መጽናዕቲ መጽሓፍ ትንቢት ኣንባቆም ዕዮ ገዛ ቍ.7፡

ዝቐረቡ ሕቶታት

1. እግዚኣብሄር መዓስ‘ዩ ዝፈርድ፧ ስለምንታይ ከ፧

2. ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ስቕ ክንብል ዝግብኣና መዓስ‘ዩ፧ ስለምንታይ ከ፧

ጉጅለ ፍቕሪ ዝመለስዎ

1. እግዚኣብሄር መዓስ‘ዩ ዝፈርድ፧ ስለምንታይ ከ፧

ዓለም ኣብ ትሕቲ፡ ግዝኣትን ቁጽጽርን እግዚኣብሄር እያ፣ ኩሉ ስልጣን’ውን ናይ እግዚኣብሄር ኢዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ፣ እግዚኣብሄር በቲ ምዱብ ግዜ፣ አብ ምድሪ ኾነ አብ ሰማይ ይፈርድ፡(መክ 3:1)። ኣብዛ ዘለናያ ህይወት፡ ብጊዜያዊ ፍርዱ ኣቢሉ ንሰባት ይመልስን ህላውነቱ ይገልጽን። ማይ አይህን፣ ሰዶመ- ጎመራን ከም ንመረዳእታ ክንጠቅስ ንኽእል። ካልእ፡ ሰብ ድሕሪ ምምዋቱ፡ ዝተሰርዐ ፍርዲ ድማ ኣሎ። ኣብ እብ፣ 9፣27-28: “ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ሙማት ብድሕሩኡ’ውን ፍርዲ እተሰርዖ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ንሓጢኣት ብዙሓት ኬርሕቕ ኢሉ ሓንሳእ እተሰውኤ ክርስቶስ ንምድሓን እቶም ዚጽበይዎ ኻልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ኪግለጽ እዩ” ይብል። ጐይታ፣ ንጻድቃንን ሓጥአንን ዓስቦም ዝህበሉ ናይ መወዳእታ ፍርዲ’ውን ኣሎ፡ (ማቴ 16:27)። ኣምላኽ ነዚ ዅሉ ኣብቲ ንሱ በቲ ዘይምርመር ፍልጠቱ ዝመደቦ ልክዕ ጊዜ ይገብሮ።

እግዚኣብሄር ስለምንታይ እዩ ዝፈርድ ንዝብል ሕቶ ድማ፡-

  • ኣምላኽ፡ ቅዱስን ጻድቕን ስለ ዝኾነ እዩ ዝፈርድ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንኽፍኣት፡ ንጭቆና፡ ወይ ንሓጢኣት ሸለል ክብሎ ኣይክእልን እዩ፡ (መዝሙር 89:14፣ ኣንባቆም 1:13)። ስለዚ እምበኣር ኣምላኽ፡ ፍትሒ ንምንጋስን በደል ንምእራምን፡( ዘዳ 10፣18፣ ኢሳ 13፣11)፣

  • ንሓቂ ካብ ሓሶት ንምፍላይ ይፈርድ (ዘጸ 18፣25)።

  • ኣምላኽ፡ ንህዝቡ ንምግሳጽን ንምምላስን’ውን ይፈርድ እዩ። እዚ ድማ ናብኡ ተመሊሶም ተኻፈልቲ ቅድስናኡ ምእንቲ ክኾኑ እዩ (እብራውያን 12:6, 10፣ 1 ቆሮንቶስ 11:32)።

  • ኣብ መወዳእታ ድማ ንኽፍኣት ንሓዋሩ ንምጥፋእ ንነፍሲ ወከፍ ከከ ም ግብሩ ይፈርድ መዝ፣ 62፣12 ። በቲ ናይ መወዳእታ ፍርዱ ንኹሉ ሓጢኣት፡ ሞትን ብልሽውናን ኣወጊዱ፡ ሰላም ዝሰፈኖ ዝተሓደሰ ፍጥረት የቕውም (ራእይ ዮሃንስ 21:1–4, 8)።

2. ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ስቕ ክንብል ዝግብኣና መዓስ‘ዩ፧ ስለምንታይ ከ፧

ኣብ ጒጅለና ብክልተ ወገን ኢና ክንርእዮ ፈቲንና። እቲ ቐዳማይ ብቓልካ ከይተዛረብካ ስቕ እትብለሉ አጋጣሚ ኢዩ። ኣምላኽ ዓብዪ ኢዩ፡ ኣብ ቅድሚ ልዑላዊ ንግስነቱን፡ ፈራድነቱን ስቕ ክንብል ይግብኣና (እንባ 2:20፣ ዘካ. 2፣ 13፣ ጸፎ. 1፣7))፡ ጥበቡ ካብ ጥበብና ኣዝዩ ስለ ዝበልጽ’ውን ዘከራኽር የብልናን (ኢዮ 40:4-5)። ብተወሳኺ፡ ብስምዒት ተደሪኽና ብታህዋኽ ዘይተሓስቡ ቃላት ወይ ከንቱ መብጽዓታት ምእንቲ ከይንዛረብ ንምዝራብ ክንፍተን ከለና ኣፍና ክንዓጹ ኣለና (መክብብ 5:2)። ኣምላኽ ክግስጸና ወይ ክወቕሰና ከሎ እውን ኣብ ክንዲ ምክርኻርን ንርእስና ምክልኻልን ብትሕትና ስቕ ምባል የድሊ (መዝሙር 39:9) እቲ ካልእ ስቕ ክንብለሉ ዘለና ጊዜ ድማ ድማ መልሲ ጸሎትና ኣብ እንጽበየሉ ሃዲእና ክንጽበ ከለናን ኢዩ። ስቕታ ካልእ መልክዕ ናይ ኣምልኾ’ውን ኢዩ። ስለዚ ንሱ ክዓዪ፣ ንሕና ድማ ብእምነት ክንጽበ፣ ስቕ ክንብል፣ ማለት ልብና ከነህድእ፣ ንሱ ነቲ ዝብሎ ከም ዝገብሮ አሚንና ብትዕግስቲ ክንጽበ ኣለና።(መዝ 62:5) ከምዚ ዝኣመሰለ ስቕታ መልሲ ኣምላኽ ክንሰምዕን፡ ቃሉ ከነስተንትንን ሓጋዚ ኢዩ።

ሰለምታይ ኢና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ስቕ ክንብል ዘሎና፡ ንዝብል ሕቶ ኸኣ፡ እቲ ቐንዲ ምኽንያት፡ ንዅሉ ነገር ባዕልና ክንቆጻጸሮ ካብ ምፍታን ዓሪፍና ንልዑላዊ ንግስነቱ ንምእማንን ኣምላኽነቱ ክነስተብህልን እዩ (መዝሙር 46:10)። ብተወሳኺ፡ ብስምዒት ወይ ብትዕቢት ቀልጢፍና ካብ ምዝራብ ብምቑጣብ፡ ናብ ሓጢኣትን ከንቱ መብጽዓታትን ከይንኣቱ ይሕልወና (ምሳሌ 10:19፣ መክብብ 5:2)። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ስቕታ ኣተኩሮና ካብ ጭንቀት ናብ ሓይሊ ኣምላኽ ብምምላስ፡ መንፈስና ዓሪፉ ጥበቡን ሰላሙን ንኽቕበል ቦታ ይፈጥር (ኢሳይያስ 30:15)።

ጉጅለ ሰላም ዝመለስዎ

1. እግዚኣብሄር መዓስ‘ዩ ዝፈርድ፧ ስለምንታይ ከ፧

እግዚኣብሄር ኣብቲ ብእኡ ዝተመደበ ግዜ ይፈርድ። እዚ ድማ እከይን ሓጢኣትን ምስ በዝሐ፡ ሰባት ንመጠንቀቕታኡ ምስ ነጸጉ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መወዳእታ ዘመን እዩ።

