይ ምድራዊ ሓይሊ ክቃወሞም ኣይክእልን።

  • -ብመሬት መደያይቦ ይገብሩ (ኣንባቆም 1፡10) — ንመካበብቲ ከተማታት ንምስዓር፡ መናድቕ ከተማ ንምድያብ ዝሕግዝ መደያይቦ ይሰርሑ ነበሩ።

  • -ከም ንፋስ ተወንጪፎም ይሓልፉ (ኣንባቆም 1፡11) — ብፍጥነት ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ይግስግሱ፡ ሃገራት እውን ይወሩ።

  • -እኩያት እዮም (ኣንባቆም 1፡11) — ግብሮም እኩይን ዓመጽን ዝመልኦ እዩ።

  • -ኣምላኾም ሓይሎም እዩ (ኣንባቆም 1፡11) — ኣብ ሓይሎም ይውከሉ፡ ንሓይሎም ከም ኣምላኽ ይቖጽርዎ። እዚ ድማ ንሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዝምርኮሱ፡ ኣብ ገዛእ ርእሶም ከም ዝውከሉ የርኢ።

ጉጅለ እምነት ዝመለስዎ

1.       ኣምላኽ ህዝቡ ንምቕጻዕ ስለምንታይ ካልኦት ህዝብታት ይጥቀም፧

ኣምላኽ፡ ህዝቡ ንምቕጻዕን ፍርዱ ንምፍጻምን ዝተፈላለየ መገዲ ክጥቀም ይኽእል እዩ። ልኡላዊ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ነቲ መቕጻዕቲ፡ ንሱ ብዝደልዮ መገዲ ይፍጽሞ። ”ኣምላኽናስ ኣብ ሰማያት ኣሎ፣ ዝደለዮ ዅሉ ይገብር እዩ” (መዝ ዳዊት 115፥3)።

ኣንባቆም፡ ”ዓመጽ” ቢሉ ኣብ ዘእወየሉ እዋን፡ ኣበሳ፡ ሕሰም፡ ምዝራፍ፡ ባእሲ፡ ክርክር፡ ምድካም ሕጊ፡ (ስለዚ ኸኣ ምቕናን ፍርድን ፍትሒ ዘይምውጻእን) እዩ ዘርዚሩ ኣቕሪቡ፡ (ኣን 1:3–4)። እቲ ብከለዳውያን ኣቢሉ እተፈጸመ መቕጻዕቲ ድማ ነዚ ጥሕሰትን ግህሰትን እዚ ኣጕሊሑ ዘጠምት ነበረ። ”ንሳቶም ኣምላኽ ብዘይኰነ ኣቕንኡኒ፣ ብኸንቱነቶም ኣዀረዩኒ። ኣነ ኸኣ ህዝቢ ብዘይኮነ ከቕንኦም፣ ብዓሻ ህዝቢ ከዀርዮም እየ“ ዝብል ጽሑፍ ክፍጸም ከሎ ኸኣ ንርእዮ።

እግዚኣብሄር፡ ህዝቡ ንምቕጻዕ ናይዚ ኹሉ ዓመጽ፡ ጥርዚ መግለጺ ዝዀኑ ከለዳውያን ብምልዓል፡ ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም። ዓስቢ ሓጢኣት፡ ሞት፡ ሓጢኣት ድማ ውርደት ህዝብታት እዩ እሞ፡ እቲ እኩይ ንምርኣይ ኣዒንቱ ጽሩያት ዝዀና ኣምላኽ፡ ንምቕጻዕ ህዝቡ፡ ንከለዳውያን ክጥቀመሎም ወሰነ። ኣብ ትንቢተ ዮኤል ከም እንርእዮ፡ እግዚኣብሄር ንኣንበጣ፡ ኵብኵብታ፡ ጐደበን ሓሰኻን፡ ”ዓብዪ ሰራዊተይ” ብምባል ክጠቕሶ ከሎ ንርኢ ኢና፡ (ዮኤ2.25)።  

2.      ኣምላኽ ንባርያት እቶም ህዝቡ ንምቅጻዕ ዝጥቀመሎም ኣህዛብ ብኸመይ ይገልጾ ፡ወይ ኣምላኽ ብህርያት እቶም ኣህዛብ ንምግላጽ እንታይ ዓይነት መግለጺ ይጥቀም።

