ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ፍለጥዎም፡ መም እዮብ ገብረእግዚኣብሔር በይን
ምስ ማዕበል ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ዝኣመኑሉ፡ ኣንጻር ማዕበል’ውን ንምቛም ዝቘረጹ’ዮም። ብገርሁ ንዝረኣዮ፡ ”ናይ ዓርሶም” ዝመስሎ ቅዲ ኣጸሓሕፋ፡ ንሶም ከም ዝብልዎ ግና፡ “ቅዲ ኣጸሓሕፋ ግእዝ” ብምኽታል፡ ዛጊት 10 መጽሓፍቲ ኣሕቲሞም፡ 7 ድማ ብሕጂ ንሕትመት ኣዳልዮምን የዳልዉን ኣለዉ።
መጽሓፍቶም፡ ውጽኢት ዓሚቝ ምርምር ምዃኖም፡ ርእይ ብዘበልካዮም’ዮም እቲ ርዝነቶም ዝስወጠካ። ላቲን (ሳይንሳዊ)፣ ጣልያንኛን እንግሊዝኛን ትርጉማትን ሓጸርቲ መግለጺታትን ዝሓቘፈ፡ ዝርዝር ኣስማት 200 ኣትክልትን 70 ኣዕዋፍን ሃገርና፣ መዝገበ ቃላት፡ ጥልያንኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ጀርመንኛ፡ ትግርኛ፡ ናይ ኣማኢት ዓመታት ዝጠርነፉ ”ህዝባዊ ግጥምታት ትግርኛ”፣ ታሪኽ ባህታ ሓጐስ፣ ወዘተ።
ኣብ ሃገረ ስዊትዘርላንድ ዝነብሩ መም እዮብ ገብረእግዚኣብሔር በይን፡ ካብ ደቀምሓረን ትኹልን ንሸነኽ ደቡብ፣ ሳሆ፡ ትግረን ትግርኛን ኣብ ዝዝረበላ፡ ኣብ ሮብራ እትርከብ፡ ኪላዓውታ ኣብ እትብሃል ዓዲ፡ ብ1950 ምውላዶም፡ ከም ሓደ ዓብዪ ረብሓ ይርእይዎ። ኣብ ኤርትራ ክሳዕ ካልኣይ ደረጃ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዩኒቨርስቲ ቀዳማዊ ሃይለ-ስላሴ ዲፕሎም ብስነ ምምህርና፡ ኣብ ኢጣልያ ስነ-ስነዳ፡ ስነ-ጋዜጠኝነትን ግራፊክ ዲዛይንን ተማህሩ። ኣብ ዓመተ 2001 ጀሚሩ፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝነበረ መደብ ”ቍርሲ ቀዳም ኣብ ጠዓሞት” ድማ ልሉይ ሱታፌ ነበሮም።
ዝርዝር እተን ዘሕተምወን 10 መጽሓፍቲ
1. ቈልዑና. Italy, 1990, p. 90 + several pictures. A book that concerns parents, child and a teacher.
2. ፊደለይ. Italy, 1994, p. 199. A Textbook.
3. ህዝባዊ ግጥምታት ትግርኛ ከም ቅዲ መበሃሃሊ፡ Tigriyna Popular Poetry as Medium of Communication. Switzerland 2010, p. 79.
4. ኣዕዋፍን ኣትክልትን ሃገረይ Birds and Plants of My Country. Switzerland 2010, p. 34.