  • እከይን ሓጢኣትን ምስ በዝሐ፦ እግዚኣብሄር ንእከይ ክሳብ ዝመልእ ይዕገስ፡ ድሕሪኡ ግና ፍርዱ የምጽእ። ከም ኣብ ዘመን ኖህ፡ ንዓለም ብማይ ኣጥፊኡ (ዘፍ 6፡5-7)።

  • ሰባት ንመጠንቀቕታኡ ምስ ነጸጉ፦ እግዚኣብሄር ብተደጋጋሚ ይምዕድን የጠንቅቕን። ሰባት ግና እንተ ዘይተነስሑ፡ ፍርዱ የምጽእ (ኤር 11፡10-11)።

  • ህዝቡ ኪዳኑ ምስ ጠለሙ፦ እግዚኣብሄር ንዘይምእዛዝን ንኪዳኑ ምፍራስን ይፈርድ (ህዝ 17፡19-20)።

  • ኣብ ልዕሊ ድኻታትን ዘኽታማትን መበለታትን ዓመጽ ምስ ዝፍጸም፦ እግዚኣብሄር ጥርዓኖም ይሰምዕ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝጭቁንዎም ድማ ይፈርድ (ዘጸ 22፡21-24)።

  • ኣብ ካልኣይ ምጽኣት ክርስቶስ፦ ኩሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ፍርዲ ክቐርብ እዩ (ማቴ 25፡31-32፤ ራእ 20፡11-12)።

እግዚኣብሄር ስለ ምንታይ እዩ ዝፈርድ፡ ንዝብል ሕቶ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ቅዱስን ጻድቕን ፍትሓውን ስለ ዝኾነ፡ ንሓጢኣትን ንዓመጽን ንምፍራድ፡ ንጻድቃን ንምድሓን፡ ንሰባት ናብ ንስሓ ንምምላስ፡ ጽድቁን ቅድስናኡን ንምግላጽ፡ ከምኡ’ውን ሕነ ብምፍዳይ ፍትሒ ንምፍጻም እዩ ዝፈርድ።

  • ንሓጢኣትን ዓመጽን ንምፍራድ፦ ቊጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ኹሉን፡ ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ። (ሮሜ 1፡18)

  • ጻድቕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፦ ኣምላኽሲ ጻድቕ ፈራዲ፡ ዕለት ዕለት ዚቝጣዕ ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 7፡11)

  • ሰባት ናብ ንስሓ ንምምላስ፦ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ከም ዚስሕበካ ስለ ዘይትፈልጥ፡ ሃብቲ ሕያውነቱን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሉንዶ ትንዕቕ ኣሎኻ፧ (ሮሜ 2፡4)

  • ጽድቁን ቅድስናኡን ንምግላጽ፦ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ግና ብፍርዲ ልዕል ይብል፡ እቲ ቅዱስ ኣምላኽ ድማ ብጽድቂ ይቕደስ፡ (ኢሳይያስ 5፡16)

  • ሕነ ንምፍዳይን ፍትሒ ንምፍጻምን፦ ፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ፡ (ሮሜ 12፡19)

2. ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ስቕ ክንብል ዝግብኣና መዓስ‘ዩ፧ ስለምንታይ ከ፧

ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ስቕ ክንብል ዘለና፡ ልዕልናኡን ቅድስናኡን ኣብ እነኽብረሉ፡ ቃሉ ኣብ እንሰምዓሉ፡ ረድኤቱ ብትዕግስቲ ኣብ እንጽበየሉን ኣብ ፈተናታት እምነትና ኣብ እነርእየሉን ግዜ እዩ።

