“ቡን-ሰሉስ” ኣብ ማርያ ሺርካን፡ ሕቶ ሽወደናውያንን መልስታተይን
ንእምነተ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ዝምልከት ሕቶታት ንምምላስ፡ ቅድሚ ትማሊ 07 ጥቅምቲ 2025 ቀትሪ ሰዓት 13፡00 ኣብ ከተማ ኡምዮ፡ ማርያ ሺርካን ኣብ ዝብሃል ቤተ ክርስቲያን ሽወደን ተዓዲመ ቀረብኩ። ሓተትቲ፡ ማዮም ዝሓንፈፉ፡ ሰብ ዕድመ፡ ሰብ ጸጋ፡ ጥሮተኛታት’ዮም። እታ ዝዓደመትኒ ግና ድርኩኺት ኣርብዓ ዝረገጸት’ውን ኣይመስለንን።
ቡን እናሰተና፡ ”ሓደ እዋን፡ ኣብ ካርልስ ሺርካን ቃል ከተካፍል መጺእካስ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ ጸሎት ዝነበረ ርእሲ መስቀል ተሴሩ ጸንሐካ እሞ፡ ካብኡ ተበገሲካ ዘቕረብካዮ ስብከት ኣይርስዖን’የ” በለትኒ። ”ኣብኡ ርእየኪ ዝፈልጥ ግና ኣይመስለንን” በልክዋ። ሓቅኻ፡ ሽዑ’የ ኣጋጣሚ ናብቲ ቤተ ክርስቲያን መጺአ፡ እታ ናይ ሽዓ ስብከት ግና ኣይርስዓን’የ” ደገመትለይ። ”ሽወደን ኣብቲ ማሕበራውን ሰብኣውን መዳይ ንፉዓት ኢኹም፡ ምስ ኣምላኽ ዘሎኩም ዝምድና ግና ከመይ’ዩ ዘሎ፧ ብምባል ኢኻ ዘረባኻ ዝጀመርካ” በለት፡ ነቶም መቓምጥትና’ውን ኣብቲ ዕላል ከተሕብሮም ስለ ዝደለየት። ”እቲ ምስ ኣምላኽ ዘራኽበና ትኹል መስመር፡ ኣብዛ መስቀል፡ ከም እተሰብረ እርኢ ኣለኹ’ሞ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ብምስባር እዛ መስቀል ጌሩ’ውን ይዛረበና ከይህሉ” ድማ በልካና። ዘኪረዮ ዘይፈልጥ ስብከት ኣዘከረትኒ። ”እቲ ወሃቢ፡ ኣምላኽ እዩ’ሞ፡ ክብርን ኣድናቖትን ድማ ንዕኡ ይግባእ” ድሕሪ ምባል፡ ምጅማር መደብ ኣኸለ።
ብፓወር ፖይንት ዝተሰነየ ን15 ደቓይቕ ዝኸውን፡ ንእምነተ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብ ኤርትራ፡ ዝምልከት ሓፈሻዊ መላለዪ ጠቒሰሎም’የ ቢለ ብዝሓሰብኩ፡ መድረኽ ሕቶ ተራሕወ። ማዮም ዝሓንፈፉ፡ ሰብ ዕድመ፡ ሰብ ጸጋ፡ ሕቶታቶ ኣውሓዙ፦
ኣጸዋውማኹም ብዝምልከት ዶ ክትሕብረና? ናይ ዕድመ ገደብ ከ ኣሎዎ ዶ፧
እዉጅን ዘይእዉጅን ቢልና ኣብ ክልተ ንመቕሎ። ንስዕቦ ዶ ኣይንስዕቦን ካልእ ኣርእስቲ ኰይኑ፡ ኣብቲ እዉጅ ጾም፡ ካብ ወዲ 7 ዓመት ንላዕሊ ዘበለ ኵሉ ክጸውም ይግብኦ ኢና ንብል። ጾም፡ መለለይና’ዩ ዝበልኩሉ ምኽንያ፡ ካብተን 365 መዓልታት ዓመት፡ 250 መዓልታት፡ ካብዚ እቲ 180 መዓልታት እዉጅ ጾም ስለ ዘሎና እዩ። ኣጸዋውማና ብዝምልከት፡ ኣብ ኩሉ ጾም፡ እንምገቦ ካብ ጸባን ውጽኢቱን፡ ካብ እንቋቑሖን ስጋን ንሕረም፣ ኣብ ከም እዋን ጾም ኣርብዓ ዝኣመሰሉ፡ ክሳዕ ሰዓት 14-15፡ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ድማ፡ ክሳዕ ሰዓት 16-18 ከይበላዕናን ከይሰተና ንጸውም።
