ክሳድ ምሓዝ፡ ኣንፈት ጉዕዞና
“ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ ተወሊደ እየ እሞ ኣይጠፍእን፡ ዘልኣለማዊ እምበር ጊዚያዊ ህይወት ስለ ዘይረኸብኩ፡ ንዘልኣለም ብህይወት ክነብር’የ! ካብ ኢድ እግዚኣብሄር መንዚዑ ከውድቐኒ ዝኽእል ስለ ዘየልቦ፡ ንነሓዋሩ ኣይክጠፍእን እየ! በቲ ደሙ ሓንሳእን ንንሓዋሩን ተሓጺበ’የ፡ ነጺሀ’የ፡ ተቐዲሰ’የ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ኰይነ’የ፡ ውሉድ ስለ ዝዀንኩ ድማ ወራሲ’የ። ኣሜን፡ ኣሜን፡ ኣሜን፡ እቶም እትኽእልዋ እስከ ሓቢርና ንዘምር፡ “ብጐይታ እዩ ሓጐስና፡ ናይ ዘልኣለም ህይወት ዘሎና፡ ንሱ እዩ ዓቢ ተስፋና፡ ንኣምላኽና ይኹኖ ምስጋና!”
ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ
መሪሕ ሓሳብ፡ እቲ 24 ሓምለ ኣብ ጀርመን ዝካየድ ጉባኤ ኦ.ተ.ቤ. 2026፡ ኣብ እብራውያን 10.39 እዩ ዝርከብ። ካብ ፍቕዲ 36 ኣትሒዙ ድማ “ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም፡ ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ፡ ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ። ማለት፡ ገና ኣዝዩ ቝሩብ ዘመን እዩ፡ እቲ ዚመጽእ ኪመጽእ እዩ ኣይኪድንጕን ከኣ እዩ። ጻድቕ ግና ብእምነት እዩ ዚነብር፡ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ ድማ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ። ንሕና ግና ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚአምኑ እምበር፡ ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን” ድማ ይብል።
እቲ ብእምነት ዝነብር ጻድቕ፡ ንድሕሪት ክምለስ ከም ዝኽእል፡ እዚ ንድሕሪት ምምላስ ድማ፡ ጠንቁ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይምግባር ክኸውን ከሎ፡ ናብ ጥፍኣት ምምላስ ምዃኑ ኸኣ፡ እንሆ ኣብዚ ዝነበብናዮ ጥቕሲ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ቍሊሕሊሕ ብዝብል ብፍሩይ ቃላት ተጽሒፉልና’ሎ።
ተኻሊ ወይኒ፡ ጉንዲ-ወይኒ ወይሲ ጨንፈር ወይኒ፧
“ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ። … 5 ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም” በለ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ (ዮሃ 15፡1-5)። እዞም ብጨንፈር ተመሲሎም ዘለዉ ኣመንቲ፡ (ደቀ-መዛሙርቲ ጐይታ)፡ ኣብ ፍቕዲ 2. “ኣባይ ዘሎ ጨንፈር” ብምባል፡ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ከም ዘለዉ እተመስከረሎም፡ ኣብ ፍቕዲ 3 ድማ “ንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኹም” ተባሂሉ፡ ንጽህናኦም እተኣወጀሎምእዮም። እወ፡ ሳላ’ቲ ዝተነግሮም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት’ዮም! ንሳቶም ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ዘለዉ ድማ እዮም።
ኣናብባ ተመን
ንትሕዝቶን መልእኽትን ምሉእ ምዕራፍ ጐሲኻ፡ ነተን ዘድልየካ ጥራይ በጥቚልካ፡ ለለ ምባል፡ ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት ሳልሳይ ምዕራፍን፣ ኣብተን ንፈተና ጐይታና ኢየሱስ ዘዘንትዋ ምዕራፋት ወንጌልን እንርእዮ፡ እቲ ፈታኒ ዝጥቀመሉ ዝበለየ ሜላ እዩ።
ጨንፈር፡ ኣብ ጉንዲ ናይ ምጽናዕን ናይ ምፍራይን፡ (ወይ’ውን ብኣንጻሩ ኸኣ፡ ኣብቲ ጉንዲ ናይ ዘይምጽናዕን ናይ ዘይምፍራይን) መሰሉ ሕሉው ምዃኑ፡ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 15 በሪሁ’ሎ። ፍቕዲ 6 “ኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ፡ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ” ብምባል ድማ፡ ኪንዮ ምንቃጽ ሓሊፉ፡ ናብ ሓዊ ምድርባይ’ውን ከም ዘሎ ይዛረብ።
ሱታፌ ሰብ ዘይብሉ፡ ኣብ ዕዮ ኣምላኽ ጥራይ ክሕባእ ዝፍትን ኣካይዳ፡ ብኣጋኡ ምልላዩ፡ ሰናይን ግቡእን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብኸምዚ ዝስዕብ ደምዲምዎ ኣሎ። “ካብቲ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር እተሰብከ ወንጌል፡ ኣነ ጳውሎስ ዘገልጋሊኡ፡ ከይተናቓነቕኩም፡ ተሰሪትኩምን ደልዲልኩምን ብእምነት እንተ ጸናዕኩምሲ፡ ኣበርን ነቐፋን ዜብሎም ቅዱሳን ገይሩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቝመኩም፡ ሕጂ ብሰብነት ስጋኡ ብሞቱ ገይሩ ዓረቐኩም” (ቈሎ1.22-23)።
