”ሃዋርያዊ ተልእኾናን ምምሕዳርናን፡ንምእመናን ኣየዕገበን”
”ልዕሊ ዅሉ፡ ኣብ ውሽጥና ጉድለት ሓድነት ብሰፊሕ ይርአ’ሎ” ብምባል’ዮም ጀሚሮም። ”ናትና ኸ ደኣ፧” እናበልኩ’የ ዝሓስብ ዘለኹ። እታ “ሀበነ ንኅበር በዘዚአከ መንፈስ ቅዱስ፡ ወፈውሰነ በዝንቱ ጵርስፎራ” እናበለት፡ ወግሐን ጸብሐን እትልምን ቤተ ክርስቲያንና፡ ከመይ ከም ዘላ ንርእያ ኣለና።
”ኣብቲ ዝተሰየምናሉ መለኮታዊ ተልእኾ፡ ሓደ ሓሳብ፡ ሓደ ቃል፡ ሓደ ልቢ፡ ኴንና ክንስለፍ ከም ዘይምከኣልና እቲ ክፍተት እናተንጸባረቐ እዩ፡” ዝበሉ፡ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ፡ ”ናይ’ዚ ዘመን እዚ፡ ጥበብን ብልሕን ዘይተኸተለ ሃዋርያዊ ተልእኾናን ምምሕዳርናን፡ ንምእመናን ኣየዕገበን” ብዝብል ከኣ ትዕዝብቶም ኣቐሚጦም ኣለዉ። ኣነ ኸኣ፡ ”ናትና ኸ ደኣ” እብል ኣለኹ።
ቅዱስ ሲኖዶስ ዘኢትዮጵያ
ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ዘኢትዮጵያ፡ ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ይካየድ፡፡ እቲ ቀዳማይ ጉባኤ፡ ፲፪ ጥቅምቲ (22 ጥቅምቲ ብፈረንጂ) ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ፡ ርክበ ካህናት ኣብ ዝወዓለሉ (25 መዓልታት ድሕሪ ዝኽሪ ትንሳኤ ጐይታና) እዩ ዝካየድ፣ ፍትሕ መንፈሳዊ አንቀጽ 5 ቍጽሪ 164።
ናትናኸ፧
ሀ. ስሩዕ ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ መዓስ፡ መዓስ ከም ዝካየድ ትፈልጥዎ ዶ፧
ለ. ሲኖዶስ ኤርትራ፡ ብቐዳምነት ክርእዮ ዘሎዎ፡ እንታይ ይመስለኩም፧