ኣንባቆም 1:6–11

·       ስሱዓት፦ ዘይናቶም መናበሪ ዝወርሱ፣ ኣብ ስፍሒ ምድሪ ዚኸዱ

·       ጨካናት፦ መረርትን ፍጡናትን

·       ቀይዲ በተኻት፦ ፍርዶምን ክብረቶምን ካባታቶም ይወጽእ።

·       ህዉኻት (ኣፍራሶም ካብ ነብሪ ይቕልጥፉ፣ ካብ ቲዅላ ምሸት ይፈጥኑ፣

·       ዓመጽቲ (ኵላቶም ኪዕምጹ ይመጹ)

·       ስልጣን ዘየኽብሩ (ንነገስታት የላግጹሎም፣ መሳፍንቲ ኸኣ መስሓቒ ይዀንዎ)።

·       ዕቡያት (ሓይሉ ድማ ኣምላኹ እዩ)።

እዚ ንኣህዛብ ተዋሂቡ ዘሎ መግለጺ ባህርይ፡ ምስቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ ”ካብዚኣቶም’ውን ርሓቕ” እናበለ ምስ ዝጸሓፎ፡ ተመሳሳሊ ኰይኑ ንረኽቦ። ”

ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡ እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘልዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡” ዝብል መግለጺ፡ ንከለዳውያን’ውን ብዝግባእ ዝገልጽ ቃል’ዩ፡ (2ጢሞ3፡ 1-4)።

  ጉጅለ ምሕረት ዝመለስዎ

 1: ኣምላኽ ህዝቡ ንምቕጻዕ ስለምንታይ ካልኦት ህዝብታት ይጥቀም፧

እግዚኣብሄር፡ ሰናይ፣ ጥዑምን መሓርን ጥራይ ዘይኮነ፣ ልኡላውን ኩሉ ዝፈልጥ፡ ኣምላኽ’ውን እዩ። ስለዚ ኸኣ ህዝቡ ክጋገዩ ከለዉ፣ እንታይ ወይ ከመይ ጌሩ እንተቐጽዖም እዩ ንሶም ናብኡ ዝምለሱ፡ ነቲ መገድን ውጽኢቱን ንሱ ጥራይ እዩ ዝፈልጦ። እንታይ ትገብር፡ ወይ ስለምንታይ ከምዚ ትገብር ዝብሎ ድማ የልቦን "እቲ ቕድም ገለ ዝሀበኒ፡ ኣነውን ዝመልሰሉ፡ መን እዩ፧ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ዂሉ ናተይ እዩ"(እዮብ 41:3)።

ኣብ 2 ዜና መዋእል 33:10-12  «እግዚኣብሄር ከኣ ንምናሴን ንህዝቡን ተዛረቦም፡ ንሳቶም ግና ናብኡ ኣየቕለቡን። ሽዑ እግዚኣብሄር ንጉስ ኣሶር ሓላቑ ሰራዊት ናብ ልዕሊኦም ከም ዝመጹ ገበረ፡ ንሳቶም ድማ ንምናሴ ብመቓጥን ሓዝዎ፡ ብኽልተ ሰንሰለት ኣስራዚ ኣሲሮም ከኣ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ። ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸለየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱ‘ውን ኣዝዩ ርእሱ ኣትሓተ»" ይብለና። ስለዚ ምናሴ በቲ ዝወረዶ መቕጻዕቲ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝተመልሰ፣ ትሕት’ውን ከም ዝበለ ንርኢ።

ብተወሳኺ፡ ይሁዳ "ህዝቢ እግዚኣብሄር ኢየ" ዝብል ትምክሕቲ ስለ ዝነበራ፣ እቲ ኣንጻር እግዚኣብሄር ዝገበረቶ ሓጥያት በቶም "ኣምላኽ ዘይፈልጡ" ብምባል እትንዕቆም ዝነበረት ኣህዛብ ብምቕጻዓ ብፍሉይ ትሕት ምባል ንክኾነላ እግዚኣብሄር ዝተጣበቦ ጥበብ (ክኸውን ይኽእል) እዩ። ብናይ ኣምላኽ ዘይኮኑ ብኣህዛብ ክትቕጻዕ እንከላ ግን፣ ብሰሪ ሓጥያታ ከለላ እግዚኣብሄር ከም ዝረሓቓ ብግልጺ ስለ ዘርኢ፣ ንንስሓ ንኽትቅልጥፍ ክረድኣ ይኽእል።

