መጽናዕቲ መጽሓፍ ትንቢት ኣንባቆም፡ ዕዮ ገዛ ቍ.5

ዝቐረቡ ሕቶታት

  1. ሕቶ 1 (ኣንባቆም 1:12-13)፦ ኣምላኽ ቅዱስን ጻድቕን ምዃኑ እናፈለጥና፡ ብዙሕ ጸገምን ጭንቅን ክንርኢ ኸለና ግና፡ ሓሳባትና ይጋጮ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን፡ ከም ኣንባቆም ንኣምላኽ "ስለምንታይ ስቕ ትብል፧" ቢልካ ምሕታት፡ ረብሓ ኣለዎዶ ትብሉ፧ ስለምንታይ፧

  2. ሕቶ 2 (ኣንባቆም 2:1)፦ ንኣምላኽ ከቢድ ጥርዓን ድሕሪ ምቕራብ፡ "ኣብ መሓለውየይ ደው ክብል እየ" ቢልና ንመልሲ ኣምላኽ ብትዕግስቲ ምጽባይ፡ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧ ነዚኸ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብኸመይ ክንትግብሮ ንኽእል፧

ጉጅለ ሰላም ዝመለስዎ

ጽድቅን ቅድስናን ኣምላኽ ምስ ክፍኣትን ስቓይን ዓለም ንምርዳእ ክከብደና ከሎ፡ ንኣምላኽ “ስለምንታይ?” ኢልና ብእምነት ምሕታት ዓቢ ረብሓ ኣለዎ። ንኣብነት፦

ሀ- ሕቶታትናን ስክፍታታትናን ብሓቀኛ ጸሎት ናብ ኣምላኽ ከነቕርብ ይሕግዘና። (ዳዊት 13፡1–2)

ለ- ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብን እምነትን የጽንዕ። ኣምላኽ ክሰምዓናን ክሕግዘናን፡ ብክርስቶስ ድማ ንጭንቀትና ናብ ሰላም ከም ዝልውጥ ክንኣምን ይሕግዘና። (ዳዊት 62፡8፣ ፊልጲ 4፡6–7)

ሐ- ካብ ምድንጋር ናብ እምነትን ምውዳስ ኣምላኽን ክንሰግር ይሕግዘና። ከምቲ ኣንባቆም ኩነታቱ እኳ እንተዘይተቐየረ፡ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ እምነት ብዘይ ቅድመ ኩነት ዝገለጸ ንከውን። (ኣንባቆም 3፡17–19)

መ- ኣምላኽ ፍትሓዊ ፈራዲ ምዃኑን ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ከም ዝፈድዮን ብምፍላጥ፡ ዋላ ፍትሒ ዝጠፍኣሉ ኣብ ዝመስል እዋን፥ ብምሉእ ልብና ኣብ ኣምላኽ ክንኣምን ይሕግዘና። (ሮሜ 2፡5–6፣ መዝሙር 37፡7–10)

 ሕቶ 2 (ኣንባቆም 2:1)፦ ንኣምላኽ ከቢድ ጥርዓን ድሕሪ ምቕራብ፡ "ኣብ መሓለውየይ ደው ክብል እየ" ቢልና ንመልሲ ኣምላኽ ብትዕግስቲ ምጽባይ፡ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧ ነዚኸ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብኸመይ ክንትግብሮ ንኽእል፧

ከቢድ ሕቶ ድሕሪ ምቕራብ፡ ንመልሲ ኣምላኽ ብትዕግስቲ ምጽባይ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣንባቆም ኣብ መሓለውኡ ደው ኢሉ ምጽባዩ፡ ብትዕግስቲ ምጽባይን ንመልሲ ኣምላኽ ድሉዋት ምዃንን የርእየና።

ኣገዳስነት ብትዕግስቲ ምጽባይ፦

ሀ- ግዜ ኣምላኽ ካብ ግዜና ዝተፈልየ ስለ ዝኾነ። ኣምላኽ ንኣንባቆም፡ “እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፥ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ” ከም ዝበሎ፡ ኣምላኽ ኩሉ ነገር ብግዜኡን ብጥበቡን ስለ ዝገብር ንግዜኡ ክንጽበ ኣሎና። (ኣንባቆም 2፡3)

