ጉዕዞ 1400 ዓመታት ኣብ 40 ዓመት
ጓል 63 ዓመት፡ ምርዕውትን፡ ኣደ ክልተ ውሉድን እየን። ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣብ ዓመተ 597 ካብ ሮም ናብ ኬንት ብምምጻእ ዝፈለሞ መሪሕነት ቤተ ክርስቲያን እንግሊዝ፡ ሳራ ሙላላይ፡ መበል 106 ሊቀ-ጳጳስ ዘ ካንተርበሪ፡ ብምዃን ክመርሓኦ ከም ዝተመርጻ፡ ቅድሚ ራብዕቲ ብወግዒ ተሓቢሩ’ሎ።
ሳራ ሙላላይ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ቤተ ክርስቲያን፡ ድሕሪ 1400 ዓመታት፡ ቦኽሪ ጓለንስተይቲ ሊቀ-ጳጳስ ብምዃን’የን፡ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መጋቢት 2026 ንመንበረ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እንግሊዝ ክርከባ።
እኒ ማርቲን ሉተር ተላዒሎም፡ ፕሮቴስታንታዊ ምንቅስቓስ ይገብሩሉ ኣብ ዝነበሩ ዘመን፡ እንግሊዛዊ ንጉስ ሄንሪ ሻምናይ፡ ተካኢኡ ዝዀኖ ተባዕታይ ውሉድ ብዘይ ምርካቡ፡ ነታ ሔማኡ ዝነበረት ፈቲሑ፡ ካልእ ክምርዖ በሃገ። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ግና ከምኡ ክገብር ኣይፈቐደትሉን። ስለዚ ድማ ነቲ ኣንጻር ካቶሊካዊ ቤተ ክርስቲያን ተላዒሉ ዝነበረ ማዕበል ብምጕልባብ፡ ኣብ ዓመተ 1534፡ ቤተ ክርስቲያን ኢንግላንድ፡ ርእሳ ክኢላ ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ዝተፈልየት ኣወጀ።
ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ከም እኒ ክህነታዊ ስልጣን፡ ወግዓዊ ቅዳሴ፡ ዝኣመሰሉ ካቶሊካዊ ትውፊታት፡ ብገለ መዳዩ ብምዕቃብ፡ ግናኸ፡ ንመትከለ እምነት ፕሮተስታንት’ውን ብምስዓብ፡ ኣይ ፕሮተስታንት ኣይ ካቶሊክ፡ ማእከላይ መገዲ ዝሓዘ ኣካይዳ ብምምራጽ፡ ጉዕዞኣ ፈለመትን ቀጸለትን።
ሃገረ እንግሊዝ ግዝኣታ ኣብ ምሉእ ዓለም ምስ ኣስፋሕፍሐት ከኣ፡ እቲ ኣንግሊካዊ ስርዓተ እምነት’ውን ናብ መላእ ዓለም ምስኡ ኣስፋሕፍሐ። ስለዚ ኸኣ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ 165 ሃገራት ዝርከቡ፡ ልዕሊ 85 ሚልዮን ኣንግሊካውያን ምእመናን ምህላዎም ይንገር። ፍሉጥ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጳጳስ ደዝሞንድ ቱቱ እንተዘኪርኩም፡ ንሶም፡ ሓደ ካብ መራሕቲ ኣንግሊካዊት ቤተክርስቲያን ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበሩ እዮም።
ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብሊቀ-ጳጳስ እትምራሕ ነፍስ ወከፍ ሃገር፡ ባዕለ-ምሕደራ ዘሎዋ ክትከውን ከላ፡ እዚ ሕጂ ሳራ ሙላላይ ዝቕበላኦ ዘለዋ ሊቀ-ጳጳስ ዘመንበረ ካንቴበሪ ግና፡ ዝለዓለ ጽልዋ ዘሎዎን ቀዳማዊ ጳጳስን ብምዃን ይመርሕ። ከም መንበረ እስክንድርያ ንዓና፡ ከም መንበረ ቍስጥንጥንያ ንምብራቕ ኦርቶዶክስ ዝዓይነቱ ማለት’ዩ። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ግና፡ ዘይ ከም ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስን ኣንግሊካዊትን፡ ብመንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ቫቲካን እያ እትምከል እምበር፡ እቶም ነናይ ሃገር ዘለዉ ሊቃነ ጳጳሳት ማዕረ ጳጳስ ዘሮም ስልጣን የብሎምን።
ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣድላዪ ዕርቂ ንምግባር ኣብ ዘመነ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፡ ዝርርብ ጀሚራ እኳ እንተነበረት፡ ድሒራ ብዝተኸተለቶ ንክህነት ደቀንስትዮን፣ ንመውስቦ ሕደ-ጾታውያን ዘርኣየቶ ደገፍን ግና፡ እቲ ዝምድና ክቕጽል ኣይከኣለን። ብዘይካ’ዚ ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ ክርስቲያን ንባዕላ’ውን ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዝርከቡ ኣንግሊካውያን ኣብያተ ክርስቲያን ኣብቲ ዛዕባ ዝተፈላለየ መርገጺ ከም ዝሕዙን ስኒት ከም ዝስእኑን ገበሮም።
40 ዓመታት ኣብ ዘይመልእ ዝተራእየ ህጹጽ ለውጢ
1987 ደቀንስትዮ እንትርፎ ኣብ መኣዲ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ካልእ ብምልኣት ከገልግላ ይኽእል እየን እሞ፡ ዲቁና ይግብአን’ዩ ዝብል ሕጊ ኣጽዲቓ፡ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲመተ ደቀንስትዮ ዲያቆናት ኣተኣታተወት።
ሓሙሽተ ዓመት ጸኒሓ ብ1992፡ ደቀንስትዮ “ክህነት ይግብአን’ዩ” ብምባል ኣብ ዓመተ 1994 ንመጀመርታ ጊዜ፡ ን32 ደቀንስትዮ መዓርገ ክህነት ሃበት።
12 ዓመት ጸኒሓ፡ ኣብ ዓመተ 2008፡ “ደቀንስትዮ ጵጵስና ይግብአን'ዩ" በለት እሞ፡ ኣብ ዓመተ 2010 ድማ ኣጽደቐቶ። ወርሒ ጥሪ 2015 ድማ ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ ጳጳስ ክትከውን፡ ንሊቢ ላነ መዓርገ ጵጵስና ቀብኣታ።
ዓሰርተ ዓመት ጸኒሓ ድማ እንሆ ንሳራ ሙላላይ፡ ሊቀ-ጳጳስ ክዀና ረቚሓተንሲ፡ ንጉስ እንግሊዝ’ውን ተቐቢሉ ኣጽዲቕዎ’ሎ። መጋቢት 2026 ድማ፡ መንበረ ቤተ ክርስቲያን ተረኪበን፡ ክመርሓ እየን!
ለቡ
ትሪ ልቢ ደቂ እስራኤል፡ ንጉዕዞ 40 መዓልትስ ናብ ኰለል ምድረ በዳ ን40 ዓመታት ኣኸተለ። እዚ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዝፍጸም ዘሎ፡ ጉዕዞ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከ ብኸመይ ኰን ይግለጽ ይኸውን፧! "ብጻይካ ክላጸ፡ ጭሕምኻ ማይ ልኸ" ዝብል ምስላ ዘይምርሳዕ ከኣ፡ ልቦና ምዃኑ'ውን ኣይንስሓት!