”ጸውዓኒ” ኣብ ቍዝማ ዝሰኸረት መዝሙር
ቅድመ መጠንቀቕታ
ንኣቤል ሰመረ-ኣብ (ዘማርን ገጣምን እዛ መዝሙር) ኣይፈልጦን’የ። ዕላማ ጽሕፈተይ ድማ፡ ነፍስ ወከፍና፡ ጽፉፍ ስራሕ ንምስራሕ ምእንቲ ክንተግህ ደኣ’ምበር፡ ተበግሶታት ንምቕሃምን ንምድሃልን ኣይኰነን። እዛ “ጸውዓኒ” እተሰምየት መዝሙር፡ ዜማኣን ቍዝማአን ማራኺ’ዩ። መልእኽታ ኸ፧ ንእትብሉ ድማ፡ እንሆ ሰናይ ንባብ ተመንየልኩም ኣለኹ።
ነታ መዝሙር ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ
ንፈጣሪ ብሕያዋይ ጓሳ (ኖላዊ ኄር) ብምውካል፡ ካብ መዝሙር 23 ከኣ፡ ”ሩባ ድነ ሞት” ”በትሪ” ”ምርኩስ” ከምኡ ኸኣ”የጸናንዓኒ” ንዝብሉ ማእሪሩ፡ ”ጸውዓኒ፡ ኣብ ዝባንካ ክሕዘል፡ ኣጸናንዓኒ” ንምባል፡ ነታ ተደጋጋሚት ክትኰነሉ ዝሓረያ ቤት፡ ብኸምዚ ዝስዕብ ሃደማ፦
ጸውዓኒ ጐይታይ ስለይ ዘይትታኸስ ኖላዊ ኄር
ናፊቑ'ሎ ልበይ ሃሪፈዮ ኣብ ዝባንካ ክሕንገር
ከይወርሰኒ ጸላም ኣብቲ ሩባ ድነ ሞት በጺሐ
ኣጸናንዓኒ፡ ብበትርኻን ምርኩስካን ፈሪሐ'የ (2)
ሕዝሎን ሕንጉሮን
“ኖላዊ ኄር” ብትግርኛ ”ሕያዋይ ጓሳ” ማለት’ዩ። ጓሳን መጓሰን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ተወኪሎም ምህላዎም እምበኣር ንዘክር። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንገዛእ ርእሱ ብሕያዋይ ጓሳ መሲሉ ኣቕሪቡ’ሎ፡ (ዮሃ 10፡ 11)። ዘማሪ ቅዱስ ዳዊት ድማ ንእግዚኣብሄር ከም ጓሳ ብምውካል፡ ”እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ” ብምባል ዘሚሩ’ሎ (መዝ 23.1)። ቅዱስ ዳዊት፡ ጓሳ ኣባጊዕ ስለ ዝነበረ፡ ንእግዚኣብሄር፡ “ጓሳይየይ” ክብሎ ከሎ፡ እንታይ ይብል ከም ዝነበረ ኣጸቢቑ ይርድኦ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ’ውን ንሰማዕቱ ብዝርድኦም ኣዘራርባ፡ “ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ” ክብል ከሎ፡ እቲ መልእኽቲ ነቶም ሰማዕቲ ብሩህን ንጹርን ምንባሩ፡ ካብቲ ቅዱስ ጽሑፍ ክንርድኦ ኣይንጽገምን ኢና።
ኣብዛ “ጸውዓኒ” እተሰምየት መዝሙር ግና፡ እቲ ንጡፍ፡ እቲ “ጸውዓኒ” ዝብል፡ እቲ ተበግሶ ዝወስድ፡ ወዘተ፡ እቲ ጓሳ ዘይኰነ፡ እቲ ዘማሪ እዩ። ነቲ ስኽራን ኣብ ኣጠቓቕማ ግቡእ ቃላት ሰዂዕና ክንርእዮ እንተበልና’ውን፡ እቲ ዘማሪ፡ ክሕንገር ደልዩ ክንሱስ፡ ግናኸ፡ ኣብ መንኩብ ከም ዝሕንገር’ውን ዘስተብህል ኰይኑ ኣይንረኽቦን፣ ስለዚ ኸኣ ”ኣብ ዝባንካ ክሕንገር” ይብል፣ (ሕንጉሮ ኣብ መንኩብ፡ ሕዝሎ ኣብ ዝባን)።
ብበትርኻን ምርኩስካን ፈሪሐ
እቲ ንሞያ ጉስነት ዝዓበየሉን እተመኰረሉን ቅዱስ ዳዊት፡ ”በትርኻን ምርኩስካን የጸናንዓኒ” ክብል ከሎ፡ እዚ ዘማሪ ግና፡ “ምጽንናዕ” እኳ ደልዩ ክንሱስ ግናኸ፡ ”ብበትርኻን ምርኩስካን ፈሪሐ’የ” ይብል። ብግእዝ ”በትርከ፡ ወቀስታምከ፡ እማንቱ፡ ገሠጻኒ” ብኣምሓርኛ፡ ”በትርህና ምርኵዝህ፣ እነርሱ ያጽናኑኛል” ብእንግሊዝኛ ”your rod and your staff they comfort me” ስለዚ ኸኣ ብትግርኛ፡ ”በትርኻን ምርኩስካን የጸናንዓኒ” እናበለስ፡ እቲ ዘማሪ ግና “ኣጸናንዓኒ፡ ብበትርኻን ምርኩስካን ፈሪሐ’የ” ክብል ንሰምዖ። ምናልባሽ፡ “ፈሪሐ’የ’ሞ፡ ብበትርኻን ምርኵስካን ኣጸናንዓኒ” ንምባል’ዩ ገጢምዎ ዝኸውን፡ ቢለ እናመዓራረኹ ክሰምዖ’ውን ፈቲነ ኣለኹ፧!