5. መዝገበ ቃላት Tigriyna-Italian-English. Modern Dictionary 1, Switzerland 2015, p. 1301. ISBN 978-3-9524462-0-1
6. መዝገበ ቃላት Italian-Tigriyna-English. Modern Dictionary 2, Switzerland 2015, p. 726 ISBN 978-3-9524462-1-8
7. መዝገበ ቃላት English-Tigriyna-Italian. Modern Dictionary 3, Switzerland 2015, p. 865 ISBN 978-3-9524462-2-5
8. ባህታ ሐጎስ/ Bhata Hegos. 1840-1894, Biography, Switzerland 2019, p. 292. ISBN 978-3-9524462-5-6
9. ዘመናዊ መዝገበ ቃላት German-Tigriyna/ Modern Dictionary, Switzerland 2022, p. 650. ISBN 978-3-9524462-6-3
10. TIGRIYNA SENTENCE WITH NEW WORD ORDER to be free from more than age-old confusions, Switzerland 2022, p. 155. ISBN 978-3-9524462-7-0
ቅዲ ኣጸሓሕፋኦም
ትማሊ ሰንበት 12 ጥቅምቲ 2025 ናባይ ካብ ዝለኣኽዎ ንመረዳእታ፡ እንሆ፦
ፍቱው ቀሽሺ ዮናስ ወልድሩፋኤል አነ እትስፈው ዝ እዛ email ትረኽበካ ብሉጽ እውን ብርቱዕ እንካብ ቀደም። አነ እየ አመና ሕግጉስ ናይ እታ ናትካ email ጽዕንቲ ናይ ተስፋ እውን ሀረርታ። ምእንቲ እዙይ አነ ይግብብአኒ አመስገነ ነአኻ።
ካብ መጽሓፍ ህዝባዊ ግጥምታት ትግርኛ ገጽ 10 ዝተወስደ ድማ እንሆ፦
ሓደ ሳዕ ማሕራይ ሞጎስ እውን ዘርኣይ ሓይሎም ተጓነፉ ኣብ ሓደ መርዓ። ማሕራይ ናብ ዘርኣይ “እዝዚ ማስሰ ኣቐድዲምኩም ትዳለዉሉ ወይ ብዘይ ድሎት እኹም ለለ ትብልዎ” በሎ። ዘርኣይ “ብዘይካ ድሎት እብባ” በሎ። ማሕራይ “እንተ እዩ ከምዚ እስከ ሀየ አዀርርየ እዘን ኣንስቲ ብ ማስሰ” በሎ።
እቲ ቅዲ፡ ካብዚ’ዩ ዝብገስ
አነ ውእቱ አንቀጸ አባግዕ ዘበአማን ኣነ እየ ደገ ኣባጊዕ እቲ ናይ ብሓቂ (ብዓል ቤት Subject- አንቀጽ(ግሲ)verb- ተሰሓቢ object)
ኣብ ስልማት ዘይምርቍሖም፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ዘይምቕራቦም የገርም
ክንድዚ ዝኣክል ጻዕርን ምርምርን ዝገበሩ መምህር እዮብ፡ ቈላሕታ ማዕከናት ዜና ክረኽቡ ዘይምኽኣሎም፡ ብሓቂ ዘተሓሳስብ’ዩ። ሬድዮ ኤረና፡ ኤስቢኤስ፡ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ንኣጠማምታን ኣተሓሳስባን መምህር እዮብ ገብረእግዚኣሄር በይን፡ ገለ ሸፈነ ክትገብሩ፡ እጥቍም ኣለኹ።
ጠዓሞት ካብ መጽሓፍ ህዝባዊ ግጥምታት
ገጽ 14 ግጥሚ ፍቕሪ
ወይኖ፡ ወይኖ፡ አቲ ወይኖ ወይኖ
ሰለፋ ሕምባሻ አፋ ዝግኖ
ስዒምካ ስዒምካ ዝ ኣይትምኖ
ገጽ 26፡ ኣቦኡ ዝሓመምዎ ዝገጠሞ
ኣብቦይ እዝጊ ትሰምምዕ ዶ ኣልለኻ
ን በዓል ደጊያት እገለ ፈሪሕካዮም ዶ እኻ
ን በዓል ወይዘሮ እገለ ፈሪሕካየን ዶ እኻ
ንኣብቦይ ረኺብካ ሓደ ድኻ
ካብ ዝአይብሉ ዝ ዓድይ መባእ ንኣኻ
እግሩ ኣሲርካ ብሕማም ማሕለኻ
እቲ ብሉጽ ፈውሲ ገቢርካዮ ምእንታኻ
ቀዳም ሓሚምካ ሰንበት ዝተንድአኻ
እንተ ኣነን ንስስኻን ንጓነፍ ኣብ ሓደ በረኻ
ኩፉል መባእ መሊሰ ሕልኮ ጥዋዕ መበልኩኻ
ኣብ መርበብ ሓበሬታኦም ካብ ዝጸሓፍዎ
መርበብ ሓበሬታ መምህር እዮብ ንምብጻሕ ኣብዚ ጠውቑ
ስዉእ፡ ሰማዕት፡ ካብ ቤተ ክርስቲያን እተጠልፈ ቃል
ኣብ ዓውደ ውግእ ትንፋሱ ንዝሓለፈ፡ “ውዱቕ” ደኣ`ምበር፡ ”ሰማዕት” ሓደው ”ስዉእ” ክብሃል ኣይግብኦን።
1. ሰማዕቲ (pl. ሰማዕታት) – Martyr (from the base verb ሰምዐ) ንስለ ሃይማኖታዊ እምነቱ ዝሞተ
2. ስዉዕ (pl. ሰዉዓት) – Sacrificed (from the base verb ሰውዐ)፡ ህይወቱ መስዋዕቲ ክትከውን ዘሕለፈ
3. ውዱቕ/ውድቕቲ (ወደቐ) fallen ውዱቕ/ውድቕቲ አብ ውግእ/ጐራ fallen in war ኣብ ዓውደ ውግእ ዝሞተ
እቲ ሰማዕቲ ("martyr") ዝብል ግእዛዊ ቃል፡ ንወለዶታት፡ ነቶም ብእምነቶም ዝሞቱ ዝወሃብ ቅዱስ ቃል’ዩ ዝነበረ። ምስ ጊዜ ግና እቲ ቃል ትርጉሙ ብምስሓት፡ ነፍስ ወከፍ ኣብ ውግእ ዝመውት ወተሃደር፡ — ዋላ ኣብቶም ትርጉም-ኣልቦ ብሓይሊ ፖለቲካ ዝካየዱ ውግኣት ንዝመውት’ውን ከይተረፈ፡ “ሰማዕት” ተባህለ። እዚ፡ ናይ ቃል ስሕተት ጥራይ ኣይኰነን። ፖለቲካዊ ሓሶት’ውን እዩ። ውልቀ-መለኽቲ — ነቲ ቕዱስ ቃል መንዚዖም ፖለቲካዊ ኣጽዋሮም ገበርዎ።
“ኣብ ጥብቅና ክርስቶስ ሞተ፡ ስለዚ ድማ ሰማዕት ኰነ” ንዝብል ብሂል፡ ሰብ ንሞት ብኽብሪ ንኽቕበሎ ንምድፍፋእ ዓሊሞም፡ እቶም ሰብ ፖለቲካ “ንሰንደቕ ዕላማ ሞተ — ስለዚ ኸኣ፡ ንሱ ሰማዕት እዩ” ናብ ዝብል ብህሎ ኣሰጋገርዎ። እዚ ግህሰት እዚ እናተፈጸመ፡ ሊቃውንትን ክኢላታትን ጥራይ ዘይኰኑስ፡ እታ ቃላ እተመንዝዐት ቤተ ክርስቲያን’ውን ከይተረፈት ኣስቀጠት። ደጊም ግና ከምኡ ኣይክንብል ኢና ይብሉ መምህር እዮብ ገብረእግዚኣብሔር።
ሕትመት ዝጽበዩ ዘለዉ
THE MOST RECENT ENGLISH-TIGRIYNA-ITALIAN DICTIONARY for more knowledge and wisdom, Switzerland …….?, p. …….? (1836 computer pages) ISBN 978-3-9524462-8-7
Lexicon of Verbs for Ge’ez-Tigriyna-Amharic ISBN 978-3-9524462-3-2 (776 computer pages)
Vocabulary (Dictionary) of Tigre-Tigriyna ISBN ..................................? (126 computer pages)
Elementary Fundamentals of Tigriyna ISBN 978-3-9524462-4-9 (round 50 computer pages)
Tigriyna Double-Consonants (88 computer pages) ISBN 978-3-9524462-9-4
6. My biography
7. They (more than 350) in prisons where there is not a drop of humanity