”ኣይሰግእን ብምድሓነይ፡” ብሓንቲ ኢድ፡ እተጣቕዕ መዝሙር
”በፍርሀት ወበረዓድ ተገበሩ ለሕይወትክሙ” በለ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ። ”ከምቲ ዅሉ ሳዕ እተኣዘዝኩም፡ ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ” ብዝብል ድማ ናብ ትግርኛ ተተርጒሙ’ሎ፡ (ፊሊ2.13)። ”ንምድሓንኩም ፈጽሙ”፡ እንታይ ማለት’ዩ፧ ቢልና ንበገስ እሞ፡ ”ምድሓንና ደኣ ኣይተፈጸመን ድዩ፧” ዝብል ጠንቃም ሕቶ ድማ ነልዕል።
ዘመርቲ፡ ማሕበር ሃዋርያት
ግጥሚ፡ ቀሺ እንድርያስ ይከኣሎ
ዜማ፡ ዲያቆን ነጋ ግርማይ
ኣርታዒ፡ ዘማሪ ግርማይ ፍትዊ
ኣብ ዩትዩብ እተዘርግሓትሉ ዕለት፡ 31 ጥቅምቲ 2025
ኣንበሳ ዶ ንጉስ፧
ብሓደ ገጻ ምስሊ ኣንበሳ፡ በቲ ሓደ ገጻ ድማ፡ ምስሊ ንጉስ ዘሎዋ ሳንቲም፡ ብምልኣት ደኣ እምበር፡ ብሓደ ገጻ ጥራይ ርኢኻ፡ ብምስሊ ኣንበሳ ጥራይ እንተገለጽካያ፡ ምስክርነትካ ምሉእ ኣይከውንን ስለዚ ድማ ህጸት ይርከቦ። ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ዓሪቕዋ’ዩ፡ (2ቈረ5፡19) ዓለም ግና ምስ ኣምላኽ ኣይተዓርቀትን። እዚ ኽልቲኡ ሓሳባት እዚ፡ ክልቲኡ ቅኑዕ’ዩ። ”ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን (ዮሃ3.17) ዝብለ ቅዱስ ጽሑፍ፡ ኣብ ካልእ ስፍራ ድማ፡ ”እግዚኣብሄር ግና ንዘለአለም ነጊሱ ይነብር፣ ዝፋኑ ንፍርዲ ኣዳለዎ። ንሱ ንዓለም ብጽድቂ ኺፈርዳ ንህዝብታት’ውን ብቕንዕና ኺዳንዮም እዩ” ይብል፡ (መዝ 9.7-8)።
ኣይሰግእን ብምድሓነይ ኣይሰግእን
ንዓኻ እምበር ንኻልእ ኣይርእን
ብህይወት ክርስቶስ ብጸጋ ክመላለስ
ኣጥሒስካኒ እንዲኻ፡ ንድሕሪት ከይምለስ
ጽድቂ ኣምላኽ፡ ብእምነት፡ ብጸጋ ብክርስቶስ ኢየሱስ ጥራይ ዝርከብ ምዃኑ፡ ምህሮ ቅዱስ ወንጌል እዩ። ብወልድ ዝኣምን ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣላቶ” (ዮሃ3.36)። ምድሓንና፡ ብርግጽ ተፈጺሙ’ዩ! ሓንሳእን ንሓዋሩን እኳ ደኣ! እቶም ናብዚ ዝተፈጸመ ምድሓን ንምእታው ዕድል ዝረኸብና ዘበልና ግና፡ ንጐይታና ኢየሱስ ከም ኣምላኽ፡ ከም ጐይታን መድሓንን ጌርና ክንቅበሎን፡ ብስሙ ኸኣ ክንኣምንን የድልየና ነበረ። ”ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም፡ ብስሙ ንዝኣምኑ ግና፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም” (ዮሃ1.12)። ስለዚ እቲ ዕርቂ ንብምልእታ ዓለም ወሪዱ ክንሱ፡ ግናኸ እቶም እተቐበልዎ ጥራይ’ዮም መሰል ውልድነት ብምርካብ፡ ርስቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝወርሱ።
