መቐረት ንዅሉ፡ ምድላው ምግቢ
ስም መጽሓፍ፡ “መቐረት ንዅሉ፡ ምድላው ምግቢ”
ስም ጸሓፊት፡ ሰላማዊት ካሕሳይ
ኣሕታሚ፡ እምኵሉ፡ ሽወደን፡ 2025
ብዝሒ ገጻት፡ 194
”ልንቍጥ ኣቮካዶ ምስ ኣሕምልቲ” ቈሪስና፡ ”ሕብራዊ ሰላጣ ምስ ልስሉስ ፎርማጆ” ዘሰነዮ ”ጸብሒ ስጋ ደርሆ፡ ምስ ዱባን ዙኲኒን” ንመሳሕ። ”ዝተጠብሰ ባኒ ምስ ስምስም” ንጠዓሞት፡ ”ቀይሕ ዓደስ ምስ ዝተጠብሰ ስጋ” ንድራር፡ ድሕሪኡ፡ ”ሻሂ ጅንጅብል ምስ መቝሞቆ” ሓደው ”ጽማቝ በለስ ምስ ኣረቂ” ሓንፊፍና፡ “ልዋም ለይቲ” ንብሃሃል!
ጐሊሑ ዝርአ ጽባቐ እዛ መጽሓፍ፡ እቲ ብምዕሩግ ስእልታት ዝወቀበ ገጻት’ዩ። ቅርጥው ኣቀራርባ፡ ንምርዳኡ ዘይሸግር፡ ንጹር መምርሒ ጽሑፍ፡ ስእላውን ጽሑፋውን መግለጺ ቀማማት፡ ኣሕምልቲ፡ ፍረታት፡ ጥረታት ወዘተ፡ ኣብ ምድላው እዛ መጽሓፍ፡ ሓያሎ ጸዓት ከም ዝፈሰሰ ርኡይ ይገብሮ።
ጸሓፊት፡ ሰላም ካሕሳይ፡ ”ምግቢ፡ ብዝግባእ እንተዘይተኸሺኑ፡ መቐረት የብሉን። ስለዚ ድማ’የ ”መቐረት ንዅሉ” ዝሰመኽዋ” ብምባል፡ ምስጢር ስያመ እዛ መጽሓፍ፡ ሓቢራትና ኣላ። ንሓደ ሰሙን ዝኸይድ፡ ካብ ቍርሲ ክሳዕ ድራር ዝተፈላለዩ ዓይነታት ምግብን ዝሑልን ውዑይን፡ ኣልኮላውን ኢኣልኮላውን መስተ፡ ከመይ ጌርና ብቕልል ዝበለ ኣገባብ ከነዳሉ ከም እንኽእል ንምሕጋዝ ከም እተዳለወት’ውን ተሓቢሩና’ሎ።
ደርሆ ምስ ሰራዊታ፡ ዝሕላ፡ ሕልበት፡ ጥሕሎ፡ ሽሮ፡ ስልጆ፡ ሃንዛ፡ ጎጎን ሙጎን ዝኣመሰሉ ባህላውያን ምግብታትና፡ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ስፍራ ኣይተረኽበሎምን። ድቋን ሜስን፡ ጥሕንን እንጣጢዕን ዝኣመሰሉ ባህላውያንን መስተታትና’ውን ከምኡ። ሰላም ካሕሳይ፡ ”ነቲ እትኽእልዎ፡ ትኽእልዎ ኢኹም፡ ነቲ ምናልባሽ ዘይትኽእልዎ ግና ከላልየኩም” ዝብል ኵርናዕ ጠመተ ዝሓዘት ትመስል። ስለዚ ኸኣ ብፍላይ እቶም ኣብ ምዕራባዊ ዓለም እንርከብ፡ ቅልል ብዝብለ ኣገባብ ከመይ ጌርና መኣዛዊ ምግብታት ክንምገብ ከም እንኽእል፡ እትሕግዘና መጽሓፍ ኣዳለወት።
10 ዓይነታት ቍርሲ
8 ዓይነታት ጠዓሞት
7 ዓይነታት ምሳሕ
7 ዓይነታት ድሕሪ ምግቢ
7 ዓይነታት ድራር
7 ዓይነታት ሰላጣ
8 ዓይነታት ጽማቝ
3 ቀጠንቲ ጽማቝ 4 ዘይኣልኮላውያን መስተታት
7 ዓይነታት ኮክተይል ኣልኮላውያን መስተታት
7 ዓይነታት ዝሑልን ውዑይን መስተ
20 ስእላውን ጽሑፋውን መግለጺ ቀመማት
ብትግርኛ፡ ሽወደንን፡ እንግሊዝኛን እተዳለወ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዝርዝር ኣስማት፡ ኣሕምልቲ፡ መመላኽዒ ፈሰስቲ፡ ፍረታት፡ ጥረታት፡ ቀመማት፡ ዓይነታት ሓርጭ፡ ዓይነታት ሳልሳ፡ ዓይነት ስጋ፡ ዓይነታት መስተ ወዘተ
ዝተራእዩኒ ድኻማት
ጉድለት እሩም ኣጸሓሕፋ ቃላት
