ርኢኹም ከይትስእኑ፡ “እተዳለኹም ኩኑ”

ኪሎ ወርቅን ኪሎ ሓሰርን እንተደመርካዮም፡ ክንደይ’ዮም ዝዀኑ፧ ቢልካ እንተ ሓቲትካዮን ዝርህጽ፣ ሓደን ሓደን ተደሚሩ ግና፡ ኩሉ ጊዜ ክልተ ዝኸውን ዝመስሎ፡ ታእላው የብሉን። ምቃል ብምፍላጡ ጥራይ፡ ሰማይ ዝጠንቈረ ፍልጠት ከም ዘለዎ ገቢሩ ዝሓስብ ወለዶ ኣብ ዝዓብለለሉ፡ መጽሓፍ ”እተዳለኹም ኩኑ” ንክርስቲያናዊ እምነት፡ ብርትዕን ልክዕነትን ንምጥባቕ እተዕጥቕን እተስንቕን ኰይና ብምድላዋ፡ ስብሓት ንኣምላኽ ይኹን! እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ትርጉም ናይታ ”On Guard” ብዝብል ብዶክተር ዊልያም ሌን ክሬግ እተዳለወት መጽሓፍ ምዃና፡ ኣብታ መጽሓፍ ይኹን፡ ነታ መጽሓፍ ኣብ ምልላይ እተጻሕፉ ሰነዳት ተገሊጹ’ሎ።

  • ‎ትርጉም፡ ቅጥዕን ገበርን መጽሓፍ፡ ዮኤል ይስሃቅ

  • ዕለተ ሕትመት: ሰነ 2022

  • ብዝሒ ገጻት: 196

  • ኣሕታሚ፡ ሎጎስ

ወነይ ዝማረኸ፡ ምሕላው መሰል ድርሰት

ኣብዛ መጽሓፍ ዝርከብ፡ ጽሑፍ፡ ካርቶን ኰነ ስእሊ፡ ብፍቓድ ወይ ከኣ ካብ ክፍሊት ነጻ ዝዀነ ብጥንቃቐ ከም ዘዳለዎ ዝሕብር ትሕዝቶ እዩ።

”መዝገበ ቃላት ስማት ኤርትራውያን” ዝተሰምየት መጽሓፍ፡ ገንጺለ፡ ንትርጉም ስም ”ዮኤል ይስሃቅ” እርኢ ኣለኹ። ስም ዚመርሕ፡ ጥዋፍ ከኣ ዜብርህ እንተዀይኑ እስከ ሓቢርና ንርአ፦

  • ዮኤል ማለት፡ ”እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ” ማለት’ዩ

  • ይስሃቅ ማለት ከኣ ”ይስሕቕ” ማለት’ዩ

ነታ መዋእላ ብስእነት ውላድ እተሸገረት ሳራ፡ እግዚኣብሄር፡ ኣብ እርግናኣ በጽሓ እሞ፡ ውሉድ ድማ ሃባ። ሽዑ ሳራ፡ ”ኣምላኽ ሰሓቕ ገበረለይ፡ እዚ ዝሰምዔ ዘበለ ኸኣ ምሳይ ይስሕቕ” ብምባል፡ ንወዳ፡ ”ይስሃቅ” ቢላ ሰመየቶ። ነዛ ንክርስቲያናዊ እምነት፡ ብርትዕን ልክዕነትን ንምጥባቕ እተዕጥቕን እተስንቕን፡ ”እተዳለኹም ኩኑ” እትብል መጽሓፍን፡ ነቲ ተርጒሙ ዘቕረበልና ”ዮኤል ይስሃቅ” ዝብል ስምን ከኣ ንዘክር እሞ፡ ስለቲ ግሩም ዕዮ ድማ ንኣምላኽ ክብሪ ንሃብ! እወ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ከም እንስሕቕ (ባህ ክብለና፡ ክንሕጐስ፡ ክንፍሳህ) ጌሩና’ሎ!

