ዝቐረቡ ሕቶታት
1. ኣንባቆም ንዘቕረቦም ሕቶታት፡ ብቑዕ መልሲ ዝረኸበ ዶ ይመስለካ፧ እወ/ኣይፋል እንተዀይኑ፡ ብኸመይ፧
2. ኣንባቆም 2፡ 12-14 “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ፣ ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ” ዝብል ሓሳብ ኣብ መንጎ እቶም ፍርድታት ዝዛረቡ ጥቕስታት ምእታዉ እንታይ ክብል ስለ ዝደለየ እዩ፧
ጉጅለ ሰላም ዝመለስዎ
1. ኣንባቆም ንዘቕረቦም ሕቶታት፡ ብቑዕ መልሲ ዝረኸበ ዶ ይመስለካ፧ እወ/ኣይፋል እንተዀይኑ፡ ብኸመይ፧
እወ፥ ኣንባቆም ብቑዕ መልሲ ረኺቡ እዩ። እቲ ዝረኸቦ መልሲ ግና ከምቲ ንሱ ዝተጸበዮ ኣይነበረን። ኣንባቆም ኣብ ይሁዳ ዓመጽን ግፍዕን እናረኣየ፡ እግዚኣብሄር ክሳዕ መዓስ ስቕ ኢሉ ክጽመም እዩ ኢሉ ሓቲቱ (ኣንባቆም 1:2-4)። እግዚኣብሄር ድማ ንይሁዳ ንምፍራድ ንባቢሎናውያን ከም ዝጥቀም ነገሮ። እዚ ግና ካልኣይ ሕቶ፤ ከመይ ኢሉ እግዚኣብሄር ካብ ይሁዳ ንላዕሊ እከይ ብዝገብሩ ባቢሎናውያን ክፈርድ ይኽእል? ዝብል ካልእ ሕቶ ኣልዓለሉ፡ (ኣንባቆም 1:12-13)።
እግዚኣብሄር ድማ፦
ሀ. ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣብ ግዚኡ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ባቢሎንን ከም ዝፍጸም (ኣንባቆም 2:3)።
ለ. ጻድቕ ኣብ ግዜ መከራን ዘይምርዳእን እምነቱ ኣብ እግዚኣብሄር ጸኒዑ ክቕጽል ከም ዘለዎ (ኣንባቆም 2:4)።
ሐ. እግዚኣብሄር ቅዱስን ልዑል ገዛእን ስለ ዝኾነ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ንብዘላ ምድሪ ክመልእ እዩ፡ ብምባል መለሰሉ፡ (ኣንባቆም 2:14, 20)።
ኣንባቆም፡ በዚ ዝረኸቦ መልሲ፡ ካብ ሕቶን ምድንጋርን ወጺኡ ናብ ውዳሴን ስግደትን ተሰጋገረ። ኩነታት ብዘየገድስ፡ ብእግዚኣብሄር ኣሚኑ ክሕጐስ ድማ ወሰነ፡ (ኣንባቆም 3:17-19)።
ስለዚ፡ ኣንባቆም ንኹሉ ሕቶታቱ ዝርዝራዊ መልሲ እኳ እንተ ዘይረኸበ፡ እግዚኣብሄር ፍጹም ጻድቕን ኣብ ልዕሊ ኩሉ ስልጣን ዘለዎን ምዃኑ ተረዲኡ። እቲ ዝዓበየ ትምህርቲ ድማ ኩነታት ብዘየገድስ ብእምነት ኣብ እግዚኣብሄር ምጽናዕ ዝብል ብቑዕ መልሲ ረኺቡ እዩ።
2. ኣንባቆም 2፡ 12-14 “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ፣ ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ” ዝብል ሓሳብ ኣብ መንጎ እቶም ፍርድታት ዝዛረቡ ጥቕስታት ምእታዉ እንታይ ክብል ስለ ዝደለየ እዩ፧
