ግዳም-ሓደር ኰይነ ተቐቢልኩምኒ
እዛ ሕቶ እዚኣ ነቶም ”ጐይታ ተቐቢለ” እንብል’ያ፦ እቲ ብሃብቱ ካብ መላእ ዓለም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ ኤሎን ማስክ፡ ጋሻ ኰይኑ ናብ ቤትና እንተዝመጽእ እሞ እንተንቕበሎ፡ ነቲ ”ገይሸ ተቐበልኩምኒ” ዝብል ቃል ጐይታ፡ ዝፈጸምናዮ ኰይኑ ዶ ምተሰምዓና፧! እቲ መልሲ ከከም ኩነታቱ፡ እወን ኣይፋልን ክኸውን ይኽእል’ዩ። ነቶም ኣብ ጐደናታት ውዒሎም ዝሓድሩ፡ ግዳም-ሓደር ከኣ ንዘክር፣ ”ገይሸ ተቐበልኩምኒ” እንታይ ማለት’ዩ፧!
ሃዋርያ ያእቆብ፡ ነዞም፡ ግብሪ ክብሃል ከሎ ኣብ እምነት ክንሕባእ እንፍትን፡ ለለ ምባል ግና ዘይስልክየና፡ ሓጻርን ጽፍፍትን ሕቶ’ያ ዘላቶ፦ ”ኒን ኣይትበለለይ፡ እምነትካ ብግብሪ ኣርእየኒ።” እቲ ንመልእኽቲ ይሁዳ ዝጸሓፈ ሓው’ውን፡ ነቶም ንርእሶም እምበር ንኻልእ ዘይዓጦም ጓሶት፡ ”ማይ ዜብሉ ደበና፡” እዩ ዝብሎም። እቲ ምልክት፡ እቲ ዘረባ፡ እቲ ኽዳን ወዘተ እናሃለዎምሲ፡ ፍረ ግና ዘይርከቦም ማለቱ ምዃኑ፡ ርዱእ ይኹን። ወሲኹ ኸኣ፡ ”ዘይፈርያ፡ ክልተ ሳዕ ዝሞታ፡ ካብ ሱረን እተመንቈሳ ኣእዋም ሓጋይ” ብምባል’ውን፡ ጥዑም ቃልን ዘረባን ደኣ’ምበር፡ ፍረ ዝብሃል ከም ዘይብሎም ይኸሽሖም።
ጐይታ ተቐቢለስ ንብል ኣለና፡ ኣብታ መዓልቲ ሓተታ ግና፡ ምስቶም “ገይሸ ተቐቢልኩምኒ” ዝብሎም ዶ ንኸውን፡ ወይስ ምስቶም “ገይሸ ኣይተቐበልኩምንን” ዝብሎም፧ ፍረ ዘይብሉ ክርስትና ዲና ንሕብሕብ ዘለና፡ ወይስ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም፡ ዝዀነት ክርስትና ኢና ሒዝና ዘለና፧ ብዘይ ቃል-ዓለም ገዛእ ርእስና ንፈትሽ። እቲ እተቐበልናዮ ጐይታ፡ ኣብ ውሽጥና ኰይኑ፡ ንጽጉማት፡ ንጭኑቓት፡ ንእሱራት፡ ንመበለት፡ ንድኻታት ወዘተ ግብራዊ ሓልዮት ዘየርኢ እንተዀይኑ፡ ደው ንበል እሞ፡ ካብ ጥበራ ወጺእና ድማ ገዛእ ርእስና ንርአ።
እታ ምስ’ተን ”ቃላተ-ወንጌል” እንብለን፡ እትርከብ፡ ”ጋሻ ኰይነ” እትብል ሓሳብ፡ ኣብቲ ዓውደ ጽሑፍ ብጥንቃቐ ክንርእያ ከለና፡- ጠምየ፡ ጸሚኤ፡ ገይሸ፡ ዐሪቀ፡ ሐሚመ፡ ተኣሲረ፡ . . . ስለዚ፡ ”ገይሸ” ክብል ከሎ፦ ”ግዳም-ሓደር” ኰይነ፡ ተቐበልኩምኒ ይብል ከም ዘሎ፡ ኣይንዘንግዕ። ”ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዓረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢ’ውን እንተሰኣኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሃብኩምዎምሲ፡ ሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቅም፧ ከምኡ ኸኣ እምነት፡ ግብሪ እንተ ዜብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ” በለ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፡ (ያእ2.12-15)።
ንግሆ ንስራሕ ክንወፍር ከለና፡ ኣብ ጐደናታት ዝሓድሩ ጐፍ ክብሉና’ዮም። ንስጋኦም ዜድሊ ከይሃብናዮምሲ፡ ኢየሱስ ጐይታ’ዩ፡ ብጸጋ ኣድሒኑካ’ዩ! ብሰላም ኪድ፡ ሙቕ፡ ጽገብ፡ እንተ በልናዮም፡ እንታይ ይጠቅም፧! ሓደው ንዕኦም ርግጽግጽ ኣቢልና ኣቲና፡ ”ኢየሱስ ጐይታ’ዩ፡ ድሕነት ብጸጋ’ዩ! ንዑ መገዲ በረኸት ክንሕብረኩም ወዘተ ወዘተ ቢልካ ምግዓር፡ እቲ መለክዒ ልክዕነትና፡ ፍረና ምዃኑ ዶ ኣይኰነን ጐይታ ነጊሩና ዘሎ፧! ወንጌል በቲ ማዕዶ፡ ንሕና በዚ ማዕዶ ምህላውናስ፡ ይስወጠና ዶ ኣሎ፧!