ሕመረት ጥቕሲ (1ጴጥ3.15)

”ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ፡ ምኽንያታ ንዚሓተኩም ዘበለስ፡ ምላሽ ንምሃብ፡ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፣ ግናኸ፡ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።”

እትጽናዕ ደኣ’ምበር ነቢብካያ ክትሕለፍ ዘይትከኣል 

”እተዳለኹም ኩኑ” ኣብ ህልውና ኣምላኽ ንዝልዓሉ ሕቶታት፡ ንወድዓውነት ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝምልከት ሕቶ ወዘተ፡ ታሪኻዊ፡ ርትዓዊ ጭብታት እናቕረብካ፡ ከመይ ጌርካ፡ ምላሽ ክትህብ ከም ዝግብኣካ፡ እትዕልም መጽሓፍ እያ። ከምቲ ኣብታ መጽሓፍ ተገሊጹ ዘሎ ኸኣ፡ እትጽናዕ ደኣ እምበር፡ ነቢብካያ ጥራይ እትሕለፍ መጽሓፍ ኣይኰነትን። ካብ ምንዳርን ምንጽርጻርን ወጺእና፡ ብዓቕልን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ተደሪኽና፡ ግቡእ ምላሽ ምሃብ ክንዕለም እንተደሊና፡ እንሆ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ተዳልያትልና ኣላ።

ኣብ 10 ምዕራፋት ተኸፋፊላ ዝቐረበት መጽሓፍ ”እተዳለኹም ኩኑ” ትርጉም ክርስቲያናዊ ጥብቅና ወንጌል፡ ህልውና ኣምላኽ፡ ኩነተ ኣጽናፈ ሰማያት ወምድር (ዩኒቨርስ)፡ ብዛዕባ ስቓይ፡ ጐይታና ኢየሱስ እቲ እንኮ መገዲ ድዩ፧ ወዘተ ንዝኣመሰሉ፡ በዳህቲ ሕቶታት፡ ገጽ-ንገጽ ገጢማ፡ ብርትዕን ልክዕነትን ትማጐት። ኣብ ሞንጎ ምዕራፋት ሰለስተን ኣርባዕተን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሞንጎ ምዕራፋት ሾብዓተን ሸሞንተን፡ ዝቐረቡ፡ ቀዳማይን ካልኣይን ክፋል፡ ጉዕዞ እምነት እቲ ጸሓፊ ኸኣ፡ ንርዝነት እቲ ጽሑፍ፡ ዘምዓዘ ክፋል ኰይኑ ቀሪቡ’ሎ።

ጠዓሞት ካብ መጽሓፍ ”እተዳለኹም ኩኑ”

ንመረዳእታ፡ ሶቅራጦስ ዝብሃል ፈላስፋ፡ ጽውጽዋያዊ ትረኻ እምበር፡ ብሓቂ ሰብ ኣይነበረን፡ ዝብሉ ብሓደ መዳይ፣ ሶቅራጦስ ኣይሞተን፡ ዝብሉ ድማ፡ ብሓደ መዳይ እንተገጠሙኻ፡ ንቕድም፡ ሶቅራጦስ ብሓቂ ሰብ ምንባሩ ዜረጋግጽ፡ ታሪኻዊ ሰነዳትን መርትዖታትን ከተቕርብ ኣሎካ። ነቶም ኣይሞተን ዝብሉ ንምእማን ከኣ፡ ኵሎም ሰባት መወትቲ ምዃኖም ዘጫብጥ፡ ስነ-ፍልጠታውን ሕክምናውን መርትዖታት ከተቕርብ ኣሎካ። ድሕር’ዚ፡ ንመጐተኻ ብቕደም ተኸተል ትሰርዖ፦

1.       ኵሎም ሰባት መወትቲ እዮም

2.      ሶቅራጦስ ሰብ እዩ

3.      ስለዚ ሶቅራጦስ መዋቲ እዩ

ሶቅራጦስ ሰብ እንተዀይኑ፡ ኵሎም ሰባት ድማ መወትቲ እንተዀይኖም፡ ስለዚ ሶቅራጦስ’ውን ሞይቱ እዩ። መጐተ 1ን 2ን ሓቂ እንተዀይኖም፡ እቲ መደምደምታ (3) ድማ ሓቂ እዩ።  ደጊም ንወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 1.1 ነቢብካ ኣስተንትን።

ገለ ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ”እተዳለኹም ኩኑ” ክንሓስበሎም ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት፦

  • ስለምንታይ እዮም ተምሃሮ፡ ኣብ እዋን ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ወይ ድሕሪኡ፡ ንእምነቶም ዝሓድግዎ፧ (ገጽ 31)

