ሕልኽን ህልኽን
ልዕሊ ህልኽ፡ ኣእጋር ዝሓልኽ፡ እንታይ ክህሉ ይኽእል፧! ኣእጋር እንተተሓሊኸን ድማ ናብ‘ዛ ባይታኻ ረፈጥ ምባልያ! ቃል ዓለምን ጥውይውይን ብዘይብላ፡ ቃል ኣምላኽ ንህልኽ፡ ”ኣምልኾ ጣኦት” ቢሉ’ዩ ጠሚቕዎ ዘሎ። “ናይ ስርቂ ማይ ጥዑም’ዩ” ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ (ምሳ9.17)፡ እቲ ብህልኽ ዝድረስ፡ ዝጽሓፍ፡ ዝዝመር፡ ዝዝበጥ ከበሮ፡ ወዘተ ኸኣ፡ ጠባሪ ጣዕሚ ስለ ዝውንን፡ ”ወነይ መጸኒ” ክሳዕ እትብል፡ ከበሮ ከይተረፈ ኣብ ርእሲ ኣሰኪሙ፡ ሕምብሊል ከብለካ ይኽእል! ኣቤት ኣብ ህልኽ ዘሎ ጣቕዒትን ዋጭ-ዋጭን! ኣቤት ድምቀት!
”ሰይጣን ዘይብላ መኣዲ፡” ንድገማ እስከ፡ ”ሰይጣን ዘይብላ ዕላል” ”ሰልሶ’የ” ዶ በላ እዘን ኣሓት፧ ”ሰይጣን ዘይብላ ጸሎት!”
”እክሕደከ ሰይጣን” ቢልና እሞ ነማዕትብ፡ ”መንፈስ ኣምላኽ ዘሎዎ መኣዲ” ንድገሞ እስከ፡ ”መንፈስ ኣምላኽ ዘሎዎ ዕላል” ”ሰልሶ’የ” ዶ በላ እተን ኣሓት፧ ”መንፈስ ኣምላኽ ዘሎዎ ጸሎት!” ደጊም 1 ተሰ 5 ምግቢ ዕለት ትኹነንና!
መንፈስ ኣይተጥፍኡ (ይጠፍእ ድዩ፧ ክተሃላለኽ ክብል ዶ መንፈስ ኣጥፊአ እህሉ፧. . .)
ትንቢት ኣይትንዓቑ (እንታይ ማለት ኮን ይኸውን፧! ”በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተት ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ፡” ነዚ ትንቢት እዚ ንዒቐዮ ዶ ኾን እህሉ፧ (1ጢሞ4.1)
ንዅሉ ተዓዘብዎ፡ ነቲ ሰናይ ሐዝዎ (ንሰናይ ሰናይ ዘብሎ ፍረኡ ደኣ እምበር፡ ጥንታውነቱ ኣይኰነ፡ ዘመናውነቱ’ውን ኣይኰነን. . . ትዕዝብተይ ኣብ ፍረ ዘድሃበ ዶ ይኸውን፧ ነየናይ ፍረ ኸ እየ ፍረ ዝብሎ፧ ነቲ ብግብሪ ዓመጻ ክስነ ዝኽእል እሞ፡ ኣብ መወዳእታ ገጽ ጐይታና ኢየሱስ ዘየርእየኒ ውህበታት መንፈስ ድዩ፡ ወይስ እቲ ፍረ መንፈስ፧!)
ካብ ክፉእ ዘበለ ዅሉ ርሐቑ፡ (ክፉእ ማለት ከ እንታይ ማለት’ዩ፧ ምፍልላይ፡ ሻራ፡ ህልኽ. . . ኣብ ኣፍ-ደገ ኰይና ትቃጸወና ዘላ ህልኽ፡ ንገዝኣ ዶ ኣለና ወይስ ንሳ’ያ ሓሊኻ ናብ ህልኽ ትድቕድቐና ዘላ፧!)
ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ኸኣ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፡ በቲ ምጽኣት ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን ብዘይ መንቅብ ክርከብ ይተሓሎ” (1ተሰ5.19-23)።
እቲ ዝቕድስ፡ ቀዲሱናን ኣንጺሁናን እዩ’ሞ፡ ስሙ ንዘለኣለም ብሩኽ ይኹን፡ ኣሜን ኣሜን፡ ኣሜን! ንብዘሎ ስጋና፡ ነፍስናን መንፈስናን ብዘይ መንቅብ ኣብ ምሕላዉ ግና ከመይ ኣሎና፧ ጸሎትና፡ መኣድና፡ ዕላልና፡. . . መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎዎ ርግጸኛታት ዶ ኢና፧ ህልኽ ኣምልኾ ጣኦት’ዩ’ሞ ንህልኽ ንፈንፍኖ፡ ብህልኽ ንጽሕፍ፡ ብህልኽ፡ ንሰብኽ፡ ብህልኽ ንዝምር እንተሊና፡ . . መንፈስ ኣይተጥፍኡ፡ ትንቢት ኣይትንዓቑ፡ ንዅሉ ተዓዘብዎ፡ ነቲ ሰናይ ሓዝዎ፡ ካብ ክፉእ ዘበለ ኵሉ ርሓቑ፡ ወዘተ ዝብል ቃል፡ እንሆ ይንገረና ኣሎ!
ዘቦ ዕዝን ሰሚዐ ለይስማዕ!