ማርያም ኣደ ጐይታና፡ ኣብ ኦርቶዶክስ’ውን ልክዕ ከም ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፡ ማእከላይ ስፍራ ኣሎዋ’ዩ ዝብሃል እሞ፡ ብዛዕባ’ዚ እንታይ ትብል፧
እወ፡ ከምኡ’ዩ፡ ሰብ ክልምን ከሎ’ኳ ከይተረፈ፡ ”ስለ ኢየሱስ” ዘይኰነስ ”ስለ ማርያም” እዩ ዝብል።
ኦርቶዶክስ ኣብ ምስጢራት እምበር ኣብ መንፈሳውነት ኣይተተኵሩን ኢኹም ይብሃል። ብዛዕባ’ዚ ኸ እንታይ ትብል፧
እቲ መንፈሳውነት ኣብቲ ምስጢራት ስዉር’ዩ። ምስጢረ ቍርባን እንተወሰድና ንኣብነት፡ ከምቲ ጐይታና ”እዚ ስጋይ እዩ” ዝበሎ፡ ንሕና’ውን ከምኡ፡ እዚ፡ ኣማናዊ ስጋን ደምን ክርስቶስ እዩ ብምባል ንቕበሎ። ስለዚ ድማ ቀዲምና፡ ንርእስና ብምስጢረ ንስሓ፡ ርእስና መርሚርና ነቲ ቕዱስ ቍርባን ንቕበሎ።
ናብ ቤተ ክርስቲያን ክትከዱ ከለኹም እትኽደንዎ፡ ጻዕዳ ክዳን ዘቕንእ’ዩ፧ እቲ ጻዕዳ ምዃኑ ገለ ከመልክት ከም ዝኽእል እግምት፡ እንታይ’ዩ ዘመልክት።
ኵሉ ብምስትውዓል’ዩ ከምኡ ዝገብር ኣይብለኩምን እየ። እቲ ጻዕዳ ምዃኑ፡ ግና ብደም ክርስቶስ ተሓጺብናን ነጺህናን ንቐርብ ከም ዘለና ንምውካል’ዩ።
ኣብ እምነተ ኦርቶዶክስ ፍትሕ ይፍቀድ ዶ፧
ኣይፋልን፡ ቤተ ክርስቲያን ቃል-ኪዳን ተእስር እምበር ኣይተፋትሕን እያ። ቃል-ኪዳን ሓደ ካብቶም ምስጢራት ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ክሳዕ ሕልፈተ ህይወት ዝጸንዕ እዩ።
ካህናተ ኦርቶዶክስ ይምርዓው እዮም ሰሚዐ፡ ክትምርዓዉ ይፍቀደልኩም ድዩ፧
ክህነት፡ ሓደ ብቶም ምስጢራት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ብኽልተ መገዲ ኸኣ ንቕበሎ። ሰብ ብድንግልና ንምንባር’ዩ ጻውዒተ ይ እንተኢሉ፡ መነኮስ ኰይኑ ክህነት ይቕበል። ድሕር’ዚ ተጣዒሱ ክምርዖ ኣይክእልን፡ ከምኡ እንተገበረ ኸኣ እቲ ክህነቱ ይስዓር። እቲ ካልኣይ መገዲ ድማ፡ ንቕድም ይምርዖ እሞ፡ ብድሕር’ዚ ኸኣ ክህነት ይቕበል። ስለዚ ኣነ ምርዕውን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን እየ።
ምስ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ሩስያ ኣብ ሓደ ደምበ ዲኹም፧
ኣቐዲመ ከም ዝበልክዎ፡ ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ እያ። ስለዚ ኸኣ ወትሩ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ”ብሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ንኣምን” እናበልና ንእውጅ። ሕቶኺ ንምምላስ ግና፡ ንሕና ምስ ደምበ እቶም ”ኦሬንታል ኦርቶዶክስ” ዝብሃሉ፦ ግብጺ፡ ሶርያ፡ ህንዲ፡ ኣርመን፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኢና። ሩስያ ድማ ምስ ደምበ እቶም ኣብ ዓመተ 1054 ዝተፈልዩ፡ ”ምብራቕ ኦርቶዶክስ” ዝብሃሉ እያ።