ለ- ትዕግስቲ እምነትና የጽንዕ። “ጻድቕ ብእምነቱ ይነብር” ከም ዝብል፡ ኩነታትና ብዘየገድስ ንኣምላኽ እናተጸበና ኣብ እምነትና ክንቅጽል ይምህረና። (ኣንባቆም 2፡4)

ሐ- ካብ ህዉኽ ውሳነታትን ጌጋ መንገድን ይሕልወና። ትዕግስቲ፡ ብስምዒትና ተደሪኽና ጌጋ ውሳነ ከይንውስን፡ ከይነማርር፡ ወይ ብናትና መንገዲ ክንፈትሖ ካብ ምፍታን ይሕልወና።

መ- ንተግሳጽን ፍቓድን ኣምላኽ ክንቅበል ድሉዋት ይገብረና። መልሲ ኣምላኽ ከም ትጽቢትና፡ ኣንጻር ትጽቢትና፡ ወይ ብስቕታ ክኸውን ይኽእል። ምጽባይ ንምኽሪ ኣምላኽ ንምስማዕ፡ ተግሳጹ ንምቕባልን ፍቓዱ ንምፍጻምን ትሕትና ይምህረና።

ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እነተግብረሉ መንገድታት፦

 1- ብቐጻሊ ምጽላይ፦ “ከየባተኽኩም ጸልዩ” ዝብል ቃል ኣምላኽን እታ ፍትሒ ዝደለየት መበለትን ብምዝካር፡ መልሲ ብቕልጡፍ እንተዘይረኸብና ተስፋ ኣይንቑረጽ። (ሉቃስ 18፡1–8፣ 1 ተሰሎንቄ 5፡17)

 2- ቃል ኣምላኽ ምንባብ፦ መምርሒ ኣምላኽ ክንደሊ ኣሎና። መልሲ ሕቶታትና ቃሉ ብምርዳእ ክምለሰልና ይኽእል። “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ ንመገደይ ብርሃን እዩ።” (መዝሙር 119፡105)

 3- ሓላፍነትና ምቕጻል፦ እናተጸበና ከለና፡ ስራሕና፡ ኣገልግሎትናን ጽቡቕ ምግባርናን ብትዕግስቲ ክንቅጽል ኣሎና። (ገላትያ 6፡9)

4- ብህድኣት ምጽባይ፦ ኣምላኽ እቲ ዝሓሸ ፍታሕ ከም ዝፈልጥ ብምእማን፡ ብዘይ ምጉርምራም ብትዕግስቲ ንጽበ። (መዝሙር 37፡7፣ ፊልጲ 2፡14)

5- ፍቓድ ኣምላኽ ምቕባል፦ ከምቲ ክርስቶስ፡ “ፍቓድካ እምበር ፍቓደይ ኣይኹን” ዝበለ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ድሌትና ከም ዝበልጽ ተረዲእና፡ መልሱ ብትሕትና ንቕበል። (ሉቃስ 22፡42)

6- ብባህርይ ኣምላኽ ምእማን፦ ኩነታትና ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ እሙንን ፍትሓውን ፈቃርን ምዃኑ ንዝክር። እምነትና ኣብ እንደልዮ መልሲ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ እሙን ዝኾነ ኣምላኽ ይምስረት። (ፊልጲ 1፡6)

ጉጅለ እምነት ዝመለስዎ

ሕቶ 1 (ኣንባቆም 1:12-13)፦ ኣምላኽ ቅዱስን ጻድቕን ምዃኑ እናፈለጥና፡ ብዙሕ ጸገምን ጭንቅን ክንርኢ ኸለና ግና፡ ሓሳባትና ይጋጮ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን፡ ከም ኣንባቆም ንኣምላኽ "ስለምንታይ ስቕ ትብል፧" ቢልካ ምሕታት፡ ረብሓ ኣለዎዶ ትብሉ፧ ስለምንታይ፧