እቶም መሰል ውልድነት ዝረኸብና ዘበልና፡ ጉያና ብዓወት ክንዛዝም፡ ክንጋደል፡ ክንተግህ፡ ወዘተ ትጽቢት ይግበረልና’ዩ። እቶም ጽውዓት ብዙሓት፡ እቶም ጉዕዞኦም ወዲኦም ኣኽሊሎም ዝጭብጡ ግና ውሑዳት ምዃኖም ኣይንስሓት። ስለዚ’ዩ ጐይታ፡ ”በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ” ዝብለና። ስለዚ ድማ እዩ፡ ክሳዕ ሞት እሙናት ክንከውን ትጽቢት ዝግበረልና! እቲ ኣብዛ መዝሙር እተረስዐ ክፋል እምበኣር እዚ ዳሕረዋይ ክፋል’ዩ። እታ መዝሙር ንሓደ ገጽ ርእያ ጥራይ’ያ ከበሮ ሓምሓም ትዘብጥ ዘላ።
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ”ንምድሓንኩም ፈጽሙ” ምባል ጥራይ ከይኣኽሎስ፡ ንመልእኽቱ ”ብፍርሃትን ራዕድን” ብዝብሉ ቃላት ድማ’ዩ ደሪዕዎ ዘሎ።
ብኢደይ ሒዝካኒ ንኸይፍለየካ
ፍቕርኻ ኣርኢኻኒ፡ ኩነኔይ ኣርሒቕካ
ዕዳይ ከፊልካዮ ኣውጺእካኒ ሓራ
ፍጹም ባሪኽካኒ ንህይወት ክነብራ
ኵሉ እዚ ዝተባህለ፡ ዝወጾ ዘይብሉ ሓቂ’ዩ። እቲ ዝዝምር ዘሎ፡ ነታ ”ክነብራ” ዝብላ ዘሎ ህይወት ብኸመይ ከም ዝነብራ ግና ኣየተምብሀን። እቶም ኣብ መልእኽቲ ናብ እብራውያን እንርእዮም፡ ሓደ ጊዜ ብርሃን ዝበርሃሎም፡ እቲ ሰማያዊ ውህበት ከኣ ዝጠዓሙ፡ ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስ’ውን ዝዀኑ፡ ጠንቂ ውድቀቶም እንታይ ነበረ፧ ጐይታ ብኢዱ ስለ ዘይሓዞም ዶ ይኸውን፧ ፍቕሩ ስለ ዘየርኣዮም ዶ ይኸውን፧ ኩነኔኦም ስለ ዘየርሓቖ ዶ ይኸውን፧ ወይስ ዕዳኦም ስለ ዘይከፈሎን ሓራ ስለ ዘየውጽኦምን ዶ ይመስለና፧ ሓደ ካብቶም 12 ዝነበረ ይሁዳ፡ ካብቶም ጐይታና ዘፍቀሮም ኣይነበረን ድዩ፧ ዕዳ ዴማስ ኣይተኸፍለን ድዩ ኔሩ፧ እሞ ስለምንታይ ደኣ ንድሕሪት ተመልሱ፧!
ጽድቀይ ትምክሕተይ ኢኻ ንስኻስ የሱሰይ
ካባኻ’ዩ ኩሉ ብኸምኡ ኮይኑለይ
ብዘይ ሰራሕክዎ ብዘይ ገለ ጻዕሪ
ወዲ ህያው ኣምላኽ ኣንቢርካኒ ኣብ ክብሪ
ንኣዳም ኣብ ኤደን ገነት ንዘክሮ። ንሱ ብዘይ ሰርሖ፡ ብዘይ ገለ ጻዕሪ ኣምላኽ ብምስሉን መልክዑ ፈጢሩ ንምድሪ ምለካ በሎ። ኣዳም ንኽወድቕ ኣይተፈጥረን። ብምኽሪ ዲያብሎስ ድሕሪ ምትላሉ ግና፡ ንምኽሪ ኣምላኽ ሸለል ብምባል ንትእዛዝ ኣምላኽ ስለ ዝጠሓሰ፡ ወደቐ። ወደቐ ጥራይ’ውን ዘይኰነስ፡ ”እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ገነት ኤደን ኣውጽኦ” ዝብል ድማ ኢና እንነብብ (ዘፍ3.23)። ነቲ ኣቦ ኵልና ዝዀነ፡ ንኣብርሃም ድማ ንዘክሮ። ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ፡ ይስሃቅ ድማ ንያእቆብ ወለደ። ያእቆብ ነቶም ኪዳን ኣምላኽ ዘሎዎም ህዝቢ ኣምላኽ እንብሎም፡ 12 ነገደ እስራኤል ዝፈረየ እዩ። እግዚኣብሄር ሓለፋ ኵሎም ሰባት ንደቂ እስራኤል ህዝቡን ገንዘቡን ጌርዎም ክንሱ፡ ንሳቶም ግና፡ ከምቲ ቃል ተስፋ ኰይኖም ክውድኡ ኣይንርእዮምን። ነቶም ካብ ግብጺ ኣምሊጦም ናብ ከንኣን ዝጐዓዙ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ድማ ንዘክሮም። ከምቲ ሰሚዖሞ ዝተበገሱ ቃል ተስፋ ዘይኰነስ፡ ናብ ከነኣን ከይኣተዉ ኣብ ምድረ-በዳ ንኽውድኡ ጠንቂ ዝዀነ፡ እቲ ተስፋ ዝሃበ ኣምላኽ፡ ሓሳቡ ስለ ዝቐየረ ዘይኰነስ፡ ንሳቶም፡ ከምቲ ዝግብኦም ብዘይ ምጥንቃቖም ነበረ፣ ወዘተ።
ካብ ስልጣን ናይ ጸልማት መንዚዕካ ኣውጺእካኒ
ናይ ህይወተይ ብርሃን ንስኻ ኴንካኒ
ሓጥያተይ ኣርሒቕካ ኣራጊፍካ ጾረይ
ኣብዚሕካለይ ጸጋ ምዒዙ ምንባረይ
ኣሜን እወ፡ ግናኸ፡ ነቲ ዝተጸዋዕኩሉ ጽውዓ፡ ብኸመይ እየ፡ ብቑዕ ኰይነ ክመላለስ ዝኽእል ዝብል ዓብዪ ሃጓፍ ግና ኣይተመለሰን። ሓደ እዋን ”ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብታ ርኽሰት ዓለም ኣምሊጦም፡” ክንሶምሲ፡ ግናኸ ”ከም ብሓድሽ ብኣኣ ተጠሊፎም” ዝሰዓሩ’ውን እኳ ኣለዉ እዮም፡ (2ጴጥ2.20)። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ነዚኣቶም፡ ”ከምቲ እቲ ምስላ ሓቂ፡ ከልቢ ናብ ትፋኡ ተመልሰ፡ ሓሰማ’ውን ተሓጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት፡ ዚብሎ በጺሕዎም አሎ” እዩ ዝብሎም።
ብብዝሒ ምሕረትካ ንዓይ ሓሪኻኒ
ፍቱው ውሉድ ኮይነ ወራሲ ጌርካኒ
ዘይሓልፍ ዘይርክስ ዘይጽምሉ ርስቲ
ኣዳሊኻለይ ኢየሱስ ናይ ሰማይ መንግስቲ
ኣሜን እወ። ግናኸ ጐይታ እኳ፡ ወይኑ ዘሊሉ፡ ሰባብሕቱ ሓሪዱ፡ መኣዲ ኣዳልዩ፡ ንዑ ካብ ምባል ዓዲ ኣይወዓለን። በጃኻ ከተመኻንየለይ ዝብል ግና ሒደት ኣይኰነን። ንሰበይቲ ኣእትየ ኣለኹ ዝብል፡ መሬት ዓዲገ ኣለኹ ዝብል፡ ኣብዑር ዓዲገ ዝብል ወዘተ ስለዚ ነቲ ”ንጽውዓኹምን ምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ፡ ኣዚኹም ተጋደሉ። እዚ እንተገበርኩምሲ፡ ከቶ ኣይከተንደልህጹን ኢኹም። ከምኡ’ውን ናብቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታዉ፡ ብምልኣት ኪውሃበኩም እዩ” ዝብል ቃል ፍጹም ዝዘንጋዕናዮ ንመስል፡ (2ጴጥ1.10-11)።
ብኸምዚ ክእረም ይኽእል ኔሩ
ኣይሰግእን ብምድሓነይ ኣይሰግእን
ካባኻ ርሒቐስ ኣይሃድእን
ንዓኻ እምበር ንኻልእ ኣይርእን
ብህይወት ክርስቶስ ብጸጋ ክስስን
ኣጥሒስካኒ እንዲኻ፡ ኣታ እሙን መድሕን
(ኣምላኽ ንዝዳለዎ ድሕነት፡ እቲ ሰብ ከም ዝተቐበሎን፡ ካብ እግዚኣብሄር ክርሕቕ ከም ዘይደልን፡ ምጥማቱ ኸኣ ናብ ክርስቶስ ጥራይ ምዃኑን ኣውሒሱ’ሎ። ዕዮ ኣምላኽ ኣሎ፡ ተራ ሰብ’ውን ኣይተሳሕተን።)
ብኢደይ ሒዝካኒ ንኸይፍለየካ
ፍቕርኻ ኣርኢኻኒ፡ ኩነኔይ ኣርሒቕካ
ዕዳይ ከፊልካዮ ኣውጺእካኒ ሓራ
ፍጹም ተቐዲሰ ንህይወት ክነብራ
(ዕዮ ኣምላኽ ኣሎ፡ ተራ ሰብ’ውን ኣይተሳሕተን- ተቐዲሱ ክነብር፡ ተቐዲሱ ጉዕዞኡ ክቕጽል።)
ጽድቀይ ትምክሕተይ ኢኻ ንስኻስ ኢየሱሰይ
ካባኻ’ዩ ኩሉ ብኸምኡ ኮይኑለይ
ብዘይሰራሕክዎ ብዘይ ገለ ጻዕሪ
ብዙሕ ባሪኽካኒ፡ ብዙሕ ንኽፈሪ
(ዕዮ ኣምላኽ ኣሎ፡ ተራ ሰብ’ውን ኣይተሳሕተን- ብዙሕ ፍረ ክፈሪ እሞ ብኣኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ከኽብር)
ካብ ስልጣን ናይ ጸልማት መንዚዕካ ኣውጺእካኒ
ናይ ህይወተይ ብርሃን ንስኻ ኴንካኒ
ሓጥያተይ ኣርሒቕካ ኣራጊፍካ ጾረይ
ኣብ ኣሰርካ እኔኹ፡ ምዒዙ ምንባረይ
(ዕዮ ኣምላኽ ኣሎ፡ ተራ ሰብ’ውን ኣይተሳሕተን- ኣብ ኣሰር ጐይታኡ ጸኒዑ ጉዕዞኡ ክቕጽል።)
ብብዝሒ ምሕረትካ ንዓይ ሓሪኻኒ
ፍቱው ውሉድ ኮይነ ወራሲ ጌርካኒ
ዘይሓልፍ ዘይርክስ ዘይጽምሉ ርስቲ
ምምዕዳወይ ይኹን ናይ ሰማይ መንግስቲ
(ዕዮ ኣምላኽ ኣሎ፡ ተራ ሰብ’ውን ኣይተሳሕተን- ሓሳቡ፡ ቀልቡን ወኑን ኣብ ሰማይ ክገብር።)
መዕጸዊ ሓደው መጠቓለሊ
ነታ ሳንቲም ብኽልቲኡ ገጽ ንርኣያ! ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ዓሪቕዋ’ዩ፡ (2ቈረ5፡19) ዓለም፡ መድሓኒ ከም ዘድልያ ኣሚና፡ ብንስሓ ንጐይታና እንተተቐቢላቶ፡ ”እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዅሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡” ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ንሕድገት ሓጢኣት ተጠሚቓ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ክትቅበል፡ ብሸነኽ ኣምላኽ ውዱእን፡ ድምዱምን እዩ። ኣብቲ ዝተጸውዓትሉ ጽውዓ፡ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጸኒዓ፡ ብእምነት እናተጋደለት፡ ብቕድስናን ርዝነትን እናተመላለሰት፡ ፍቓድ ጐይታ እናገበረት ክሳዕ ዝነበረት ድማ፡ ካብ ኢድ ኣምላኽ መንዚዑ ከጥፍኣ ዝኽእል ስለ ዘየለ፡ እቲ እተተስፈወልና ዘልኣለማዊ ህይወት ንዘልኣለመ ኣለም ውሑስ’ዩ። ኣብ ጽውዓና እንተዘይጸናዕና፡ ነታ ቀዳመይቲ ፍቕርና ኣጽኒዕና እንተዘይሓዝናያ፡ ብምሕዳስ ሓሳብና ቀጻሊ እንተዘይተለወጥና ግና፡ ርእስና ክንጥብር ኣየድልየናን’ዩ። ”ነቲ ኣባይ ዘሎ፡” በለ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣብ መን ዘሎ እዩ ዝበለ፧ እወ፡ ብርግጽ ”ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር የርሕቖ” እዩ ዝበለ (ዮሃ15.2)። ወሲኹ ድማ ”ኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ፡ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ፡ ይነድድ” በለ፡ (ዮሃ15.6)።
ነታ ሳንቲም ብኽልቲኡ ገጽ ንርኣያ! ንሓዲኡ ሒዝና ነቲ ሓደ እንተነጸግና ግና፡ ኣምላኽ ይሰውር፡ መወዳእታና ኣይክጽብቕን’ዩ!