  • ኣብ ቅድሚ ቅድስናኡን ግርማኡን ክንሰግድ ከለና፦ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ እያ፣ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ኣዳልዩ፣ ነቶም ዕዱማቱ ኸኣ ቀዲስዎም እዩ እሞ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስቕ በሉ። (ጸፎ 1፡7) ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብኣኽብሮትን ብፍርሃትን ስቕ ክንብል ይግብኣና።

  • ኣብ ግዜ ፈተናን ጸገምን፦ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ዝሰግሩሉ ግዜ ዝተዛረቦም፡ እግዚኣብሄር ኪዋጋኣልና እዩ ብምባል፡ ከየማረርና ብእምነት ረድኤቱ ክንጽበ ኣሎና። እግዚኣብሄር ኪዋጋኣልኩም እዩ እሞ፡ ህድኡ፡ በሎም። (ዘጸ 14፡14)

  • ኣብ ግዜ ቁጥዓና፦ ብቝጥዓ ተሰዊርና ብዘይግባእ ከይንዛረብ ወይ ከይንሰርሕ፡ ልብና ክንምርምርን ክንህድእን ይግብኣና። ኰርዩ እሞ ኣይትአብሱ፣ ኣብ መደቀሲኹም ልብኹም መርምሩን ስቕ በሉን። (መዝ 4፡4)

ስለ ምንታይ ኢና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ስቕ ክንብል ዘለና፡ ንዝብል ሕቶ ኸኣ፡ ልዕልናኡን ጥበቡን ኣፍልጦ ንምሃብ፡ ቃሉ ብጽሞና ንምስማዕ፡ ኣፍና ካብ ሓጢኣት ንምሕላው፡ ከምኡውን ብእምነትን ብትሕትናን ኣብኡ ንምውካል እዩ።

  • ልዕልናኡን ጥበቡን ንምእማንን ፍቓዱ ንምቕባልን፦ ኣምላኽ ካባና ኣዝዩ ዝለዓለን ኩሉ ዝፈልጥን ስለ ዝኾነ፡ ንፍቓዱን ንውሳነኡን ብትሕትና ክንቅበሎ ይግብኣና። ወይ ጋዶ፡ ኣታ ሰብ። ንኣምላኽ እትማጐቶኸ ንስኻ መን ኢኻ፧ ግቡርዶ ነቲ ገባሪኡ፡ ንምንታይ ከምዚ ጌርካ ሰራሕካኒ፧ ይብሎ እዩ፧ (ሮሜ 9፡20)

  • ቃሉ ክንሰምዕን ክንእዘዝን፦ ከምቲ ሳሙኤል ንእግዚኣብሄር ክሰምዕ ዝተዳለወ፡ ንሕና እውን ብተገዳስነት ክንሰምዕን ክንእዘዝን ይግብኣና። እግዚኣብሄር ድማ መጸ፡ ደው ኢሉ ኸኣ ከምቲ ኻልእ ጊዜታት፡ ሳሙኤል፡ ሳሙኤል፡ ኢሉ ጸውዖ። ሳሙኤል ከኣ፡ ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፡ ተዛረብ፡ በለ። (1ሳሙ 3፡10)

  • ምድሓንን ሓይልን ኣብኡ ንምርካብ፦ ምድሓንን ሓይልን ካብ ኣምላኽ ስለ ዝመጽእ፡ ብህድኣትን ብእምነትን ኣብኡ ክንውከል ይግብኣና። እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ብምምላስኩምን ብምህዳእኩምን ክትድሕኑ ኢኹም፡ ሓይልኹም ኣብ ህድኣትን ኣብ ምምውካልን ኪኸውን እዩ፡ ግናኸ ኣቤኹም። (ኢሳ 30፡15)

  • ኣፍና ካብ ሓጢኣት ንምሕላው፦ ብዙሕ ወይ ብታህዋኽ ምዝራብ ናብ ሓጢኣት ከይመርሓና፡ ንልሳንና ክንቈጻጸር ይግብኣና (ምሳ 10፡19፤ ያእ 1፡19)።