እወ ረብሓ ኣሎዎ። ብቐንዱ ሰብ ምስ ኣምላኽ ሕብረት ንኽህልዎ’ዩ ተፈጢሩ። ኣብ ሕብረት ከኣ ምብህሃል ምዝርራብ ክህሉ ብግዲ’ዩ። ነገራት ክጽብቕ፡ ክሰልጥ፡ ክቐንዕ ከሎ፡ ምምሳው፡ ምምስጋን፡ ምንኣድ፡ ምድናቕ ወዘተ ከም ዘድሊ፣ ነገራት ብኣንጻር ትጽቢት ክኸዱ ከለዉ ድማ፡ ስለምንታይ ቢልካ ምሕታት፡ መቐጸልታ እቲ ፍቕራዊ ርክብ’ዩ።

- ኣብርሃም ብዛዕባ ሰዶም ክከራኸር ከሎ፡ ”ንጻድቕ ምስቲ ረሲእ ምቕታል ከምዚ ዝበለ ነገር ምግባርሲ ኻባካ ይርሓቕ፡ እቲ ጻድቕ ከምቲ ረሲእ ኪኸውንሲ፡ ኻባኻ ይርሓቕ። እቲ ፈራድ ኲላ ምድርስ ፍትሒዶ ኣየውጽእን እዩ፧ ” ከም ዝበለ ተነጊሩና’ሎ፡ (ዘፍ 18:25)። መልእኽቲ ያእቆብ ከነጽንዕ ከለና ከም ዝተመሃርናዮ ኸኣ፡ ኣብርሃም ”ፍቁር ኣምላኽ” ከም ዝተባህለ እዩ (ያእ2.23)።

- ሙሴ፡ ”ዎ እግዚኣብሄር፡ ስለ ምንታይ ኵራኻ ኣብዚ ብዓብዪ ሓይልን ብጽንዕቲ ኢድን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ይነድድ፧. . . ካብቲ ነዳዲ ዅራኻ ደኣ ተመለስ፡ ካብቲ ንህዝብኻ ኽትገብሮ ዝሐሰብካዮ ኽፋእ ድማ ተጠዓስ” ከም ዝበሎ ነንብብ ዘጸአት 32:12። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ዝቕጽል ምዕራፍ፡ ንሙሴ ክምስክረሉ ከሎ ድማ፡ ”ሰብ ምስ ፈታዊኡ ኸም ዚዛረብ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምስ ሙሴ ገጽ ንገጽ ተዛረበ” እዩ ዝብል፡ (ዘጸ33.11)።

ስለዚ ሰብ፡ ተስፋ ብምቝራጽ፡ ብምሕላል፡ ንኸኣልነት ኣምላኽ ኣብ ምልክት ሕቶ ብምእታው ደኣ ”ስለምንታይ” ኣይበል እምበር፡ ብፍቕራዊ ርክብ ንኣምላኽ ”ስልምንታይ ምባል ግና፡ ዝያዳ ተኣማንነት፡ ሓድሽ መገዲ ህይወት፡ እቲ ፍረ መንፈስ ዝዀነ ምህሮ ዓቕልን ትዕግስትን ከነጥሪ ዝሕግዘና ስለ ዝዀነ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ረብሓ ኣሎዎ።

ሕቶ 2 (ኣንባቆም 2:1)፦ ንኣምላኽ ከቢድ ጥርዓን ድሕሪ ምቕራብ፡ "ኣብ መሓለውየይ ደው ክብል እየ" ቢልና ንመልሲ ኣምላኽ ብትዕግስቲ ምጽባይ፡ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧ ነዚኸ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብኸመይ ክንትግብሮ ንኽእል፧

ብትዕግስቲ ክትጽበ ምኽኣል፡ ምልክት ብጽሕና እዩ። ኣገዳስነቱ ድማ፡ ብጽሕና፡ ብስለት፡ ዝያዳ ምእትእምማን፡ ጽንዓት ወዘተ ስለ ዝፈርየልና እዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፡ “እምብኣርሲ፡ ኣሕዋተየ፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዐገሱ። እንሆ፡ ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ፡ ኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚረክብ’ውን ይዕገስ እዩ” ይብለና፡ (ያእ 5:7)።

