ቀሊልካ ተረኸብካ

ፈጠቕ ክብል ደለኹ፣ ኣይዓጠጣን። ”ቀሊልካ ተረኸብካ” ብምባል ደገመትለይ። እንተፈዀሰለይ፡ ብእኡ ኣቢሉ’ውን፡ ነቲ እተጻዕነኒ፡ ከም ገለ፡ ንፋስ እንተወሰዶ ብምምናይ፡ ንግዳም ወጻእኩ። ርሑቕ ከይሰጐምኩ፡ ምስሊ ሚዛን ተሳእለኒ። እቲ እተጸዋዕኩሉ ጽውዓን፡ እቲ ዘለኽዎ ኩነትን ከኣ፡ ኣብቲ ሚዛን ክምዘን ተቐጀለኒ። ብርዐይ፡ ኣሻባ ኣርኪባ፡ ”ክልተ ዓይነት ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ጠባሪ ሚዛን ከኣ ሰናይ ኣይኰነን” ነበበትለይ፡ (ምሳ 20.23)። ክትሓድገኒ ብዘይምኽኣላ ባህ ኣይበለንን።

ከንፈረይ ጀሊዐ፡ ገጸይ’ውን ጸዋዊገ፡ “እንታይ ማለትኪ’ዩ፧” ብምባል ተወከስክዋ። “ነቲ መዓልታዊ እትነብሮስ፡ ኣነ ክነግረካ ኸኣ ደሊኻ፧” ተቘጥዐት። ኣይመለስኩን። “እወ ንዝበልካዮ፡ እወ፣ ኣይኰነን ንዝበልካዮ ኸኣ ኣይኰነን፡ ዘይትብል፧ ስለምንታይ ኢኻ ክልተ ዓይነት ሚዛን ሒዝካ እትነብር፧ ኣብዛ ኣብ ቅድሜና ዘላ እምኒ ኮፍ በል እሞ፡ ምሳሌ 20 ገንጺልካ ድማ ንበብ!” ኣዘዘትኒ። ካብ ፍቕዲ 5-10 ንዘሎ ኸኣ፡ ከም ኣሳትያ ማይ ገቢረ፡ ጠምጠም በልክዎ፦

ምኽሪ ኣብ ልቢ ሰብ ከም ጥልቂ ማይ እዩ፡ ብዓል ኣእምሮ ግና ይቐድሖ። ርሕራሔኦም ዜውርዩ ብዙሓት እዮም፡ ግናኸ ንእሙን ሰብ መን ይረኽቦ። ብንጽህናኡ ዚመላለስ ጻድቕሲ፡ ብድሕሪኡ ውሉዱ ብሩኻት’ዮም። ኣብ ዙፋን ፍርዲ እጠቐመጠ ንጉስ፡ እከይ ንዘበለ ዅሉ በዒንቱ ይብትኖ። ንልበይ ኣጽርየዮ፡ ካብ ሓጢኣተይ ነጺሄ፡ ኪብል ዚኽእል መን እዩ፧ ክልተ ዓይነት ሚዛን፡ ክልተ ዓይነት መስፈሪ፡ እዚኣተን ክልቲኤን ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እየን።”

”ምስቶም ርሕራሔኦም ዜውርዩ ዲኻ፡ ወይስ እሙን ኴንካ ኢኻ እትርከብ፧ ብንጽህና ዶ ትመላለስ ኣለኻ፧ ብሓቂ ዶ ኸ ንእከይ ዘበለ፡ ትብትኖ ኢኻ፧ ክትገብሮ ዘይሓፈርካ ዶ ሕጂ ናብቲ ሚዛን ቍሊሕ ንምባል ርእስኻ ተድንን ኣሎኻ፧” ርእሲ ርእሰይ ቀጥቀጠትኒ። “ብጸጋ ድሒነ’የ፡ ኻብ ሓጢኣተይ ነጺሀ’የ እናበልካስ፡ ኣብ ሕብረት ኣሕዋት ኣይትርከብ፡ ኣብ ምርዳእ ጽጉማት ኣይትርከብ፡ ኣብ ምብጻሕ እሱራት ኣይትርከብ፡ ኣብ ምጽንናዕ ሕዙናት ኣይትርከብ፡. . . ከይሓፈርካ ኸኣ ያኢ፡ ክርስቲያን’የ ትብል. . . ርሕራሔኦም ዘውርዩ ብዙሓት’ዮም፡ ዶ በለ ሰሎሞን፡ በል ምሸት የራኽበና” ቢላ፡ ሓዲጋትኒ ናብ ቤትና ተመልሰት!

