ሕጋውነት እዛ ጽሕፍቲ
መሪጌታ ዳዊት ገብረሥላሴ እዮም ጸሓይ ኣውቂዖማ። ንሶም ርጡብን ርቱዕን መሪጌታ እዮም እሞ፡ ዘይተጻሕፈ ይዝርግሑ’ዮም ዝብል ቅንጣብ ጥርጥር የብለይን። ንብብ ብዘበልክዋ ግና፡ ንሕጋውነታ ዝምልከት፡ ታእላው ዘይብሎም ገርሀይና ሕቶታት፡ ከም ዕምባባ ኣመሪካ፡ ኣብ ኣእምሮይ፡ ጣዕ-ጠራዕ፡ ጠራዕ-ራዕ ክብሉ ጀመሩ። ትም-ሕትም፡ ዘይ እዚ፡ እንታይ ካልእ ኪወልድ ይኽእል፧!
1. ኣብዛ ጽሕፍቲ፡ ሓላፍነት ጸይሩ፡ ክታሙ ንምንባር ዝተብዐ ሰብ የልቦን። ስምንን ክታምን ዘንበረ ከም ዘይልቦ ተመሊስኩም ርኣይዎ። ”እምበር ዶ ኸ ሕጋዊት ጽሕፍቲ’ያ” ዝብል ቀዳማይ ገርሀይና ሕቶ ጣዕ-ጠራዕ ጀመረ።
2. እቲ ኣብ ኣርእስቲ ዘሎ፡ ”ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ” ዝብል፡ ንመን ክውክል ከም ዝተጻሕፈ ንጹር ኣይኰነን። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝብሃል ዝነበረ፡ ”ቀኖናዊ” ሓደው ”ሕብረት እተን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኤርትራ” ብዝብል መፍለዪ ኣይቀረበን። ”እምበር ዶ ኸ ሕጋዊት ጽሕፍቲ’ያ፡”. . . ጣዕ-ጠራዕ፡ ቀጸለ።
3. ኣብ ማእከል እቲ ጽሑፍ፡ ”ብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳ . . . ዘድሊ መምርሕን ጉባኤን ክሳዕ ዝገብሩልና” ይብል። ኣቡነ መቃርዮስ ዝገበርዎስ፡ ከመይ ጌሮም ደኣ ኣቡነ ሲኖዳ መምርሒ ክህቡሉ፧! ገርሀይና ሕቶ ምዃኑ ኣይትረስዑ። ስለምንታይ ካብ ኣፍ ኣቡነ መቃርዮስ ክስማዕ ዘይተደልየ፧ ይተካእ ይለቀብ ከኣ፡ ስለምንታይ ብስምረት ክልቲኦም ኣቦታት ኣብ ዝቃናዕ ጉባኤ ክትግበር ዘይተደልየ፧ ሓደው ምናልባሽ’ውን ስለምንታይ ከምኡ ክግበር ዘይተኻእለ፧
4. ኣብቲ ጽሑፍ፡ ”ምምሕዳር መንበረ ጵጵስና ዘይፈልጦ” ዝብል ሓሳብ ኣሎ። ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ፡ ኣባል ምምሕዳር መንበረ ጵጵስና ኣይኰኑን ድዮም፧ ኣባል እንተዀይኖም፡ ከም ኵሉ ኣባል፡ ንሶም’ውን ካብ ተሓታትነት ሓራ ክዀኑ ኣይግባእን። ንሶም ኣባል ክንሶም፡ እቲ ምምሕዳር ነዛ ጽሕፍቲ ኣዳልይዋ እንተዀይኑ ግና፡ እቲ ምሕደራ ተገሚዑ’ሎ እዩ ዘስምዕ። ”እምበር ዶ ሕጋዊት ጽሕፍቲ’ያ” ዝብል ገርሀይና ሕቶ፡ ጣዕ-ጠራዕ ምባሉ እምበኣር ዘገርም የብሉን!
5. ኣብቲ ክቢ ማሕተም ዘሎ ጽሑፍ፡ ”ሃገረ ስብከት ሕብረት ክርስቲያን ኣብ መላእ ዓለም” እዩ ዝብል። WCC (The World Christian Council) ንወንጌላውያን’ውን ዝሓቍፍ፡ “ዓለም'-ለኸ ጉባኤ ክርስቲያን” ብዝብል’ዩ ዝፍለጥ። ብርግጽ፡ “ሕብረት እተን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኤርትራ” ንምባል ዘንቀደ ክኸውን ከም ዝኽእል ምግማቱ ኣይከብድን እዩ። ግናኸ ስለምንታይ ኣይተሓስበሉን ዝብል. . . ገርሀይና ሕቶ፡ ጣዕ-ጠራዕ! ጠራዕ-ራዕ ይብል። ደጊም ጨው ነስኒስኩም ”እምበር ዶ ሕጋዊት ጽሕፍቲ’ያ!” ንቐደም በሉ!