ይትረፍ ዶ ድሕሪ ከቢድ ጥርዓን፡ ንተራ ነገር’ው ምጽባይ’ውን ብሱሩ ቀሊል ኣይኰነን። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ኩሉ ነገር ቅልጡፍ ኰይኑሉ ዘሎ ዘመን ከኣ፡ ነቲ ብትዕግስቲ ምጽባይ ኣዝዩ ፈታኒ ጉዳይ ኰይንዎ ዘሎ እዩ። ደው ምባል፡ ምጽናዕ፡ ምጽባይ፡ ብደገፍ ኣምላኽ እንተዘይኰይኑ፡ ብዓቕሚ ሰብ ዝከኣል ዘይምዃኑ፡ ዛንታ እቲ “ንምእማን ኣይደኸመን” እተባህለሉ፡ ኣቦና ኣብርሃም ምጥቃስ እኹል’ዩ። ብእምነት እናተጸበየ ኽንሱ ግናኸ ብኣቋራጭ ንእስማኤል ከም ዝወለዶ ንፈልጥ ኢና። ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንምትግባሩ እምበኣር፡ እተን ዓንዲ ሕቖ እምነት ዝዀና፡ ዘየባትኽ ቃል ኣምላኽ፡ ጸሎትን ሕብረት ኣሓዋትን ክህልወና ከም ዝግባእ’ዩ። እቲ ቓል ተስፋ ክዘርኣልና፡ ጥርጥር ከርሕቐልና፡ መንፈስ ክመልኣና’ዩ። ነዚ ኩነት እዚ ብጸሎት ምስ እንድርዖ፡ ብጽሕና መንፈሳውነትና ይዓቢ፡ ኣብ ሕብረት ኣሕዋት ድማ፡ ተስፋና ብምሕዳስ፡ ምግላጽ ቃልን ሓይሊ መንፈስ ቅዱስን እናተመላእና፡ ነቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ ብእምነት ክንጽበዮ የኽእለና። "ብእግዚኣብሄር ተሰፎ፣ በርትዕ፣ ልብኻ ቀጥ ይበል፣ ኣጆኻ፣ እወ፣ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር" (መዝ 27፡14)።

ጉጅለ ምሕረት ዝመለስዎ

ሕቶ 1 (ኣንባቆም 1:12-13)፦ ኣምላኽ ቅዱስን ጻድቕን ምዃኑ እናፈለጥና፡ ብዙሕ ጸገምን ጭንቅን ክንርኢ ኸለና ግና፡ ሓሳባትና ይጋጮ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን፡ ከም ኣንባቆም ንኣምላኽ "ስለምንታይ ስቕ ትብል፧" ቢልካ ምሕታት፡ ረብሓ ኣለዎዶ ትብሉ፧ ስለምንታይ፧

"ስለምንታይ  ስቕ  ትብል?" ኢልና  ምሕታት  ብርግጽ  ብዙሕ  ረብሓታት  ኣለዎ። ካብቲ  ረብሓታቱ  ገለ  ንምዝርዛር፡-

  1. ንእግዚኣብሄር  'ስለምንታይ'  ኢልና  ብምሕታት፡ መንገድታቱን  መደባቱን  ክገልጸልናን፡  ነዚ  ምስ ተረዳእና  ድማ  ሃዲእና  ንተግባራቱ  ንኽንጽበዮ  ይረድኣና  ( ኢሳ 55:8-9 ሓሳባትኩም  ሓሳባተይ ኣይኮነን: መንገድታትኩም  ከኣ  መንገድታተይ ኣይኮነን:  ይብል  እግዚኣብሄር:: ከምቲ  ሰማይ ካብ  ምድሪ  ልዕል  ዝብል:  መንገድታተይ  ካብ መንገድታትኩም:  ሓሳባተይ  ከኣ  ካብ ሓሳባትኩም  ካብ  ሓሳባትኩም  ልዕል  ዝበለ እዩ::)