ጉጅለ ምሕረት ዝመለስዎ

1. እግዚኣብሄር መዓስ‘ዩ ዝፈርድ፧ ስለምንታይ ከ፧

እግዚኣብሄር ንሰብ ክሳብ መወዳእታ ድሕሪ ምዕጋስ’ዩ ዝፈርድ። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ከምቲ ምሕረቱን ፍቕሩን፡ ጽድቁን ፍርዱን’ውን ማዕረ ማዕረ እዩ፣ እቲ ሓደ ባህርዩ ካብቲ ኻልእ ኣይንእስን ኣይዓብን ድማ እዩ።

ዘርኢ ኣብራሃም (እስራኤላውያን) ንኣርባዕተ ሚእቲ ዓመታት ንጭቆና ኣሕሊፉ ክህቦም ከሎ፡ እተን ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመታት ነቶም ነገስታት፡ ዘመን ምሕረት ሂብዎም ክንሱ ንሳቶም ግና ካብ ምልጋጽን፡ካብ ኣምላኾ ጣኦትን፡ ካብ ሓጢኣቶምን ትሪ ልቦምን ኣይተመልሱን። ንኹሎም ነገስታት ኣጥፊኡ ኸኣ ነቲ ቦኽሩ ወዱ እስራኤል፡ ነታ ምድሪ ክወርሳ ኣምጺእዎ። እንተኾነ ንሳቶም’ውን ከምቶም ኣብታ ምድሪ ዝነበሩ ካብ እግዚኣብሄር ዓለዉ ደኣ እምበር ንእግዚኣብሄርሲ ኣየሐጐስዎን። እግዚኣብሄር ባህሪኡ ክኽሕድ ስለ ዘይከኣሎ ድማ፡ ንዓኣቶም’ውን በቲ ምዱብ ግዜ፡ ፍርዱ ኣውረደሎም።

  • እግዚኣብሄር ጽዋኡ እንተመሊኡ ፍርዱ ይጅምር። ባቢሎን ደረት ዘይብሉ ጭፍጨፋን ዕንወትን ኣካይዶም፡ ንእግዚኣብሄር’ውን ክብሪ ስለ ዘይሃቡ ኸኣ፡ ብንእሽቶይ ስርዓት(ሃገር) ክወድቁ ንርእዮም።

  • እግዚኣብሄር ንሰብ ናብ የማን መታን ክመልሶ ንሰብ ይቐጽዖ። እግዚኣብሄር ጻድቕ ስለ ዝኾነ ነቲ ካብ ሓጢኣቱ ዘይምለስ ሰብ ይቐጽዖ፡ እንተኾነ እግዚኣብሄር ንሓጢኣት ከይቀጽዐ ኣይተርፍን'ዩ፡ እቲ ሰብ ነቲ ሓጢኣት ኣይሓድግን እንተበለ'ሞ ካብዚ ሓጢኣት ምልቓቕ ስኢነ እንተበለ እግዚኣብሄር ወሪዱ ከላቕቆ በዓል ዓቢ ምሕረት'ዩ፡ እቲ ሰብ ወይ ህዝቢ ግና ኣነ ካብ ሓጢኣተይ ኣይምለስን እንተበለ፡ እግዚኣብሄር ባህሪኡ ዘይቕየር ስለ ዝኾነ ንሓጢኣት ምስቲ ሰብ ክቐጽዕ ጻድቕ ፈራዲ እዩ።

2. ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ስቕ ክንብል ዝግብኣና መዓስ‘ዩ፧ ስለምንታይ ከ፧