“ዝሑል”፡ “ውዑይ”፡ “ልንቍጥ” ወዘተ ብእሩም ተጽሒፎም ከብቅዑ፡ ”ሕሙስ” ግና ከም ብጾቱ፡ ኣብ ክንዲ ብሳድስ ሆሄ ዝጽሓፍ፡ ተደጋጊሙ ብካዕብ ሆሄ ”ሑሙስ” ብዝብል ተጽሒፉ ንረኽቦ። ገጽ 174-178 ኣብ ዘሎ ግጻት ድማ፡ ”ከም ኣድላይነቱ” ንምጽሓፍ፡ ”ከም ኣድላይነትና” ብዝብል ተጽሒፉ’ሎ። ንመረዳእታ፡ ገጽ 174 ”መዓር ወይ ሽኮር ከም ኣድላይነትና፡” ገጽ 175 ”ሽኮር ከም ኣድላይነትና” ወዘተ ተጽሒፉ’ሎ።
”ሰብ፡ ክልተ ኣዒንቲ ኣሎዎ” ዝዓይነቱ ሓበሬታ
ገጽ 1 ”ገና ከይተወለድና ኣትሒዝና፡ ድሌት ምግቢ ኣማዕቢልና ኢና ናብዚ ዓለም እንመጽእ። ምስ ዕቤትን ምዕባለን ኣካላትና ድማ ናይ ምምጋብ ሸውሃትና እናዛየደ ይኸይድ።” እዚ ጽሑፍ’ዚ ንነባቢ እንታይ ፍልጠት የቕስሞ፧ እንታይ ሓድሽ ሓበሬታ ይህቦ፧
ገጽ 4 ”ፍሪጅ፡ ናይ ኣስቤዛ ኣቝሑ፡ ከምኡ’ውን ካብቲ ዝደቐቐ ማንካ ክሳብ ዝዓበየ ድስቲ ድማ ኣብ ክሽነ ይርከብ” ብሓቂ ዶ ካብዚ ጽሑፍ’ዚ እንረኽቦ ሓድሽ ሓበሬታ ኣሎ እዩ፧ ድስቲ ኵስኵስቲ ኣብ ክሽነ ከም ዝርከብሲ ንመን ኢንና ንሕብሮ ዘለና፧
ገጽ 5 ”ሰብ፡ ጥዕና ዝመልኦ ንጡፍ ህይወት ንኽህልዎ፡ እኹል ምግቢ ክረክብ ኣሎዎ” ነዛ ሓበሬታ እዚኣ ዘይፈልጣ ይህሉ ዶ፧ ኣፍንጫኻ ትሕቲ ኣዒንትኻን ልዕሊ ከንፈርካን እዩ ዝርከብ ቢልካ ከም ምሕባር ዶ ኣይከውንን፧
መፋነዊ
ጥሉል ተምሪ ሓጺብና፡ ነቲ ፍረኡ ኣውጺእና ንፍርቂ ሰዓት ኣብ ማይ ዝሑል ንኣልኮ።
ዝተቘልወ ፉል መሮር፡ ኣብ ማይ ኣሊኽና ቈርበቱ ብምእላይ፡ ኣብ ማይ ን 10 ደቓይቕ ንኣልኮ
በናና፡ ነቲ ቈርበቱ ኣሊና፡ ብፍሩይ ንመትሮ፡ ምስቲ ኣብ ማይ ዝተኣልከ ተምርን ፉልን ምስ ማዩ ኣብ ማሽን ኣእቲና ንጥሕኖ
ኣብቲ ዘዳለናዮ ብርጭቆ፡ ብ ናዕናዕ ኣመላኺዕና ንሰትዮ።
ልክዕ ዓቐንን፡ እንታይነት እቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ከም እኒ ናዕናዕ፡ ፉል መሮር ወዘተ ንምፍላጥ፡ ንመጽሓፍ “መቐረት ንዅሉ” ተወከሱ።ኣበይ ክንረኽባ፧
ዝቐለለ መገዲ፡ ንጸሓፊት ሰላም ካሕሳይ ምርካብ’ዩ። ቍጽሪ ቴለፎን፦ 0046728451413
Örebro 0765566927 DanaitGöteborg 0737318470 mekseb
Enköping 0700584210 Elsa
Uppsala 0765959464 Frezgi
Uppsala 0720342069 Tesfit
Gävle 0735835160 Khaled
Umeå 0728451548 Kidane
Falun 0764037709 Awet
Stockholm Bahlna Restaurant 0722251248
Stockholm De Nice kaffet 0700526331
Borlänge 0764037709 Awet
Motala 072-845 14 13
Västerås 072-845 14 13
Avesta 072-845 14 13
Östersund 0728451413 Selam