  2. ኣብ  ቕድሚ  እግዚኣብሄር  ብእምነት  ብጸሎት ብምቕራብና  ጥራይ፥  እቲ  ንኹሉ  ምርዳእ  ሓለፍ ዝብል  ሰላም  ኣምላኽ  ይውሕዘልና  (ፊልጲ 4:6-7 ድሌትኩም  ዘበለስ  ብጸሎትን  ልማኖን  ምስናይ  ምስጋና  ኣብ  ኣምላኽ  ይፈለጥ  እምበር፡ ብገለ  እኳ  ኣይትጨነቑ። እቲ  ኻብ  ኵሉ  ኣእምሮ ዚበልጽ  ሰላም  ኣምላኽ  ድማ  ንልብኹምን  ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።)

  3. ጾርና  ይቐልል:: ደገፍ  እግዚኣብሄር  ድማ  ንቕበል (መዝ 55:22  ጾርካ  ናብ  እግዚኣብሄር  ደርብዮ፣ ንሱ  ኺድግፈካ  እዩ።  ንጻድቕ  ሰንከልከል  ኪብል ከቶ  ኣይሐድጎን።) (ማቴ 11፥28)  ኣቱም ኵልኹም  እትጽዕሩን  ጾር ዝኸበደኩምን፡  ኣነ  ኸዕርፈኩም  ናባይ  ንዑ።

  4. ካብ'ቲ  ገጢምና  ዘሎ  ነገር  ኸውልን  ምድሓንን ንረክብ (መዝ 18፡ 2-3  እግዚኣብሄርሲ ኸውሔይ፣  ዕርደይ፣  መናገፍየይ፣ ኣምላኸይ፡ ዝሀድመሉ ጸግዔይ፣ ዋልታይ፣  ቀርኒ ምድሓነይ፣  ልዕል  ዝበለ  ኸውለይ  እዩ። ናብቲ ሞሳ  ዚግብኦ  እግዚኣብሄር  ተማህለልኩ እሞ፣ ካብ  ጸላእተይ  ደሐንኩ።)

  5. እግዚኣብሄር  ከም  ፍቓዱ  ጌርና  እንተሓቲትናዮ፡ ብኸንቱ  ድለዩኒ  ዝብል  ኣምላኽ  ስለዘይኮነ፡ ብግዚኡ  ክምልሰልና  ብግዲ  ኢዩ።

( ሉቃ 11፡10  ለምኑ  ኺውሃበኩም፡  ድለዩ  ኽትረኽቡፀ ኢኹም፡ ማዕጾውን  ኳሕኳሕ  ኣብሉ፡  ኪኽፈተልኩም  እዩ እብለኩም  አሎኹ::)

(ሉቃስ 18፥ 7-8: ኣምላኽዶ  ግዳ  ነቶም  ለይትን መዓልትን  ናብኡ  ዚጠርዑ  ሕሩያቱ  ፍትሒ ኣየውጽአሎምን  እዩ፧  ይጽመሞምዶኸ፧  ቀልጢፉ  ፍትሒ  ኸም  ዜውጽአሎም፡  እብለኩም አሎኹ።)

  1. እግዚኣብሄር  ብቐጥታ  ኮነ  ብዘይቕጥታ  ክምልሰልና  እንከሎ፥  ምስኡ  ዘለና  ሕብረት  ይዓቢ፥  እምነትና  ይውስኽ፥  ተስፋና'ውን  ይሕደስ።

  2. እግዚኣብሄር  ኣብ  መዓልታዊ  ሂወትና  ዝገብሮ  ዘሎ  ዓበይቲ  ነገራት  ከነስተውዕልን  ክንምርምርን  ይገብረና

 (ኣን 1፡5 እንተ  ነገሩኹም  እኳ  ዘይትአምንዎ ግብሪ  ብመዓልትታትኩም  እገብር  ኣሎኹ  እሞ፣  ኣብ  ማእከል  ኣህዛብ  ርኣዩን  ጠምቱን፣  ተገረሙ  ተደነቑውን።)