እግዛኢብሄር ፍርዱ ክህብ ከሎ፡ ከምኡ’ውን ግብሪ እግዚኣብሄር ምእንቲ ከነስተብህል፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ስቕ ክንብል የድልየና። እግዚኣብሄር ስቕ ዝበለላ መዓልቲ የላን። እዮብን ብጾቱን ብዙሕ ተዘራሪቦም ፡ እቶም ብጾት እዮብ ኣዝዩ ብዙሕ ጽቡቕ ዝኾነ ዘረባ ተዛሪቦም፡ እንተኾነ ነቲ ብዛዕባ እዮብ ዝበልዎ ሓቂ ኣይነበረን፡ እዮብ ንርእሱ ብዙሕ ጽቡቕ ተዛሪቡ እንተኾነ እግዚኣብሄር ቓሉ ምስ ሃበ ብዛዕባ ዘይፈልጦ ከም ዝተዛረበ መስኪሩ። ወላ ሓንቲ ከም ዘይፈልጥ ምስ ኣስተውዓለ ኸኣ ዘገርም ነገር ክምህሮ ንእግዚኣብሄር ጠይቕዎ፡ (እዮብ 42:3 ብዘይ ፍልጠት ነቲ ምኽሪ ዜጸልምቶ መን እዩ፧ ስለዚ ኣነ ነቲ ዘየስተውዐልክዎ፡ ንኣይ እምብዛ ዜገርም ዝዀነ፡ ዘይፈልጦ ነገር ተዛረበ” በለ።

እግዚኣብሄር ከይዓየየ ስቕ ዝበለሉ ግዜ የልቦን። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኽፉኣትን ጻድቓንን ፍርዱ ክህብ እንከሎ፡ ብመደቡ እምበር ብመደብና ስለ ዘይኮነ፡ ብመገዱ እምበር ብመገድና ስለ ዘይኮነ፡ ፍርዱ ዘውርድ ካብ ሕሜታን፡ ፍርድን ካብ ብዙሕ ምእባስ ክንድሕን ኩላ ምድሪ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ብጸሎትን፡ ብምስጋናን ስቕ ክትብል፡ ቓል ኣምላኽ ይነግረና፡ (ኢሳይያስ 6:1 በታ ንጉስ ኡዝያ ዝሞተላ ዓመት ኣነ፡ እግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ፡ ርኤኽዎ፡ ዘፈራት ልብሱ ኸኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ።)

ነቲ እግዚኣብሄር ዝዛረቦን ዝዓዮን ዘሎ ነገር መታን ክንርእን ክንሰምዕን ከም እዮም ንእግዚኣብሄር ምሃረኒ ኢልና ስቕ ክንብል ይግባእ፡ (ዳዊት 46:10 ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ልዕል ክብል፣ ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ።)

ጉጅለ እምነት ዝመለስዎ

1. እግዚኣብሄር መዓስ‘ዩ ዝፈርድ፧ ስለምንታይ ከ፧

”መዓስ’ዩ ዝፈርድ፧” ንዝብል ብኽልተ ገጽ ርኢናዮ፦

  • ብመንጽር ጊዜ፡ እቲ ጊዜ ናይ ባዕሉ ናይቲ ልዑላዊ ኣምላኽ ምርጫ እዩ። ንገሊኦም ብቕጽበት (ከም ደቂ ቆራሕ - ዘሁ 16፡32)፡ ንገሊኦም ድማ ብመስርሕ ኣብ ጽንዓት ልቦም ብምሕዳግ (ሮሜ 1፡25) ይፈርድ።

  • መንጽር ኩነታት፡ ፍትሒ ኣብ ዝጐድለሉን ዓመጽ ኣብ ዝነግሰሉን እዋን፡ ንጭኑቓት ፍትሒ ንምውጻእ ኢዱ የእቱ (ኣን 1፡2)።

ኣንባቆም 1:2 “ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስካ ኸይሰማዕካንስ፣ ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ፡ ኣነ፣ ዓመጽ፣ ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስኻ‘ውን ኣየድሐንካን” ክብል ከሎ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ መዓስ ኢኻ እትፈርድ ዝብል ሕቶ‘ዩ ዘቕርብ ዘሎ። እግዚኣብሄር ልዑላዊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ በቲ ንሱ ዝመደቦ ጊዜ ንኹሉ ከከም ግብሩ ብቕንዕናን ብጽድቅን ይፈርድ።

