ንቝጥዓ ኣይመደበናን፡ ክቝጥዓና ኸ ይኽእል ዶ፧!

“ኣምላኽ፡ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምድሓን ክንረክብ እምበር፡ ንቝጥዓስ ኣይመደበናን” ዝብል ጽሑፍ፡ ኣብ ቀዳማይ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ኢና እንረኽቦ፡ (1ተሰ5.9)።  መበገስን ሰረትን እዚ ጽሑፍ ድማ እዚ ጽሑፍ እዚ እዩ።  

 ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ ምንታይ እዩ ዚግለጽ፧

ኣብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ከም እነንብቦ፡ “ቊጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዂሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ፡” ብምባል እዩ ዘቕርቦ፡ (ሮሜ1.18)። ሰለስተ ጉጅለ ተነጺሮሙልና ከም ዘለዉ ኣይንስሓት፦

ሀ. ቍጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ፡ ኣብ ረሲእነት ይግለጽ

ለ. ቍጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ፡ ኣብ ዓመጻ ዘበለ ይግለጽ

ሐ. ቍጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ፡ ኣብቶም ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ

እቲ መገዲ ጐይታና ኪጸርግ ዚመጸ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ብዙሓት ካብ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ናብ ጥምቀቱ ኺመጹ ምስ ረአየ፡ “ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ኸም እትመልቁኸ መን ሓበረኩም” ከም ዝበለ፡ ወንጌላዊ ማቴዎስ ሓቢሩ’ሎ (ማቴ3.7)። ጥምቀት ዮሃንስ፡ ጥምቀት ንስሓ ምንባሩ፡ ምስትብሃል የድሊ። “ዮሃንስሲ በቲ ድሕሪኡ ዚመጽእ፡ ማለት ብኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኪኣምኑ፡ ነቶም ህዝቢ እናነገረ ጥምቀት ንስሓ እዩ ዘጥመቐ” ድማ ይብል፡ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ (ግብ19.4)።

ኣብ ኣንፊ-ብልሒ ዘድሓርሕር ሓሳብ

ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ መስቀል ተወዲኡ’ዩ፣ ደጊም፡ ከምቲ ኣብ እብራውያን 12፡5-11 እተጻሕፈ፡ ኣምላኽ ንጥቕምና ቢሉ ደኣ ይቐጽዓና እምበር፡ ነቶም ብኽቡር ደም ወዱ ዝዓደገና ህዝቢ፡ ንነሓዋሩ ኣይቍጥዓናን እዩ። ኣምላኽ ንህዝቡ ኣይቍጥዖን እዩ ወዘተ፡ ወዘተ፡ ቍጥዓ ኣምላኽ፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን የልቦን፡ ዝብል ሰረተ እምነት ድማ የማዕብል። እቲ ኸምዚ ዝኣምን ሰብ፡ ጽንዓት-ኪዳን፡ ክንዲ ራሕቂ ሰማይ ኰይኑ ኣይረኣዮን እዩ። “ኪዳን ጽኑዕ፡ ሰማይ ርሑቕ” ዝብል ብህሎ፡ ስለ ዘይስወጦ፡ ዊን ኣብ ዘበሎ፡ ኪዳኑ ፈቲሑ፡ ደጊሙ ንኽምርዖ፡ ክሳዕ ክንድ’ቲ ከቢድ ጌሩ ኣይወስዶን። በዚ ምኽንያት እዚ’ዩ ዝኸውን፡ ፍትሕ፡ ዝሙት፡ ስርቂ፡ ዓመጻ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከይተረፈ፡ ዙፋን ኣጣጢሑ፡ ኣብ ማእከል ኣራጢጡ ዘሎ፧!

ቀዳማይ ሕቶ፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ብሱሩ ተወዲኡ ድዩ፡ ወይስ ብሕጂ’ውን ክህሉ እዩ፧

መበገሲ ጥቕስና፡ “ኣምላኽ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምድሓን ክንረክብ እምበር፡ ንቝጥዓስ ኣይመደበናን” ዝብል’ዩ (1ተሰ5.9)። ብመሰረት እዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ንሕና ደኣ ንቝጥዓ ኣይተመደብናን እምበር፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ግና ኣሎ፡ እዩ ዝብል ዘሎ። ንቝጥዓ ዝተመደቡ ካብ ዝህልዉ፡ ብርግጽ ቍጥዓ ኣምላኽ ብሕጂ ክህሉ ምዃኑ ዘተሓታትት ኣይኰነን። ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ መን ከም ዝግለጽ፡ ቀዲሙ ተጠቒሱ’ሎ’ሞ፡ ዘይበርሀ እንተዀይኑ ግና፡ ንላዕሊ ምልስ ቢልና ነቲ ጽሑፍ ንድገሞ። 