ሕቶ 2 (ኣንባቆም 2:1)፦ ንኣምላኽ ከቢድ ጥርዓን ድሕሪ ምቕራብ፡ "ኣብ መሓለውየይ ደው ክብል እየ" ቢልና ንመልሲ ኣምላኽ ብትዕግስቲ ምጽባይ፡ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧ ነዚኸ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብኸመይ ክንትግብሮ ንኽእል፧

ኣብቲ  መሐለዊ  ማለት ኣብቲ  እግዚኣብሄር  ዝሓልፈሉ  ጎደና  ምህላውን  ምጽብባይን  ኣገዳስነቱ  እዚ  ኢዩ  ኢልካ  ክምጠን  ክሳዕ  ዘይከኣል  ኣዝዩ  ዓቢይ  ኢዩ። ገለ ንምጥቃስ፦

  1.  ኣብቲ  እግዚኣብሄር  ዝሓልፈሉ  ጎደና  (መሐለዊ) እንተለኻ  ጥራይ  ኢኻ  ንሱ  ክዛረበካ  እንከሎ  ክትሰምዕን፡  እቲ  ልክዕን  ጽቡቅን  ምሉእን  መልሲ  ሕቶኻ  ክትረኽቦ  እትኽእል።

●        ኣን 2፥1 ብዛዕባ  እቲ  ኽትዔይ  ንሱ እንታይ  ከም  ዚዛረበንን  ኣነ  እንታይ ከም  ዝመልሰሉን  ተተንቂቐ  ኽርእስ፣  ኣብቲ  መሐለውየይ  ደው  ክብል፣  ኣብ  ልዕሊ  ግምቢውን  ክቐውም  እየ።

●        ያእ 1፥17: ጽቡቕ  ውህበትን  ምሉእ  ውህበትን  ካብ  ላዕሊ  እዩ፡  ካብቲ  ለውጢ  ወይስ  ምምልላስ  ጽላሎት  ዜብሉ  ኣቦ  ብርሃናት  እዩ  ዚወርድ።

ሓቲትካ  ከተብቕዕ ፥  ዓቕሊ  ስለዝሰኣንካ  ወይ'ውን  ምጽባይ  ንልብኻ  ስለዘማህመኖ፡  መሕለዊኻ  ሓዲግካ   ናብ  መንገድኻ  ምኻድ  ነቲ  እግዚኣብሄር  ዝሓሰበልካ  ኣዝዩ  ብሉጽ  ዓስቢ  የኽስረካ  ወይ  የደናጉየልካ።  ስለ'ዚ  ኣብ  ክንድ'ቲ  ኣምላኽ  ዘተስፈወካ  ይስሓቕ፡  ብናትካ  መንገዲ  ኬድካ  እስማዔል  ተምጽእ።

ምንም'ኳ  ብትዕግስቲ  ጸኒዕካ  ምጽባይ  ከቢድን  ብዙሕ  ዋጋ  ዝሓትትን  ክኸውን  ዝኽእል  እንተኾነ፡  እምነትካ  ከም  ወርቂ  ተኾሊዓ  እትወጸሉን፡  ብዙሕ  መንፈሳዊ  ፍረ  እትፈርየሉን  ናብ  መንፈሳዊ  ዕብየት  ዝመርሕ  መንገዲ  ኢዩ። 

●         1 ጴጥ 6-7: እቲ  ምፍታን  እምነትኩም ብምግሃድ  የሱስ  ክርስቶስ  ንምስጋናን  ስብሓትን  ክብርን  ብሓዊ  ኻብ  ዚዅላዕ  ንሓላፊ  ወርቂ  ኣዝዩ  ኸቢሩ  ምእንቲ  ኺርከብ፡  እንተ  ኣድለየስ፡  ሕጂ  ብብዙሕ  ዝዓይነቱ  ፈተና  ምስ  ጕሄኹም፡  ብእኡ  ኽትሕጐሱ  ኢኹም።

