ደምጸ እገሪሁ፡ ለአቡነ መቃርዮስ
ድምቀት ቀለም እታ “መንን መንን’ዮም ተዓሪቖም፧” ቢላ ዝወረቐት ብርዐይ፡ ሕጂ’ውን ይደጕሓኒ’ሎ። ጳጳስ ዲበ ኵሉ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ፡ ንሃዋርያዊ ዑደትን ስርዓተ ተቀብኦ መዓርጋትን ንምፍጻም ኣብ ሃገረ ካናዳ፡ ኣትዮም ኣለዉ ብዝሰማዕኩ፡ ንቐዳማይ ነገስት ምዕራፍ 19 ብምግንጻል፡ ንነፍሰይ ኣብኡ ረኸብክዋ።
ገና ጅምር ከብልን፡ “ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ንነፍስኻ ኸም ነፍሲ ሓደ ኻባታቶም እንተ ዘይገይረያስ፡ ኣማልኽቲ ከምዚ ይግበሩኒ፡ ከምዚ’ውን ይወስኹኒ” ዝብል ድምጺ ኤዛቤል፡ ኣብ እዝነይ ከፋጺ እሰምዖ’ለኹ። ኣብ ብኤር-ሸባዕ ናይ ይሁዳ ኣብ በረኻ፡ መገዲ መዓልቲ ብሓሳብ ኽይድ ውዒለ፡ ናብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው፡ ሞት ብምምናይ፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ እሞ፡ ሕጂ ይኣኽለኒ፡ ንነፍሰይ ውሰዳ” ንዝብል ምህልላ ኤልያስ’ውን፡ ከም ዘሎዎ ደገምክዎ።
ምቃል ጐኖም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ብዕርቂ፡ ሓደ መጓሰ ኰይኑ ዝተባህለ ደምበ ምሕደራ’ውን፡ መጓስይቶም ምዃኖም ዝተነግረና፡ ብጹእ ኣቡነ ሲኖዳ፡ ብዛዕባ’ዚ እንታይ ይብሉ፧ እተን ወግዓውያን ማዕከናት ዜና ሃገረ ስብከት ኣመሪካ ዝዀና፡ ፍኖተ ብርሃንን ማኅቶት ዘተዋሕዶን’ውን ነቲ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ዝተገብረ ተመሳሳሊ ዑደት ብጩቕ ኣይበላሉን። ነዚ ናይ ሕጂ ጉዕዞ’ውን ዛጊት ኣይተንከፋኦን ዘለዋ። ትም-ሕትም ብዝዀነ፡ ትሒምሒም ነገሰ! ሕሜት ከኣ ብእግሪ’ያ ዑቕባይ ኰነ!
ንባበይ ቀጸልኩ፡ ”እንሆ ድማ፡ ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መጺኡ፡ ዎ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር አሎኻ፡ በሎ” ኣብ ዝብል ድማ፡ እቲ ቓል እቲ፡ ንዓይ’ውን ጉንዲ እዝነይ ጭጭ ክሳዕ ዝብሎ ኣላደደኒ። እንሆ ድማ፡ ”ዎ ዮናስ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፧” ዝብል ድምጺ፡ ንዅለንትናይ ብሓቶ። እቲ ዕርቅን ውህደትን ኣሎ እንተዀይኑ፡ ስለምንታይ ሓባራዊ ዕዮ ዘይንርኢ፧ ፈሪሱ እንተዀይኑ ድማ፡ ስለምንታይ ብኽልቲኡ ሸነኽ ብወግዒ ዘይሕበር፧! እዚ ትም-ሕትምሲ ክሳዕ መዓስ’ዩ ትሒምሒም ከብለና፧ ክሳዕ መዓስ’ዩ፡ ከም ቡነ-ጀበና ካብ ኣወል ክሳዕ ደረጃ ከተሓማምየና፧ ስለምንታይ ከ ከም ኣብ ዘመነ መሳፍንቲ፡ ዝኾነ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቅኑዕ መሲሉ ዝተራእዮ ጥራይ፡ ብድድ ብምባል ድሌቱ ዝገብር፧!
“ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣለኻ፧” ንዝብል ሕቶ፡ ኪንዮ’ቲ ኤልያስ ዝመለሶ፡ ካልእ ዘዕግብ ቃል ክረኽበሉ ኣይከኣልኩን። ”ደቂ እስራኤል ኪዳንካ ሓዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፡ ንነብያትካ’ውን ብሴፍ ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ቀኒኤ ኣሎኹ። ኣነ ኸኣ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ፡” ንዝብል ድማ ብዓውታ ደገምክዎ። ብሰሪ ብርዐይ፡ በይነይ ክተርፍ ዝኽእል ምዃነይ፡ ደጋጊመ ዝርድኦ’ዩ’ሞ፡ እቲ ክኽፈል ዘሎዎ ዋጋ፡ ንሱ እንተዀይኑ፡ ይኹን!