ኣብ መንጎ እቲ ግዝያዊ ዝዀነ ክብሪ ሰብን፡ እቲ ዘለኣለማዊ ዝዀነ ክብሪ እግዚኣብሄርን ዘሎ ፍልልይ፡ ንዕኡ ንምርኣይ እዩ። ክብሪ ባቢሎን ብዓመጽን ግፍዕን ዝተሃንጸ ስለ ዝኾነ፡ ግዝያውን ጠፋእን እዩ። ክብሪ እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ዝነብር እዩ። እዚ ዝጥቀስ ዘሎ ትንቢት ድማ፡ ክብርን ጽድቅን ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ክግለጽ ምዃኑ የርኢ።
እዚ ሓሳብ’ዚ፡-
ኣብ መዝሙር 72፡19 "ክቡር ስሙ ንዘለአለም ይባረኽ፣ ብዘሎ ምድሪውን ብኽብሩ ይምላእ" ብዝብል ክጥቀስ ከሎ፡ ኣብ ኢሳይያስ 11፡9 ድማ፥ "ከምቲ ማያት ንመዓሙቚ ባሕሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፡ ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጒድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ" ብምባል ክብሪ እግዚኣብሄር ንብዘላ ምድሪ ክመልእን እከይን ጉድኣትን ዘይህልወሉ መንግስቲ ኣምላኽ ክመጽእን ምዃኑ የረድእ። ብተወሳኺ፡ ኣብ መዝሙር 49 ኣብ ሃብቲ ምእማን ዕሽነት ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ኣብ ማርቆስ 8፥36 "ንሰብ፡ ብዘላ ዓለም ረቢሑ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧" ብምባል፡ ምድራዊ ሃብትን ክብርን፡ ንዘለኣለማዊ ህይወት ክትክእ ከም ዘይክእል የጠንቅቐና።
ስለዚ፡ እቲ ትንቢት ኣብ መንጎ ፍርድታት ምእታዉ፡ ክብሪ ምድራውያን መንግስታት ግዝያዊ ክኸውን ከሎ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ከም ዝነብር ንምምሃርን፥ ንዓና ኣብ ምድራዊ ስልጣንን ሃብትን ዘይኮነስ፡ ኣብ እግዚኣብሄርን ዘለኣለማዊ ዕላማኡን ንክንኣምን እዩ።
ጉጅለ እምነት ዝመለስዎ
1. ኣንባቆም ንዘቕረቦም ሕቶታት፡ ብቑዕ መልሲ ዝረኸበ ዶ ይመስለካ፧ እወ/ኣይፋል እንተዀይኑ፡ ብኸመይ፧
ኣብ ኣንባቆም 2:2-3 «እግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ፣ ኢሉ መለሰለይ» ዝብል ተጽሒፉ ስለ ዘሎ፡ ኣንባቆም መልሲ ረኺቡ እዩ። እቲ መልሲ ኸኣ፡ ኩሉ ነገር ብኡንብኡ ክፍጸም እዩ ዝብል ዘይኰነስ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ምዱብ ግዜ ከም ዝፍጽሞን ኣንባቆም ድማ ብትዕግስቲ ክጽበ ከም ዘለዎን እዩ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣንባቆም 2:7 ድማ፡ "እቶም ዚነኽሱኻዶ ብድንገት ኣይትንስኡን፡ እቶም ዚንዝንዙኻስ ኣይነቕሑንዶ እዮም፡ ንስኻውን ዘመቲኦም ክትከውን ኢኻ" ስለ ዝብል፡ ኣንባቆም መልሲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ክኣምን፡ ብትዕግስቲ ክጽበን ኣብ ፍትሑ ክውከልን ዝሕግዝ ብቑዕ መልሲ እዩ ረኺቡ።
2. ኣንባቆም 2፡ 12-14 “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ፣ ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ” ዝብል ሓሳብ ኣብ መንጎ እቶም ፍርድታት ዝዛረቡ ጥቕስታት ምእታዉ እንታይ ክብል ስለ ዝደለየ እዩ፧
እግዚኣብሄር ቅኑዕን ፍትሓውን ፈራዲ ምዃኑ፡ ሓይሉን ክብሩን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ምዃኑ ከረድኣና ስለ ዝደለየ እዩ። ኣብ ኣንባቆም 2:12–14 "ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ፣ ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፣ እቲ ንኸተማ ብደም ዚሀንጽ፣ ንዓዲ ኸኣ ብኣበሳ ዜጽንዕ ወይለኡ። እንሆ፣ ህዝብታት ንሓዊ ዚጽዕሩ፣ ኣህዛብ ከኣ ንኸንቱ ዚደኽሙስ ካብ ጐይታ ሰራዊትዶ ኣይኰነን"
እዚ ጥቕሲ’ዚ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ኩላ ምድሪ ክግለጽ ምዃኑ የረጋግጽ። ሰባት ብሓይሎም ክህነጹ፡ ክገዝኡን ክዕብልሉን ይኽእሉ እዮም፤ እንተኾነ ግና እቲ ኩሉ ሓይሊ ኣብ ትሕቲ ስልጣን እግዚኣብሄር ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል።
እቲ፡ «እንሆ፡ ህዝብታት ንሓዊ ዚጽዕሩ፡ ኣህዛብ ከኣ ንኸንቱ ዚደኽሙስ ካብ ጐይታ ሰራዊትዶ ኣይኰነን» ዝብል ቃል እውን እቶም ኣህዛብ ብዓመጽን ብእኩይ ተግባራትን ዝሃንጽዎ ነገር፡ ኣብ መወዳእታ ከንቱ ከም ዝኸውን የርእየና። እቲ ብዘይፍትሒ ዝህነጽ ነገር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘላቒ ከም ዘይኮነ፡ እኩያት ብሓይሎም ንግዚኡ ክዕወቱ’ኳ እንተኸኣሉ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ከም ዝጸንሕ ክንርዳእ ንኽእል።
ጉጅለ ፍቕሪ ዝመለስዎ
1. ኣንባቆም ንዘቕረቦም ሕቶታት፡ ብቑዕ መልሲ ዝረኸበ ዶ ይመስለካ፧ እወ/ኣይፋል እንተዀይኑ፡ ብኸመይ፧
እወ ኣንባቆም መልሲ ረኺቡ እዩ። ብመሰረት ኣን፣2፡1-4 ግዜኡ ሓልዩ እቲ ራእይ ከም ዝፍጸም እዩ ኣምላኽ ተዛሪቡ፣ ናይ ግዜ ኣምላኽ ምዃኑ ደኣ እምበር ብናይ ሰብ ሓሳብ ከም ዘይከይድ፣ ሓሳብ ኣምላኽ ካብ ሓሳብ ሰብ ኣዝዩ ልዕል ዝበለ ስለ ዝዀነ፡ ኣንባቆም በቲ ዝኸውን ዝነበረ፡ መልሲ ዝረክብ ኣይመስሎን ነበረ፣ ኣምላኽ ግን ነቲ ዝግፋዕ ዘሎ ስቕ ኢሉ ዝርኢ ከም ዘይኰነ፡ ነቲ ገፋዒ’ውን ከይቀጽዐ ዘይገድፍ ምዃኑ’ውን ኣብ ፍቕዲ 12-14 ዘሎ ፍርዲ ናይቶም ዓመጸኛታት ተጻሒፉ ንረኽቦ። ጻድቕ ብእምነት እዩ ዝነብር ዝብል ቃል ውን መልሲ ኣምላኽ ዘርእየና ሓሳብ እዩ፣ ኣብቲ ፍትሒ ዝጎደለሉ ዓመጽ ዝነገሰሉ ኣንባቆም ኣብ ምዕ፣3 ንኣምላኽ ከመስግን ከሎ ኣብቲ ዝተገልጸሉ መደብ ኣምላኽ ስለዝኣመነ ደኣ እዩ እምበር ዝኾነ ዝረኣዮ ለውጢ ስለ ዝነበረ ኣይኮነን።