እግዚኣብሄር ሰናይን ጥዑምን ኣምላኽ እዩ 《መዝ 34:8 "እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን፣ ኣብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ》ክቐጽዕ እንከሎ ድማ እቲ ዘልኣለማዊ ምሕረቱ እናዘከረ ንህዝቡ ንምቕናዕ፣ ካብ ሓጥያቶም ንምምላስን ንምእራምን ደአ እምበር ከጥፍኦም ወይ ክፉእ ክገብሮም ኢሉ ኣይቀጽዖምን እዩ። "እቲ ኸም ንውሉድ ገይሩ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ነቲ ዚቕበሎ ዘበለ ውሉድውን ይገርፎ፡ ስለዚ ቕጽዓት ጐይታ ኣይትንዓቕ፡ እንተ ገንሓካውን ሕሊናኻ ኣይተዕርብ" (እብራውያን 12:5-6)። ከምኡ እውን «ራእይ 3:19 ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖም እቐጽዖምውን እየ። ደጊም ቅናእ እሞ ተነሳሕ» "እግዚኣብሄር ሰናይን ቅኑዕን እዩ፣ ስለዚ ንሓጥኣን መገዱ ኺምህሮም እዩ" (መዝሙር 25:8)።

2: ኣምላኽ ንባህርያት እቶም ህዝቡ ንምቕጻዕ ዝጥቀመሎም ኣህዛብ ብኸመይ ይገልጾ፧ ወይ ኣምላኽ ባህርያት እቶም ኣህዛብ ንምግላጽ፡ እንታይ ዓይነት መገለጺ ይጥቀም፧

እግዚኣብሄር ነዞም ተጠቒሶም ዘለዉ ኣህዛብ ንምግላጽ ዝተጠቕመሎም ቃላት፦

●  ዘይናቶም መናበሪ ኽወርሱ ኣብ ስፍሒ ምድሪ ዝኸዱ (ማዕረ ስሱዓትን ገበትትን)

 ● መረርትን ፍጡናትን

 ● ዜፍርሁን ዜሰምብዱን

 ● ዕቡያት (ኣምላኽ ዘይፈርሑ/ዘይፈልጡ)

 ● ኣዚዮም ጭካናትን እኩያትን

 ● መላገጽቲ (ዕጅብ ዘይብሎም)

 ● ኣዝዮም ሓያላት

እቲ ነቶም ኣምላኽ ተጠቒምሎም ዘሎ ህዝብታት ተዋሂቡ ዘሎ ኩሉ መግለጺ፡ ምስቲ እግዚኣብሄር ንኢዮብ ክምልሰሉ እንከሎ ዝተዛረቦ ዘረባ ይመሳሰል። ብፍላይ ድማ ካብ፦

  • (ኢዮብ 39:19-26) ብዛዕባ ሓይልን ትብዓትን ፍጥነትን ፈረስ።

  • (ኢዮብ 39:27-30) ብዛዕባ ንስሪ፡ "ኣብኡ ዀይኑ ዚዝረፍ የማዕዱ፡ ኣዒንቱ ኽሳዕ ርሑቕ ይጥምታ" እናበለ

  • (ኢዮብ 41:1-26) ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ሓያልን ዘርዕድን እግዚኣብሄር ዝፈጠሮ ክዛረብ ከሎ፦ "ንሱ ዘይፈርህ ኰይኑ ተፈጥረ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ማዕሬኡ ዚኸውን ከቶ ኣይርከብን። ንልዕል ዝበለ ዂሉ ንዒቑ ይጥምቶ። ንብዘለዉ ደቂ ትዕቢት ከኣ ንጉሶም እዩ" ይብል።