ሓጢኣት እና ለቐምኩ ሰሃራ በጺሐ
ስጋይ ንኸጥልል ርኽሰት ተለቂሐ
እዚ ሩባ ድነ ሞት፡ ዘስጥም ታኼላ
መዓስ ኣጥሊሉኒ ነፍሰይ ተቓጺላ
ስኩፍ ተናሳሒ
”እናለቐምኩ” ማለት፡ በብሓደ እናኣረኹ ማለት’ዩ። ብጅምላ ዘይኰነስ ብንጽል። ”ርኽሰት ተለቂሐ” ማለት ድማ፡ ካብ ካልኦት ወሲደ ማለት’ዩ። እቲ ኣማናዊ ንስሓ ግና፡ ብሓንቲ ዝብድል፡ ብዅሉ’ዩ በዳሊ ዝኸውን እሞ፡ (ያእ 2.10) ስለዚ ኸኣ ”ኣነ ኣበሳይ እፈልጥ አሎኹ እሞ፣ ሓጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ። ብዘረባኻ ጻድቕ፡ ብፍርድኻ’ውን ንጹህ ኴንካ ክትርከብሲ፡ ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፣ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ። እንሆ ብኣበሳ ተወለድኩ፡ እኖይ ከኣ ብሓጢኣት ጠነሰትኒ” ምባል ዶ ኣይኰነን፧ (መዝ 51.3-5)።
ኣበኽራናት ትደልየኒ'ለካ ሰሚዐ
በዚ'ለኹ ዝዓወረ ልበይ እናነብዐ
ክሃድኣለይ ’ቲ ንልበይ ዝምሽት ንፋስ ኣውሎ
ኣድህየኒ ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ሕጂ ተሎ
ዘይንጹር ተራ
ደላዪ ኣብ ኣኽራን፡ ተደላዪ ኣብ ካልእ ቦታ ምዃኖም ጠቒሱ፡ ምሓልፎ እቲ ጥፉእ ነቲ ደላዪ ”በዚ ኣለኹ ኣድህየኒ” ምባሉ፡ ምስቲ ክብሎ ደልዩ ዘሎ የኽይድ ዶ፧ ቢልና ብምሕታት ጥራይ ንሕለፎ። እቲ ክደሊ ዘሎዎ፡ እቲ “ኣበይ ኣለኻ፧” እናበለ ዝጽውዕ፡ መን’ዩ ክኸውን ዝግብኦ፧ እቲ ዘማሪ፡ ንምስላ እቲ ጥፉእ ወዲ እናዘከረ ከም ዝገጠመ ስለ ዘርኣየና፡ ብምስላ ጓሳን ጉስነትን ዘይኰነስ ብምስላ ጥፉእ ወዲ ኣደባቢስና ብምስማዕ ንሕለፎ።
ብደም ዝተጠርየ ውርሻይ ዓዲለ
የንጀርብበኒ'ሎ ሕሰም በብእብረ
ቈሲሉ ኣእጋረይ ጉዕዞይ ኣቋሪጸ
እጽበ ኣለኹ ፍትወይ እንተ መጸ
”ኣድህየኒ” ክብል ከም ዘይጸንሐ፡ ኣብዚ ኸኣ ”ፍትወይ እንተመጸ” ይብል። ሕያዋይ ሓታቲ እንተዝረክብ እሞ፡ ”’በዚ ኣለኹ’ ዶ ክትብል ኣይጸናሕካን ደኣ፧” እንተተባህለስ፡ እንታይ ኮን’ዩ ክብል፧!
ኣብ ገዛና ክንደይ ጽጋብ እሞ ዘይሓለፈ
ናፊቐ ኣቦይ ከም ጊላኻ ክቝጸር ሃሪፈ
ደንግጸለይ ውሉድካ ክበሃል ዘይበቅዕ
ኣድህየኒ ምጥፍአይ ካብ ቤትና ከብቅዕ
ኣብ ዛንታ እቲ ጥፉእ ወዲ ምህላዉ ዘኪርና፡ ”ሕራይ” ብምባል ጥራይ ንሕለፎ።
”ነገር ሰብ'ዩ” ዝብሎ ወልፊ ሓጢኣተይ
ርስተይ መንጢሉኒ እንታይ ሓዲጉለይ
ምስ ክሱስ ሕልናይ ኣብ ቅድሚ ሓቅኻ
ከመይለ ክቐውም ኣርኪሰ ፍቕርና
ንመጀመርያ ጊዜ፡ ብምልኣት ብዘይ ተጉላባን ብዘይ ግብዝናን፡ ሓጢኣቱ ተኣሚኑ፡ ሕልናኡ’ውን ተረቲዑ እዩ’ሞ፡ ክብሪ ንኣምላኽ! ኣብዚኣስ፡ ኣማን በኣማን ተዓዊቱ’ዩ። ከምዚ እንተገጠምካስ፡ ኣገናዕ!!