  1. ክንጽበዮ፥  ዋላ  እንተደንጉየ'ውን  ክንጽበዮ፡  ትእዛዝ  እግዚኣብሄር  ኢዩ።

●        ኣን 2፥2-3  እግዚኣብሄር  ድማ፣  እቲ ራእይ  ንምዱብ  ጊዜ  እዩ፣  ናብ መወዳእታ  ይቕልጥፍ  ኣሎ፣  ኣይሕሱን ከኣ  እዩ።  ብርግጽ  ኪመጽእ  ኣይኪድንጕን  ድማ  እዩ  እሞ፣  እንተ  ደንጕየ  እኳ  ተጸበዮ።  ስለዚ  ብጕያ  ኺንበብሲ፣  ነቲ  ራእይ  ጽሐፎ፣  ኣብ  ሰሌዳታትውን  ቅረጾ፣  ኢሉ  መለሰለይ።)

●        ሉቃስ 18፥ 7: ኣምላኽዶ  ግዳ  ነቶም ለይትን  መዓልትን  ናብኡ  ዚጠርዑ  ሕሩያቱ  ፍትሒ  ኣየውጽአሎምን  እዩ፧ ይጽመሞምዶኸ ፧ ቀልጢፉ  ፍትሒ ኸም  ዜውጽአሎም፡  እብለኩም አሎኹ።

ነዚ  ኣብ  መዓልታዊ  ሂወትና  ንኽንትግብሮ  ዝሕግዙና ነጥብታት  ድማ፦

  1. ክንጸባበዮ  ደው  ክንብል  ምዃንና  ቖሪጽና  ምውሳን  ( ኣን 2፥1)

  2. ምእንቲ  ከይንሕለልን  ተስፋ  ኸይንቖርጽን፡ እግዚኣብሄር  ብመንፈሱ  ከበርትዓና  ብጸሎት  ምንቃሕ (ማር 14:38)  ናብ   ፈተና  ኸይትኣትዉ፡  ንቕሑ  ጸልዩውን።  መንፈስሲ  ተዳልዩ  አሎ፡  ስጋ  ግና ድኹም  እዩ፡  በሎ። እግዚኣብሔር   ብግዚኡ  ከምዝዓዪ ብምርዳእ፥  እንተደንጎየ' ኳ  ብዘምሕላልን  ብዘይዕረፍትን  ምጽባይ::

 (ኢሳ 62፥6፡ ዎ  የሩሳሌም፡  ኣብ  ልዕሊ ቐጽርኺ  ሓለውቲ  ኣቚመ  ኣሎኹ፡  ለይትን  መዓልትን  ከቶ  ስቕ  ኣይኪብሉን  እዮም።  ኣቱም  ንእግዚኣብሄር  እተዘክርዎ፡  ኣይትዕረፉ።

እግዚኣብሄር  ሰናይ  ምዃኑን  መፈጸምታን  ተስፋን  ክህበና  ሓሳብ  ደሓን'ምበር  ናይ  ክፉእ  ከምዘይብሉ ብምእማን  ምጽባይ:: ( ኤር 29፥ 11) (ሉቃ 18፥8)

ጉጅለ ፍቕሪ ዝመለስዎ       

ሕቶ 1 (ኣንባቆም 1:12-13)፦ ኣምላኽ ቅዱስን ጻድቕን ምዃኑ እናፈለጥና፡ ብዙሕ ጸገምን ጭንቅን ክንርኢ ኸለና ግና፡ ሓሳባትና ይጋጮ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን፡ ከም ኣንባቆም ንኣምላኽ "ስለምንታይ ስቕ ትብል፧" ቢልካ ምሕታት፡ ረብሓ ኣለዎዶ ትብሉ፧ ስለምንታይ፧

እቲ ትርእዮን ትሓቶን ከም ፍቃድ ኣምላኽ ምዃኑ ርግጸኛ እንተ ዄንካ፡  እወ ብልክዕ ዓቢ ረብሓ ኣለዎ። ከምቲ ኣብ ፊልጲ 4፥6: ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። 

