ኢየሱስ ባርያ’ዩ! ኢየሱስ ጐይታ’ዩ!

”ምድሪ እንተ ተገልበጠት፣ ኣኽራን ኣብ መዓሙቚ ባሕሪ እንተ ተናወጹ፣ ማያቱ እንተ ሀመመን እንተ ዐፈረን፣ ኣኽራን ብነድሮም እንተ አንቀጥቀጡ፡ ኣህዛብ ጫውጫው በሉ፣ መንግስትታት ተናወጹ፡” ወዘተ፡ ወዘተ ኣብ ዝብል መዝሙሮም፡ እቶም ”ደቂ ቆራሕ” ብዝብል ዝፍለጡ ዘመርቲ፡ ንሓሳባቶም ”ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ” ብዝብል’ዮም ዝኣስርዎ (መዝሙር 46)።

ኣፈይ እንከይከፈትኩን እኽሊ እንከይለኸፍኩን፡ ገና ብጊሓቱ፡ ”ጽሓፍ” በለትኒ። ”’ኢየሱስ ጐይታ’ዩ’ ምባል ድዩ ዘስደምም፡ ወይሲ ’ኢየሱስ ባርያ’ዩ’ ምባል’ዩ ዘስደምም፧”

ሓሳባታ፡ ኣርምም፡ ኣስደምም ኣበለኒ። ”ንምልኣት ሓዲግካ፡ ነቲ ሓደ ገጽ ጥራይ ስለ እትርኢ እኳ’ዩ። ጸጋ ክብሃል ከሎ፡ ሕጊ ትርጥርጥ፣ ሕጊ ክብሃል ከሎ፡ ጸጋ ትዝንግዕ፣ ትስብእት ክብሃል ከሎ፡ መለኮት ትርስዕ፡ መለኮት ክብሃል ከሎ ኸኣ፡ ትስብእት ትርስዕ. . . ወዘተ” ድምጻ፡ ስልጣን ነበሮ። ጽን ቢለ ንምክትታላ ድማ መንበረይ ኣጣጢሐ፡ ተመዓራርየ ኮፍ በልኩ።

“ኣብቲ ጐይታና ኢየሱስ ዝተወልደሉን ዘገልገለሉን ዘመን፡ ’ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ’ዩ’ ዝብል ሓሳብ፡ ንምርዳኡ ዀነ ንምቕባሉ ጭንቂ ነበረ። ኢየሱስ፡ ከም ኵሉ ሰብ፡ ንሱ’ውን ወዲ ዮሴፍን ማርያምን ጥራይ ይመስሎም ነበረ። ስለዚ ኸኣ መንፈስ ኣምላኽ ዝገለጸሉ ሰብ እንተዘይኰይኑ፡ ’ኢየሱስ ጐይታ’ዩ’ ክብል ዝኽእል ኣይነበረን። ሰይጣንን ሰራዊቱን ግና ብርግጽ፡ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ከም እነንብቦ፡ ’የሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ (ማቴ8.29)፣ ኣብ ወንጌል ማርቆስ፡ ከም እንርእዮ ’ዎ ኢየሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ’ (ማር5.7)፣ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ከም ዝተጻሕፈ ኸኣ፡ ’ኣየ፡ ኢየሱስ ናዝራዊ፡ . . . ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ’ (ሉቃ4.34) ቢሎም ከም ዝመስከሩ፡ ተጻሒፉልና’ሎ። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ከም ዝበሎ፡ ’ኣጋንንቲ’ውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን’ዮም’ እሞ፡ ‘ኢየሱስ ጐይታ’ዩ!’ ምባሎም ዘገርም ክኸውን ኣይግባእን! ‘እስመ ኢየሱስ ክርስቶስ ውእቱ ዘትማልም ወዮም ወክመ ውእቱ እስከ ለዓለም’ ከም ዝበለ ጽሑፍ፡ ’ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ’ (እብ13.8)።

“ነዚ ዘሎናዮ ዘመን ድማ ንርኣዮ። ’እግዚእነ ወአምላክነ፡ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ’ ቢሉ ንምምስካር ዘይዓርፍ፡ ብቓል ኰነ ብግብሪ ዝገብሮ ዘበለ ዅሉ፡ ንኣምላኽነት ጐይታና ኢየሱስ ብዘማዕርግ ኣገባብ፡ ’ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን’፡ እናገበሮ ክንሱ፡ ጐይታና ኢየሱስ፡ መልክዕ ባርያ ወሲዱ፡ ልክዕ ከም ዝኸማና፡ ፍጹም ሰብ ምዃኑ ግና ይዝንግዕ። ንጐይታና ኢየሱስ ከምቲ ብትንቢት እተነግረሉ፡ ምእንታና ክብል፡ ”መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርኤናዮ፡ ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን። ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ፡ ብዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዚጕልብቡሉ ሰብ እተዋረደ እዩ፡ ንሕና’ውን ገለ እኳ ኣየቋጸርናዮን’ ዝብሎ፡ ከምኡ ጌሩ ክስእሎ ግና ኣይደልን። ንክርስቶስ ከም ስቑል ጌርካ ምርኣይ፡ ከምቲ ሰብ ገላትያ ዝገበርዎ፡ ነውሪ ክሳዕ ዝመስሎ፡ ንተልእኾ ጐይታና ኢየሱስ ፈጺሙ ይዝንግዕ።

ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ትማልን ሎምን ንዘልኣለምን፡ ጐይታ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጐይታ ጐይቶት’ውን እዩ። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ከም ዝመጸን፡ ኣብ ገለ ካብ ትምህርትታቱ ድማ፡ ጠምየ፡ ጸሚአ፡ ዓሪቐ፡ ጋሻ ኰይነ፡ ሓሚመ፡ ተኣሲረ፡ ዘገልገልኩሙኒ ሓደው ዘየገልገልኩሙኒ ቢሉ ክንእድን ክነቅፍን ንሰምዖ፡ (ማቴ25)። ከምቲ ቀዲሙ ብትንቢት ዝተነግረሉ፡ ’እንሆ ዝድግፎ ባርያይ፡ ሕሩየይ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ዚብላ፡ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ አሎኹ፡ ንሱ ነህዛብ ፍትሒ ኬውጽኣሎም እዩ። ኣይክጭድርን፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ኸኣ ኣብ ኣደባባይ ኣይኬስምዕን እዩ። ጭፍሉቕ ሻምቡቆ ኣይኪሰብርን፡ ተኻኺ ጥዋፍ ድማ ኣይኬጥፍእን እዩ፡ ፍትሒ ብሓቂ የውጽእ’ እተባህለሉ (ኢሳ42፡1-3)፣ ኣብ ማርቆስ 10.45 ድማ ”ወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል፡ ህይወቱ’ውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን” ብምባል፡ ንርእሱ ኣላለየ።

ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ትማልን ሎምን ንዘልኣለምን፡ ጐይታ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጐይታ ጐይቶት’ውን እዩ። እቶም ’ኢየሱስ ጐይታ’ዩ’ ዝብልዎ፡ ኣሰሩ ምእንቲ ክስዕቡ ግና፡ ኣእጋር ደቀ-መዛሙርቱ ከም ዝሓጸበ ድማ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ንነቦ (ዮሃ13)። ደጊም፦

  • ‘ኢየሱስ ጐይታ’ዩ’ ንዝብለካ፡ ‘ኣሜን’ ድሕሪ ምባል፡ ‘ጠምዩ’ሎ’ሞ ንኺድ ነብልዓዮ’ በሎ። ከምቲ ኣጋንንቲ’ውን ዝገብርዎ፡ ብኣፍ ጥራይ ‘ኢየሱስ ጐይታ’ዩ’ ምባል፡ ፋዕራ ኣይርከቦን’ዩ።

  • ‘ኢየሱስ ጐይታ’ዩ’ ንዝብለካ፡ ‘ኣሜን’ ድሕሪ ምባል፡ ‘ጸሚኡ’ሎ’ሞ ንኺድ ነስትዮ’ በሎ

  • ‘ኢየሱስ ጐይታ’ዩ’ ንዝብለካ፡ ‘ኣሜን’ ድሕሪ ምባል፡ ‘ዓሪቑ’ሎ’ሞ ንኺድ ንኽደኖ’ በሎ

  • ‘ኢየሱስ ጐይታ’ዩ’ ንዝብለካ፡ ‘ኣሜን’ ድሕሪ ምባል፡ ‘ጋሻ ኰይኑ’ሎ’ሞ ንኺድ ንቀበሎ’ በሎ

  • ‘ኢየሱስ ጐይታ’ዩ’ ንዝብለካ፡ ‘ኣሜን’ ድሕሪ ምባል፡ ‘ሓሚሙ’ሎ’ሞ ንኺድ ንብጽሓዮ’ በሎ

  • ‘ኢየሱስ ጐይታ’ዩ’ ንዝብለካ፡ ‘ኣሜን’ ድሕሪ ምባል፡ ‘ተኣሲሩ’ሎ’ሎ’ሞ ንኺድ ንብጽሓዮ’ በሎ፡ ከምቲ ኣጋንንቲ’ውን ዝገብርዎ፡ ብኣፍ ጥራይ ‘ኢየሱስ ጐይታ’ዩ’ ምባል፡ ፋዕራ ኣይርከቦን’ዩ።

ንሕና፡ ባሮት ጐይታ ምዃንና፡ ነቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዝረኸብናዮን ዘስተማቐርናዮን፡ ካብ ኩሉ ኣእምሮ ዝበልጽ ሰላም ኣምላኽ፡ ጨው ኴንና ንኸባቢና ከነመቅር፡ ብርሃን ኴንና’ውን ንዝጸበቦም ከነብርህ እዩ። ጉይትነት ጐይታና ኢየሱስ፡ በዚ ኸምዚ’ዩ ደሚቑ ክርአን ክገንን ዝኽእል! ”ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን” በለ ጐይታ ንደቀ-መዛሙርቱ፡ (ማቴ7.21)

ነአምን ቃለ ቅዱስ ወንጌል! 

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

ሕልኽን ህልኽን