መሃናየ መዓስ መኒንካዮም ጠፍኤ እምበር
በዚ'ለኹ ዕርቃነይ ረዲኤትካ ይሃርር
ንጽድቅኻ ልብሰይ ንኽገብሮ ተፈዊሰ
ኣድህየኒ ውሽጠይ ብጸላኢ ከይተወርሰ
መሃናየ እንታይ እዩ፧
”መሃናየ” እንታይ ማለት ምዃኑ ኣይተረዳእክዎን። ”መሃናይም” እዚ ማለት ከኣ ”ጭፍራ ኣምላኽ”፡ ክብል ዶ ኾን ደልዩ ይኸውን ቢለ ግና እጥርጥር (ዘፍ32.2)፧! 99 ሓዲጉ፡ ነታ ሓንቲ ዝጠፍአት በጊዕ ከናዲ ዝኸይድ ሕያዋይ ጓሳ. . . ንሕና ኸኣ ኢዱ እትኽብክበና መጓሰ ኣምላኽ ኢና እሞ፡ (መዝ 100፡3) ስለዚ ኸኣ፡ እዚ ዘማሪ፡ ካብቲ ጭፍራ ኣምላኽ፡ ጠፊአ ንምባል ዶ ኾን ይኸውን፧! ጠቕሊለ ኣይተረዳእክዎን። ”መኒንካዮም” ዝብሎም ዘሎ፡ ንነገደ መላእክት ዘኪሩ ዶ ይኸውን፧ እቶም ዝምነኑ ዘለዉ እኒ መን ምዃኖም ኣይነጸረለይን። እቲ ሕያዋይ ጓሳ፡ ንኣዳም ክደሊ ምስ መጸ፡ ”ኀዲጎ ተስዓ ወተስዓተ ነገደ” ንዝብል ብህሎ ዶ ዘኪሩ ይኸውን፧ እመራመር ደኣ ኣለኹ’ምበር፡ ዛጊት ፈጺመ ኣይተረዳእክዎን።
ውሽጠይ ብጸላኢ ከይተወርሰ
”ኣብ ሩባ ድነ ሞት፡ ነፍሰይ ተቓጺላ” ቢልካ እናቝረምረምካ፡”’ርስተይ መንጢሉኒ እንታይ ሓዲጉለይ” ቢልካ እናቘዘምካስ፡ ምልስ ኢልካ ድማ፡ ”ውሽጠይ ብጸላኢ ከይተወርሰ” ቢልካ ምዝማር፡ ሓደው ኣብቲ ተደጋጋሚ ዘሎ ”ከይወርሰኒ ጸላም ኣብቲ ሩባ ድነ ሞት በጺሐ” ምባልሲ ምስ ምንታይ ኮን ይቝጸር ይኸውን፧! ኣብዛ መዝሙር ተሰግሲጎም ዘለዉ ሓሳባት፡ ከም ኣእጋር እቶም ጉዕሽ ሜስ ዝጸገቡ፡ እንሆ ንሓድሕዶም ክራጸሙ ንሰምዖም ኣለና።
ለቡ፡
ዘማሪ ኣቤል ሰመረ-ኣብ፡ ስርዓትን ኣገባብን ቤተ ክርስቲያን ንምሕላው፡ እተኸተሎ ኣለባብሳ፡ መብራህቲ ጥዋፍን መቖምያን ዘንእዶ እዩ። ብቐጥታ ምስ ግጥምን መዝሙርን እኳ ዝተኣሳሰር እንተዘይኰነ፡ መብራህቲ ጥዋፍ ብየማናይ ኢድ ከም ዝትሓዝ ግና ዘስተብሃለ ኣይመስልን። እቲ እናሻዕ “ተንስኡ ለጸሎት” እናበለ ኣብ እዋን ቅዳሴ ዘዝይም ዛቝናይ፡ ሓደው፡ እቲ ኣብ ጸሎተ ማዕጠንት፡ ነቲ መስቀልን ጥዋፍን ሒዙ ዝሰግድ ዛቝናይ፡ ነቲ መብራህትን መስቀልን ብየናይ ኢድ ከም ዝሕዞ ብምምልካት ጥራይ፡ ካብ ርኡይ ጌጋ ክሰትሮ ምኸኣለ ኔሩ። ”መስቀል ከቢዱኒ” ቢልካ፡ ንጥዋፍ ብየማን፡ ንመስቀል ብጸጋም ከም ዘይለዋወጥ ከኣ ምተረድኦ። እዛ ከይተማኸርካን ከይተወከስካን ናብ ሕትመት ምጕያይ ግና፡ ሕደጉ’ባ ሕደጉ!