ነዞም ኩሎም ፍጥረታቱ ክንድዚ ዝኣክል ሓይልን ግርማን ዝሃበ ኣምላኽ፡ ነዞም ዝጥቀመሎም ህዝቢ’ውን እዚ ኩሉ ዝሃቦም ባዕሉ እዩ። ንህዝቡ ዘሕልፈሎም ዘሎ መልእኽቲ’ምበኣር፡ "ግብሪ ኣእዳወይ’ኳ ክሳዕ ክንድዚ ሓይሉ ክብርተዓኩም ትርእዩ እንተለኹም፡ ናባይ እንተዘይተመሊስኩም መልሲ ዝህበኩም ካልእ ሓደ’ኳ የልቦን፤ ኣነ እዩ ዋና ናይዚ ኩሉ ትርእይዎ ዘለኹም ሓይልን ስልጣንን፡ እንታይ ገደሰኩም ባዕልኹም ውርደት ትጽውዑ" ዝብሎ ዘሎ’ዩ ዝመስል እግዚኣብሄር።

ጉጅለ ፍቕሪ ዝመለስዎ

 1: ኣምላኽ ህዝቡ ንምቕጻዕ ስለምንታይ ካልኦት ህዝብታት ይጥቀም፧

​ህዝቢ ኣምላኽ ካብቲ ዝተዋህቦም ሕጊ ወጺኦም ኣብ መንጎኦም ጭቆናን ዘይፍትሓውነትን ብዝተፈላለየ ሓጢአት ምስ ዓለዉ፡ ድሕሪ ብዙሕ መጠንቀቕታ ምምላስ እንተኣበዩ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ሕዝቢ ንምዕራይን ናብ ንስሓ ንምምላስን ግፍዒ ንጸላእቶም (ከለዳውያን፣ ባቢሎናውያን፣ ኣሶራውያን፣ ግብጻውያን...) ከም በትሪ መቕጻዕቲ ይጥቀመሎም ከም ዝነበረ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ተጻሒፉልና ኣሎ።

​ስለምንታይ ብጸላእቶም (ካብኦም ብዘይሕሹ እኩያት ህዝቢ) ይጥቀም፧

1.​ቅድመ-መጠንቀቕታ ቃል ኪዳን፡ እግዚኣብሄር ኣቐዲሙ፡ ብምእዛዞም ኣብ ልዕሊ ኩሎም ህዝቢ ክብ ከብሎም ምዃኑን ብዙሕ በረኸት ከም ዝሓፍሱን ብዘይ ምእዛዞም ከኣ ንጸላእቶም የሕሊፉ ከም ዝህቦም ኣቐዲሙ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ (ዘዳግም 28፥15-68፣ ዘሌዋውያን 26፥17)።

2.​ልኡላውነት ኣምላኽ ንምርኣይ፡ ኣምላኽ ከም ድልየቱን፡ ብድልየቱን፡ ክሰርሕ ዝጽግሞ ከም ዘይኮነ ከርኢ፣ ህዝቡ ንምቕጻዕ ብዝተፈላለየ ፍጡራቱ ከም ዝጥቀም ዝኽልክሎ’ውን ከም ዘየለ ይምህረና፡ (ኢሳ 10፥5-6)።

3.​ብዘይ ረዲኤት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ሓንቲ እኳ ክገብሩ ከም ዘይክእሉ ከረድኦም ስለ ዝደለየ እዩ። ብዘይ ቅልጽም ኣምላኽ ንጸላእቱ ክስዕር ከም ዘይክእል ተረዲኡ ኣብ ኣምላኹ ክውከልን :ንኣምላኽ ካብ ምጕሃይ ክሕሎ ከም ዘለዎን የዘኽኽር፡ (መዝ 44፥6-7፡ ዘዳግም 8፥17-18, 1ይ ሳሙኤል 17፥47, ኢሳይያስ 30፥15-16)።

