ዒቕ! ዓፍራ ስብከት፡ ዓፍራ ክርስትና

”ንኢየሱስ እፈልጦ፡ ንጳውሎስ’ውን ኣይስሕቶን እየ” በለ፣ ቅዱስ መንፈስ ከይመስለኩም፡ ርኹስ መንፈስ’ዩ! (ግብ19.15)። ብርግጽ ንሱ፡ ንየሱስ ይፈልጦ፡ ንጳውሎስ’ውን ኣይስሕቶን’ዩ! ንሄዋን ከዕልላ ከሎ፡ እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዝበለ ይፈልጥ ነበረ፡ ንጐይታና ኢየሱስ ክፍትኖ ከሎ’ውን ጥቕሲ ቅዱስ መጽሓፍ ካብ ኣፉ ኣይፈለየን።

ኣብዚ ሰሙን እዚ፡ ”ኣጋንንቲ’ውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን’ዮም” ዝብል ቃል ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ኢና፡ ከነስተንትን ቀኒና፡  (ያእ2.19)። ያእቆብ፡ ዓፍራ ስብከት ቅጭ ዝመጾን ዝተወድኦን’ዩ ዝመስል። ካን ከምዚ ኸማይ ዒቕ! ነቶም ብልሳኖም ዝሽሕጡ፡ ጐይታ ይባርኽኩም፡ ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ ገጽኩም ከንጸባርቕ’ዩ፡ ክትጥሕሱ ኢኹም፡ ወዘተ ወዘተ እናበሉ ብጥዑም ልሳን፡ ዝጥብሩ እኩያት ዓየይቲ፡ ”ሓደ ሰብ፡ እምነት ኣላትኒ እንተበለ፡ ግብሪ ግና ካብ ዘይትህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧” ብምባል’ዩ፡ ክንዲ እምባ ብዝምግዛፉ ሕቶ ጌሩ ፈረጥ ዘበሎም።

ካብ ሽሕ ሃተፍ፡ ሓንቲ ከተፍ!

ትእልፊተ-ኣእላፍ መዛሙር ይዝመርን ይድረስን ኣሎ። ስለምንታይ ግና ንህዝብና ናብ ሰማየ-ሰማያት ኣዕሪጉ ብቕዱስ ኣምልኾ ኬንሳፈፎ ዘይከኣለ፧ ታእላው ኣልቦ ስብከታትን ትምህርትታትን ይወሃብ ኣሎ። ስለምንታይ ግና ቅዱስ ናብራ ክንነብር ዘይብቅዓና፧ ስለምንታይ ፍቕሪ ዘይነገሰ፧ ስለምንታይ ስርቅን ምትላልን ዓብለለ፧ ስለምንታይ ፍትሕ፡ ብእግሪያ ዑቕባይ ኰነ፧ ስለምንታይ ፈቲሕካ ምምርዓው ዳርጋ ንቡር ኰነ፧ ስለምንታይ ናፍቖትናን ድሌትናን ምድራውን ስጋውን ጥራይ ኰነ፧ ስለምንታይ፡ ሓድሕድ ክንገዛዛእ ዘይከኣልና፧ ስለ ምንታይ ነቲ ፋሕ-ጭንግራሕ ምባልሲ፡ ከም ሓደ ቅዱስ ፍጻሜ ቈጺርና ብመዝሙርን ጸሎትን እንጽምብሎ፧!

እስከ ብልብና መገድና ንሕሰብ

ብመጠን እቲ ቃል ኣምላኽ ዝተመሃርናዮ፡ ህይወትና ኸ ብእኡ መጠን ዶ ትሕት ትብል ኣላ፧ ወይስ ትዕቢት እናሰርነቓ’ያ ንኻልኦት እተስተናዕቕ፧ ንስሓ፡ ጾም፡ ጸሎት፡ ምጽዋት፡ ምብጻሕ ሕሙማትን እሱራትን፡ ወዘተ፡ ኣካል ናብራና ኰይኖም ዶ ይቕጽሉ ኣለዉ፧ ወይስ፡ ገዛእ ርእስናን ነቶም ዝሰምዑናን እናጠበርና፡ ኣድህቦና ኣብ ገዛእ ርእስናን ጥራይ’ዩ ተሓዚኡ ዘሎ፧ እንትርፎ ንዘረባን መዝሙርን፡ ንምርዳእ ጽጉማት ዝዝርግሓ ኣእዳው ኣለዋና ዶ፧ ካልእስ ይትረፍ፡ ኣብታ እንግልገለላ ቤተ ክርስቲያን፡ ብመባእን ዕሽርን እሙናት ኴንና ዶ ንርከብ ኣለና፧!