ስለምንታይ ይፈርድ፧ ንዝብል ሕቶ ኸኣ፦

  • እግዚኣብሄር ብባህሪኡ ጻድቕን ቅዱስን ስለ ዝዀነ፡ ካብ ጽድቁ ንዝወጸ ዘበለ ኩሉ ብቕንዕና ክፈርድ ናይ ባህሪኡ ግዴታ እዩ (መዝ 89፡14፣ መዝ 140፡12)።

ኣብ መዝሙር ዳዊት፡ “መሰረት ዝፋንካ ጽድቅን ቅንዕናን እዩ፣ ሳህልን ሓቅን ቀቅድሚ ገጽካ ይኸዳ አለዋ“ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ፡ (መዝ89.14) ኣብ ካልእ ምዕራፍ ከኣ፡ “እግዚኣብሄርሲ ፍትሒ ንጭኑቓት፣ ቅንዕና ኸኣ ንድኻታት ከም ዚገብረሎም፣ እፈልጥ እየ“ ይብል፡ (መዝ 140፡12)። ስለዚ እምበኣር፡ እግዚኣብሄር፡ ባህርዩ ኰይንዎ‘ዩ፡ ንነገራት ብጽድቂ ዝፈርድ።

2. ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ስቕ ክንብል ዝግብኣና መዓስ‘ዩ፧ ስለምንታይ ከ፧

ክንጽሊ፡ ከነማልድ፡ ለይትን መዓልትን ከየባተኽና ንኣምላኽ ከነዘክር፡ ጾርና ናብኡ ክንድርቢ፡ ወዘተ ግቡእና ምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩን ደጋጊሙን ዝምህረና እዩ። እቲ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ፡ ስለምንታይን መዓስ ዲኻ እትፈርድን ዝብል ብድሆ ዘቕረበ ኣንባቆም፡ ኣብ ሳልሳይ ምዕራፍ ከም እንርእዮ ግና፡ “ብቝጥዓ ኸኣ ምሕረት ዘክር“ እዩ ዝብል (ኣን 3.2)። “እግዚኣብሄር ካብ ቴማን፣ እቲ ቅዱስ ከኣ ካብ ከረን ፋራን መጸ። ሴላ። ክብረቱ ሰማያት ከደነ፣ ምድሪ ድማ ብምስጋናኡ መልኤት” ብምባል ድማ ይቕጽል፡ (ኣንባቆም 3:2–3)።

”መዓስ ስቕ ክንብል ይግብኣና፧” ንዝብል ሕቶ፦

  • ጽድቂ ኣምላኽ ረሲዕና ብኹነታት ተደሪኽና ክንማጐትን ክንነጽግን ኣብ እንጅምረሉ እዋን (እዮብ 40፡4-5)፡ ከምኡ‘ውን ኣምላኽ ንፍርዲ ካብ መቕደሱ ተንሲኡ ክብሩ ኣብ ዝገልጸሉ ጊዜ (ዘካ 2፡13፣ ጸፎ 1፡7)።

ስለምንታይ ስቕ ክንብል ይግብኣና፡ ንዝብል ሕቶ ኸኣ፦

እግዚኣብሄር ፍርዲ ክህብ ከሎ፡ ክብረቱ‘ዩ ዝገንን፡ ክብረቱ እግዚኣብሄር እዩ ጐሊሑ ዝርአ። ኣብ ዝሓለፈ ትምህርትና ከም ዝተገለጸልና፡ ኣብ ሞንጎ እቲ ቃላት ፍርዲ “ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ“ ዝብል ሓሳብ፡ እተጻሕፈ‘ውን በዚ ምኽንያት እዚ‘ዩ፡ (ኣን 2.12-14)። ኣምላኽቲ ኣሕዛብ ከንቱ ምዃኖም፡ ቅልጽም ስጋ ፋዕራ ከም ዘይብሉ፡ እግዚኣብሄር ግና ካብ ዘልኣለም ንዘልኣለም ጽንዕቲ መንግስቲ ዘላቶ ልዑላዊ ኣምላኽ ምዃኑ ኣብ ኵሉ ክሳዕ ዝግለጽ፡ ደሚቑን ገኒኑን ይርአ።