# ኣንባቆም ስለምንታይ እከይን ዓመጽን ከም ዝበዝሐ ንኣምላኽ ስለምንታይ ስቕ ከምዝበለ ምስ ሓተተ ፡ ኣምላኽ ድማ ብራእይ ከምዚ ብምብል መለሰሉ፡ ጻድቕ ብእምነት እዩ ዝነብር ዝብል ዓቢ መለኮታዊ ሓቂ ሃቦ ( ኣንባቆም 1፥2) 

# ምኽንያቱ እቲ ፍጹምን ቅኑዕን መልሲ ካብ ኣምላኽ ጥራይ ስለ ዝኾነን ፡ ኣምላኽ ስቕ ኣብዝበለሉ ዝጽሓፍ ታሪኽ የለን ፡ ህይወት ብዘይ ናይ ኣምላኽ ቃል ትርጉም ውን ስለ ዘይብሉን ። 

ስለዚ ረብሓ ዝርርብ ምስ ኣምላኽ ካብ ነቲ ረብሓ ምዝርዛር፡ ምስ ኣምላኽ ብዘይ ምዝርራብካ ዝርከብ ረብሓ የለን ምባል  ይሓጽር ።  

@ ምስ ኣምላኽ ብምዝርራብ ከም እስራኤላውያን መገድኻ በኸመይን ናበይን ምዃኑ ትፈልጥ 

@ ከም ሰሎሞን እታ ክትስራሕ ዘለዋ ቤት መቕደስ፡ ከመይን ብኸመይን ከም እትኸውን ትፈልጥ 

@ ከም ነህምያ ነታ ዝዓነወት ቤት መቕደስ ክትሰርሕ ትብገስ  

@ ትእዛዝ ካብ ኣምላኽ ትቕበልን ብኸመይ ከም እተተግብሮ ትፈልጥን…. ወዘተ 

ሕቶ 2 (ኣንባቆም 2:1)፦ ንኣምላኽ ከቢድ ጥርዓን ድሕሪ ምቕራብ፡ "ኣብ መሓለውየይ ደው ክብል እየ" ቢልና ንመልሲ ኣምላኽ ብትዕግስቲ ምጽባይ፡ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧ ነዚኸ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብኸመይ ክንትግብሮ ንኽእል፧

መልሲ ~ ናይቲ ናብ ኣምላኽ  ዘቅረብካዮ ጥርዓን ካብ ኣምላኽ ጥራይ ስለ ትረኽቦ እቲ መልሲ ፡ ኣገዳስነቱ እዚ እዩ ተባሂሉ ክሳብ መግለጺ ትስእነሉ ደረት ኣልቦ እዩ። ምኽንያቱ መልሲ ካብ ኣምላኽ ክሳብ ዝመጸካ ኢኻ ክትጽበ ዘለካ እምበር ስለ ዝደንጎየካ ኣምላኽ መልሲ የብሉን ማለት ኣይኮነን ።  

ኣንባቆም 2-3: እግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ ኣሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጕየ እኳ ተጸበዮ።  

እንሆ፡ ምስማዕ ካብ መስዋእቲ፡ ጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ። (1ይ ሳሙኤል 15፥22) 

ከምኡ እውን ኣብ 2ይ ዜና 16፥9  

 ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።’’Æ 

ነዚ ኸ ኣብ ምዓልታዊ ህይወትና ብከመይ ክንትርጉሞ ንኽእል ንዝብል ድማ ፡  

  • ብምሕዳስ ሓሳብና ብምልዋጥ  

ሮሜ 12፥2 

  • ንእግዝኣብሔር ብምርኣይ  

ዳን 9፥21, መዝ 119፥18 

  • ጥቕሚ ራእይ ብግቡእ 

ብምርዳእ ድማ ርእስና ብምውፋይ ኣብ ህይወትና  ክንትርጉሞ ንኽእል ። ግብ 20፥25 -31 

ስብሓት ንእግዚኣብሔር! 

 

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

መጽናዕቲ መጽሓፍ ትንቢት ኣንባቆም ዕዮ ገዛ ቍ.4