ኣባትር በዚሑናን፡ ከም ሓጐስ ቍጸርዎን

እቲ ዝእመኖ፣ እንጌራይ ዝበልዔ ፈታውየይ እኳ ሸዀናኡ ኣልዐለለይ” ቢልና እነቘረምርመሉ እዋናት ሒደት ኣይኰነን (መዝ41፡9)። ንምረት እዛ ኵነት እዚኣ፡ እቲ ብመቕርቡ ዝተጠልመ ጥራይ’ዩ ዘስተማቕራ። “ኣባትር ግዳምን ኣባትር ውሽጥን ኣብ ዝባንና ጽሕዩ፡” ቢልና፡ ምኒን እንብለሉ’ውን ከምኡ። “ናይቶም ካልኦት ከይኣኽለናስ፡ በዚኦም ከኣ. . .” ንብል። እዚ ዅሉ፡ ብሴፍሲ ይትረፍ፡ ብእሾዅ እኳ ክንትንከ ከም ዘይንደሊ፡ ንእሽቶ ነገር ምስ ገጠመትና ጥራይ ከነረጋግጽ ከም እንኽእል’ዩ ዘውሕሰልና።

መድረኽ ምስ ሓዝና ግና ኣይከምኡን

ሰቢኽና ዘይንጸግቦ፡ ተዛሪብና ዘይንርብርቦ ቃል ኣሎና። ”ኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ከም ሓጐስ ቍጸርዎ” በለ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ (ያእ1.2)። ”በበይኑ ዝዀነ ፈተና” ማለት፡ ሓደ ዝዓይነቱ ፈተና ማለት ዘይምዃኑ ርዱእ ይኹን። ብእትፈልጦን ዘይትፈልጦን፡ ብዝገመትካዮን ብዘይገመትካዮን፡ ብመቕርብን ብርሑቕን ወዘተ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና ክበጽሓካ ይኽእል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣማኒ እንተዀንካስ ንቡር እውን እዩ። ”ንኹሉ” ማለት ከኣ ንገሊኡ፡ ሓደው ንመብዝሕትኡ ማለት ዘይምዃኑ ክርድኣና ይግብኦ እዩ። ብሱሩ ፈተና መሪጽካ ኣይመጽእን’ዩ’ሞ፡ ነዚ ክቕበሎ ነቲ ክነጽጎ ክትብል’ውን ዝከኣል ኣይመስለንን። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ”ንዅሉ ብሓጐስ ተቐበልዎ” ይብለና’ሎ።

ኣየ ክትሰብኮስ ክቐልል. . . ኣየ፡ ”ግበርዎ” ቢልካ ንኻልኦት ከተሰክምሲ ክቐልል! ኣባኻ ምስ በጽሐት ግና፡ ኣይንርኣዮ’ዩ!! ኣቤት ዘሎ ድቃስ ምስኣን፡ ኣቤት ምሕንሓንንን ምርሳንን! ኣቤት ጉሪምሪም ውሽጢ፡ ኣቤት ሕሜት፡ ኣቤት ጸርፊ! ኣቤት! ኣይንርኣዮ’ዩ!!

እቶም ብመከራ ንሓልፍ ኣለና ቢልና እንሓስብ፡ እስከ ቍሩብ ነስተብህል። ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብምምልላስና፡ ኣብ ምኽሪ ኣምላኽ ብምውዓልና ድዩ መከራ ዝመጸና ዘሎ፧ ከምኡ እንተዀይኑ ደኣ እሞ፡ ብሓቂ ዶ በዚ ክንጉህን ክንቍጣዕን ይግብኣና’ዩ፧! ክንሕጐስን ባህ ክብለናን ዶ ኣይኰነን ዝግባእ፧! ብስንፍናና፡ ብሕመቕና፡ ስርዓት ብዘይ ምሓዝና፡ መከራ እንተጸገብና ግና፡ ስንፍናና ከነልዕል፡ ሕመቕና ክንእመን፡ ስርዓት ክንሕዝ፡ ወዘተ ደኣ ይግብኣና እምበር፡ በዚ’ውን ክንቍጣዕን ክንጕህን ኣይግብኣናን እዩ። እሞ ስለምንታይ ደኣ ኢና፡ በበይኑ ፈተና ክበጽሓና ከሎ፡ ኣንፈት ክርስትናና ክሳዕ ዝጠፍኣና፡ ዓወንወን ንብል ዘለና፧ ገና ዕጹም ብልዒ ምብላዕ ስለ ዘይተላመድና ዶ ይኸውን፧!

ወንጌል በዚ፡ ንሕና በቲ፡ ተመዓዲና

ነቲ እንሰብኮ እስከ ምልስ ቢልና ንርኣዮ! ነቲ እንዝምሮ፡ እስከ ምልስ ቢልና ነስተንትኖ፡ እቲ ቓል ኣብ ኣፍናን ኢድና ቀረባ’ዩ። ኣብ ልብና ግና ቦታ ስኢኑ ከም ዘሎ፡ ረኣዩለይ ምባል ዘየድልዮ፡ መዓልታዊ  ምስክር ህይወትና’ዩ’ሞ ብሓቂ የሕዝን! ሰማዕትን ሰበኽትን ጥራይ ብምዃን ካብ ዘሎ ርእስና ካብ ምጥባር ተገላጊልና፡ ገበርቲ ቃል ኴንና ክንርከብ፡ ኣምላኽ ይርድኣና!! ጸልዩ፡ በእንቲአነ ወበእንተ ኵሎም ክርስቲያን!!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ቫቲካን፡ “ማርያም ቤዛዊት”፡ “ማርያም ጸጋዊት” ምባል ግቡእ ኣይኰነን ትብል

Next
Next

ጦማረ እንድርያስ፡ ”ቀሺ ዮናስ’ውን ተሓታቲ ኢኻ”