ሕብሪ ጥበብ

ገለ ሰብ ብትሑት ሓሳብን ብምሕሳም ስጋን ዚግበር ናይ ፍቓድ ርእስኻ ኣምልኾ፡ ንዕኡ ብምስዓብን ከምኡ ብምዝውታርን፡ ንኣምላኽ ከስምር ቢሉ ዝሃልኽ ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ግና ነዚ ከንቱ ድኻም’ዚ፡ ”ሕብሪ ጥበብሲ አለዎ፡ ግናኸ ንምጽጋብ ስጋ እዩ እምበር፡ ንገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ” ብምባል ወገዞ፡ (ቈሎ2.23)። እቶም ሰብ ዓፍራ-ስብከት ድማ ብግልባጡ፡ ነቲ ኣምልኾስ መገባበሪ ረብሓ ብምግባር፡ ንረብሓ ስጋኦም እንተዘይኰይኑ፡ ንረብሓ እታ ኣካል ክርስቶስ ዝዀነት ሕብረት ይኹን ንረብሓ መላእ ማሕበረ-ሰብ፡ ኣብ ግምት ዘእቱ እንዶ የብሎምን፡ (1ጢሞ6.5)። እንተጸለዩ፡ ብመንፈሳውን ምድራውን በረኸት ክባረኹ (ንሳቶም ጥራይ) ንኻልኦት ኣብ ግምት ዘእቱ ጸሎት’ውን ኣይርከቦምን።

ኣይትታለሉ

መሰረተ እምነት ዘክርስትና፡ ምህሮ ወንጌል’ዩ። እቲ ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌል እተጻሕፈ፡ ኣብ ህይወትና ዘይፈሪ እንተዀይኑ፡ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ከረን ተቐሚጡ ዝሰበኾ ዝመስል ህይወት እንተ ዘይብልና፡ ብርግጽ፡ ክርስትናና ኣብ ዓፍራ ደኣ’ምበር፡ ኣብ ከውሒ ኣይተሰረተን ዘሎ። ናይ ዘልኣለም ህይወት ብጐይታና ኢየሱስ ብምእማን ደኣ እምበር ብላዕልን ታሕትን ክርከብ ኣይከኣልን። እዚ ብኸምኡ፡ ብጸጋ ብክርስቶስ ዝወሃበና ዘልኣለማዊ ህይወት ግና፡ ንምስሊ ወዱ ክንመስል ስለ ዝዀነ፡ ብሞቱ እናመሰልናዮ፡ ነቲ ጐይታና ብግብርን ብቓልን ዘርኣየና ህይወት ከኣ እናነበርና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን፡ ነቶም ዝርእዩናን ዝሰምዑናን ዘበሉ፡ በከያይዳና ኣርኣያ ክንከውን ኢና ተጸዊዕና! ዘይንሳሕ፥ ዘይጽሊ፡ ምእንቲ ካልኦት ዘየማልድ፡ ልሳኑ ዘይገትእ፡ ንሱን ዓለምን መፍለዪ ዘይብሉ ዝዀነ ህይወት ሒዝና እናሃለና ግና ከመይ ቢልና ኢና ኣርኣያ ክንከውን፧ ንግብዝና ንየው ንበሎ፡ ንጠባሪ ምህሮ፡ ንየው ንበሎ፡ ሓቂ ሒዝና ምስ ሓቂ ንፋጠጥ። እቲ ቃል ሓቂ ድማ ኣብ ወንጌል’ዩ ዘሎ! ብኸናፍርካ “ሕራይ” እናበልካ ብግብሪ ግና ምሕንጋድ ዘይኰነስ፡ ተጣዒስካ ናብ ፍቓድ ኣቦ ምምላስን ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦ ምግባርን እዩ ክርስትና። ይኣክል!

ለቡ
ኣጋንንንቲ፡ ይኣምኑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ይንቅጥቀጡ’ውን’ዮም! እናኣመኑን እናተንቀጥቀጡን ክንሶም ግና፡ ንፍቓድ ጐይታ ክምእዘዙን ብቓሉ ተመሪሖም ክኸዱ ስለ ዘይመረጹ፡ ንፍርዲ ተሓልዮም ኣለዉ። ኣነን ንስኻትኩምን ከ፡ ነቲ ዝሞተልና ዶ ንነብር ኣለና ወይስ ገና ንገዛእ ርእስና ኢና እንነብር ዘለና፧ ደጊም ካብ ዓፍራ ስብከትን ዓፍራ ክርስትናን እግዚኣብሄር ይሓልወና!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ፍለጥዎም፡ መም እዮብ ገብረእግዚኣብሔር በይን