ኩልኹም ኦርቶዶክስ ክሳዕ ዝተሰመኹም፡ ምስ ቤተ ክርስቲያን ሩስያ ዝኾነ ሓባራዊ ጉዳይ ኣለኩም ዶ፧
ብደረጃ ኤርትራን ኢትዮጵያን እኳ እንተዘይኰነ፡ ብሕብረት ኣብያተ ክርስቲያን ኦሬንታልን ምብራቕ ኦርቶዶክስን ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐን ዝቕጽል ዘሎን ዝርርብ ከም ዘሎ እፈልጥ። ሓያሎ ኤርትራውያን ይኹኑ ኢትዮጵያውያን ኣብ ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ምብራቕ ኦርቶዶክስ ይምሃሩ ኔሮምን ይምሃሩ ኣለውን። ኣብ ባይታ ግና፡ ክሳዕ ሕጂ፡ ሓቢርና ካብ ሓንቲ እንጌራን ካብ ሓንቲ ጽዋእን ክንካፈል ኣይከኣልናን።
ኣነ ካብ ቤተ ክርስቲያን ሽወደን፡ ናባኹም ክጽምበር እንተደልየ፡ እንታይ ከማልእ ኢኹም እትሓቱኒ፧
ዘሕዝን መልሲ’የ ክነግረኪ። ተጠመቒ ንብለኪ።
ተጠሚቐ እንድየ፧ ደጊምኩም ከተጠምቑኒ፧
ኣብ ፖለቲካ ቤተ-ክርስቲያን ክጥሕል ኣይደልን። እቲ መሰረታዊ ሕቶ፡ ኣብ ቅኑዕ እምነት፡ ኣብታ ሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምህላው እዩ። ኣብቲ ጐይታ ዝመሃሮ፡ ኣብቲ ሃዋርያት’ውን ዝሰዓብዎ፡ ኣብ ኣሰሮም ክሳዕ ዝሃለኺ፡ ካብኡ ንየማን ኰነ ንጸጋም ምባል ኣየድልየክን እዩ። ምቕያር ደምበ ዘይኰነ፡ ምቕያር ልቢ’ዩ ንጐይታ ባህ ዘብሎ።
ኣብ ሽወደን ዛጊት ክንደይ ትዀኑ ኣባላት ኣለኹም፧
እዚ ብኤውሮጳዊ ሽወደናዊ ኣተሓሳስባ ኢኺ ትሓትኒ ዘለኺ። ዛጊት ጽፉፍ መዝገብ ክንውንን ኣይበቓዕናን ዘለና። ይትረፍ ዶ ኣብዚ ብስደት ፋሕ ኢልናስ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ’ውን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ክንደይ ዝኸውን ብዝሒ ኣሎዋ፡ ብንጹር ዝፈልጦ የለን። ኵሉ ዝቐርብ ሓርፋፍ ግምት’ዩ። 45 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰዓቢ ኦርቶዶክሳዊ እምነት ክኸውን ይኽእል። ኣብ ስቶክሆልም ዘላ ቤተ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ንኣብነት ክሳዕ 3000 ዝበጽሕ ኣባላት ክህልውዋ ከም ዝኽእሉ፡ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታኣ ኣስፊራ ኣላ።
ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ 81 መጽሓፍቲ ዘሎዎ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘሎዋ ነጊርካና፡ እቶም ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተወሰኹ ዝርዝሮም ክትነግረና ትኽእል ዶ፧
ኵሎም ብቓለይ ክዝርዝሮም ኣይክእልን’የ፡ እዚ ብቛንቋ እንግሊዝ ዝተጻሕፈ መላግቦ ግና ክሓድገልኩም እኽእል’የ። እቲ መላግቦ እንሆ ኣብዚ