ኣኽራን ዝስንጥቕ፡ ኣኻውሕ’ውን ዝሰብር ንፋስ
ኤልያስ ኣብቲ ኸረን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በለ። እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ሐለፈ፡ ቀቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ፡ ኣኽራን ሰንጠቐ፡ ኣኻውሕ ድማ ሰባበረ። ኣነ፡ ነቲ ኣኽራን ዝስንጥቕ ንፋስ፡ ብዓይነ ልቦና ክስእሎ ሃቀንኩ። ማዕበላዊ ሽውሽውታኡ ተራእየኒ። ኤልያስ ግና ገጹ ብባርኖሱ ኣይከደነን፡ ወጺኡ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው ኣይበለን፡ ናብ ኤልያስ ዝመጸ ድምጺ ድማ ኣይነበረን። ሓደው እቲ ጽሑፍ፡ ”እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ንፋስ ኣይነበረን” እዩ ዝብል። እህም! ቢለ ቈዘምኩ።
ምንቅጥቓጥ ምድሪ’ውን ኰነ
“ድሕሪ እቲ ንፋስ ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኰነ፡” ብምባል ድማ እቲ ጽሑፍ ይቕጽል። ኤልያስ ግና፡ ሕጂ’ውን ገጹ ብባርኖሱ ኣይከደነን፡ ወጺኡ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው ኣይበለን፡ ናብ ኤልያስ ዝመጸ ድምጺ ድማ ኣይነበረን። ሓደው እቲ ጽሑፍ፡ ”እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ኣይነበረን” እዩ ዝብል።
ሓዊ ተራእየ
”ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ድማ ሓዊ ነበረ፡” ይብል እቲ ቕዱስ ጽሑፍ። ኤልያስ ግና ገጹ ብባርኖሱ ኣይከደነን፡ ወጺኡ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው ኣይበለን፡ ናብ ኤልያስ ዝመጸ ድምጺ ድማ ኣይነበረን። ሓደው እቲ ጽሑፍ፡ ”እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን” እዩ ዝብል።
ህዱእ ቍሩብ ደሃይ
ድሕሪ እቲ ሓዊ ኸኣ ህዱእ ቍሩብ ደሃይ መጸ” ምስ በለ ግና እቲ ጽሑፍ፡ ”ኰነ ድማ፡ ኤልያስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ገጹ ብባርኖሱ ኸደነ፡ ወጺኡ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ። እንሆ ድማ፡ ድምጺ ናብኡ መጺኡ፡ ኣታ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር አሎኻ፡ በሎ” ብምባል ድማ ይቕጽል። ኤልያስ ከኣ “ደቂ እስራኤል ኪዳንካ ሓዲጎም፡ ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፡ ንነብያትካ’ውን ብሴፍ ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ቅንኣት ቀኒኤ ኣለኹ። ኣነ ኸኣ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ፡ ንነፍሰይ ድማ ኪወስድዋ ይደልይዋ ኣለዉ በለ።”
በታ ዝመጻእካያ ተመለስ
እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር እዩ’ሞ፡ እዝን እትን ኣይዓጠጦን። ”ኪድ፡ ብበረኻ ደማስቆ ኣቢልካ በታ ዝመጻእካያ መገዲ ተመለስ፡” ብምባል ድማ ነቲ ከምዝን ከምትን ዝበለ ኤልስያስ፡ ቀጣን ትእዛዝ ሃቦ። እታ ትእዛዝ እቲኣ ንዓይን ንዓኻትኩምን ንዅልና ዝተዋህበት ኰይኑ ተራእዩኒ’ሎ። ንዑ ናብ ሰረትን መሰረትን እምነትና ንመለስ፡ ንዑ ናብቲ እንሰብኮን እንግዕሮን ክርስትና ንመለስ፡ ንዑ ንቕድም ሓድሕድ ንፋቐርን ንሳነን፡ ንዑ ንቕድም፡ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ንድለ! ”ህልኽ ከኣ ምምላኽ ጣኦትን ትራፊምን እዩ” በለ ቅዱስ መጽሓፍ (1ሳሙ15.23)።
ዘጸሐፍኩ ጸሐፍኩ
ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል