ጦማረ እንድርያስ፡ ”ቀሺ ዮናስ’ውን ተሓታቲ ኢኻ”
”ኣይሰግእን ብምድሓነይ” ንእትብል መዝሙር ድሕሪ ምህያሰይ፡ ብውሽጢ እተላእከለይ መልእኽቲ’ዩ። ”እዛ ግጥሚ ግና ናባኹም ሰዲደያስ ገለ ናይ ቃላት እርማት እውን ጌርኩምላ ኣለኹም። ሽዑ ድዩ ዘይተራእየኩም ኰይኑስ፧ ሓደው ግዜ ኣይሃብኩማን ወይስ እንታይ ምዃኑ ኣይተረድኣንን” ቢሉ ጸሓፈ፡ ገጣሚ እታ ግጥሚ፡ ኣቦይ ቀሺ እንድርያስ።
ነታ ግጥሚ፡ ርእየያ ምንባረይን፡ እርማት ጌረላ ምንባረይን ፈጺመ ረሲዐዮ ነበርኩ። ኣብ ጊዜኡ ከምዚ ሕጂ፡ ኣስፍሕ-ዝርግሕ ኣቢለ ተንቲነ ብዘይ ምቕራበይ፡ እቲ ዝዓበየ ድኻመይ ምዃኑ እእመን። እቲ ንዓይ ዝተራእየኒ፡ ከምቲ ዝተራእየኒ ገቢረ፡ ግልጽልጽ ኣቢለ ዘይምሕባረይ ከኣ ጉድለተይ እእመን። ግደ ሓቂ፡ መልእኽቲ ቀሺ እንድርያስ ብዝረአኹ፡ ርእሰይ ፈግ ክሳዕ ዝብል’የ ሰምቢደ። እቲ ምስምባደይ፡ እቲ ኣነ ትማልን ሎምን ዝብሎ ተፈላልዩ ኣሎ ማለት ድዩ፧ ዝብል እምበር፡ ጌጋ ፈጺመ ከይከውን ዝብል ስግኣት ኣይነበረን። ጌጋ’ሞ መናብርተይ ምዃኑ፡ ዕለታዊ ዝምኰሮ ዘለኹ ምዃኑ ኣይሰሓትክዎን።
”እታ መዝሙር ምልእቲ ክትከውን ዘይምትንባህኩም'ሲ እታ እርማት ኣባኹም እንተላይ'ዶ ኣይትዓርፍን፧ ነቐፋ ዘይፈትዉ ካህናት ዓድና ከይትብሉኒ እናተሰከፍኩየ” ቀጸለ፡ ኣቦይ ቀሺ እንድርያስ። ነቐፋ ዘይምፍታው’ኳ ክንደየናይ ግናኸ፡ ”ስለምንታይ ሽዑ ከምኡ ዘይገበርኩ” ቢላ ብሓሳብ ክሳጺ ኣይፈተኹን። ቀሺ እንድርያስ’ውን ሓቢሩኒ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተጸሓሓፍናዮ፡ ገማጢለ ረኸብክዎ።
29 ሕዳር 2023
ኣርእስቲ ግጥሚ፡ መኣዛ ህልውናይ
ኣይሰግእን ብምድሓነይ ኣይሰግእን
ኣብ ኢድ ኣምላኸዩ ኣየስግኣንን
ብህይወት ክርስቶስ ብጸጋ ክመላለስ
መደምደምታ ሕጊ ንጽድቂ'ዩ የሱስ
ብኽርስቶስ ሕዙኒ' ንከይፍለየኒ
ከይረኽበኒ ኩነኔ ብወዱ ይርእየኒ
በቲ ካሕሳይ ዝኸፈለ ዝገበረኒ ሓራ
መኣዛ ህልውናይ'ዩ ንሂወት ክነብራ
ካብቲ ዝምሕር ብኸምኡ ኮይኑለይ
ብዘይሰራሕክዎ ብዘይ ገለ ጻዕረይ
ወዲ ህያው ኣምላኽ ብዝኸፈለለይ
ብዝዛረብ ደሙ ውሑስ'ዩ ህላወይ
እልል እልል ኣምላኽ ክበረለይ
ብሰም ኢየሱስ ተመስገን ኣባ ኣቦይ
ካብ ስልጣን ጸልማት ኣውጺኡኒ ኣምላኸይ
መልሲ ኮይኑኒ የሱስ መልሕቅ ህይወተይ
ሓጥያተይ ኣርሒቑ ኣራጊፉዎ ሸኽመይ
ኣብዚሑለይ ጸጋ ክጸውር መስቀለይ
ብብዝሒ ምሕረቱ ንህያው ተስፋ ሓርዩኒ
ውሉድ ኣምላኽ ኮይነ ወራሲ ኩሉ ገይሩኒ
ንዘይሓልፍ ዘይርክስ ንዘይጽምሉ ርስቲ
ተዳልዩለይ ኣሎ ናይ ኣምላኽ መንግስቲ
ኣሪመ (ሓሳብ ሂበ) ዝሰደድክዋ ድማ እንሀት
ኣርእስቲ ግጥሚ፡ ምስጢር ህልውናይ (መኣዛ ህልውናይ ምንባሩ ኣይንዘንግዕ)
ኣይሰግእን ብምድሓነይ ኣይሰግእን
ንዓኻ እምበር ንኻልእ ኣይርእን
ብህይወት ክርስቶስ ብጸጋ ክመላለስ
ኣጥሒስካኒ እንዲኻ፡ ንድሕሪት ከይምለስ
ብኢደይ ሒዝካኒ ንኸይፍለየካ
ፍቕርኻ ተርእየኒ፡ ኩነኔይ ኣርሒቕካ
ዕዳይ ከፊልካዮ ኣውጺእካኒ ሓራ
ፍጹም ባሪኽካኒ ንህይወት ክነብራ
ካባኻ’ዩ ኩሉ ብኸምኡ ኰይኑለይ
ብዘይሰራሕክዎ ብዘይ ገለ ጻዕረይ
ወዲ ህያው ኣምላኽ ብዝኸፈልካለይ
ካብ ስልጣን ጸልማት ኣውጺእካኒ
የሱስ ንስኻ መልሲ ኴንካኒ
ሓጥያተይ ኣርሒቕካ ኣራጊፍካ ጾረይ
ኣብዚሕካለይ ጸጋ ክጸውር መስቀለይ
ብብዝሒ ምሕረትካ ንዓይ ሓሪኻኒ
ውሉድ ኣምላኽ ኮይነ ወራሲ ጌርካኒ
ንዘይሓልፍ ዘይርክስ ንዘይጽምሉ ርስቲ
ተዳልዩለይ ኣሎ እቲ ናትካ መንግስቲ
እቲ ጐዲሉ ዝብሃል ዘሎ ሱታፌ ሰብ፡ ኣብ ንድፍን ኣብቲ እሩምን ግጥሚ፡ ኔሩ ዶ፧
ኣብቲ ቀሺ እንድርያስ ዝገጠሞ
ሓጥያተይ ኣርሒቑ ኣራጊፉዎ ሸኽመይ
ኣብዚሑለይ ጸጋ ክጸውር መስቀለይ
ኣብቲ ኣነ ኣሪመ (ሓሳብ ሂበ) ዝሰደድክዎ ግጥሚ ድማ
ሓጥያተይ ኣርሒቕካ ኣራጊፍካ ጾረይ
ኣብዚሕካለይ ጸጋ ክጸውር መስቀለይ
ኣብቲ ንድፍን ኣብቲ እሩምን ዘሎ፡ ”ክጸውር መስቀለይ” ዝብል ሓሳብ፡ ሕመረት ክርስትና’ዩ። ኣብቲ መስቀልካ ምጻር ዝብል ድማ፡ ኵሉ እቲ ሱታፌ ሰብ ብዘይ ምጥቃሱ፡ ሃጓፍ ተፈጢሩ ንብሎ ዘሎና (እምነት፡ ንስሓ፡ ተጋድሎ፡ መንፈሳዊ ፍረ ወዘተ) ጥቕሉል ኰይኑ ንረኽቦ። ኣብ ማቴዎስ ”ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዓበኒ” (ማቴ16.25) ኣብ ማርቆስ ”ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕበኒ ዚደሊ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዓበኒ” (ማር8.34) ኣብ ሉቃስ ድማ ”ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዓበኒ” (ሉቃ9.23)።
እዚ ሓሳብ እዚ፡ ኣብዛ እትዝመር ዘላ ክረኽቦ ኣይከኣልኩን። ስለዚ ድማ፡ እታ ንዑፍ ከተብርራ እትኽእል ካልኣይቲ ኽንፊ፡ ከም ዝተጐንደበት፡ እታ ንድምጺ ጣቕዒት፡ ህያው ክትገብር እትኽእል ካልአይቲ ኢድ ድማ፡ ከም ዘይነበረት ብዘስተብሃልኩ’የ፡ ሃይሰያ።
እቲ ኣብ ንድፊ ዝነበረ፡ “መኣዛ ህይወተይ” ዝብል ይኹን፡ እቲ ኣብቲ ከም መአረምታ ዝቐረበ፡ “ምስጢር ህይወተይ” ዝብል’ውን ይኹን፡ ኣድህቦ እቲ ሓሳብ፡ እንታይ ምዃኑ ንምፍታሽ፡ “መን” ዝብል ሕቶ ነቕርብ። እቲ መን’ዩ መኣዛ ህይወተይ፧ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ! መን’ዩ ምስጢር ህይወተይ፧ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ! ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዘይኰነስ ኣብ ጐይታ ዝውከል ብምዃኑ ድማ፡ ክልቲኡ ብትሕትና እተሰለመ፡ ብሉጽ ኣርእስቲ’ዩ። “ኣይሰግእን ብምድሓነይ” ኣብ ዝብል ግና፡ እቲ ኣድህቦ ኣብ መን ምዃኑ ንምፍታሽ፡ “መን” ዝብል ሕቶ ነቕርብ። መን’ዩ ብምድሓኑ ዘይሰግእ፧ ኣነ። ኣብ ጐይታ ዘይኰነስ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ኣድህቦ ዘግብር ኣርእስቲ እዩ። ኣምላኽ ክሰትር ግና፡ እታ እዚ ኣርእስቲ እዚ ዝተመርጸላ መዝሙር፡ ብኣንነት ዝተላዕጠጠት ኣይኰነትን።
ለቡ
ህየሳ ንዝበለጸ ስራሕ ክድርኸናን ክደፍኣናን እምበር፡ ከድክመናን ከሐልለናን ኣይግባእን’ዩ። ዝሰርሕ’ዩ ዝጋገ፡ እቲ ካብ ጌጋኡ እናተኣረመ ዝቕጽል ድማ’ዩ ዝዕወት! ኣምላኽ ይባርኽኩም!