ጾመ ታሕሳስ ናይ ሃሳስ

“ጾመ ታሕሳስ ናይ ሃሳስ” ኪብሃል ከሎ፡ ጾመ-ዓሻ፡ ጾመ-ዓዋን፡ ጾመ-ልቢ ዘይብሉ፡ ወዘተ ማለት’ዩ። “ሃሳስ” ማለት፡ ዓዋን፡ ዓሻ፡ ልቢ ዘይብሉ ወዘተ፡ ማለት ምዃኑ፡ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ይሕብረና። ነታ ሳንቲም ግልብጥ ኣቢልና፡ በቲ ሓደ ገጻ እንተረአናያ ድማ፡ እቲ ዘይጸውም ከኣ፡ ለባም፡ ብልሂ፡ መስተውዓሊ፡ ወዘተ ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ።ነታ ሳንቲም ኣብቲ ዓንኬላ እንተጠመትናያ ኸኣ፡ እቲ ንቓል ኣምላኽ ሰሚዑ ዘይገብሮ፡ ዓሻ፡ ክኸውን ከሎ፡ እቲ፡ ነቲ ቓል ሰሚዑ ዘስተውዕሎን ዝገብሮን ከኣ ለባም ምዃኑ ነስተብህል፡ (ማቴ 7.24-27)። ደጊም፡ ብርጭቆ ማይ ሒዝና ንቀመጥ’ሞ፡ ነቲ ሓሳብ በራቢርና ኸኣ እስከ፡ ርእስና ንርአ።

እምነትን ዕሽነትን

ነቲ ዘይትርእዮ ኣምላኽ፡ ትኣምኖ፣ መዓስን ብኸመይ ከም ዝምለስ ከይፈለጥካ፡ ብሕቡእን ብዘይበታኽን ትጽሊ፣ መንፈሳዊ ብርትዐ፡ ሓይልን ጽንዓትን ንምርካብ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍላጥ ትጸውም፣ ወዘተ። ሕስብ እንተበልካዮ፡ እምነት፡ ኪንዮ ብዕሽነት፡ ብኻልእ ክግለጽ ዝከኣል ኣይመስልን። 

ስለምንታይ ጾምና፧ ስለምንታይ ከ ምጻም ሓደግናዮ፧

ገሌና፡ ምህሮ ዓለም ቀሚስና፡ ኣእምሮና ብዝበርሀ፡ ብሱሩ፡ ኣብ ዝርአን ዝጭበጥን እምበር፡ ኣብ ዘይርአ ምእማን፡ ዕሽነት ምዃኑ ኣውሓስና። ስለዚ ኸኣ ኣምላኻዊ እምነትና ብምልሕላሕ፡ ነቲ ውጽኢት እምነት ዝዀነ ጾም ከኣ ምስኡ ረጥረጥናዮ። ገለ ገሌና ኸኣ፡ ፍልጠት ሓቂ፡ ማለት ምግላጽ ቃል ኣምላኽ ከይረኸብና ኣብ ዝነበርናሉ፡ ብልማድ፡ ብስርዓትን ሕግን ጥራይ ተቐይድና፡ ሩሕና ክሳዕ ዝሞልቝ ንጸውም ንነብር እሞ፡ ጽድቂ ኣምላኽ፡ ብጸጋ፡ ብክርስቶስ ብእምነት ምዃኑ ብዘውሓስና ግና፡ ንኹሉ፡ ኣብ ኣምላኽ፡ ኣብ ጸጋ፡ ኣብ ክርስቶስ ብምጥቕላል፡ ነቲ ጾም’ውን ንሕሰሞ።

ኣማኒ ኣይጾመ፡ ዘይኣማኒ ኣይጾመ፡ ባህጊ መን ተፈጸመ፧!

ፍልጠት ሓቂ ዝመስል፡ ግናኸ ጥበብ ሰብ ዝመርሖን ዝመልኮን ህይወት፡ ካብ ቃል ኣምላኽ፡ ካብ ጾምን ጸሎትን ካብ ሕብረት ኣሕዋትን ይፈልየና። ጥበብ ዓለም ከኣ ብርግጽ፡ ካብ ቃል ኣምላኽ፡ ካብ ጾምን ጸሎትን ካብ ሕብረት ኣሕዋትን ይፈልየና። እቲ ኣካይዳ ደኣ እዩ ዝፍለ ዘሎ እምበር፡ እቲ ክውቃዕ እተደልየ ዕላማስ ሓደ እዩ። ካብ ጾም፡ ስለዚ ድማ ካብ ቃል ኣምላኽ፡ ካብ ጸሎትን ካብ ሕብረት ኣሕዋትን ዝፈልየካ ቅዲ ናብራ!!