ክብሪ እግዚኣብሄር ክግለጽ ከሎ፡ “ሙሴ እኳ፡ እፈርህን እምብድበድን አሎኹ፡ ክሳዕ ዚብል፡ እቲ ትርኢቱ ክሳዕ ክንድዚ ዜፍርህ” ከም ዝነበረ ኣብ እብራውያን 12:21 ተጻሒፉ‘ሎ። ኣብ ትንቢት ዘካርያስ‘ውን „እግዚኣብሄር ካብቲ ቅዱስ ማሕደሩ ተንሲኡ እዩ እሞ፣ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ይብል“ ይብል፡ (ዘካ2.13)። ኣብ ጸፎንያስ‘ውን “መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ እያ፣ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ኣድልዩ፣ ነቶም ዕዱማቱ ኸኣ ቀዲስዎም እዩ እሞ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስቕ በሉ“ ይብለና፡ (ጸፎ 1.7)።

ነቲ እግዚኣብሄር ብልዑላውነቱ ንዝገብሮ፡ ምኽሩን ፍቓዱን፡ ንሕና „ኣሜን“ ኢልና ክንቅበሎን፡ ብእምነት ምንባር ክንለማመድን ከም ዝግብኣና፡ ብዛይካ‘ዚ ናይ ኣንባቆም፡ ካብ ናይ ኣቦና እዮብ‘ውን ክንምሃር ንኽእል ኢና። እዮብ ምስ እግዚኣብሄር ዝነበሮ ምጉት፡ መወዳእታኡ፡ “ኣነ ነቲ ዘየስተውዐልክዎ፡ ንኣይ እምብዛ ዜገርም ዝዀነ፡ ዘይፈልጦ ነገር ተዛሪበ” ብምባል‘ዩ ዝድምድሞ፡ (እዮብ 42:3)። ኣብ ምዕራፍ 40‘ውን “እንሆ፡ ኣነ ምናምን እየ፡ እንታይ ኢለኸ ኽመልሰልካ፧ ንኣፈይ ብኢደይ ሒዘያ እየ። ሓንሳእ ተዛሪበ ነይረ፡ ሕጂ ኸኣ ኣይክመልስን እየ፡ ኤረ ኽልተ ሳዕ፡ ግናኸ ኣይክደግምን እየ” ብምባል ይናዘዝ፡ (እዮብ 40:4–5)።

ስለዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ስቕ ክንብል ዝግብኣና መዓስ‘ዩ ንዝብል፡ እግዚኣብሄር ጻድቕ ኣምላኽ ምዃኑ ዘንጊዕና ብኹነታት ጥራይ ብምድራኽ ኣብ እንዛረበሉ ኩነት፡ ስቕ ክንብል የድልየና። እግዚኣብሄር ብዝገብሮ ዘበለ ኩሉ ጻድቕ‘ዩ! ስለዚ ኩነታት ብዘየገድስ፡ ንእግዚኣብሄር ሃዲእና ክንጽበዮ፡ እንተደንጐየ‘ኳ፡ ብምኽሩ በቲ ምዱብ ጊዜኡ ክገብሮ ምዃኑ ፈሊጥና ምእንቲ ክንጸባበዮ እዩ። ብቓላት ነብዪ ኣንባቆም፡ “ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ መቕደሱ እዩ፣ ኵላ ምድሪ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ትበል” (ኣንባቆም 2:20)።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

መጽናዕቲ መጽሓፍ ትንቢት ኣንባቆም፡ ዕዮ ገዛ ቍ.6