ካልኣይ ሕቶ፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ኣመንቲ ክግለጽ ድዩ፧

“ቊጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዂሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እንካብ ኰነ፡-

ሀ. ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ ረሲእነት ይግለጽ እዩ እሞ፡ ክርስቲያን ኰይኑ፡ ረሲእ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ ዶ፧ ረሲእ ማለት፡ ብልቡ ኣምላኽ የልቦን ዝብል’ዩ (መዝ10.4-10)። ብኸናፍርካ ጐይታይ፡ ጐይታይ እናበልካ ብልብኻ ግና ካብ ኣምላኽ ርሑቕ እንተዄንካ፡ ኣብ ረሲእነት ኢኻ ዘለኻ። እምበኣርከስ ካብቲ ብረሲእነት ዝመጽእ ቍጥዓ ንምምላጥ “ረሲእ መገዱ፡ ዓመጸኛ ኸኣ ሓሳቡ ይሕደግ፡ ናብ እግዚኣብሄር ይመለስ፡ ንሱ ኸኣ ኪምሕሮ እዩ፡ ኣዝዩ ይቕረ ይብል እዩ እሞ፡ ናብ ኣምላኽና’ውን ይመለስ” ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር፡ (ኢሳ55.7)።

ለ. ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ ዓመጻ ዘበለ ይግለጽ እዩ እሞ፡ ክርስቲያን ኰይኑ፡ ረሲእ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ ዶ፧ ነቶም ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 7 “ገበርቲ ዓመጻ” ብዝብል እተጠቕሱ ንዘክር። እቲ ሓሳብ፡ “ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቑረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ” ብዝብል’ዩ ዝጅምር። “በታ  መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን ኪብሉኒ እዮም” ብምባል ድማ ይቕጽል። ጐይታይ ጐይታይ፡ ይብሉ፡ ብስሙ ይንበዩ፡ ብስሙ ኣጋንንቲ የውጽኡ፡ ብስሙ’ውን ብዙሕ ሓይሊ ይገብሩ፡ ግናኸ፡ ገበርቲ ዓመጻ ድማ እዮም። ”ሽዑ ኣነ፡” በለ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ”ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ” (ማቴ7.19-23)። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ነዚ ሓሳብ እዚ፡ ”ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡” ብምባል ኣርባዕተ ነጥቢ ገበረሉ (1ቈረ6.9)።

ሐ. ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ንሓቂ ብዓመጻ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ እሞ፡ ክርስቲያን ኰይኑ፡ ንሓቂ ብዓመጻ ዚኸድን ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ ዶ፧ ንሓቂ ብዓመጻ ምኽዳን ማለት፡ ነቲ ውሽጥኻ ዝምስክረልካ ነጺግካ ኣንጻር ሕልናኻ (ንሕልናኻ ብዓመጽ ጓዕጺጽካ) ምምልላስ ማለት’ዩ። “ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ” በለ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ (ያእ4.17)።

ንቝጥዓ ኣምላኽ ኣይተመደብናን   

ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ክጽሕፈሎም ከሎ፡ ንቕድም፡ “እቲ ሕግስ ቊጥዓ እዩ ዜምጽእ እሞ፡ ኣብቲ ሕጊ ዜብሉ ግና፡ ኣብኡ ምፍራስ’ውን የልቦን” በለ፡ (ሮሜ4.15)። ኣብቲ መልእኽቲ እቲ’ውን ደጊሙ፡ “ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ” በለ፡ (ሮሜ6.14)። ንሰብ ተሰሎንቄ ድማ፡ “ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ዜድሕነና ወዱ ኢየሱስ ከኣ ካብ ሰማያት ክትጽበዩ” እናበለ፡ ድሕሪ ምጽሓፍ፡ (1ተሰ1.9-10) ኣብቲ ሓምሻይ ምዕራፍ ከኣ ኣምላኽ፡ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምድሓን ክንረክብ እምበር፡ ንቝጥዓስ ኣይመደበናን” በለ (1ተሰ5.9)።

መበገሲ ጥቕስና 

“ኣምላኽ፡ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምድሓን ክንረክብ እምበር፡ ንቝጥዓስ ኣይመደበናን” ዝብል’ዩ (1ተሰ5.9)። ካብታ ምዕራፍ የማነ-ጸጋም ከይበልና፡ ኣብ ፍቕዲ 6 “ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር፡ ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ” ዝብል ጽሑፍ ክጸንሓና’ዩ። ነቲ ንጠንቀቕ ዝብል ትእዛዛዊ ቃል ሸለል ኣይንበሎ’ሞ፡ ፍቕዲ 8 ድማ ንመልከት “ንሕና ግና ደቂ መዓልቲ ኻብ ንናስ፡ ድርዒ እምነትን ፍቕርን፡ ነታ ተስፋ ምድሓን’ውን ከም ቍራዕ ርእሲ ጌርና፡ ተኸዲንና ንጠንቀቕ።” ኣብዚ’ውን ነቲ “ንጠንቀቕ” ዝብል ትእዛዛዊ ቃል ዶ ደጊሙልና፧! ፍቕዲ 15’ውን ንርኣዮ “እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኽፉእ ከይፈድዮ፡ ተጠንቀቑ። ግናኸ ኵሉ ሳዕ ንሓድሕድኩምን ንኹሉን ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ፡” ነቲ “ተጠንቀቑ” ዝብል ትእዛዛዊ ቃል፡ እንሆ ሕጂ ድማ “ተጋደሉ” ዝብል’ውን ይውስኸሉ’ሎ።