ደጊም እቲ ናብ ሰብ ቈረንቶስ እተጻሕፈ ብጥንቃቐ ንርኣዮ፡ (1ቈረ1.18-ምዕራፍ 2፡1-16)

ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲ’ውን ከፍርስ እየ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። ጥበበኛ ኣበይ አሎ፧ ምሁር ጽሑፋትሲ ኣበይ አሎ፧ መርማሪ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ አሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧ ስለዚ ዓለም ብጥበባ ንኣምላኽ ብጥበብ ኣምላኽ ገይራ ኻብ ዘይፈለጠቶ፡ ኣምላኽ ነቶም ዚአምኑ ብናይ ስብከት ዕሽነት ገይሩ ኼድሕኖም ፈቐደ።

ኣይሁድ ምልክታት ይልምኑ፡ ጽርኣውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ፡ ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ አሎና። ንሱ ነቶም ጽዉዓት፡ ንኣይሁድ ኰነ፡ ንጽርኣውያን ኰነ፡ ክርስቶስ፡ እቲ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን እዩ። ካብ ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ፡ ካብ ሰብ ከኣ ድኻም ኣምላኽ ይብርትዕ።

ኣሕዋተየ፡ ኣብቲ ጽውዓኹም እማ ተመልከቱ፡ ብዙሓት ብስጋ ለባማት፡ ብዙሓት ስልጡናት፡ ብዙሓት ጭዋታት ኣይተጸውዑን። ኣምላኽ ግና፡ ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼሕፍርሲ፡ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ፡ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ። ስጋ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕ’ውን፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣነ ገለ እየ፡ ዚብል ከንቱ ምእንቲ ኺገብር፡ ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ገለ ዘይኰነን ሐረየ።

ምዕራፍ 2.4-12

እምነትኩም ብስልጣን ኣምላኽ እምበር፡ ብጥበብ ሰብ ምእንቲ ኸይትስረትሲ፡ ዘረባይን ስብከተይን ድማ ብምርዳእ መንፈስን ስልጣንን እምበር፡ ብዜስድዕ ዘረባ ጥበብ ኣይነበረን። እምብኣርስ ኣብ ማእከል እቶም እኹላት ጥበብ ንዛረብ ኢና፡ እቲ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ንኽብረትና ዘዳለዎ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሕቡእ ምስጢር ጥበብ ኢና እንዛረብ ዘሎና እምበር፡ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ናይቶም ዚሐልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይንዛረብን ኢና።

ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብዚ ኣይፈለጦን፡ እንተ ዚፈልጥዎስ፡ ንጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም። ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ እቲ ዓይኒ ዘይረአየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሐስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ ዚብል፡ እቲ መንፈስ ግና መዓሙቚ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዂሉ ይምርምር እዩ እሞ፡ ንኣና ኣምላኽ ብመንፈስ ገይሩ ገለጸልና። እቲ ኣብኡ ዘሎ መንፈስ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ነገር ዚፈልጥከ እንታዋይ ሰብ እዩ፧ ከምኡውን መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ንሕና ግና፡ እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን።

ጾመ ታሕሳስ፡ ጾመ ሃሳስ ዶ ይመስለካ ኣሎ፧

ንሕና ኸኣ መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊ እናኣሰማማዕና፡ መንፈስ ቅዱስ ብዚምህረሉ ቓል እምበር፡ ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓል ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎና። እቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎን፡ ብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝዀነ፡ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ፡ ኬስተውዕሎ ኣይከኣሎን እዩ (1ቈረ1.13-14)።

እንታይ እዩ ውሳነኻ፧

ጾመ ታሕሳስ፡ ብቐንዱ “እቲ ዝተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ፡ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ዝያዳ ዘጥብቐና ጾም እዩ። እቲ ንምድሓንና ዝተወልደ፡ ኣብ ልብና ስፍራ ረኺቡ ዶ ኣሎ፧ ኣብዘን ቅንያት ጾም፡ ነዚ እናስተንተና ኢና ክንጸውም።
ወይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

መዓልታዊ ንባባት ጾመ ታሕሳስ

Next
Next

ክሳድ ምሓዝ፡ ኣንፈት ጉዕዞና