2. ኣንባቆም 2፡ 12-14 “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ፣ ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ” ዝብል ሓሳብ ኣብ መንጎ እቶም ፍርድታት ዝዛረቡ ጥቕስታት ምእታዉ እንታይ ክብል ስለ ዝደለየ እዩ፧
ኩላ ዓለም ኣብ ትሕቲ ስልጣን ኣምላኽ ምዃና፣ ንሱ ንኹሉ ዝገዝእ ኣምላኽ ምዃኑ ነቶም ሓያላት ኢና ዝብሉ ነገስታት ዝወድቁን ዝጠፍኡን ምዃኖም፣ ምድሪ ግን ብኽብሪን ፍልጠትን ኣምላኽ ከም እትመልእ የርእየና። ንጉስ ነብኮደናጾር እቲ ኩሉ ንሕግታት ኣምላኽ ዕሽሽ ብምባል ብዓመጽን ንድኻታት ብምዕማጽን ዝሃነጾ ኩሉ ጠፊኡ እዩ። ኣብ ዳን፣4 ኣምላኽ ብኣፍ ዳንኤል ጌሩ “እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዘመልኽ፣ ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዚህቦ፣ ክሳዕ እትፈልጥሲ፣ ሾብዓተ ግዝያትውን ኪሐልፋኻ እየን፡” ብምባል ተዛሪብዎ ነበረ።
ኣምላኽ ከምቶም ተመኪሖም ናብ ዝኾነ ክበጽሑ ዘይከኣሉ ከለዳውያን ዘይኰነስ፣ ኩላ ምድሪ፡ ብኽብሩ ከም እትመልእ እዩ ተዛሪቡ፣ “ግናኸ ኣነ ብሓቂ ህያው እየ፡ ብዘላ ምድሪ ኸኣ ብኽብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ” (ዘሁ 14፡21 ) ”ከምቲ ማያት ንመዓሙቚ ባሕሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፡ ኣብ ኲሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጒድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ” (ኢሳ11፡9)።
ክብሪ ንኣምላኽ!
ጉጅለ ምሕረት ዝመለስዎ
1. ኣንባቆም ንዘቕረቦም ሕቶታት፡ ብቑዕ መልሲ ዝረኸበ ዶ ይመስለካ፧ እወ/ኣይፋል እንተዀይኑ፡ ብኸመይ፧
እወ፣ ወላ'ኳ ከምቲ ዝተጸበዮ ድኣ ኣይኹን እምበር፡ ኣንባቆም ግና ካብ እግዚኣብሄር ብቑዕ መልሲ ዝረኸበ ይመስል። ኣንባቆም ክልተ ቀንዲ ሕቶታት ነይሮሞ። ቀዳማይ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ህዝቡ ዝወርድ ንዝነበረ ዓመጽን ዘይፍትሕን ስለምንታይ ከም ዘይቐጽዖምን፡ ንህዝቡ ንምቕጻዕ ካብኦም ዝኸፍኡ ባቢሎናውያን ስለምንታይ ከም ዘተንስኣሎምን ይሓቶ ነይሩ። እግዚኣብሄር ግና ንኹሉ ሕቶታቱ ብቐጥታ እኳ እንተዘይመለሰሉ፣ ዝደለዮ መልሲ ግና ሂቡዎ እዩ። እቶም እኩያት ንግዚኡ ዝዕወቱ እንተመሰሉ፣ ኣብ መወዳእታ ግና ፍርዲ ከም ዝመጾም ገሊጹሉ። ብተወሳኺ፣ “ጻድቕ ግና ብእምነቱ ይነብር” እዩ ኢሉ ኣረዲእዎ (ኣንባቆም 2፡4)። በዚ ድማ ኣንባቆም እምነቱ ኣብ እግዚኣብሄር ኣጽኒዑ፣ ኣብ ሓሳብ እግዚኣብሄር ድማ ዝተሰማምዐ ይመስል። ብፍላይ ኣብ ኣንባቆም 3፡17-19 ብሰፊሕ ክንርኢ ንኽእል።
2. ኣንባቆም 2፡ 12-14 “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ፣ ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ” ዝብል ሓሳብ ኣብ መንጎ እቶም ፍርድታት ዝዛረቡ ጥቕስታት ምእታዉ እንታይ ክብል ስለ ዝደለየ እዩ፧
እዚ ክብል ዝደለየ፣ ምድሪ ብፍልጠቱ መታን ክትመልእ’ዩ።
ሰባት ብዓመጽ፣ ብስስዐን ብዘይፍትሒን ዝሃንጽዎ ስልጣንን ክብርን ኣብ መወዳእታ ከንቱ ከም ዝኸውን ክብሪ እግዚኣብሄር ግና ከምቲ ማያት ንመዓሙቕ ባሕሪ ዜጎልብቦ እሞ እንታይ ኣሎ ክሳብ ክንርእዮ ዘይንኽእል ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ክብሪ ነገስታት ጠቕሊሉ ከም ዘይነበረ ክሳዕ ዝኸውን፡ ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ እግዚኣብሄር ከም ትመልእ ንምግላጽ እዩ። ንኣብነት፣ ባቢሎን ኣብቲ ግዜ ብሓይልን ብኽብርን ዝለዓለ መንግስቲ ነይርዋ። እቲ ክብሪ ግና እግዚኣብሄር ዝዕበጠሉ እምበር ዝኸብረሉ ኣይነበረን። ነዚ ጥቕሲ ፍርድታት ዘእተወሉ ምኽንያት ንሱ እዩ። ስለዚ፣ እግዚኣብሄር ንእኩይ ተግባራት ብፍርዲ ክቐጽዕ ከሎ፣ ክብሩን ስልጣኑን ኣብ ኩሉ ምድሪ ንኽፍለጥን ንዓመጽ ድማ ግቡእ ፍርዱ ከይሃበ ከም ዘይሓልፍ ንምግላጽ እዩ። እዚ ድማ እግዚኣብሄር ካብ ኩሉ ሰብን መንግስትን ዝለዓለ ስልጣን ከም ዘለዎን፣ ፍትሑ ኣብ መወዳእታ ከም ዝዕወትን የርኢ። ካብዚ እንምሃሮ ነገር ድማ፣ ኣብዛ ዓለም ብዙሕ ዘይፍትሓዊ ነገራት እንተረኣና፣ እምነትና ኣብ እግዚኣብሄር ከነጽንዕ እዩ ዘለና። ጸሎትና ከም ዝሰምዕን ኣብ ግዜኡ ፍትሒ ከም ዘምጽእን ክንተኣማመን ይግባእ። ኣብ መወዳእታ፣ እዞም ሕቶታት ምስ ህይወትና እንተ ኣተኣሳሲርናዮም ድማ፣ ኣብዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ብዙሕ ዘይፍትሓዊ፡ ዓመጽ ከምኡ’ውን ኣነ ኣምላኽ የ ዝብሉ እንተረኣና ኣብ እግዚኣብሄር ክንውከልን ብእምነት ክንጽሊን ከም ዘለና እዩ ዘርእየና። እግዚኣብሄር ኩሉ ይርኢ እዩ፣ ኣብ ግዜኡ ድማ ብፍትሒ ክፈርድ እዩ። ስለዚ ከምቲ “ጻድቕ ብእምነቱ ክነብር እዩ” ዝብል ቃል፣ ንሕና ድማ ብእምነት ክንነብርን ኣብ እግዚኣብሄር ክንውከልን ይግባእ።