 ሰብ ተሰሎንቄ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ከም እንርእዮም፡ ግብሪ እምነት፡ ጻዕሪ ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ ተስፋ ዝነበሮም ኣመንቲ እዮም ዝነበሩ፡ (1ተሰ1.2-3)። ነታ እምነቶም፡ ግብሪ ነበራ፣ ነታ ፍቕሮም፡ ጻዕሪ ነበራ፣ ነታ ተስፋኦም ከኣ ትዕግስቲ ነበራ።

ኣምላኽ፡ ንመንን መዓስን እዩ ዝቝጣዕ፧!

ሀ. ኣምላኽ ንኣዳም ክፈጥሮ ከሎ፡ ንቝጥዓ ኣይመደቦን፡ ኣዳም ካብ ምኽሪ ኣምላኽ ምስ ወጸ ግና፡ ኵራ ኣምላኽ ነደደ፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ድማ ተጋህደ።

ለ. ኣምላኽ ንደቂ እስራኤል ናብ ከንኣን ክኣቱው እምበር ኣብ ምድረ በዳ ክውድኡ ኣይኰነን ካብ ግብጺ ኣውጺእዎም። ግብጺ፡ ምሳሌ ዓለም’ያ፡ ከንኣን ከኣ ምሳሌ እታ ክንወርሳ እንጸባበያ ዘለና ሰማያዊት ናይ ተስፋ ሃገርና እያ። ኣብቲ ጉዕዞ፡ እቶም ደቂ እስራኤል ከም ምኽሪ ኣምላኽ ንምኻድ ኣይተጠንቀቑን፣ ኵራ ኣምላኽ ነደደ፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ድማ ተጋህደ።

 ንቝጥዓ ኣይተመደብናን፡ ተስፋ ዘስንቕ ቃል

ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ኣዕቝብና እንተሊና፡ ካብቲ ቍጥዓ፡ ድሮ ኣምሊጥና ኢና፣ ክብሪ ንስሙ! ካብ ድቕድቕ ጸልማት ናብ ዘገርም ብርሃን፡ ካብ ግዝኣት ሰይጣን ናብ መንግስቲ ፍቁር ወዱ ኣምሊጥና ኢና! ሕጂ ተስፋ ድሕነት፡ ዕርቡን መንፈስ ቅዱስ ተቐቢልና፣ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ንኣና፡ ብበደልና ምዉታት ከሎናስ፡ ምስ  ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፦ ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ ምስኡ’ውን ኣተንስኣና፡ ኣብቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ ኢየሱስ ምስኡ ኣቐመጠና፡” ኣሜን (ኤፌ2.4-7)።

ንቝጥዓ ኣይተመደብናን፡ ምኽሪ ዓዛሚ

 ኣብ ረሲእነት፡ ኣብ ዓመጻ ዘበለ፡ ከምኡ’ውን ከምቶም ንሓቂ ብዓመጻ ዝኸድኑ ኴንና ምስ እንርከብ፡ ብቕልጡፍ መገድና ብንስሓ ከነዐሪ ደኣ’ምበር፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣይረኽበንን’ዩ ቢልካ ምዝናይ፡ ዓዛሚ ምኽሪ ምዃኑ ከነለልዮ ይግብኣና። ነቲ ዝተጸዋዕናሉ ጽውዓ፡ ብቑዓት ኴንና ክንመላለስ ዘኽእለና፡ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐቢልና ክንስናስ፡ ንቝጥዓ ኣይተመደብናን ብዝብል ዓዛሚ ምኽሪ፡ ክንታለል ኣይግባእን እዩ። ስለዚ ድማ’ዩ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብታ መበገሲት ጥቕስና ዝዀነት ምዕራፍ፡ “በቲ ምጽኣት ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን ብዘይ መንቅብ ኪርከብ ይተሓሎ” ብምባል ዚምዕድን ዘጠንቅቕን (1ተሰ5.23)።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ርኢኹም ከይትስእኑ፡ “እተዳለኹም ኩኑ”

Next
Next

ቫቲካን፡ “ማርያም ቤዛዊት”፡ “ማርያም ጸጋዊት” ምባል ግቡእ ኣይኰነን ትብል