  • ስለምንታይ እዮም፡ ሊቃውንቲ ስነ መለኮት፡ ብዛዕባ ”ካላም ኮዝሞሎጂካዊ ምጕት” ዘይፈልጡ፧ (ገጽ 117)

ዝተራእዩኒ ድኻማት

”እተዳለኹም ኩኑ” መሰረታዊ ፍልጠት፡ እምነት፡ ፍልስፍና፡ ቋንቋ እንግሊዝ፡ ንዘሎዎ ደኣ እምበር፡ ነቶም ቋንቋ ትግርኛ ጥራይ ንዝመልኩ ንጀመርቲ ክትከውን እትኽእል ኣይኰነትን። ነቦይ ቀሺ ቃሉ፡ ወይ ንፓስተር ብሓይሉ፡ ”ኢዚሄራዊ ሞራላዊ ፕላቶኣዊነት” ዝብል ኣምር ከጨብጦም እንተዀይነ፡ ነቲ ክሓተኒ ዝኽእል ጸዓት ገምትዎ። 

”ኢዚሄራዊ” ብኸምቲ ኣብታ መጽሓፍ ቀሪቡ ዘሎ መግለጺ ቃላት ጥራይ ክጭበጥ ዝኽእል ኣምር ኣይኰነን። ምስ ባህልን ሕብረተሰብን ተቓንዩ ዝያዳ እንተዝርዕም፡ ንመረዳእታ፡ ሕብረተሰብና ንዘይኣማኒ ዝጥቀመሉ ቃል፡ ከምቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ’ውን ዝለመድናዮ፡ ”ኣረማዊ” ብዝብል ተተኪኡ እንተዝነብር፡ ንምርዳኡ ሓጋዚ ምዀነ። እቶም ኣምራት፡ ኣተሓሳስባታት፡ ምስላታት ወዘተ፡ ነቲ ተዛራቢ ቋንቋ ትግርኛ ብዝውክል ኣገባብ እንተዝርዓም፡ (ንመረዳእታ፡ ሰመረ ዳንኤል ተስፋይ፡ ፍልስፍናዊ ኣምራት ንምግላጽ ዝጥቀመሉ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ፡ ሓደው በየነ ተኪኤ ኣብ መጽሓፍ ሶፍያ ዝተጠቕመሉ ኣገባብ ወይ’ውን ብቐንዱ ንጽሑፋት በየነ ሃይለ ምጽናዕ፡) ሓጋዚ ምዀነ ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ። 

መዕጸዊ

ኣብ ዘመነ እኒ ወልደኣብ ወልደማርያም፡

”ደቀይ ተምሃሩ ጥበብ ካብ ብሎሚ

   ሰብሲ ኣማሚ’ዩ፡ እዝጊ ኸ ፈጻሚ” 

ብዝብል፡ ብፍርሃት ኣምላኽ እተደረኸ፡ ዘመናዊ ወለዶ ንምህናጽ ይስርሓሉ ነበረ። ኣብ ዘመነ ገድልን ዘመነ ድሕሪ ነጻነት ሃገርን ግና፡ ነቲ ”እዝጊ ኸ ፈጻሚ” ዝብል ሓሳብ ከም ዝእለ ተጌሩ፡ ”ብቕዓት ትምህርቲ’ዩ ድሌትካ ፈጻሚ” ናብ ዝዓይነቱ ጸረየ። ቤተ ክርስቲያን ኣየስተብሃለትን፡ ሓደው ብጩቕ ኣይበለትን። ደቅና ካብ እዝጊ ተፈልዮም ናብ ዓለም ጠበቑ። ነዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ፡ ፍልጠት ተዓጢቕካ፡ ብርትዕን ልክዕነትን ከተረድኦ እንተዘይክኢልካ፡ ”ኣሜን ዶ!” እናበልካ ክትደፍኖ ዝከኣል ስለ ዘይኰነ፡ ደቅናን መጻኢናን ንምብጃው፡ መጽሓፍ ”እተዳለኹም ኩኑ” ኣገዳስነት ዕዙዝ’ዩ። መጽሓፍ ንምእዛዝ ኣብዚ ጠውቑ። 

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ክሳድ ምሓዝ፡ ኣንፈት ጉዕዞና

Next
Next

ንቝጥዓ ኣይመደበናን፡ ክቝጥዓና ኸ ይኽእል ዶ፧!