ቫቲካን፡ “ማርያም ቤዛዊት”፡ “ማርያም ጸጋዊት” ምባል ግቡእ ኣይኰነን ትብል
ብክርስቶስ እተፈጸመ ዕዮ ምድሓን፡ ፍጹምን፡ ዝኾነ ተወሳኺ ዘየድልዮን ስለ ዝዀነ፡ ሱታፌ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ድሕነት ንምግላጽ፡ "Co-redemptrix" ”መሻርኽቲ መድሓኒ” ሓደው Mediatrix “ማእከለይቲ ኵሉ ጸጋ” ዝብል ምጥቃም፡ ነቲ ክርስቶስ “እቲ እንኮ መንጐኛን ተበጃውን” ምዃኑ ዝተገልጸ ሓቂ ዘደብዝዝ ብምዃኑ፡ ግቡእ ከም ዘይኰነ፡ ትማሊ 04 ሕዳር 2025 ኣብ ዝወጸ፡ “እኖ ሕዝበ እግዚኣብሄር” ብዝብል ክትርጐም ዝከኣል፡ “ማተር ፖፑሊ ፊደሊስ” ዝብል፡ 20 ገጻት ዝሓዘ ወግዓዊ ሰነድ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣመልኪቱ።
ብቛንቋ እንግሊዝ እተጻሕፈ ምሉእ ትሕዝቶ እቲ ዝርዝራዊ መግለጺ፡ እንሆ