4.​ንህዝቡ ብዘይ ህዝቡ ገይሩ ይቐጽዕን የቅንኦምን፡ እዚ ቃል እዚ፡ ህዝቢ እስራኤል ንእግዚኣብሔር ሓዲጎም ናብ ጣኦታትን፡ ዓመጽን፡ ግፍዕን፡ ምስ ዝምለሱ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንሳቶም ብዝንዕቅዎም ወይ ህዝቡ ብዘይኮኑ ህዝብታት ኣቢሉ የቕንኦምን ይቐጽዖምን (ዘዳግም 32፥21፣ ሮሜ 10፥19)።

'’ንሳቶም ኣምላኽ ብዘይኰነ ኣቕንኡኒ፣ ብኸንቱነቶም ኣዀረዩኒ። ኣነ ኸኣ ህዝቢ ብዘይኮነ ከቕንኦም፣ ብዓሻ ህዝቢ ከዀርዮም እየ'’።

5.
​ዘመን ምሕረቱ ብዘይምፍላጡ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ኢድ ጸላኢ ኣሕሊፉ ይዋሃብ፤ '’ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ብሩክ እዩ'’ ክሳብ ኢሎም ብንስሓ ዝምምለሱ ድማ ብጸላእቶም ይረግጾም  (ሉቃስ 19፥44፣ ሉቃስ 13፥34-35፣ 1ይ ነገስት 9፥7-8)

​'’ዘመን ምሕረትኪ ሳኣን ምፍላጥክስ፡ ንኣኺን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ኪግምጥሉኺ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪሐድጉልክን እዮም'’።

እግዚኣብሔር  ​ሽሕ’ኳ ንህዝቡ ንምቕጻዕ ከም መሳርሒ መቕጻዕቲ እንተተጠቀመሎም፣ መወዳእትኦም ጥፋት ምዃኑ ግን ቃል ኣምላኽ ኣጸቢቁ የረጋግጸልና እዩ: እግዚኣብሔር ን ረሲእ ከይቀጽዐ ኣይሓድጎን (ዕንባቆም 2፥8፣ 2፥16፤ ኢሳይያስ 10፥12፤ ኤርምያስ 50፥31-32)።

2: ኣምላኽ ንባህርያት እቶም ህዝቡ ንምቕጻዕ ዝጥቀመሎም ኣህዛብ ብኸመይ ይገልጾ፧ ወይ ኣምላኽ ባህርያት እቶም ኣህዛብ ንምግላጽ፡ እንታይ ዓይነት መገለጺ ይጥቀም፧

​መልሲ: ኣምላኽ ነቶም ከለዳውያን (ባቢሎናውያን) ክገልጾም ከሎ፡

●      ዘይናቶም መናበሪ ዝወርሱ፡ ኣብ ስፍሒ ምድሪ ዝኸዱ መረርትን ፍጡናትን( ኣን 1 :6)

●      ዜፍርሁን ዘሰንብዱን :ፍርዶምን ክብረቶምን ካባታቶም ይወጽእ ( ኣን 1: 7)

●      ኣፍራሶም ካብ ነብሪ ይቕልጥፉ፣ ካብ ቶዅላ ምሸት ይፈጥኑ፣ ፈረሰኛታቶም ይዝርግሑ፣ ፈረሰኛታቶም ካብ ርሑቕ ይመጹ፣ ከምቲ ናብ ምብላዕ ዚቕልጥፍ ንስሪ ይነፍሩ። (ኣን 1 :8)

●       ኵላቶም ኪዕምጹ ይመጹ፣ ትምኒት ገጾም ናብ ቅድሚኦም እዩ፣ ከም ሑጻ ዝምብዝሖም ይማርኹ።( ኣን 1 :9)

●      ንነገስታት የላግጹሎም፣ መሳፍንቲ ኸኣ መስሓቒ ይዀንዎ። ብዅሉ ዕርድታት ይስሕቁ፣ መሬት ይእክብ፣ ይወስዶ ኸኣ። (ኣን 1 :10)

●      ሽዑ ኸም ንፋስ ይሐልፍ፣ ንኽንየው ይሐልፍ፣ በዳሊ ኸኣ ይኸውን፣ ሓይሉ ድማ ኣምላኹ እዩ።( ኣን 1: 11)

ምስጋና ን ኣምላኽ

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

መጽናዕቲ መጽሓፍ ትንቢት ኣንባቆም፡ ዕዮ ገዛ ቍ. 3