ዕርቂ፡ ድሕነት፡ ዘልኣለማዊ ህይወት፡ ብክርስቶስ እምበር ብሓደ ካልእ ከቶ የልቦን። ስለዚ ድማ’ዩ “ብሰብነት ስጋኡ ብሞቱ ገይሩ ዓረቐኩም” ዝብል ዘሎ። ካብዚ ዝሰማዕናዮን ዝተቐበልናዮን ተስፋ ግና፡ ከይተነቓነቕና፡ ተሰሪትና፡ ደልዲልና፡ ብእምነት ምጽናዕ ከኣ ናትና ግደ’ዩ! ከመዮ ቅዱስ ዳዊት’ውን ዝበሎ፡ “ጐይታየ፣ ምሕላው ቃልካ ግደይ እዩ፣ በልኩ” (መዝ119፡57)።
ገሃነም እናፈራሕና ዶ ገነት እናናፈቕና ንንበር፧
ንቓል ኣምላኽ በጥቚልና ዘይኰነስ ብምልኣት እንተነበብናዮ፡ ነቲ ገጽ ጐይታና ኢየሱስ ብጽድቂ ክንርእዮ ዘኽእለና ክርስትና ክንሕዞ ኢና። ከም ቅዲ እቲ ጸላኢ፡ እተበጥቘለ ቃል (ሓቂ ዘሎዎ ግናኸ ምሉእ ዘይኰነ) እንተሓዝና ግና፡ ብጥበራ እተመልአ ህይወት ሒዝና መወዳእታና ዘይጽቡቕ ንኽኸውን ክንሳጣሕ ኢና።
ቅኑዕ ክርስቲያናዊ እምነት ብሓንቲ ምዕራፍ
1ጴጥሮስ ምዕራፍ 2፡ 25 ፍቕድታት እዩ ዘሎዋ። ብቕኑዕ ተጻሒፉ ስለ ዘይተረዳእናዮ (ሓደው ክንርድኦ ስለ ዘይደለና ’ውን ክኸውን ይኽእል) ካብ ፍቕዲ 25 ጀሚርና ናብ ፍቕዲ ሓደ ገልቢጥና ንንበቦ።
25. ከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም አሎኹም። (ካባይ ናበይ ከም ዝተመለስና ነስተብህል እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ክብሪ ንሃቦ!)
24. ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጸይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም። (ሕድገት ሓጢኣት ምርካብና፡ ብቝስሉ ምሕዋይና፡ ንዘክር፡ ስሌኡ ድማ ነመስግን። ግናኸ፡ እቲ ዕላማ፡ ንሓጢኣት መዊትና፡ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር ምዃኑ ኸኣ ኣይንስሓት)።
21-23. ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣሳሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረ፡ ተንኰል’ውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ፡ ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር፡ ዘየፈራርሄ። (ጽውዓና ኣለሊና ንንበር)
18-20. ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ዓመጽቲ ኸኣ እምበር፡ ነቶም ሕያዎትን ልኡማትን ጥራይ ዘይኰነስ ብፍርሃት ዘበለ ንጐይተትኩም ተአዘዝዎም። ሓደ እኳ ስለ ሕሊና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዐሚጹ ጓሂ እንተ ተዐገሰ፡ እዚ ጸጋ እዩ። ሓጢኣት እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዐገስኩም፡ እንታይ ትምክሕቲ አለዎ፡ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዐገስኩም ግና፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ። (ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ ህይወት ንምረጽ)
17. ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፡ ሕውነት ኣፍቅሩ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ።
16. ከም ውጹኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ፡ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኹኑ።
13-15. ከምዚ ሰናይ እናገበርኩም፡ ዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘሎ ንጉስ፡ ወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱ፡ ካብኡ እተላእኩ መኳንንቲ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ።
12. እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዝሓምይኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣ ማእከል ኣሕዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ። (ኣኻይዳና ነጸብቕ)
11. ኣቱም ፍቁራተይ፡ ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም አሎኹ፡ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሓቑ። (ካብ ስጋዊ ትምኒት ርሓቑ)
6-10. ስለዚ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን ሕሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን ኤንብር አሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሓፍርን እዩ፡ ዚብል ኣብቲ ጽሑፍ አሎ። ነቶም ዘይኣምኑ ግና፡ ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ ስለዚ ንኣኻትኩም እትኣምኑ፡ ክቡር እዩ፡ ነቶም ዘይኣምኑ ግና እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ ምንስታትን ድማ እዩ። ብዘይ ምእዛዞም በቲ ቓል ይዕንቀፉ፡ ነዚ ድማ ምዱባት እዮም። ንስኻትኩም ግና ደግመት እቲ ኻብ ጸልማት ናብ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም። ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩም፡ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፡ ዘይተመሐርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ግና ምሑራት ኢኹም። (ካባይ ናበይ ከም ዝተሰጋገርና ንርአ እሞ፡ ስሌኡ ድማ ንኣምላኽ ብዘይ ምቍራጽ ነኽብሮ! ግናኸ፡ ነቶም ብዘይ ምእዛዞም በቲ ቓል ዝዕንቀፉ ድማ ንዘክሮም)
4-5 ናብቲ ብሰብ ንዑቕ፡ ብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ፡ እናቐረብኩም፡ ንስኻትኩም’ውን ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸተቕርቡ፡ ንቕዱስ ክህነት ዝኸውን፡ መንፈሳዊ፡ ቤት ተሀነጹ። (ተሃነጹ ማለት፡ ብቐጻሊ እንዀኖ ደኣ እምበር፡ ሓንሳእን ንንሓዋሩን ተሃኒጽኩም ተወዲእኩም ኢኹም ማለት ዘይምዃኑ ነስተብህል)።
2-3. እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዐብዩ፡ ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ። (ክንዓቢ ከም ዘድልየና (ግደ ሓቂ ከም ዝግብኣና) ፍጹም ኣይንስሓቶ። እቲ ንዕብየት ዝሕግዘና ድማ ጸሎት፡ ቃል ኣምላኽን ሕብረት ቅዱሳንን ምዃኑ ኣይንዘንግዕ)።
1. እምብኣርሲ ንዅሉ ኽፍኣትን ኵሉ ጕርሕን ግብዝናን ቅንእን ኵሉ ሕሜትን ኣርሕቕዎ።
ዕላማ ስብከትና እንታይ እዩ፧
“በቲ ወርሓት እቲ ዮሃንስ መጥምቕ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ፡ ተነስሑ፡ ኢሉ እናሰበኸ፡ ናብ በረኻ ይሁዳ መጸ” (ማቴ3.1)፡ ምትእስሳር እቲ ምቕራብ መንግስተ ሰማያትን ንስሓን ነስተብህለሉ። ጐይታና ኢየሱስ’ውን፡ “ኢየሱስ ካብኡ ነጀው፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ፡ ተንስሑ፡ እናበለ ኺሰብኽ ጀመረ” (ማቴ4.17)። “ተነስሑ” ዘየቋርጽ ማእከላይ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ’ዩ። ስብከታትና፡ ንሰባት ናብ ንስሓ ዝስሕብ ዶ ወይስ፡ ንተነሳሒ ኣዘናጊዑ ናብ ሸለልትነትን፡ ዒራ ኣይክንኩነን ኢና ንብላዕ ንስተ ናብ ዝብል ዝመርሕ’ዩ፧! ክርስትና ብፍሪኡ እዩ ዝልለ! እምበኣርከስ ብእምነት እንተሊና ርእስና ንመርምር፡ ርእስና እናጠበርና ሰማዕቲ ቃል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ገበርቲ ቓል ኴንና ክንርከብ ንጋደል ምህላውና ድማ ርእስና ንርአ።
ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ ተወሊድና ኢና እሞ ኣይንጠፍእን፡ ዘልኣለማዊ እምበር ጊዚያዊ ህይወት ስለ ዘይረኸብና፡ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ንዘልኣለም ብህይወት ክነብር ኢና! ካብ ኢድ እግዚኣብሄር መንዚዑ ከውድቐና ዝኽእል ሓይሊ ስለ ዘየልቦ፡ ንነሓዋሩ ኣይክንጠፍእን ኢና! በቲ ደሙ ሓንሳእን ንንሓዋሩን ተሓጺብና፡ ነጺሕና፡ ተቐዲስና፡ ጽድቂ ኣምላኽ’ውን ኴንና ኢና እሞ፡ ውሉድ ስለ ዝዀንና ድማ ወረስቲ ኢና! ኣሜን፡ እወ ብሓቂ፡ ክንደይ ልቢ ዜዕርፍ ሓሳባት’ዩ!ብጥንቃቐን ርዝነትን፡ ንሓጢኣት ብምፍንፋን፡ ንጽድቂ ድማ ብምስዓብ፡ ወትሩ ብንስሓ እናተሓጸብና፡ ነዚ ብጸጋ ብኸምኡ ዝረኸብናዮ ዘልኣለማዊ ህይወት፡ንጐይታ ዘሐጉሶ እንታይ ምዃኑ ነንዕለቱ ምምርማር ምእንቲ ክከኣለናስ፡ ብጸሎት፡ ብቓል ኣምላኽ፡ ብሕብረት ቅዱሳን ደኣ ጸኒዕና ንንበር እምበር፡ በቲ እናኣስሓቐ ናብ ጥፍኣት ዝወስድ ውሕጅ ተጠሊፍና ከይንጠፍእ ንጠንቀቕ!