በይነይ ተሪፈ ኽንሰይሲ፡ ነቲ ”ቀሊልካ ተረኽብካ” ዝብል ግና ደገምክዎ። ድሕሪ ቅለት፡ ውድቀት ከም ዝስዕብ ኣይሰሓትኩን። ብርግጽ ጐይታና ኢየሱስ፡ ንቕድም ምስኡ ክንከውን፡ ከነዕርፍ ”ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን ኣነ ከዕርፈኩም ናባይ ንዑ” እዩ ዝብለና። ኣብ እግሪ ጐይታ ምስ ዓረፍናን ምስ ተምሃርናን ግና፡ ብቓልን ብግብርን ኣስኣሰሩ ክንስዕብ ከኣ ይልእከና። እወ፡ እቲ ”ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም’የ ‘ንዑ’” ዝበለ ጐይታ፡ ”ኪዱ፡. . . እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ድማ በለ።
ምስሊ እቲ ሚዛን፡ ዝያዳ ደሚቑ ተራእየኒ፦

  • ነታ “ንዑ” ሰሚዐ፡ ነታ “ኪዱ” ዝኣብያ ካብ ኰንኩ፡ ክልተ ሚዛን ዶ ኣይኰነን፧

  • ጽድቂ ኣምላኽ ተቐቢለ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ኰይነ’የ እናዘመርኩስ፡ ግናኸ ብጽድቂ ዘይነብር ህይወት ምሓዘይ፡ እዚኸ ክልተ ሚዛን ዶ ኣይኰነን፧

  • “ኣሐዱ አብ ቅዱስ” ብዝበለት ልሳነይ፡ ኣብ ሓሶትን ኣብ ዘይጠቅም ቃላት’ውን፡ እንተጸወኹላ፡ እዝስ ክልተ ሚዛን ዶ ኣይኰነን፧

  • ቤት እግዚኣብሄር፡ ቤት ጸሎት ክንሱስ፡ ቤተ መዘናግዕን ቤተ ዕላልን ዕዳጋን እንተገበርክዎ ኸ፡ እዝስ ክልተ ሚዛን ዶ ኣይኰነን፧

  • “ክርስቲያን’የ” እናበልኩ፡ ፍቕሪ ብጻይ ግና ካብ ዘይርከበኒ፡ እዚ’ውን ክልተ ሚዛን ዶ ኣይኰነን፧

    ሓቁ እባ’ዩ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን ኣሎ” ዝበለ (ፊሊ3.13)። ”ክልተ ዓይነት ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ጠባሪ ሚዛን ከኣ ሰናይ ኣይኰነን” (ምሳ 20.23)። “መኔ፣ መኔ፣ ቴቄል፣ ኡፋርሲን- ትርጓሜኡ ድማ መኔ፣ ኣምላኽ ንመንግስትኻ ቘጸሮን ጠረሶን፣ ቴቄል፣ ብሚዛን ተመዚንካ፣ ቀሊልካ ተረኸብካ፣ ኡፋርሲን፣ መንግስትኻ ተመቒላ ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተዋህበት፣ ማለት እዩ (ዳን5.25-28)።

    ምድሪ ክመስየለይ እሞ፡ ምስ ብርዐይ ከዕልል ተሃንጥየ’ለኹ!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

”ጸውዓኒ” ኣብ ቍዝማ ዝሰኸረት መዝሙር